ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ስምዒታትካ ትቃለስ ዲኻ፧

ምስ ስምዒታትካ ትቃለስ ዲኻ፧

ምስ ስምዒታትካ ትቃለስ ዲኻ፧

ሊና እትበሃል ሓንቲ ሰበይቲ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ርእሳ ኣሉታዊ ስምዒት እዩ ነይርዋ። “እቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ ንዓመታት ዝወረደኒ ጾታዊ መጥቃዕቲ: ኣብ ርእሰይ ከም ዘይተኣማመን እዩ ገይሩኒ። ምንም ከም ዘይረብሕ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ” በለት። ሲሞን እትበሃል ካልእ ሰበይቲ እውን ነቲ መንእሰይ ዝነበረትሉ እዋን ክትዝክር ከላ: “ኣብ ውሽጠይ ባዶነትን ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠቅምን ይስምዓኒ ነበረ” ትብል። ኣብዚ ሎሚ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ንሓጐስ ብዙሓት ሰባት እዩ ዜጥፍኦ ዘሎ። ሓደ ኣብ ኰተቴ ዕድመ ንዚርከቡ መንእሰያት ብተሌፎን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዚህብ ትካል: ካብቶም ዚድውሉ ዳርጋ እቶም ፍርቂ ዝዀኑ “ዋጋ ዘይብሎም” ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ይገልጽ።

ብመሰረት ገለ ኽኢላታት ዚህብዎ ሓሳብ: ሰባት ዘይበቕዑ ዀይኑ ዚስምዖም: ካልኦት ሰባት ዋጋ ዘይብሎም ገይሮም ምስ ዚርእይዎም እዩ። ንሓደ ሰብ ዘየቋርጽ ቈየቛ: መጠኑ ዝሓለፈን ተሪርን ነቐፌታ: ወይ ድማ ጸርፊ ኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንኼሕድር ምኽንያት ኪዀኖ ይኽእል እዩ። መበገሲኡ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: እቲ ዜምጽኦ ሳዕቤን ግን ዜዳኽምን ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ኣዝዩ ዚጐድእን እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ብዛዕባ ገዛእ-ርእሶም ኣሉታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት: ንርእሶም ኰነ ንኻልኦት ኣይኣምኑን እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ: እቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዝነበሮም ጽቡቕ ርክብን ናይ ቀረባ ዕርክነትን ከይተፈለጦም ይበላሾ። ካብቲ መጽናዕቲ እተረኽበ ጸብጻብ “ብኻልእ ኣዘራርባ: ነቲ ኣዝዩ ዜፍርሆም ኵነታት ባዕሎም ይፈጥርዎ” በለ።

ከምዚ ዚስምዖም ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ‘ጓሂ ልቢ’ ኣለዎም። (መዝሙር 94:19) ፈጺሞም ከም ዘይረብሑ እዩ ዚስምዖም። ገለ ነገር እንተ ዘይሰለጦም: ንርእሶም እዮም ተሓታቲ ዚገብሩ። ዋላኳ ኻልኦት ሰባት በቲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ እንተ ነኣድዎም: ብውሽጦም ግን ዜታልልዎም ዘለዉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ኪሕጐሱ ዘይግብኦም ስለ ዚመስሎም: ኬዐርይዎ ዘይክእሉ ዚመስሎም ጐዳኢ ባህሪ የማዕብሉ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሊና ኣብ ርእሳ ምትእምማን ስለ ዘይነበራ ስርዓት ዘይብሉ ኣመጋግባ ኽትምገብ ጀመረት። “ዋላ ሓንቲ ነገር ክቕይር ከም ዘይኽእል ኰይኑ ተሰምዓኒ” ድማ በለት።

እዞም ‘ጓሂ ልቢ’ ዘለዎም ሰባት ኣኺልዎም ከምዚ እናተሰምዖም ካብ ምንባር ሓሊፉ ተስፋ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ንኸምዚ ዓይነት ስምዒት ምስናፉ ይከኣል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቓልሲ ዘለዉ ንኺዕወቱ ዚሕግዝ ስርዓታትን ግብራዊ ማዕዳን ይህብ እዩ። ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ እንታይ እዩ፧ ነቶም በዚ ዚሳቐዩ ሰባትከ ሓጐስ ኪረኽቡ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ እዛ ቐጺላ እትርከብ ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ።