ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ነዊሕ ጕዕዞአን ዓስቢ ረኸባሉ

ነቲ ነዊሕ ጕዕዞአን ዓስቢ ረኸባሉ

ነቲ ነዊሕ ጕዕዞአን ዓስቢ ረኸባሉ

ክልተ ብስጋ ኣሓት ዝዀና ኣብቲ ኣብ ሊሳላ እተኻየደ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ንምክፋል: ብዂናት ኣብ ዝዓነወ ኸባቢ ነዊሕ ጕዕዞ ኸም ዝገበራ ኻብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እተረኽበ ተመክሮ ይሕብር። ኣብ ርእሲ እቲ ዚረኽባኦ መንፈሳዊ ትምህርትን ክርስትያናዊ ሕብረትን: ምስቶም ካብ ኪንሻሳ ዚመጹ ተወከልቲ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምርኻብ ብዓብዪ ሃንቀውታ እየን ዚጽበያኦ ነይረን። ብምኽንያት እቲ ኣብታ ዓዲ ዘጋጠመ ውግእ ሓድሕድ ምስቶም ካብቲ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ዚመጹ ተወከልቲ ንዓመታት ዚኣክል ተራኺበን ኣይፈልጣን እየን: ስለዚ ኸኣ እየን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስኦም ንምርኻብ ኪጥቀማሉ ዝደለያ።

እዘን ክልተ ኣሓት እዚኣተን ብሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ገይረን ካብታ ናይ ትውልዲ ዓደን ባሳኩሱ ተላዒለን ናብ ሊሳላ ንምብጻሕ 300 ኪሎ ሜተር ዝወሰደ ነዊሕ ጕዕዞ ገበራ: እዚ ድማ ብጫካ ምሕላፍን ብኽልተ ፈለግ ምጕዓዝን ዚሓትት ነበረ። እቲ ጕዕዞ ሰለስተ ሰሙን ወሰደለን። እታ ሓንቲ ን3 እታ ሓንቲ ድማ ን19 ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይነን ዘገልገላ ብምዃነን: ነቲ ጕዕዞአን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ተጠቕማሉ። ነቶም ንእግረ-መገደን ዝረኸባኦም ሰባት 200 ዚኸውን ትራክትን 30 መጽሔታትን ብምዕዳል 110 ዚኸውን ሰዓታት ብምስባኽ ኣሕለፋኦ።

በቲ ፈለግ ኪጕዓዛ ኸለዋ ብማእከል እቶም ኣብቲ ኸባቢ ኣዘውቲሮም ዚረኣዩ ጉማረታትን ሓራግጽን ኪሓልፋ ነበረን። ለይቲ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ ኣይጐዓዛን እየን ነይረን። ብተወሳኺውን ብሓያሎ ወተሃደራዊ ናይ ፍተሻ ነቝጣታት ሓሊፈን እየን።

እዘን ኣሓት እዚኣተን ዋላኳ እቲ ጕዕዞአን ኣዝዩ ነዊሕን ኣድካምን እንተ ነበረ: ነዚ ጻዕሪ እዚ ምግባረን ግን ኣሐጒስወን እዩ። ኣብቲ ኣብ ሊሳላ እተገብረ ኣኼባ ብምክፋለን ኣማስየናሉን ተሓጒሰንን እየን። እቲ ንሓቂ ዘለወን ስምዒት ውዕዉዕ ኰነ: ንልበን እውን ኣጐሃሃሮ: ኣብቲ ኣኼባ 7,000 ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ተኣኪቦም ብምርኣየን ድማ ተበራትዓ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኺምለሳ ኸለዋ: ከምታ ኺመጻ ኸለዋ ዘጋጠመን ዓይነት ኣጸጋሚ ዅነታት ሰጊረን ናብ ዓደን በጽሓ: ንስድራአን ድማ ብደሓን ረኸባኦም።