ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዅራ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧

ንዅራ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧

ንዅራ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 7:9 “ኵራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ” ይብል። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሓደ ሰብ ኪብድለና ኸሎ ተኣፈፍቲ ኽንከውን ከም ዘይብልና: የግዳስ ይቕረ ኽንብል ከም ዘሎና እያ እትሕብር።

ይኹን እምበር: መክብብ 7:9 ንዅሉ እቲ ዜጋጥመና በደል ክብደቱ ዀነ ብዝሑ ብዘየገድስ ይቕረ ብምባልን ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ብዘይምውሳድን: ክንኵሪ ወይ ክንቍጣዕ ከም ዘይብልና ድያ እትገልጽ፧ እቲ እንብድሎ ሰብ ይቕረ ኺብለና ኸም ዘለዎ ብምፍላጥና: ከይንብድል ኢልና ኽንስከፍ የብልናን ማለት ድዩ፧ ከምዚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

የሆዋ ፈቃር: መሓሪ: ይቕረ በሃሊ: ከምኡውን ዓቃል እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ከም ዝዀረየ ወይ ከም እተቘጥዐ ተገሊጹ ኣሎ። ኵራኡ ኣብ ዚነደሉ እዋን: ነቶም በደልቲ ስጕምቲ ይወስደሎም ነበረ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኣብ የሆዋ እተፈጸመ በደል

ኣብ 1 ነገስት 15:30 ዚርከብ ጸብጻብ ብዛዕባ ሓጢኣት የሮብዓም ኪገልጽ ከሎ: “ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ” ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ዜና መዋእል 28:25 ብዛዕባ ኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ: ኣብኡ ኺዐጥነሎም: በረኽቲ ገበረ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ” ዚብል ንረክብ። ካልእ ኣብነት ከኣ ኣብ መሳፍንቲ 2:11-14 ንረክብ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ: ንበዓልውን ኣገልገሉ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። . . . ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ: ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም።”

ንየሆዋ ዜዀርዮ ወይ ዜቘጥዖ ኸምኡውን ተሪር ስጕምቲ ንኺወስድ ዚድርኾ ኻልእ ነገራት እውን ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ዘጸኣት 22:18-20 “ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ። ምስ እንስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት። ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ: ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት” ዚብል ነንብብ።

ጥንታዎት እስራኤላውያን ንየሆዋ እናኣዀረይዎ ኻብ ልቢ ኸይተነስሑ ኺመላለሱ ምስ ጀመሩ: ነቲ ኸቢድ በደሎም ንሓዋሩ ይቕረ እናበለ ኣይኰነን ቀጺሉ። ናይ ሓቂ ነስሓን ንየሆዋ ንኺእዘዙ ኻብ መገዶም ከም እተመልሱን ኣብ ዘየርእዩሉ እዋን: ኣምላኽ ነቶም በደልቲ ንጥፍኣት ኣሕሊፉ ይህቦም ነበረ። እዚ ኸኣ ብ607 ቅ.ክ. ብባቢሎናውያን: እንደገና ብ70 ድ.ክ. ብሮማውያን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ተፈጸመ።

እወ: የሆዋ በቲ ሰባት ዚብልዎ ወይ ዚገብርዎ ሕማቕ ነገራት ይዅሪ ወይ ይቝጣዕ: ነቶም ሓጢኣቶም ከቢድ ዝዀነ ዘይንስሑ በደልቲ ኸኣ ይቐጽዖም እዩ። እዚ ግን ከምቲ ኣብ መክብብ 7:9 ተጠቒሱ ዘሎ ጌርካ ኸም ዚውሰድ ይገብሮ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብኸቢድ ሓጢኣት ምዅራዩ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ: ኵሉ ሳዕ ከኣ ብፍትሒ እዩ ዚፈርድ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ” ይብል።—ዘዳግም 32:4

ንሰባት ዜጋጥሞም ከቢድ በደል

ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ንጥንታዎት እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ንሰባት ከቢድ በደል ዚብድል ሰብ ሕማቕ ሳዕቤናት የጋጥሞ ነበረ። ንኣብነት: ሰራቒ ብለይቲ ናብ ሓደ ቤት እንተ ኣተወ እሞ እቲ ብዓል ቤት ምስ ዚቐትሎ: እቲ ብዓል ቤት ብምፍሳስ ደም ኣይሕተትን ነበረ። የግዳስ: ከም ሓደ ንጹህ ግዳይ ናይ ሓደ ኸቢድ ገበን ጌርካ ይርአ ነበረ። ስለዚ: “ሰራቒ ጥሒሱ ኺአቱ ኸሎ እንተ ተረኽበ: ወቒዖምዎ ኸኣ እንተ ሞተ: [እቲ ብዓል ቤት] ዕዳ ደም የብሉን” ዚብል ነንብብ።—ዘጸኣት 22:2

ሓንቲ እተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ እውን ንኽትቍጣዕ ወይ ንኽትኵሪ እኹል ምኽንያት ኣለዋ: ከመይሲ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቢድ ገበን እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: እቲ ንሰበይቲ ዚዕምጻ ሰብኣይ: “ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዚቐተሎ” ስለ ዝዀነ: ኪመውት ነበሮ። (ዘዳግም 22:25, 26) ንሕና ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እኳ እንተ ዘይኰንና: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኸቢድ በደል ዝዀነ ምዕማጽ ወይ ምግሳስ ከመይ ከም ዚስምዖ ግን ንኽንርድኦ ይሕግዘና።

ኣብዚ ግዜና ንሰበይቲ ምዕማጽ ወይ ምግሳስ: ሓያል መቕጻዕቲ ዘለዎ ኸቢድ ገበን እዩ። እታ ግዳይ ናብ ፖሊስ ንኽትጠርዕ መሰል ኣለዋ። በዚ ኸምዚ እቶም ሰበ-ስልጣን ነቲ በዳሊ ይቐጽዕዎ። እታ ግዳይ ንእሽቶ ጓል እንተ ዀይና ኸኣ: ወለዳ ነዚ ጕዳይ እዚ ኼበግስዎ ይኽእሉ እዮም።

ቀለልቲ በደላት

እንተዀነ ግን: ኵሉ በደላት ኣይኰነን ብሰበ-ስልጣን ስጕምቲ ኺውሰደሉ ዘለዎ። ስለዚ: ካልኦት ብዚገብርዎ ንኣሽቱ ጌጋታት ክንቝጣዕ ዘይኰነስ: ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ኢና እንደሊ። ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኢና ይቕረ ኽንብል ዘሎና፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ “ጐይታይ: ሓወይ እንተ በደለንስ: ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር: ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ መለሰሉ።—ማቴዎስ 18:21, 22

በቲ ኻልእ ሸነኽ: ንኻልኦት ምእንቲ ኸይነቘጥዖም ወትሩ ክርስትያናዊ ባህርያት ንኸነማዕብል ክንጽዕር ኣሎና። ንኣብነት: ምስ ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ ሓድሓደ ግዜ ዝመስለካ እትድርጕሕን ሜላ ዘይብልካን ንሰባት እትዝልፍን ዲኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መገድታት ንሰባት የዀርዮም እዩ። እቲ በዳሊ ነቲ ግዳይ ብቐሊሉ ዚዅሪ እዩ ኢሉ ኣብ ክንዲ ምኽሳስን ብኡንብኡ ይቕረ ኺብለሉ ኣብ ክንዲ ምጽባይን: ነቲ ሰብ ከም ዚዅሪ ዝገበሮ ንሱ ምዃኑ ኼስተውዕል ኣለዎ። እቲ በዳሊ ኻብ መጀመርታኡ ንሰብ ምእንቲ ኸይጐድእ ዚገብሮን ዚብሎን ኪቈጻጸር ኪጽዕር ኣለዎ። እዚ ጻዕሪ እዚ ኸኣ ነቲ ንስምዒት ካልኦት ክንጐድኣሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት ይንክዮ። መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ብምባል የዘኻኽረና። (ምሳሌ 12:18) ንሰባት ኣብ እነዀርዮም እዋን: ዋላ እውን ነዚ ኸይሓሰብና እንተ ገበርናዮ: ይቕረታ ምሕታትና ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ብዙሕ እዩ ዚጠቅም።

ቃል ኣምላኽ “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ይብለና። (ሮሜ 14:19) እቲ እንዛረቦ ብጥንቃቐን ብሕያውነትን ምስ ዚኸውን: እቲ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ዚብል ምስላ ኣባና ይውዕል። (ምሳሌ 25:11) እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብልን ዜሐጕስን ጦብላሕታ ዀን እዩ ዚሓድግ! ልዙብን ብሜላ ዚዝረብን ዘረባ ነቲ ኻልኦት ዝነበሮም ተሪር ኣረኣእያ እውን ይቕይሮ እዩ። ከመይሲ: “ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር።”—ምሳሌ 25:15

ስለዚ: ቃል ኣምላኽ “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ብምባል ይምዕደና። (ቈሎሴ 4:6) “ብጨው እተቓመመ” ኺበሃል ከሎ: ዘረባና ንኻልኦት ከም ዚምቅሮም ምግባር ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ንኸይነዀርዮም ይሕግዝ። ክርስትያናት ብቓል ኰነ ብግብሪ ነቲ “ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉ ይጽዕሩ እዮም።—1 ጴጥሮስ 3:11

እምበኣር: መክብብ 7:9 በቲ ኻልኦት ዚፍጽምዎ ብተዛማዲ ንኣሽቱ ዝዀነ በደላት ከይንዅሪ ወይ ከይንቝጣዕ እያ እትገልጽ ዘላ። እዚ ንኣሽቱ በደላት እዚ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እተፈጸመ ወይ ደይ መደይ ኢልካ እተገብረ ንእሽቶ በደል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ከቢድ በደል ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን: እቲ ግዳይ እንተ ተቘጥዐ ወይ እንተ ዀረየ እሞ ግቡእ ስጕምቲ ኸም ዚውሰድ ኪገብር እንተ ደለየ: ጌጋ የብሉን።—ማቴዎስ 18:15-17

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ዘይተነስሑ እስራኤላውያን ብሮማውያን ገይሩ ብ70 ድ.ክ. ኣጥፍኦም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

“ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ . . . እዩ”