ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት: ካብቲ ቐዳማይ መጽሓፍ ነገስት ዘቋረጸሉ እያ እትቕጽል። ብዛዕባ 29 ነገስታት ድማ እያ እትትርኽ። ካብዚኣቶም 12 ኣብ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ዝነገሱ ኪዀኑ ኸለዉ: 17 ኸኣ ኣብ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ ዝነገሱ እዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኤልያስን ኤልሳእን ኢሳይያስን ዚበሃሉ ነብያት ብዛዕባ ዝገበርዎ ንጥፈታት እውን ትትርኽ እያ። ምሉእ ብምሉእ መስርዕ ግዜ ሓልያ እተጻሕፈት እኳ እንተ ዘይኰነት: እቲ ጸብጻብ ግን ክሳዕ እቲ ሰማርያን የሩሳሌምን እተደምሰሳሉ ግዜ ይትርኽ። ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ብነብዪ ኤርምያስ እተጻሕፈት ኰይና: ካብ 920 ቅ.ክ. ክሳዕ 580 ቅ.ክ.: ማለት 340 ዓመት ትሽፍን።

ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት እንታይ እያ እትጠቕመና፧ ብዛዕባ የሆዋን ተግባራቱን እንታይ እያ እትምህረና፧ ካብቲ ኣብኣ ተጠቒሶም ዘለዉ ነገስታትን ነብያትን ካልኦት ሰባትን ዝገበርዎ ነገራት እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብ እስከ ንርአ።

ኤልሳእ ንኤልያስ ተክኦ

(2 ነገስት 1:1–8:29)

ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤቱ ወደቐ እሞ ሓመመ። ንነብዪ ኤልያስ ከኣ ብዛዕባ እዚ ሓተቶ: ንሱውን ከም ዚመውት ነገሮ። ኣሓዝያ ሞተ: ዮራም ሓዉ ድማ ናብ ዝፋን ደየበ። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ዮሳፋጥ ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ነበረ። ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ተወስደ: እቲ ጊልያኡ ዝነበረ ኤልሳእ ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነብዪ ዀነ። ኤልሳእ ኣብቲ ድሕሪኡ ን60 ዓመት ዚኸውን ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ: ተኣምራት ገበረ።—ነታ “ተኣምራት ኤልሳእ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ንጉስ ሞኣብ ካብ እስራኤል ምስ ዓለወ: ዮራምን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኪዋግእዎ ኸዱ። ዮሳፋጥ እሙን ብምዃኑ ኸኣ ዓወት ረኸቡ። ጸኒሑ: ንጉስ ሶርያ ብሃንደበት ንእስራኤል ኬጥቅዓ መደበ። እንተዀነ ግን: ኤልሳእ ነቲ መደብ ኣፍሸሎ። ንጉስ ሶርያ በዚ ተቘጥዐ: ንኤልሳእ ንኺሕዝዎ ኸኣ “ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን” ለኣኸ። (2 ነገስት 6:14) ኤልሳእ ክልተ ተኣምራት ገበረ: ነቶም ሶርያውያን ከኣ ብሰላም ናብ ዓዶም ሰደዶም። ድሕሪ ግዜ: ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ንሰማርያ ኸበባ። እዚ ኸኣ ከቢድ ጥሜት ኣስዓበ: ኤልሳእ ግን እቲ ጥሜት ከም ዜብቅዕ ተነበየ።

ድሕሪ እተወሰነ እዋን: ኤልሳእ ናብ ደማስቆ ኸደ። ንጉስ ቤን-ሃዳድ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓሚሙ ስለ ዝነበረ: ካብቲ ሕማሙ ዚሓዊ እንተ ዀይኑ ንኺሓተሉ ንሓዛኤል ለኣኾ። ኤልሳእ: እቲ ንጉስ ከም ዚመውትን ሓዛኤል ኣብ ክንዳኡ ዀይኑ ኸም ዚገዝእን ተነበየ። ንጽብሒቱ: ሓዛኤል “ማቕ” ወሲዱ ኣብ ማይ ድሕሪ ምእላኽ: ብእኡ ገይሩ ነቲ ንጉስ ዓፊኑ ቐተሎ: ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ። (2 ነገስት 8:15) ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ኰነ: ብድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።—ነታ “ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:9—ኤልሳእ ‘ዕጽፊ መንፈስ ኤልያስ’ ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 ‘ካብቲ መንፈስ ኤልያስ ዕጽፊ ብጽሒት’ ዝለመነ ስለምንታይ እዩ፧ ኤልሳእ ኣብ እስራኤል ነብዪ ዀይኑ ንኼገልግል እተዋህቦ ሓላፍነት ንኺፍጽም: እቲ ኤልያስ ዘንጸባረቖ ናይ ትብዓትን ድፍረትን መንፈስ የድልዮ ነበረ። ኤልሳእ ነዚ ስለ ዝፈለጠ: ካብቲ መንፈስ ኤልያስ ዕጽፊ ብጽሒት ኪወሃቦ ሓተተ። ኤልሳእ ንኤልያስ ሽዱሽተ ዓመት ጊልያኡ ዀይኑ ኣገልጊልዎ እዩ: ድሕሪኡ ኤልያስ ኣብ ክንዳኡ ነብዪ ኪኸውን መዘዞ። ኤልሳእ ንኤልያስ ከም በዅሪ መንፈሳዊ ወዱ ስለ ዝነበረ: ከም መንፈሳዊ ኣቦኡ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። (1 ነገስት 19:19-21፣ 2 ነገስት 2:12) ስለዚ: ከምቲ ቓል ብቓሉ በዅሪ ውሉድ ካብ ውርሲ ኣቦኡ ኽልተ ብጽሒት ዚወስድ ዝነበረ: ኤልሳእ እውን ካብ መንፈሳዊ ውርሲ ኤልያስ ክልተ ብጽሒት ኪወሃቦ ሓተተ: ተዋህቦ ኸኣ።

2:11—ኤልያስ “ብህቦብላ ንፋስ” ናብ ኣየናይ “ሰማይ” እዩ ዓሪጉ፧ እዚ “ሰማይ” ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ክፋል ዩኒቨርስ ወይ እቲ ኣምላኽን መላእኽቱን ዚነብሩሉ መንፈሳዊ መንበሪ ኣይኰነን። (ዘዳግም 4:19፣ መዝሙር 11:4፣ ማቴዎስ 6:9፣ 18:10) የግዳስ: ኤልያስ ናብቲ ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ “ሰማይ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሃዋሁ እዩ ዓሪጉ። (መዝሙር 78:26፣ ማቴዎስ 6:26) እቲ ሰረገላ ሓዊ ብሃዋሁ ምድሪ ኣቢሉ ናብ ካልእ ቦታ ምድሪ እዩ ወሲድዎ: ኣብኡ ኸኣ ንእተወሰነ እዋን ይነብር ነበረ። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ኤልያስ ንዮራም ንጉስ ይሁዳ ደብዳበ ጽሒፉሉ እዩ።—2 ዜና መዋእል 21:1, 12-15

5:15, 16—ኤልሳእ ነቲ ንእማን ዘምጽኣሉ ገጽ በረኸት ዘይተቐበለ ስለምንታይ እዩ፧ ኤልሳእ: ንእማን ብተኣምራዊ መገዲ ኺሓዊ ዝኸኣለ: ብሓይሊ የሆዋ ደኣ እምበር ብሓይሉ ኸም ዘይኰነ ይፈልጥ ብምንባሩ እዩ ነቲ ገጽ በረኸት ዘይተቐበሎ። ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓላፍነት መኽሰብ ንምርካብ ኪጥቀመሉ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ: ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ብሕታዊ ጥቕሚ ኺረኽቡ ኣይጽዕሩን እዮም። ነቲ የሱስ “ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ” ብምባል ዝመዓዶም ማዕዳ ይዓዩሉ እዮም።—ማቴዎስ 10:8

5:18, 19—ንእማን ኣብ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብምስታፉ ድዩ ይቕረታ ኺግበረሉ ዚሓትት ነይሩ፧ ንጉስ ሶርያ ኣሪጉን ደኺሙን ነይሩ ስለ ዚኸውን: ኣብ ንእማን ይጕዝጐዝ ነበረ። እቲ ንጉስ ንሪሞን ኣብ ዚሰግደሉ እዋን: ንእማን እውን ምስኡ ይደንን ነበረ። ንእማን ግን ኣምልኾ ኬቕርብ ኢሉ ዘይኰነስ: ነቲ ንጉስ ንኺድግፎ ኢሉ ጥራይ እዩ ምስኡ ዚሰግድ ነይሩ። ስለዚ: ነዚ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ብምፍጻሙ የሆዋ ይቕረ ኺብለሉ እዩ ዚሓትት ነይሩ። ኤልሳእ ንንእማን ስለ ዝኣመኖ: “ብሰላም ኪድ” በሎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:13, 14 ካብ እንዕዘቦ ነገራት ትምህርቲ ምውሳድን ብትሕትና ምምልላስን ህይወት ሰባት ኬድሕን ይኽእል እዩ።

2:2, 4, 6 ኤልሳእ ንኤልያስ ምናልባት ሽዱሽተ ዓመት ዚኣክል እኳ እንተ ኣገልገሎ: ካብኡ ኺፍለ ግን ፍቓደኛ ኣይኰነን። እዝስ ከመይ ዝበለ ኣብነት ተኣማንነትን ዕርክነትን ኰን እዩ!—ምሳሌ 18:24

2:23, 24 ኤልሳእ ኣደዳ ላግጺ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት: በራሕ ብምዃኑን ነቲ ባርኖስ ኤልያስ ብምልባሱን እዩ። እቶም ቈልዑ: ኤልሳእ ተወካሊ የሆዋ ምዃኑ ፈለጡ: ኣብቲ ኸባቢ ኺመጽእ ድማ ኣይደለይዎን። “ደይብ” ከኣ በልዎ: እዚ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ኪድይብ ወይ ከም ኤልያስ ኪዓርግ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ቈልዑ ናይ ወለዶም ምጽራር ኣንጸባሪቖም ኪዀኑ ኣለዎም። እምበኣር: ወለዲ ንደቆም: ንተወከልቲ ኣምላኽ ኬኽብሩ ኺምህርዎም ኣለዎም!

3:14, 18, 24 ቃል የሆዋ ወትሩ ይፍጸም እዩ።

3:22 እቲ ናይ ንግሆ ነጸብራቕ: ነቲ ማይ ደም ከም ዚመስል ገበሮ። ምናልባት እቲ ማያት ዝዓቘረሉ ቦታ ቐይሕ ሓመድ ዘለዎ ይኸውን። የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ባህርያዊ ተርእዮ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።

4:8-11 እታ ኣብ ሹኔም እትነብር ሰበይቲ: ኤልሳእ “ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ” ምዃኑ ብምፍላጣ: ተአንግዶ ነበረት። ንሕናኸ ንእሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብርዶ ኣይግባእን፧

5:3 እታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ኣብቲ ኣምላኽ ተኣምራት ንምግባር ዘለዎ ኽእለት እምነት ነበራ። ብዛዕባ እምነታ ንኽትዛረብ እውን ትብዓት ነበራ። ኣቱም ንኣሽቱን መንእሰያትን ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘለኩም እምነት ተደልድሉ: ነታ ሓቂ ድማ ንመምህራንኩምን ንመማህርትኹምን ብትብዓት ትነግሩ ዲኹም፧

5:9-19 ካብ ኣብነት ንእማን ከም ዝረኣናዮ: ሓደ ዕቡይ ዝነበረ ሰብ ትሕትና ኺመሃር ከም ዚኽእል ደይኰንናን እንመሃር፧—1 ጴጥሮስ 5:5

5:20-27 ገሓዚ ሓሶት ብምዝራቡ ኸቢድ ሳዕቤን እዩ ኣስዒቡሉ። ነቲ ኽልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ ዜምጽኦ ጓሂ ልብን ሓዘንን ምዝካርና: በዚ መገዲ እዚ ንኸይንመላለስ ይሕግዘና።

እስራኤልን ይሁዳን ናብ ምርኮ ተወስዱ

(2 ነገስት 9:1–25:30)

የሁ: ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ተቐብአ። ንቤት ኣከኣብ ንምጥፋእ ከኣ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብሜላ ድማ ንኣምልኾ “በዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ።” (2 ነገስት 10:28) ዓታልያ: ኣሓዝያ ወዳ ብየሁ ኸም እተቐትለ ምስ ፈለጠት: ‘ንብዘሎ ዓሌት መንግስቲ ይሁዳ ኸተጥፍእን’ ነቲ ዝፋን ንኽትምንዝዕን ተንስአት። (2 ነገስት 11:1) እቲ ዮኣስ ዚበሃል ሕጻን ወዲ ኣሓዝያ ጥራይ እዩ ብህይወት ተሪፉ: ንሽዱሽተ ዓመት ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። ዮኣስ ብዮያዳ እቲ ኻህን ስለ እተማህረ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ።

ድሕሪ የሁ ዅሎም እቶም ኣብ እስራኤል ዝገዝኡ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክፉእ ገበሩ። ወዲ ወዱ ንየሁ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ኤልሳእ ኣሪጉ ሞተ። ካብ ዮኣስ ቀጺሉ ኣብ ራብዓይ ዝነገሰ ንጉስ ይሁዳ: ኣሃዝ ይበሃል: ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ቅኑዕ ኣይገበረን።’ (2 ነገስት 16:1, 2) ህዝቅያስ ወዱ ግን “ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ።” (2 ነገስት 17:20፣ 18:6) ብ740 ቅ.ክ. ህዝቅያስ ኣብ ይሁዳ: ሆሴእ ከኣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝነገሱሉ እዋን: ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር “ንሰማርያ ሐዛ: ንእስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም።” (2 ነገስት 17:6) ድሕሪኡ: ጓኖት ኣምጺኡ ኣብ እስራኤል ኣንበሮም: በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ሳምራውያን ሃይማኖት ተመስረተ።

ካብቶም ድሕሪ ህዝቅያስ ዝነገሱ ሸውዓት ነገስታት ይሁዳ: ዮስያስ ጥራይ እዩ ነታ ሃገር ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንኼጽርያ ስጕምቲ ዝወሰደ። ኣብ መወዳእታ: ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ሓዝዋ: ‘ይሁዳ ኸኣ ካብ ሃገሩ ተማረኸ።’—2 ነገስት 25:21

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

13:20, 21—እዚ ተኣምር እዚ ቕዱስ እዩ ንዚበሃል ሃይማኖታዊ ቕርሲ ፍሉይ ኣኽብሮት ክንህቦ ኸም ዘሎና ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ፍሉይ ኣኽብሮት ይወሃቦ ኸም ዝነበረ ኣይሕብርን እዩ። እዚ ተኣምር እዚ ኺግበር እተኻእለ: ከምቲ ኤልሳእ ብህይወት ከሎ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት: ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

15:1-6—የሆዋ ንኣዛርያ (ንዑዝያ) ብለምጺ ዝወቕዖ ስለምንታይ እዩ፧ “[ዑዝያ] ምስ ሰልጠነ ግና: ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ። ናብቲ መቕደስ እግዚኣብሄር አትዩ: ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዐጥን ኢሉ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።” እቶም ካህናት ‘ንዑዝያ ምስ ተቓወምዎን ካብ ቤተ መቕደስ ኪወጽእ’ ምስ ተዛረብዎን: ነቶም ካህናት ስለ ዝዀረየሎም ብለምጺ ተወቕዐ።—2 ዜና መዋእል 26:16-20

18:19-21, 25—ህዝቅያስ ምስ ንጉስ ግብጺ ኺዳን ተኣታትዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣይተኣታተወን። ራብሳቀ ‘ብፍቓድ እግዚኣብሄር’ ከም ዝመጸ ኣምሲሉ ይሕሱ ብምንባሩ: ብሓሶት እዩ ዚኸሶ ነይሩ። እቲ እሙን ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ ጥራይ እዩ ዚውከል ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

9:7, 26 እቲ ኣብ ቤት ኣከኣብ ዝወረደ ኸቢድ ፍርዲ: ናይ ሓሶት ኣምልኾን ንጹህ ደም ምፍሳስን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍንፉን ምዃኑ ይሕብር።

9:20 የሁ ሰረገላ ኣብ ዚዝውረሉ እዋን ብፍጥነቱ ዅሉ ዚፈልጦ ምንባሩ: መዝነቱ ኺፍጽም ከሎ ቕንኣት ከም ዝነበሮ እዩ ዜመልክት። ንስኻኸ ኸም ቀናእ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ እትፍለጥ፧—2 ጢሞቴዎስ 4:2

9:36, 37፣ 10:17፣ 13:18, 19, 25፣ 14:25፣ 19:20, 32-36፣ 20:16, 17፣ 24:13 እቲ ‘ኻብ ኣፍ የሆዋ ዚወጽእ ቃል: ኬቕንዕ ምዃኑ’ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 55:10, 11

10:15 ከምቲ ዮናዳብ ነቲ የሁ ዘቕረበሉ ዕድመ ብምሉእ ልቡ ተቐቢሉ ናብቲ ሰረገላ ዝደየበ: እቶም “ብዙሓት ሰብ” ከኣ ነቲ ኣብዚ ግዜና ብየሁ ዚምሰል የሱስ ክርስቶስን ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቱን ብፍታው ይድግፍዎም።—ራእይ 7:9

10:30, 31 የሁ ኣበር ዘይብሉ እኳ እንተ ዘይነበረ: የሆዋ ግን ነቲ ዝገበሮ ነገር ሞሳ ኣርኣየ። እወ: ‘ኣምላኽ ንግብርና ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።’—እብራውያን 6:10

13:14-19 እቲ ንየሁ ወዲ ወዱ ዝዀነ ዮኣስ ትግሃት ኣብ ክንዲ ዜርኢ: ንምድሪ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ስለ ዝወቕዓ: ኣብ ሶርያውያን እተወሰነ ዓወት ጥራይ እዩ ረኺቡ። የሆዋ ነቲ ዝመደበልና ዕዮ ብምሉእ ልብናን ብቕንኣትን ክንፍጽሞ እዩ ዚጽበየና።

20:2-6 የሆዋ ‘ሰማዕ ጸሎት’ እዩ።—መዝሙር 65:2

24:3, 4 የሆዋ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዘፍሰሶ ደም: ንይሁዳ “ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።” ኣምላኽ ንደም ንጹሃት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። የሆዋ ነቶም ንጹህ ደም ዜፍስሱ ብምጥፋእ ሕነ ኸም ዚፈዲ: ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 37:9-11፣ 145:20

ንሕና እንረኽቦ ጥቕሚ

ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ንየሆዋ ኸም ፈጻሚ መብጽዓታቱ ገይራ እያ እትገልጾ። ተቐማጦ እተን ክልተ መንግስትታት: ማለት ፈለማ ተቐማጦ እስራኤል: ደሓር ከኣ ተቐማጦ ይሁዳ ናብ ምርኮ ምኻዶም: እቲ ኣብ ዘዳግም 28:15-29:28 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታዊ ፍርዲ ፍጻሜኡ ኸም ዝረኸበ እዩ ብንጹር ዜርኢ። ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት: ኤልሳእ ንስም የሆዋን ንናይ ሓቂ ኣምልኾን ዓብዪ ቕንኣት ዝነበሮ ነብዪ ኸም ዝነበረ እያ እትገልጾ። ህዝቅያስን ዮስያስን ንሕጊ ኣምላኽ ዜኽብሩ ትሑታት ነገስታት ምዃኖም ተገሊጾም ኣለዉ።

ነረኣእያታትን ተግባራትን እቶም ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ተመዝጊቦም ዘለዉ ነገስታት: ነብያት: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ከነስተንትነሉ ኸለና: ክንጽዕረሉን ከነርሕቖን ዘሎና ነገር እንታይ ምዃኑ ኣይንመሃርንዶ፧ (ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:11) እወ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ተኣምራት ኤልሳእ

1. ማይ ዮርዳኖስ ተመቕለ።—2 ነገስት 2:14

2. እቲ ሕማቕ ማይ ያሪኮ ጥዑይ ኰነ።—2 ነገስት 2:19-22

3. ስድታት ቈልዑ ብድብታት መጥቃዕቲ ወረዶም።—2 ነገስት 2:23, 24

4. እቶም ሰራዊት ማይ ረኸቡ።—2 ነገስት 3:16-26

5. ሓንቲ መበለት ዘይቲ ብልዒ ረኸበት።—2 ነገስት 4:1-7

6. ሓንቲ መኻን ሹናማዊት ውሉድ ወለደት።—2 ነገስት 4:8-17

7. ሓደ ቘልዓ ኻብ ሞት ተንስአ።—2 ነገስት 4:18-37

8. መርዛም ጸብሒ: ዚብላዕ ኰነ።—2 ነገስት 4:38-41

9. ሚእቲ ሰብ: ብ20 ጐጎ ተመገቡ።—2 ነገስት 4:42-44

10. ንእማን ካብ ለምጹ ሓወየ።—2 ነገስት 5:1-14

11. ለምጺ ንእማን ናብ ገሓዚ ተመሓላለፈ።—2 ነገስት 5:24-27

12. ሓጺን ምሳር ጸብለል በለ።—2 ነገስት 6:5-7

13. እቲ ጊልያ ንሰረገላታት መላእኽቲ ረኣየ።—2 ነገስት 6:15-17

14. ሰራዊት ሶርያ ብዑረት ተወቕዑ።—2 ነገስት 6:18

15. ኣዒንቲ ሰራዊት ሶርያ ተኸፍታ።—2 ነገስት 6:19-23

16. ሓደ ምዉት ሰብኣይ ተንስአ።—2 ነገስት 13:20, 21

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን

ሳኦል/ዳዊት/ሰሎሞን:- 1117/1077/1037 ቅ.ክ. a

መንግስቲ ይሁዳ ዓመት (ቅ.ክ.) መንግስቲ እስራኤል

ሮብዓም 997 የሮብዓም

ኣቢያ/ኣሳ 980/978

976/975/952 ናዳብ/ባዕሳ/ኤላ

951/951/951 ዚምሪ/ዖምሪ/ቲብኒ

940 ኣከኣብ

ዮሳፋጥ 937

920/917 ኣሓዝያ/ዮራም

ዮራም 913

ኣሓዝያ 906

(ዓታልያ) 905 የሁ

ዮኣስ 898

876/859 ዮኣሓዝ/ዮኣስ

ኣማስያ 858

844 የሮብዓም ዳግማይ

ኣዛርያ (ኡዝያ ወይ ዑዝያ) 829

803/791/791 ዘካርያስ/ሻሉም/ምናሔም

780/778 ጴቃሕያ/ጴቃሕ

ዮታም/ኣሃዝ 777/762

758 ሆሴእ

ህዝቅያስ 746

740 ሰማርያ ተታሕዘት

ምናሴ/ኣሞን/ዮስያስ 716/661/659

ዮኣሓዝ/ዮያቂም 628/628

ዮያኪን/ጼዴቅያስ 618/617

የሩሳሌም ዓነወት 607

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ኻብዚ ዓመታት እዚ ነቲ ንግስና እተጀመረሉ ገምጋም ዓመት የመልክት።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ንእማን ትሕት ብምባሉ: ብሓይሊ የሆዋ ሓወየ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኤልያስ ‘ብህቦብላ ንፋስ ምስ ዓረገ’ እንታይ ኰነ፧