ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም’

የሆዋ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም’

የሆዋ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም’

“እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ።”እብራውያን 11:6

1, 2. ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ዚቃለሱ ስለምንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

 ባርብራ “ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን 30 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን እኳ እንተዀነ: ከምኡ ኢለ ኽጽዋዕ ግን ዝበቅዕ ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ። ፓይነር ኰይነ እኳ እንተ ኣገልገልኩን ብዙሕ ካልእ ፍሉይ ዕዮ እኳ እንተ ተዋህበንን: ዋላ ሓደ ኻብዚ ብቕዕቲ ምዃነይ ንልበይ ኣየእመኖን” በለት። a ኪት እውን “ኣገልገልቲ የሆዋ ብዙሕ ዚሕጐሱሉ ምኽንያት እናሃለዎም ኣነ ዘይሕጉስ ብምዃነይ: ብቑዕ ዘይኰንኩ ዀይኑ እተሰምዓኒ እዋናት ኣሎ። እዚ ኸኣ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዚስምዓኒ ስለ ዝገበረ: ነቲ ነገር ኣጋደዶ” በለ።

2 ጥንቲ ዝነበሩ ዀነ ሕጂ ዘለዉ ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ: ተመሳሳሊ ስምዒት ነይርዎም እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ንዓኻ ጸገማት እናተደራረበካ ኽነሱ: ክርስትያናት ብጾትካ ግን ከይተጨነቑ ተሓጒሶም ዚነብሩ ዘለዉ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ስምረት የሆዋ ኸም ዘይብልካን ቈላሕታኡ ኽትረክብ ከም ዘይትበቅዕን ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ነገር ከምዚ እዩ ኢልካ ተቐዳዲምካ ኣይትደምድም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖን: ኣየዋረዶን እዩ እሞ: ናብኡ ምስ ኣእወየስ: ሰምዖ እምበር: ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 22:24) እዚ ብዛዕባ እቲ መሲህ እተዘርበ ትንቢታዊ ቓላት እዚ: የሆዋ ንእሙን ኣገልጋሊኡ ይሰምዕ ጥራይ ዘይኰነስ: ዓስቢ ኸም ዚህቦ እውን ይገልጽ እዩ።

3. ካብቲ እዚ ኣገባብ እዚ ዜውርደልና ጸቕጢ ሓራ ዘይኰንና ስለምንታይ ኢና፧

3 ኵሎም ሰባት: ህዝቢ የሆዋ እውን እንተዀኑ: ካብቲ እዚ ኣገባብ እዚ ዜምጽኦ ጸቕጢ ሓራ ኣይኰኑን። ኣብታ እቲ ቐንዲ ጸላኢ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዝገዛኢኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ኣገልገልቲ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ዕቝባ ኣይረኽቡን እዮም: እኳ ደኣስ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣን እዮም። (እዮብ 1:7-12፣ ራእይ 2:10) ስለዚ: ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ብምትእምማን: ‘ብጸበባ ኽንዕገስን ጸሎት ከነዘውትርን’ ኣሎና። (ሮሜ 12:12) የሆዋ ኣምላኽና ኣየፍቅረናን እዩ ዚብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ኸነስፍሮ የብልናን።

ጥንቲ ዝነበሩ ኣብነት ጽንዓት

4. ዜጨንቕ ኵነታት ብጽንዓት ዘሕለፉ ገለ ኣብነታት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ጥቐስ።

4 ሓያሎ ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዙሕ ዜጨንቕ ኵነታት ብጽንዓት ተዓጊሶም ኣሕሊፎም እዮም። ንኣብነት: ሃና ውሉድ ብዘይምርካባ: ኣምላኽ ዝረስዓ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ: “ብነፍሳ ተመሪራ” ነበረት። (1 ሳሙኤል 1:9-11) ኤልያስ እታ ኽትቀትሎ ዝደለየት ንግስቲ ኢዛቤል ክትሃድኖ ምስ ጀመረት: ስለ ዝፈርሀ: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ: ሕጂ ይአኽለኒ: ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (1 ነገስት 19:4) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ” ኺብል ከሎ ነቲ ዘይፍጽምና ዘምጽኣሉ ጾር ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” በለ።—ሮሜ 7:21-24

5. (ሀ) ሃናን ኤልያስን ጳውሎስን ብኸመይ እዮም ዓስቦም ረኺቦም፧ (ለ) ምስ ኣሉታዊ ስምዒታትና እንተ ተቓሊስና: ካብ ቃል ኣምላኽ እንታይ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል፧

5 ሃናን ኤልያስን ጳውሎስን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብጽንዓት ከም ዝቐጸሉ ንፈልጥ ኢና: የሆዋ ድማ ኣብዚሑ ዓስቦም ሃቦም። (1 ሳሙኤል 1:20፣ 2:21፣ 1 ነገስት 19:5-18፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:8) እንተዀነ ግን: ምስ ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ስምዒታት: እንተላይ ምስ ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ፍርህን ተቓሊሶም እዮም። ስለዚ: ሓድሓደ ግዜ ኣሉታዊ ስምዒታት እንተ ተሰምዓና: ኬሰምብደና የብሉን። ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ዜጨንቕ ነገራት: የሆዋ ብሓቂ ዜፍቅረካ እንተ ዀይኑ ኸም እትጠራጠር እንተ ገይሩካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ካብ ቃል ኣምላኽ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ: ነቲ የሱስ: የሆዋ ‘ንጸጕሪ ርእስና እኳ’ ከም ዝቘጸረን ዚገለጾ ሓሳባት ተመያይጥናሉ ኢና። (ማቴዎስ 10:30) እዘን ዜተባብዓ ቓላት እዚኣተን: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደሰሉ እየን ዚሕብራ። ነቲ የሱስ ብጭሩ ገበላ ኣቢሉ ዝሃቦ መብርሂ እውን ዘክሮ። ብዘይ ፍቓድ የሆዋ ዋላ ሓንቲ ኻብዘን ንኣሽቱ ኣዕዋፍ ኣብ ምድሪ ዘይትወድቕ እንተ ዀይና: ነቲ ጸገማትካ ቘላሕታ ዘይህበሉ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእልዶ፧

6. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ዚቃለሱ ምንጪ ምጽንናዕ ኪዀኖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክቡራት ክንከውን ንኽእልዶ፧ እወ: ንኽእል ኢና! ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዜረጋግጸልና ብዙሕ ጥቕስታት ኣሎ። ነዚ ጥቕስታት እዚ ኣብ ልብና ብምሕዳር: ነቲ “ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ” ዚብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከነቃልሕ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 94:19) ገለ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ኸም ዘሎናን ፍቓዱ ምግባር እንተ ቐጺልና ዓስቢ ኸም ዚህበናን ዜረድእ ዜጸናንዕ ሓሳባት እስከ ንርአ።

‘ገንዘብ’ የሆዋ

7. የሆዋ ብሚልክያስ ኣቢሉ ነቶም እተበላሸዉ ህዝቢ እንታይ ዜተባብዕ ትንቢት እዩ እተነበየሎም፧

7 ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ኣይሁድ ኣብ ዜሕዝን ኵነታት እዮም ነይሮም። እቶም ካህናት ጐደሎ እንስሳ ተቐቢሎም ኣብ መሰውኢ የሆዋ መስዋእቲ ገይሮም የቕርብዎ ነበሩ። ፈራዶ ኣድልዎ ይገብሩ ነበሩ። ኣስማት: ሓሶት: ምትላል: ከምኡውን ዝሙት ኣስፋሕፊሑ ነበረ። (ሚልክያስ 1:8፣ 2:9፣ 3:5) ሚልክያስ ነዞም ኣዝዮም ተበላሽዮም ዝነበሩ ህዝቢ: ሓደ ዜደንቕ ትንቢት ተነበየሎም። ድሕሪ ግዜ: የሆዋ ንህዝቡ ተቐባልነት ከም ዚህልዎም ኪገብር ምዃኑ ነገሮም። ከምዚ ዚብል ድማ ነንብብ:- “በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ: ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ: ክንሕፎም እየ።”—ሚልክያስ 3:17

8. እቲ ኣብ ሚልክያስ 3:17 ዚርከብ መሰረታዊ ነጥቢ ኣብቶም ብዙሓት ሰብ እውን ከነውዕሎ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

8 ትንቢት ሚልክያስ ኣብዚ ግዜና እውን ኣብቶም ነቶም 144,000 መንፈሳውያን ህዝቢ ዜቝሙ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ፍጻመ ኣለዋ። እቶም ህዝቢ ብሓቂ ንየሆዋ ‘ገንዘቡ’ ወይ ‘ጥሪቱ’ እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ትንቢት ሚልክያስ ነቶም “ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: . . . ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም” ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” እውን ከተተባብዖም ትኽእል እያ። (ራእይ 7:4, 9) እዚኣቶም ምስቶም ቅቡኣት ሓደ መጓሰ ዀኑ: ጓስኦም እውን ሓደ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ዮሃንስ 10:16

9. ህዝቢ የሆዋ ‘ገንዘቡ’ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

9 የሆዋ ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ ኣብ ሚልክያስ 3:17 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ ንወዱ ዚርእዮ ገይሩ እዩ ዚርእዮም። ነታ የሆዋ ንህዝቡ ንምግላጽ እተጠቕመላ “ገንዘበይ” እትብል እትምስጥ ቃል እውን ኣስተብህለላ። ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ “ፍሉይ ጥሪት:” “ዘኽብሮ ጥሪተይ:” ከምኡውን “ዕንቈይ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ ኸም ገንዘቡ ኣኽቢሩ ዚርእዮም ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት: መማሰዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። (እብራውያን 6:10) ነቶም ካብ ልቢ ዜገልግልዎ ይቐርቦም: ከም ገንዘቡ ድማ ኣኽቢሩ ይርእዮም።

10. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዕቝባ ዚዀኖም፧

10 ብዛዕባ ኣኽቢርካ እትርእዮ ገንዘብካ እሞ ሕሰብ። ነዚ ገንዘብካ ንምሕላው ዚከኣለካ ደይኰንካን እትገብር፧ የሆዋ እውን ነቶም ‘ገንዘቡ’ ተመሳሳሊ እዩ ዚገብረሎም። ሓቂ እዩ: ንህዝቡ ኻብቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ፈተናታትን ዜሕዝን ፍጻመታትን ኣየዕቍቦምን እዩ። (መክብብ 9:11) እንተዀነ ግን: የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ኬዕቍቦም ይኽእል እዩ: ብርግጽ ድማ የዕቍቦም እዩ። ንዝዀነ ይኹን ፈተና ንኺጻወሩ ዚሕግዞም ሓይሊ ይህቦም እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ስለዚ: ሙሴ ነቶም ጥንታዎት ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ: ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ: ስለዚ ጽንዑ: ትብዑ” በሎም። (ዘዳግም 31:6) የሆዋ ንህዝቡ ዓስቦም ይህቦም እዩ። ከመይሲ: ‘ገንዘቡ’ እዮም።

የሆዋ—‘ወሃብ ዓስቢ’

11, 12. የሆዋ ዓስቢ ዚህብ ምዃኑ ምግንዛብና: ንናይ ጥርጣረ ስምዒታት ንኽንቃለስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ ነገልገልቱ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ዚሕብር ካልእ መገዲ ኸኣ ዓስቦም ዚህቦም ምዃኑ እዩ። ንእስራኤላውያን “ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ” በሎም። (ሚልክያስ 3:10) የሆዋ ኣብ መወዳእታ ነገልገልቱ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። (ዮሃንስ 5:24፣ ራእይ 21:4) እዚ ብዋጋ ዘይሽነን ዓስቢ እዚ ንዕቤት ፍቕርን ልግስን የሆዋ ዚሕብር እዩ። ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ብሓቂ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ድማ ይሕብር። የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ዚህብ ከም ዝዀነ ጌርና ምርኣይና: ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባ ዘሎና ኣቕዋም ዚለዓለና ዝዀነ ይኹን ምጥርጣራት ንኽንቃለሶ ይሕግዘና። የሆዋ እውን ዓስቢ ዚህብ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ እዩ ዚደሊ። ጳውሎስ “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 11:6

12 ልክዕ እዩ: ንየሆዋ እነገልግሎ ስለ እነፍቅሮ ደኣ እምበር: ዓስቢ ኸም ዚህበና ስለ እተመባጽዓልና ጥራይ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ነቲ ዓስቢ ንምርካብ ዘሎና ተስፋ ኣብ ልብና ምስፋርና: ጌጋ ወይ ስስዐ ኣይኰነን። (ቈሎሴ 3:23, 24) የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዚደልይዎ ኻብ ዘለዎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተላዒሉ: ባዕሉ ተበግሶ ብምውሳድ ዓስቦም ይህቦም እዩ።

13. እቲ በጃ ንምኽፋል እተገብረ ምድላው: የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዜርኢ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መርትዖ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ደቅሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪህልዎም ዚኽእል ዋጋ ዚሕብር ካብ ኵሉ ዝዓበየ መርትዖ: እቲ በጃ ንምኽፋል እተገብረ ምድላው እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃንስ 3:16) እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ: ምስቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ዘይብልና ወይ ዘይንፍቀር ኢና ዚብል ሓሳብ ይጻረር እዩ። እወ: የሆዋ ሓደ ወዱ ብምሃብ: ክንድዚ ዚኣክል ዋጋ እንተ ኸፊሉልና: ብርግጽ ኣጸቢቑ ዜፍቅረና ኪኸውን ኣለዎ።

14. ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ በጃ ዝነበሮ ኣረኣእያ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

14 ስለዚ: ኣሉታዊ ስምዒታት ምስ ዚለዓለካ: ነቲ በጃ ኣስተንትነሉ። እወ: ነዚ ውህበት እዚ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዝገበሮ ምድላው ጌርካ ርኣዮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዩ ገይሩ። “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” ከም ዝበለ ትዝክሮ ኢኻ። ድሕሪኡ ግን ኣስዕብ ኣቢሉ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ከምኡውን “በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ” በለ። (ሮሜ 7:24, 25፣ ገላትያ 2:20) ጳውሎስ ከምዚ ኺብል ከሎ: ንርእሱ ኣይኰነን ክብ ዜብል ነይሩ። የሆዋ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ጥራይ እዩ ምትእምማን ነይርዎ። ንስኻውን ከም ጳውሎስ ነቲ በጃ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ብብሕቲ እተዋህበካ ውህበት ጌርካ ኽትርእዮ ኣሎካ። የሆዋ ሓያል መድሓኒ ጥራይ ዘይኰነስ: ፈቃር ወሃብ ዓስቢ እውን እዩ።

ካብ “ፍሕሶ” ሰይጣን ተጠንቀቕ

15-17. (ሀ) ድያብሎስ ንኣሉታዊ ስምዒታት ዚምዝምዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብ ተመክሮ እዮብ እንታይ ምትብባዕ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

15 ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ መጸናንዒ ንዓኻ ኸም ዚምልከት ብቐሊሉ ኣይወሓጠልካን ይኸውን። እቲ ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ምንባር ዚብል ዓስቢ: ካልኦት ኪበጽሕዎ ዚኽእሉ እኳ እንተዀነ: ንስኻ ግን ነዚ ዘይትበቅዕ ኴንካ ይስምዓካ ይኸውን። ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

16 ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ብምባል ዝሃቦም ማዕዳ ብዘይ ጥርጥር ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። (ኤፌሶን 6:11) ነቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ውዲት ክንሓስበሉ ኸለና: ከም ፍቕረ-ንዋይን ርኽሰትን ዝኣመሰለ ነገራት እዩ ብኡንብኡ ዚዝከረና። እዚ እውን ሓቂ እዩ። እዚ ፈተናታት እዚ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ዀነ ሕጂ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኣውዲቕዎም እዩ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኻልእ ፍሕሶ እውን ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። እዚ ኸኣ ንሰባት: የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘየፍቅሮም ንኼእምን ዚገብሮ ጻዕሪ እዩ።

17 ድያብሎስ ንሰባት ካብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ብምምዝማዝ ዝመጸ ኽኢላ እዩ። ነቲ ቢልዳድ ንእዮብ እተዛረቦ ቓላት እሞ ዘክሮ። “ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧ ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ: ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ: እንሆ: ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን: ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን” እዩ ኢልዎ። (እዮብ 25:4-6፣ ዮሃንስ 8:44) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ሕልናኻ ዜዕርባ ምዃነን ክትግምተን ትኽእልዶ፧ ስለዚ: ሰይጣን ተስፋ ንኬቝርጸካ ስቕ ኢልካ ኣይትርኣዮ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዜድልየካ ትብዓትን ሓቦን ምእንቲ ኺህልወካ: ንውዲት ሰይጣን ኣይትስሓቶ። (2 ቈረንቶስ 2:11) እዮብ እርማት ኪወሃቦ እኳ እንተ ኣድለዮ: የሆዋ ስለቲ ጽንዓቱ ንዅሉ እቲ ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ብምሃብ ዓስቡ ሃቦ።—እዮብ 42:10

የሆዋ ‘ኻብ ልብና ይዓቢ’

18, 19. ኣምላኽ “ካብ ልብና ዚዓቢ” ብኸመይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ “ኵሉ ዚፈልጥ”፧

18 ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ኣብ ውሽጥና ሱር ዝሰደደ እንተ ዀይኑ: ምምሓዉ ኣጸጋሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። እንተዀነ ግን: መንፈስ የሆዋ ነቲ ኸም “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝዀነ ኣብ ውሽጥና ዝሰረጸ ‘ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻላእ’ ነገር በብቝሩብ ንኸነፍርሶ ይሕግዘና እዩ። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) ኣሉታዊ ሓሳባት ኪዕብልለካ እንተ ጀሚሩ: ነቲ “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና: ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ: ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ: ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ” ዚብል ቃላት ሃዋርያ ዮሃንስ ኣስተንትነሉ።—1 ዮሃንስ 3:19, 20

19 እታ ‘ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓቢ’ እትብል ሓረግ እንታይ ማለት እያ፧ ሓድሓደ ግዜ ልብና ኪዅንነና ይኽእል እዩ። ብፍላይ ንዘይፍጽምናናን ጕድለትናን ኣጸቢቕና ምስ እንፈልጦ ኸምዚ እዩ ዜጋጥመና። ወይ ከኣ ብሰንኪ ኣተዓባብያና: እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ጌርና ኣሉታዊ ነገር ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ይህልና ይኸውን። እተን ሃዋርያ ዮሃንስ እተዛረበን ቃላት: የሆዋ ኻብ ልብና ኸም ዚዓቢ የረጋግጻልና። ነቲ ጌጋታትና ሰጊሩ ይርኢ: ነቲ ናይ ሓቂ ተኽእሎና ድማ የስተውዕሎ እዩ። ንድራኸናን ንሃቐናናን ይፈልጦ እዩ። ዳዊት “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 103:14) እወ: የሆዋ ኻብቲ ንሕና ንርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ እዩ ዚፈልጠና።

“ክቡር ኣኽሊል” ከምኡውን “ዘውዲ ንጉስ”

20. ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ምምላስ ኣብ እተነበዮ ትንቢት: የሆዋ ነገልገልቱ ብኸመይ ከም ዚርእዮም ብዚምልከት እንታይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

20 የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: ነቶም ጥንታዎት ህዝቡ ናብ ዓዶም ኪመልሶም ተስፋ ሂብዎም ነይሩ። ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ኪውሰዱ ብምዃኖም: እቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም እዚ ምጽንናዕን ምትብባዕን እዚ የድልዮም ነበረ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ናብ ዓዶም ዚምለሱሉ እዋን ኣቐዲሙ ኺገልጽ ከሎ: “ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል: ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ” በሎም። (ኢሳይያስ 62:3) በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ንህዝቡ ኽብረትን ግርማን ኣልበሶም። ነዞም ሎሚ ዘለዉ ብመንፈስ እስራኤላውያን ዝዀኑ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ገይሩሎም። ኵሉ ምእንቲ ኼድንቖም ኢሉ ልዕል ከም ዘበሎም ጌርካ እዩ ዚርአ።

21. የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ጽንዓት ዓስቢ ኸም ዚህበካ ብኸመይ እምንቶ ኸተሕድር ትኽእል፧

21 እዚ ትንቢት እዚ ብቐዳምነት ኣብቶም ቅቡኣት ዚፍጸም እኳ እንተዀነ: ነቲ የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜገልግልዎ ዜልብሶም ግርማ ዚገልጽ እዩ። ስለዚ: ምጥርጣር ኪሓድረካ ኸሎ: ዘይፍጹም እኳ እንተ ዀንካ: የሆዋ ኸም “ክቡር ኣኽሊል” ከምኡውን ከም “ዘውዲ ንጉስ” ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካ ኣይትረስዕ። እምበኣር: ፍቓዱ ንምግባር ዚከኣለካ ብምጽዓር: ብሕጂውን ንልቡ ኣሐጕሶ። (ምሳሌ 27:11) ከምዚ ምስ እትገብር: የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ጽንዓት ዓስቢ ኸም ዚህበካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ንየሆዋ ‘ገንዘቡ’ ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧

• ንየሆዋ ኸም ወሃብ ዓስቢ ጌርና ኽንርእዮ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ካብ ምንታይ “ፍሕሶ” ሰይጣን ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

• ኣምላኽ ‘ካብ ልብና ዚዓቢ’ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኤልያስ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሃና

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ዜጸናንዕ ሓሳባት ኣለዎ