ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቶም ዚጽበይዎ ኣብዚሑ ዓስቢ ይህቦም

የሆዋ ነቶም ዚጽበይዎ ኣብዚሑ ዓስቢ ይህቦም

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ነቶም ዚጽበይዎ ኣብዚሑ ዓስቢ ይህቦም

ሮሙኣልት ስታፍስኪ ዘዘንተዎ

ኣብ መስከረም 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተጀመረ: ኣብ ሰሜናዊ ፖላንድ ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሽዑ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ስለ ዝነበርኩ: ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ነበረኒ። ስለዚ: እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንምርኣይ ኣብ ጥቓና ናብ ዝነበረ ዓውደ-ውግእ ከድኩ። እቲ ዝረኣኽዎ ነገር ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነበረ: ሬሳታት ኣብቲ መሬት ፋሕ ኢሉ: ኣብቲ ኣየር ድማ ትኪ ዒግ ኢሉ ነበረ። ብኸመይ ናብ ገዛይ ብሰላም ክምለስ ከም ዝኽእል እናሓሰብኩ: “ኣምላኽ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዓይነት ስቓይ ኪህሉ ዘፍቀደ፧ ንሱኸ ብወገን መን እዩ፧” ዚብል ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ መጸኒ።

እቲ ውግእ ኣጋ ምዝዛሙ: መንእሰያት ንመንግስቲ ጀርመን ኬገልግሉ ይግደዱ ነበሩ። ነዚ ምግባር ዝኣበየ ግን ኣብ ኣፍ ልቡ: “ከዳዕ” ወይ “ሸራሒ” ዚብል ጽሑፍ ይልጠፎ እሞ: ኣብ ገረብ ወይ ከኣ ኣብ ድልድል ይስቀል ነበረ። እታ እንነብረላ ዝነበርና ገዲንያ እትበሃል ከተማ ኣብ መንጎ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ትርከብ ነበረት። ሓደ እዋን ማይ ንምውራድ ካብታ ኸተማ ውጽእ ምስ በልና: ጠያይትን ቦምባታትን ብርእስና እናፋጸየ ሓለፈ: እቲ ምንኣሰይ ሓወይ ሄንሪክ ድማ ተቐትለ። ብሰንኪ እዚ ሕማቕ ኵነታት እዚ ኣደይ ንኣርባዕቴና ቘልዑ ናብ ምድሪ ቤት ኣእተወትና። ኣብኡ ኸለና እቲ ዩጋንዩሽ ዚበሃል ወዲ ኽልተ ዓመት ሓወይ ዲፍተርያ ብዚበሃል ሕማም ጐረሮ ሞተ።

እንደገና “ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧ ስለምንታይከ እዚ ዅሉ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ፧” ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ። ዋላኳ ውፉይ ካቶሊክን ናብ ቤተ-ክርስትያን ድማ ወትሩ ዝኸይድን እንተ ነበርኩ: መልሲ ግን ኣይረኸብኩን።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበልኩ

ንሕቶታተይ ካብ ዘይተጸበኽዎ ምንጪ መልሲ ረኸብኩሉ። ብ1945 እቲ ውግእ ድሕሪ ምዝዛሙ: ኣብ መጀመርታ 1947 ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብቲ ኣብ ገዲንያ ዚርከብ ገዛና መጸ። ኣደይ ከኣ ኣዘራረበቶ: ኣነውን ካብቲ ዚብሎ ዝነበረ እተወሰነ ነገራት ሰማዕኩ። እቲ ዚብሎ ዝነበረ ርትዓዊ ይመስል ብምንባሩ: ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኽንካፈል እተገብረልና ዕድመ ተቐበልናዮ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ: ዋላኳ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ኣይረዳኣኒ: ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ: ካብ ውግእን ግፍዕን ናጻ ዝዀነት ዝሓሸት ዓለም ከም እትመጽእ ክሰብኽ ጀመርኩ። እዚ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጸኣለይ።

ኣብ መስከረም 1947 ኣብ ሶፖት ኣብ እተገብረ ናይ ወረዳ ኣኼባ ተጠመቕኩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ ግንቦት ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል: ማለት መብዛሕትኡ ግዜይ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ምስባኽ ከሕልፎ ጀመርኩ። ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ኣቕሽሽቲ ነቲ ዕዮና ኣዝዮም ተጻረርዎ: ንኣና ንምጥቃዕ ድማ ዓመጻ ኣለዓዓሉ። ሓደ እዋን እተቘጥዑ ጭፍራ ኣጥቅዑና: ኣእማን ደርበዩልና: ከምኡውን ብዜስካሕክሕ መገዲ ቐጥቀጡና። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ደናግልን ኣቕሽሽትን ንሓደ ጕጅለ ሰባት ንኼጥቅዑና ደፋፍእዎም። ኣብ ሓደ መደበር ፖሊስ ተዓቈብና። እንተዀነ ግን: እቶም ጭፍራ ነቲ ህንጻ ኸቢቦም የጕባዕብዑልና ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ መጺኦም ብኸቢድ ዕጀባ ወጻእና።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብቲ ኸባቢ ዋላ ሓንቲ ጉባኤ ኣይነበረትን። ሓድሓድ ግዜ ኣብ ጫካ ንሓድር ነበርና። ምስቲ ዝነበረ ዅነታት: ዕዮ ስብከት ክንቅጽል ብምኽኣልና ሕጕሳት ነበርና። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ብርቱዓት ጉባኤታት ኣለዋ።

ናይ ቤትኤል ኣገልግሎትን ማእሰርትን

ብ1949 ኣብ ዉኽ ኣብ ዚርከብ ቤትኤል ንኸገልግል ተጸዋዕኩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ምግልጋልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ መሰል ኰን እዩ! እቲ ዜሕዝን ግን ኣብኡ ነዊሕ ኣይጸናሕኩን። ኣብ ሰነ 1950: ማለት ካብቲ ዕዮና ብወግዒ እተኣገደሉ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ: ኣነን ካልኦት ኣብ ቤትኤል ዝነበሩ ኣሕዋትን ተኣሰርና። ናብ ቤት-ማእሰርቲ ተወሲደ ኣብኡ ሓያል ምርመራ ተገብረለይ።

ኣቦይ ናብ ኒው ዮርክ ኣብ እትኸይድ መርከብ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ: እቲ ዚምርምረኒ ዝነበረ መኰነን: ኣቦይ ሰላይ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸም ዝዀነ ገይረ ኽእመን ከገድደኒ ፈተነ። ብጭካነ መርመረኒ። ብተወሳኺውን ኣርባዕተ መኰንናት ኣንጻር እቲ ኣብ ፖላንድ ንዝነበረ ንጥፈታትና ዜመሓድር ዝነበረ ሓው ቪልሀልም ሻይደር ክምስክር በብተራ ኼገድዱኒ ፈተኑ። ኵርዅረይ ብረጒድ በትሪ ቐጥቀጡኒ። ደመይ እናፈሰሰ ኣብቲ ባይታ በጥ በልኩ። ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ምስ ኰነኒ “የሆዋ ሓግዘኒ” ኢለ ጨደርኩ። ሽዑ እቶም ዚቕጥቅጡኒ ዝነበሩ ተገሪሞም ምህራሞም ደው ኣበሉ። ኣብ ውሽጢ ቝሩብ ደቓይቕ ድማ ድቃስ ወሰዶም። ኣነ ድማ ዕረፍቲ ረኸብኩ: ሓይለይውን ተመልሰለይ። እዚ ኸኣ የሆዋ ንለመና ውፉያት ኣገልገልቱ ብፍቕሪ ኸም ዚምልስ ኣረጋገጸለይ: ንእምነተይ ኣበርትዓ: ኣብ ኣምላኽ ምሉእ እምነት ንኼሕድር ድማ መሃረኒ።

እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ: ኣነ ዘይሃብክዎ ናይ ሓሶት ምስክርነት ዝሓዘ ነበረ። ተቓውሞይ ምስ ገለጽኩ: ሓደ መኰንን “ነዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ትገልጾ” በለኒ። ሓደ ምቕሉል እሱር ግን እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ብወተሃደራዊ መርማሪ ኸይተጻረየ ስለ ዘይሓልፍ: ሽዑ እቲ ምስክርነት ሓሶት ከም ዝዀነ ንኸረጋግጽ ኣጋጣሚ ኸም ዝረክብ ነጊሩ ንኸይጭነቕ መኸረኒ። ከምቲ ንሱ ዝበሎ ድማ ኰነ።

ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዄንካ ምግልጋልን ካልኣይ ማእሰርትን

ብጥሪ 1952 ተፈታሕኩ። ድሕሪ ወርሒ ድማ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ዋላኳ ኣብ ትሕቲ እገዳ እንተ ነበርና: ጉባኤታት ኣብ ምብርታዕን ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ሓለዋ እተጨነቑ ብጾተይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምሕጋዝን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ሰሪሐ እየ። ነቶም ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ንኪቕጽሉ ኣተባባዕናዮም። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ነቶም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብድፍረት ደጊፎምዎም እዮም። ከምኡውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብሕቡእ ይሓትሙን ይዝርግሑን ነበሩ።

ኣብ ሚያዝያ 1951 ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባ እናተመለስኩ ኸለኹ: ዚከታተሉኒ ዝነበሩ ሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ መገዲ ኣሰሩኒ። ንሕቶታቶም ምምላስ ስለ ዝኣበኹ: ናብ ቤት ማእሰርቲ ቢድጎሽ ወሰዱኒ። ሽዓ ምሸት ድማ ኪምርምሩኒ ጀመሩ። ዚብላዕ ኰነ ዚስተ ኸይሃቡ: ብትኪ እቶም መኰንናት ዜትክኽዎ ሽጋራ ኣብ እተዓፈነ ኽፍሊ: ገጸይ ናብ መንደቕ ገይረ ንሽዱሽተ መዓልትን ለይትን ደው ክብል ኣዘዙኒ። ብበትሪ ቐጥቀጡኒ: ብሽጋራ ድማ ኣንደዱኒ። ሃለዋተይ ምስ ዘጥፍእ: ማይ ኣፍሲሶም ምርመራኦም ይቕጽሉ ነበሩ። ሓይልን ጽንዓትን ኪህበኒ ንየሆዋ ተማሕጸንክዎ: ንሱ እውን ደገፈኒ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቢድጎሽ ብምጽናሐይ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ረኺበ እየ። ከመይሲ ኣብኡ ኣብ ካልእ ቦታ ኺርከቡ ንዘይክእሉ ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽነግሮም ኪኢለ እየ። ንምስባኽ ዜኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ነበረ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅነታት ዜሕዝንን መብዛሕትኡ እዋን ድማ ተስፋ ዘይብሉን ብምንባሩ: እቶም እሱራት ኣእዛኖምን ኣልባቦምን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይኸፍቱ ነበሩ።

ክልተ ኣገዳሲ ለውጥታት

ብ1952 ምስ ተፈታሕኩ: ምስ ሓንቲ ኔላ እትበሃል ቀናእ ፓይነር ሓብቲ ተራኸብኩ። ኣብ ሰሜናዊ ፖላንድ ፓይነር ኰይና ተገልግል ነበረት። ጸኒሓ ድማ ኣብቲ ጽሑፋትና ዚሕተመሉ “እንዳ ባኒ” ኢልና እንጽውዖ ዝነበርና ምስጢራዊ ቦታ ትሰርሕ ነበረት። እቲ ዕዮ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ: ጥንቃቐን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ከኣ የድልዮ ነበረ። ብ1954 ተመርዓና: ሊድያ ጓልና ኽሳዕ እተወልደትሉ እዋን ድማ ክልቴና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቀጸልና። ካብኡ: ኣነ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ምግልጋል ምእንቲ ክቕጽል: ኔላ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ኣቋሪጻ ንጓልና ኣብ ገዛ ዀይና ኽትኣልያ ወሰንና።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ኻልእ ዓብዪ ውሳነ ኽንገብር ነበረና። ሓደ ሲሶ ፖላንድ ኣብ ዚሽፍን ከባቢ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ተሓተትኩ። ነቲ ነገር ብጸሎት ሓሰብናሉ። ኣብ ትሕቲ እገዳ ንዘለዉ ኣሕዋት ምብርታዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እፈልጥ ነበርኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓት ኣሕዋት ይእሰሩ ብምንባሮም መንፈሳዊ ምትብባዕ ኣዝዩ የድሊ ነበረ። ብደገፍ ኔላ ነቲ ሓላፍነት ተቐበልክዎ። ን38 ዓመት ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ንክቕጽል የሆዋ ሓጊዙኒ እዩ።

ነቲ “እንዳ ባኒ” ምምሕዳር

ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ሕቡእ ቦታታት ዚርከብ “እንዳ ባኒ” ምምሕዳር: ሓላፍነት እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ እዩ ነይሩ። ፖሊስ ነቲ ዕዮ ሕትመት ንምዕጻው እግረ እግርና ይከታተሉና ነበሩ። ሓሓንሳእ ይዕወቱ እኳ እንተ ነበሩ: ዜድልየና መንፈሳዊ ምግቢ ግን ፈጺምና ስኢንና ኣይንፈልጥን ነበርና። እዚ ድማ የሆዋ ኸም ዚከናኸነና ብንጹር ዜርኢ ነበረ።

ሓደ ሰብ ኣብቲ ኸቢድን ሓደገኛን ዝነበረ ዕዮ ሕትመት ንኺሰርሕ: እሙን: ጥንቁቕ: ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ: ከምኡውን እዙዝ ኪኸውን ነበሮ። ሳላ እዘን ባህርያት እዚኣተን እዩ ኸኣ እቲ “እንዳ ባኒ” ብዘይ ገለ ሽግር ስርሑ ኪቕጽል ዝኸኣለ። ነቲ ብሕቡእ ዚግበር ዕዮ ሕትመት ዚኸውን ጽቡቕ ቦታ ምርካብ ኣጸጋሚ ነበረ። ገሊኡ ቦታታት ምሹእ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ኣሕዋት ግን ጥንቁቓት ኣይነበሩን። ኣብ ካልእ ቦታታት ድማ እቲ ዅነታት ግምጥልሽ ነበረ። እቶም ኣሕዋት ኣዝዩ ኸቢድ መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ነበሩ። ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ምስኦም ናይ ምግልጋል መሰል ዝረኸብኩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።

ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምጥባቕ

ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን እቲ ዘይሕጋውን ናዕቢ ዜለዓዕልን ንጥፈታት የካይዱ እዮም ብዚብል ክሲ ብዙሕ ሳዕ ናብ ቤት ፍርዲ ንቐርብ ነበርና። ዚከላኸለልና ጠበቓ ስለ ዘይነበረና: እዚ ንዓና ኣጸጋሚ ነበረ። ገሊኦም ጠበቓታት ይድንግጹልና እኳ እንተ ነበሩ: መብዛሕትኦም ግን ስሞም ከይበላሾ ይፈርሁ: ከምኡ ድማ ነቶም ሰበ-ስልጣን ኬጕህይዎም ኣይደልዩን ነበሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ እቲ ዜድልየና ስለ ዚፈልጥ: ነቲ ጕዳይ ኣብ ግዜኡ ፍታሕ ኣዳለወሉ።

ንሓደ ኣብ ክራኮው ዚነብር ኣሎይዚ ፕሮስታክ ዚበሃል ገያሺ ተዓዛቢ መርመራ ኺገብሩሉ ኸለዉ ብዜስካሕክሕ መገዲ ስለ ዝሓዝዎ: ኣብቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዚርከብ ሆስፒታል ኣተወ። ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስቅያት እናወረዶ ኽነሱ: ኣብ ኣቕዋሙ ብምጽንዑ ብዙሓት እሱራት ንዕኡ ኣኽብሮትን ኣድንቖትን ሓደሮም። ሓደ ኻብቶም ብትብዓት ሓው ፕሮስታክ እተገረሙ እሱራት: ቪቶልድ ሊስ-ኦልሼቭስኪ ዚበሃል ጠበቓ ነበረ። ብዙሕ ግዜ ምስ ኣዘራረቦ: “ተፈቲሐ ስርሐይ ንክቕጽል ፍቓድ ምስ ረኸብኩ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጣበቕ ፍቓደኛ እየ” ኢሉ ቓል ኣተወ። ከምቲ ዝበሎ ድማ ገበረ።

ሚስተር ኦልሼቭስኪ ቓሎም ዚሕልዉን ኣዝዮም ዚድነቑን ጠበቓታት ዚርከብዎ ጕጅለ ነበሮ። ኣብቲ መስጐጕቲ ኣዝዩ ኸቢዱሉ ዝነበረ እዋን: ነሕዋት ኣብ ወርሒ ዳርጋ 30 ኣብ ዚኸውን መጋባእያታት ይጣበቑሎም ነበሩ። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓደ ጕዳይ ማለት እዩ። ሚስተር ኦልሼቭስኪ ብዛዕባ እቲ ኽስታት ዝያዳ ኺፈልጥ ስለ ዝነበሮ: ኣነ ምስኡ ኽሰርሕ ተመደብኩ። ካብ 1960ታት ክሳዕ 1970ታት ንሸውዓተ ዓመት ብሓንሳብ ሰራሕና።

ሽዑ ምስ ሕጊ እተተሓሓዘ ነገራት ብዙሕ ተመሃርኩ። መብዛሕትኡ እዋን እቲ መጋባእያ ዚካየደሉ ኣገባብ: እቶም ጠበቓታት ዚህብዎ ኣወንታዊ ዀነ ኣሉታዊ ሓሳባት: ሕጋዊ መከላኸሊ ነጥብታት ዚቐርበሉ መገዲ: ከምኡውን ምስክርነት እቶም እተኸሰሱ ኣሕዋት እዕዘብ ነበርኩ። እዚ ድማ ኣሕዋትና ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ እዩ ጠቒሙ። ብሕልፊ ኸኣ እቶም ኣብ ቤት-ፍርዲ መሰኻኽር ኰይኖም ዚጽውዑ ኣሕዋት: እንታይ ከም ዚብሉን መዓስ ስቕ ኪብሉ ኸም ዘለዎምን ንኺፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ ጠቒሙኒ እዩ።

ሚስተር ኦልሼቭስኪ ሓደ ጕዳይ ኣብ መጋባእያ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን ኣብ ገዛ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚሓድር ነይሩ። ኣብ ሆቴል ንምዕራፍ ዓቕሙ ስለ ዘየፍቅደሉ ዘይኰነስ: ኣብ ሓደ እዋን ባዕሉ “ቅድሚ እቲ መጋባእያ ገለ ኻብቲ መንፈስኩም ከተንፍስ እደሊ እየ” ብምባል ዕላማኡ ገለጸልና። ሳላ እቲ ሓገዙ: ብዙሕ ጕዳያት ብጽቡቕ እዩ ተወዲኡልና። ንዓይ እውን ብዙሕ ግዜ እዩ ተጣቢቑለይ። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓንቲ ገንዘብ ተቐቢሉኒ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ካልእ እዋን ክፍሊት ናይ 30 እተጣበቐልና ኽስታት ምቕባል ኣበየ። ስለምንታይ፧ “ንዕዮኹም ዋላኳ ንእሽቶ ትኹን ኣበርክቶ ኽገብር ስለ ዝደለኹ እየ” በለ። እቲ ምቕባል ዝኣበየና ድማ ሒደት ገንዘብ ኣይነበረን። ሰበ-ስልጣን ንንጥፈታት ሚስተር ኦልሼቭስኪን ብጾቱን ከየስተውዓልዎ ኣይሓለፉን። ኰይኑ ግን: እዚ ንዓና ኻብ ምሕጋዝ ኣይዓገቶን።

ጕዳያት ኣሕዋትና ኣብ መጋባእያ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን እተዋህበ ጽቡቕ ምስክርነት ምዝርዛሩ ኣጸጋሚ እዩ። ብዙሓት ነቲ ጕዳይ ንምክትታልን ነቶም እተኸሱ ኣሕዋትና ንምትብባዕን: ናብ ቤት-ፍርዲ ይመጹ ነበሩ። ኣብቲ ብብዙሕ እተኸሰስናሉ እዋን: ኣብ ሓደ ዓመት ክሳዕ 30,000 ዚበጽሑ ኣሕዋት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ ይመጹ ነበሩ። ብሓቂ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዚመጹ ነይሮም!

ሓድሽ ምደባ

ብ1989 እቲ ኣብ ዕዮና ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዕለ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ሓድሽ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት ተሰሪሑ ተወፈየ። ኣብኡ ድማ ኣብ ናይ ሆስፒታል ሓበሬታ ኣገልግሎት ከገልግል ምስ ተመደብኩ: ተሓጒሰ ተቐበልክዎ። ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ኴንና ምስ ደም ብእተተሓሓዘ ጕዳይ ጸገም ንዜጋጥሞም ኣሕዋት ንድግፍ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ሕልና እተመስረተ ኣቕዋሞም ንኺጣበቑ ንሕግዞም ነበርና።—ግብሪ ሃዋርያት 15:29

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ነቲ ንየሆዋ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምግልጋል ዝረኸብናዮ መሰል ኣዚና ኢና ነማስወሉ። ኔላ ወትሩ እያ እትድግፈንን እተተባብዓንን። ብቲኦክራስያዊ ዕዮታት ትሑዝ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኰነ ኣብ ዝእሰረሉ እዋን: ኣብ ገዛ ብዘይምህላወይ ፈጺማ ኣዕዘምዚማ ኣይትፈልጥን እያ። በዚ ድማ ወትሩ እየ ዘማስዋ። ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት እውን እንተዀነ: ኣብ ክንዲ ትድቈስ ንኻልኦት ሰባት ተጸናንዕ ነበረት።

ንኣብነት: ብ1974 ምስ ካልኦት ገየሽቲ ተዓዘብቲ ተኣሰርኩ። ነዚ ዝፈለጡ ገለ ኣሕዋት ንበዓልቲ ቤተይ ቀስ ኢሎም ኪነግርዋ ደለዩ። ምስ ረኣይዋ “ሓብትና ኔላ ነቲ ዝኸፍአ ንምስማዕ ድልውቲ ዲኺ፧” ኢሎም ሓተትዋ። መጀመርታ ዝሞትኩ ስለ ዝመሰላ: ብስንባደ ተዓነደት። ደሓር ግን ነቲ ዅነታት ምስ ፈለጠት ህድእ ኢላ “ብህይወቱ ኣሎ፧ ምእሳር እሞ ፈለማኡ ኣይኰነን” በለቶም። እቶም ኣሕዋት ደሓር በቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያኣ ኣዝዮም ከም እተደነቑ ነገሩኒ።

ዋላኳ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሕማቕ ኵነታት ኣጋጢሙና እንተ ነበረ: ንየሆዋ ስለ እተጸበናዮ ብዙሕ ዓስቢ ሂቡና እዩ። ጓልና ሊድያን ኣልፍረድ ደሩሻ ዚበሃል ሰብኣያን ኣብነት ዚዀኑ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ምዃኖም ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና። ክሪስቶፈርን ጆናታንን ዚበሃሉ ኽልተ ደቆም ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃኖም ድማ ሓጐስና ወሲኹ እዩ። ሪሻርድ ዚበሃል ምንኣሰይ ሓወይን ዩርሱላ እትበሃል ምንኣሰይ ሓብተይን እሙናት ክርስትያናት ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት የገልግሉ ኣለዉ።

የሆዋ ፈጺሙ ሓዲጉና ኣይፈልጥን እዩ። ንሕናውን ብምሉእ ልብና ንዕኡ ምግልጋልና ኽንቅጽል ንደሊ ኢና። እተን ኣብ መዝሙር 37:34 ዚርከባ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ዚብላ ቓላት ሓቅነት ከም ዘለወን ብብሕትና ርኢና ኢና። እዚ ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸመሉ እዋን: ብምሉእ ልብና ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብ1964 ኣብ ክራኮው ኣብ ናይ ሓደ ሓው ስፍራ ኣታኽልቲ እተገብረ ኣኼባ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብ1968 ምስ ብዓልቲ ቤተይ ኔላን ምስ ሊድያ ጓልናን እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ቈልዓ ብዘይ ደም ዚግበር ናይ ልቢ መጥባሕቲ ቕድሚ ምግባሩ እተሰኣልክዎ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ዶ/ር ቪተስ ዚበሃል ኣብ ሆስፒታል ካታቪስታ ንቘልዑ ብዘይ ደም ናይ ልቢ መጥባሕቲ ዚገብር ቀንዲ ሓኪም እተሰኣልክዎ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ2002 ምስ ኔላ እተሰኣልናዮ