ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ን“ጸጕሪ ርእስኹም” እኳ ቘጺርወን እዩ

የሆዋ ን“ጸጕሪ ርእስኹም” እኳ ቘጺርወን እዩ

የሆዋ ን“ጸጕሪ ርእስኹም” እኳ ቘጺርወን እዩ

“ሓንቲ ኻባታተን [ካብተን ኣዕዋፍ] ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን።”ማቴዎስ 10:29, 30

1, 2. (ሀ) እዮብ: ኣምላኽ ዝሓደጎ ዀይኑ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እዮብ ከምኡ ብምባሉ ተጻራሪ ኣምላኽ ኰይኑ ማለት ድዩ፧ ግለጽ።

 “ናባኻ እምህለል አሎኹ: ኣይትመልሰለይን: ደው ኢለ እኔኹ: ተኲርካ ትጥምተኒ አሎኻ። ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ: በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ አሎኻ።” እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበ ሰብኣይ: ኣብ ከቢድ ጭንቀት እዩ ነይሩ። ከመይሲ: ኵሉ መነባብሮኡ ስኢኑ: ብሰንኪ ኸቢድ ዕንወት ደቁ ሞይቶምዎ: ከምኡውን ዜማስን ሕማም ሓሚሙ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ እዮብ ይበሃል: እቲ ዘጋጠሞ ኣዝዩ ዜሕዝን ነገራት ከኣ ንጥቕምና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ።—እዮብ 30:20, 21

2 ካብቲ እዮብ እተዛረቦ ቓላት: ተጻራሪ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኺመስል ይኽእል እዩ: እንተዀነ ግን: ከምኡ ኣይኰነን ነይሩ። እዮብ ልቡ ብጭንቀት ስለ እተመልአ እዩ ኸምኡ ዝበለ። (እዮብ 6:2, 3) ንዅሉ እቲ ፈተናታት ዘምጸኣሉ ሰይጣን ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ: ስለዚ ብጌጋ ኣምላኽ ከም ዝሓደጎ ገይሩ ደምደመ። ኣብ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ ንየሆዋ “ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ፧ ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ፧” ኢልዎ እዩ። aእዮብ 13:24

3. ኪጸበና ኸሎ: እንታይ ሓሳባት እዩ ኺመጸና ዚኽእል፧

3 ኣብዚ ግዜና ሓያሎ ህዝቢ የሆዋ ብሰንኪ ውግእ: ፖለቲካዊ ናዕቢ: ማሕበራዊ ህውከት: ባህርያዊ ዕንወት: እርጋን: ሕማም: ክቱር ድኽነት: ከምኡውን ብሰንኪ መንግስታዊ እገዳ ቐጻሊ መከራ የጋጥሞም እዩ። ንስኻውን ሓደ ዓይነት ፈተና ተሕልፍ ትህሉ ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ገጹ ኻባኻ ዝኸወለ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ነተን ኣብ ዮሃንስ 3:16 ዚርከባ “ኣምላኽ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዚብላ ቓላት ኣጸቢቕካ ትፈልጠን ኢኻ። እንተዀነ ግን: ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ተስፋ ዘይብሉ ዚመስል ቀጻሊ መከራ ምስ ዜጓንፈካ: ‘ኣምላኽ ንዓይ ብሓቂ የፍቅረኒ ድዩ፧ እንታይ አሕልፍ ከም ዘለኹስ የስተውዕሎ ድዩ፧ ብውልቂ ይግደሰለይ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

4. ጳውሎስ እንታይ ቀጻሊ ፈተና እዩ ኺጻወር ዝነበሮ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታትከ ብኸመይ እዩ ኺትንክፈካ ዚኽእል፧

4 ንሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እሞ ርአ። ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ “ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “እዚ ኻባይ ኪርሕቕ: ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንኩዎ” በለ። የሆዋ ነቲ ለመናኡ እኳ እንተ ሰምዖ: ብተኣምራዊ መገዲ ኣቢሉ ነቲ ሽግሩ ኸም ዘይፈትሓሉ ግን ንጳውሎስ ሓበሮ። ኣብ ክንዳኡስ: ጳውሎስ ነቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ’ ንኺጻወሮ: ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ኪውከል ነበሮ። b (2 ቈረንቶስ 12:7-9) ንስኻውን ከም ጳውሎስ ቀጻሊ ፈተና የጋጥመካ ይኸውን። ምናልባት እውን ‘የሆዋ ብዛዕባ እዚ ፈተናይ ዋላ ሓንቲ ዚገብር ዘሎ ስለ ዘይመስል: ንዅነታተይ ኣይፈልጦን ወይ ብዛዕባይ ኣይግደስን እዩ ማለት ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብርግጽ ኣይፋልን ዚብል እዩ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ ዘለዎ ዓሚቝ ሓልዮት: ኣብቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ድሕሪ ምምራጹ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝነገሮም ነገር ጐሊሑ ይርከብ። እምበኣር: እተን ሽዑ እተዛረበን ቃላት: ሎሚ ብኸመይ ከም ዜተባብዓና እስከ ንርአ።

“ኣይትፍርሁ”—ስለምንታይ፧

5, 6. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ መጻኢ ኸይፈርሁ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ: የሆዋ ኸም ዚሓልየሉ ዚተኣማመን ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ፧

5 የሱስ ንሃዋርያቱ ሓለፍ ዝበለ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። “ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም።” እዚ ግን ካብ ፈተናታትን ጸገማትን ሓራ ዚገብሮም ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: የሱስ ንገለ ኻብቲ ዜጋጥሞም ነገራት ብዝርዝር ገሊጹሎም እዩ። ይኹን እምበር: “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር: ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ: ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም” ኢሉ ተላበዎም።—ማቴዎስ 10:1, 16-22, 28

6 የሱስ ንሃዋርያቱ ኺፈርሁ ዘይብሎም ስለምንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኺርድኦም ኢሉ: ክልተ መብርሂ ነገሮም። ከምዚ ድማ በሎም:- “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ።” (ማቴዎስ 10:29-31) የሱስ ኣብ ግዜ ጸበባ ዘይምፍራህ: ምስቲ የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚሓልየልና ዘሎና ምትእምማን ከም ዘተኣሳሰሮ ኣስተብህል። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ: “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር: ዘይነሐፎ: ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሮሜ 8:31, 32) እምበኣር: ዜጋጥመካ ጸገማት ብዘየገድስ: ንየሆዋ እሙን ክሳዕ ዝዀንካ: ንሱ ብብሕቲ ኸም ዚሓልየልካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ነቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝሃቦ ማዕዳ ብደቂቕ ምስ እንምርምሮ: እዚ ብዝያዳ ንጹር እዩ ዚዀነልና።

ዋጋ ሓንቲ ጭሩ ገበላ

7, 8. (ሀ) ብግዜ የሱስ ጭሩ ገበላ ብኸመይ እያ እትርአ ነይራ፧ (ለ) ማቴዎስ 10:29 እታ “ጭሩ ገበላ” ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ንእሽቶ ምዃና ዚሕብር መግለጺ ዝሓዘት ስለምንታይ እያ፧

7 የሱስ ዝሃቦ መብርሂ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ዘለዎ ተገዳስነት ብዚግባእ እዩ ዚገልጽ። ፈለማ ብዛዕባ እተን የሱስ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ዝጠቐሰን ዓይነት ዑፍ ዝዀና ጭሩ ገበላ እስከ ንሕሰብ። ብግዜ የሱስ ጭሩ ገበላ ንምግቢ ተገልግል ነበረት። እንተዀነ ግን: እዘን ጨራሩ እዚኣተን እኽሊ የጥፍኣ ብምንባረን: መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ኣዕነውቲ እየን ዚረኣያ ነይረን። ጭሩ ገበላ ብብዝሒ ይርከባ ብምንባረን ሕሱራት እየን ነይረን: ንኽልተ ጭሩ ገበላ በዚ ናይ ሕጂ ሕሳብ ብትሕቲ ሓሙሽተ ሳንቲም ኣመሪካ እየን ዚዕደጋ ነይረን። ዕጽፊ እዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ ኣርባዕተ ዘይኰነስ ሓሙሽተ ጭሩ ገበላ እዩ ዜዐድግ ነይሩ። ስለዚ: እታ ተወሳኺት ጭሩ ኸም ዋጋ ዘይብላ መቝሽሽ ኰይና እያ እትወሃብ ነይራ።—ሉቃስ 12:6

8 ብዛዕባ ዕቤት እዛ ዓይነት ዑፍ እዚኣ እውን ሕሰብ። እታ ዓባይ እትበሃል ጭሩ ገበላ እኳ ምስ ካልኦት ዓይነት ኣዕዋፍ ክትነጻጸር ከላ: ኣዝያ ንእሽቶ እያ። እታ ኣብ ማቴዎስ 10:29 “ዑፍ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል: ብፍላይ ንንእሽቶ ጭሩ ገበላ እያ እተመልክት። የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ዋላ ሓንቲ ኣገዳስነት ዘይብላ ዑፍ ከም ዚሓስቡ ኺገብሮም ከም ዝደለየ ንጹር እዩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “የሱስ ኣዝያ ንእሽቶ ዓይነት ዑፍ ጠቐሰ: ካብዛ ዓይነት እዚኣውን እታ ዝደቐቐት ምዃና መግለጺ ወሰኸሉ” በለ።

9. የሱስ ብጭሩ ገበላ ገይሩ ብዝገለጾ መብርሂ ኣቢሉ እንታይ ሓያል ቍም ነገር እዩ ኣመሓላሊፉ፧

9 የሱስ ጭሩ ገበላ ብምጥቃስ እተጠቕመሉ መብርሂ ሓያል ቍም ነገር ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ዋጋ ዘይብሉ ዚመስል ነገር: ንየሆዋ ኣምላኽ ግን ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺውን የሱስ ሓንቲ ንእሽቶ ጭሩ ገበላ: ብዘይ ፍቓድ የሆዋ “ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣጕልሖ። c እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ነታ ኣዝያ ንእሽቶን ኣገዳስነት ዘይብላን ዑፍ እኳ ዚግደሰላ እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ እቲ ኼገልግሎ ንዚደሊ ሰብ ዜጋጥሞ ሽግራት ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘይግደስ፧

10. እቲ “ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን” ዚብል ሓሳብ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

10 የሱስ ኣብ ርእሲ እቲ ብጭሩ ገበላ ኣቢሉ ዝሃቦ መብርሂ: “ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን” በለ። (ማቴዎስ 10:30) እዚ ሓጺር ግን ከኣ ዓሚቝ ትርጕም ዝሓዘ መግለጺ: ነቲ የሱስ ብጭሩ ገበላ ገይሩ ዝሃቦ መብርሂ ዜራጕዶ እዩ። ማእከላይ ርእሲ ወድሰብ ብገምጋም 100,000 ጸጕሪ ኣለዎ። መብዛሕትኡ እዋን ሓንቲ ጸጕሪ ኻብ ካልእ ጸጕሪ ኽትፈልያ ኣይትኽእልን ኢኻ: ዋላ ሓንቲ ጸጕሪ ኸኣ ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረላ ዚግባኣ ኣይኰነትን። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ጸጕሪ ኣስተብሂሉስ ቈጺርዋ እዩ። እምበኣር: ከምዚ ኻብ ኰነ: የሆዋ ኺፈልጦ ዘይክእል ደቂቕ ዝርዝር ክፋል ህይወትና ኣሎዶ፧ የሆዋ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ዘለዎ ፍሉይ ነገር ይርድኦ እዩ። እወ: “ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7

11. ዳዊት: የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰሉ ዘለዎ ምትእምማን ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

11 እቲ ብዙሕ ጸገማት ዘሕለፈ ዳዊት: የሆዋ ኸም ዚግደሰሉ ርግጸኛ ነበረ። ስለዚ ድማ: “ጐይታየ: ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 139:1, 2) ንስኻውን የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚፈልጠካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ኤርምያስ 17:10) ተቐላጢፍካ ‘ኣብ ግምት ዘይኣቱ ብምዃነይ: እተን ኵሉ ዚርእያ ኣዒንቲ የሆዋ ኣይርእያንን እየን’ ኢልካ ኣይትሕሰብ።

“ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣከብካዮ”

12. የሆዋ ነቲ ንህዝቡ ዜጋጥሞም ጸበባ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 የሆዋ ነገልገልቱ በብውልቂ ይፈልጦም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ነፍሲ ወከፎም ዜሕልፍዎ ጸበባ እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ንኣብነት: እስራኤላውያን ባሮት ኰይኖም ኣብ ዚጭቈኑሉ ዝነበረ እዋን: ንሙሴ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ: ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ: እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ” በሎ። (ዘጸኣት 3:7) ፈተናታት ከነሕልፍ ከለና: የሆዋ ነቲ ዜጋጥመና ነገራት ከም ዚርእዮን ኣውያትና ኸም ዚሰምዖን ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ። ብርግጽ እምበኣር ብእነሕልፎ መከራ ግዲ ዘይብሉ ኣይኰነን።

13. የሆዋ ብሓቂ ነገልገልቱ ኸም ዚግደሰሎም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

13 የሆዋ ነቶም ምስኡ ርክብ ዘለዎም ሰባት ከም ዚሓልየሎም: ኣብቲ ንእስራኤላውያን ዝነበሮ ስምዒት እውን ተራእዩ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ መከራ ብሰንኪ ንቕጽናኦም እኳ እንተ ነበረ: ኢሳይያስ ግን ብዛዕባ የሆዋ “ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 63:9) እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዄንካ: ኣብ እትሳቐየሉ እዋን: የሆዋ እውን ከም ዚሳቐ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እዝስ ንዜጋጥመካ ጸበባ ብዘይ ፍርሂ ንኽትዋጽኣሉን ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለካ ዘበለ ንኽትገብርን ዚድርኽዶ ኸይኰነ፧—1 ጴጥሮስ 5:6, 7

14. መበል 56 መዝሙር ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እያ ተቐናቢራ፧

14 ንጉስ ዳዊት: የሆዋ ኸም ዚሓልየሉን ብዛዕባኡ ኸም ዚስምዖን ዝነበሮ እምንቶ ኣብ መበል 56 መዝሙር ንጹር ገይርዎ ኣሎ። እዛ መዝሙር እዚኣ ዳዊት ካብቲ ኪቐትሎ ዚደሊ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ኣብ ዚሃድመሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኣቀናቢርዋ። ዳዊት ናብ ጋት ሃደመ: ፍልስጥኤማውያን ምስ ፈለጥዎ ግን ከይሕዝዎ ፈርሀ። “ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ: ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። ዳዊት ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ስለ ዝኣተወ: ናብ የሆዋ ኺምህለል ከሎ: “ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይካራኸርዎ: ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ” በለ።—መዝሙር 56:2, 5

15. (ሀ) ዳዊት ንየሆዋ: ንንብዓቱ ኣብ ሓርቢ ወይ ኣብ መጽሓፍ ኪእክቦ ኺሓቶ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ለ) እምነትና ኣብ ዚፍተነሉ እዋን: ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

15 ድሕሪኡ: ከምቲ ኣብ መዝሙር 56:8 ተገሊጹ ዘሎ: ዳዊት “ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ: ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ: ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፧” ብምባል ዚምስጥ ነገር ተዛረበ። እዝስ ንለውሃት የሆዋ ዚገልጽ ከመይ ዝበለ ልቢ ዚትንክፍ መግለጺ ዀን እዩ! ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽንከውን ከለና: ናብ የሆዋ እናነባዕና ንልምን ንኸውን። እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ እኳ ኸምኡ ገይሩ እዩ። (እብራውያን 5:7) ዳዊት ከኣ ንንብዓቱ የሆዋ ኣብ ሓርቡ ኸም ዚእክቦን ኣብ መጽሓፉ ኸም ዚጽሕፎን ኪዛረብ ከሎ: ከም ዚዕዘቦን ስቓዩ ኸም ዚዝክሮን ዘለዎ እምንቶ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ምናልባት ንብዓትካ ንእተወሰነ ኽፋል እቲ ጭልፎ ኸም ዝመልአ ወይ ሓያሎ ገጻት እቲ መጽሓፍ ከም ዝሸፈነ ይስምዓካ ይኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ: ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ብምባል የረጋግጸልና።—መዝሙር 34:18

ናይ ማሕርሮ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን

16, 17. (ሀ) የሆዋ በቲ ንህዝቡ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ግዲ ዘይብሉ ዘይምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) የሆዋ: ሰባት ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምእንቲ ኺምስርቱ ኢሉ እንታይ እዩ ገይሩ፧

16 የሆዋ ‘ንጸጕሪ ርእስና እኳ’ ዝቘጸረን ምዃኑ: መስተብሃልን ሓላይን ኣምላኽ ነምልኽ ከም ዘሎና እዩ ዚሕብረና። ኵሉ ስቓይን መከራን ንኺውገድ ክሳዕ እታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም እትመጽእ ክንጽበ እኳ እንተሎና: የሆዋ ሕጂ እውን ንህዝቡ ዜደንቕ ነገር ይገብረሎም ኣሎ። ዳዊት “ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ: ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ” በለ።—መዝሙር 25:14

17 “ምስጢር እግዚኣብሄር” ምፍላጥ: ወይ ናይ ማሕርሮ ዓርኩ ምዃን ዚብልዎ ሓሳብ: ንዘይፍጹማት ሰባት ዘይከውን እዩ ዚመስሎም። የሆዋ ግን ነቶም ዚፈርህዎ ኣብ ድንኳኑ ኺሓድሩ ይዕድሞም እዩ። (መዝሙር 15:1-5) ነቶም ኣጋይሹኸ እንታይ እዩ ዚገብረሎም፧ ከምቲ ዳዊት ዝበሎ: ኪዳኑ እዩ ዜፍልጦም። እቶም ኣጋይሹ ዕላማታቱን ምስኡ ተሰማሚዖም ንምንባር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎምን ምእንቲ ኺፈልጡ: “ምስጢሩ” ብነብያቱ ኣቢሉ ብምግላጽ የፍልጦም።—ኣሞጽ 3:7

18. የሆዋ: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ከም ዚደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

18 ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ምስቲ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ክንምስርት ከም እንኽእል ምፍላጥና: ብሓቂ ልቢ ዚትንክፍ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ የሆዋ ነዚ ንኽንገብር ይምሕጸነና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብል። (ያእቆብ 4:8) የሆዋ: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና ይደልየና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ንኽንምስርት ስጕምትታት ወሲዱ እዩ። የሱስ ዝኸፈሎ በጃ: ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዕርክነት ንምምስራት መገዲ ኸፊቱልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና” ይብል።—1 ዮሃንስ 4:19

19. ብትዕግስቲ ምጻር ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብዝያዳ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

19 ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት ጸኒዕና ብትዕግስቲ ምስ እንቕጽል: እዚ ጥብቂ ርክብ እዚ ብዝያዳ ይድልድል። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” በለ። (ያእቆብ 1:4) ጽንኩር ኵነታት ብትዕግስቲ ብምጻርና እንታይ “ግብሪ” እዩ ዚፍጸም፧ ነቲ ጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበሮ ግራጭ’ እሞ ዘክሮ። ብጽንዓቱ እንታይ እዩ ፈጺሙ፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ከምዚ በለ:- “ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር: ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ: ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም: ብጸርፊ: ብሓሳር: ብምስጓጒ: ብጸበባ እሕጐስ እየ።” (2 ቈረንቶስ 12:9, 10) ነቲ ፈተና ምጻሩ ምእንቲ ኪኽእል: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኸም ዚህብ ጳውሎስ ተመኲርዎ እዩ። እዚውን ብግዴኡ ብዝያዳ ናብ ክርስቶስን ናብ የሆዋ ኣምላኽን ኣቕረቦ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:11-13

20. የሆዋ ብግዜ ጸበባ ኸም ዚድግፈናን ዜጸናንዓናን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

20 ምናልባት የሆዋ ንፈተናታትካ ኪቕጽል ፈቒድዎ ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ: ነቲ ንዚፈርህዎ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ብምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ኣይትረስዕ። (እብራውያን 13:5) ደገፉን ምጽንናዑን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ‘ንጸጕሪ ርእስኻ እኳ’ ቘጺርወን እዩ። ጽንዓትካ ይርእዮ እዩ። ስቓይካ ይስምዖ እዩ። ናይ ብሓቂ ይሓልየልካ እዩ። ‘ንግብርኻን ንስሙ ዝገበርካዮ ፍቕርኻን ከቶ ኣይኪርስዖን’ እዩ።—እብራውያን 6:10

[Footnote]

a እቲ ጻድቕ ዝነበረ ዳዊትን እቶም እሙናት ዝነበሩ ደቂ ቆራህን ተመሳሳሊ ነገር ተዛሪቦም እዮም።—መዝሙር 10:1፣ 44:24

b እቲ ጳውሎስ ‘ኣብ ስጋይ እተዋህበኒ ግራጭ’ ኢሉ ዝጸውዖ ነገር እንታይ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ከም ናይ ምርኣይ ሽግር ዝኣመሰለ ኣካላዊ ጕድኣት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ነቶም ንሃዋርያነትን ኣገልግሎትን ጳውሎስ ኣብ ሕቶ ዘእተውዎ ናይ ሓሶት ሃዋርያትን ካልኦትን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 11:6, 13-15፣ ገላትያ 4:15፣ 6:11

c ገሊኦም ምሁራት እታ ዑፍ ኣብ ምድሪ ኸም እትወድቕ ዚሕብር መግለጺ: ከም ዝሞተት ጥራይ ከም ዘየመልክት ይገልጹ። ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ እታ ሓረግ እቲኣ እታ ዑፍ ምግቢ ደልያ ኣብ ምድሪ ኸም እትወርድ ተመልክት እያ ይብሉ። ከምዚ እንተ ዀይኑ: ኣምላኽ ነታ ዑፍ ምስ ሞተት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታታ ኸም ዚግደሰላን ከም ዚሓልየላን የመልክት።—ማቴዎስ 6:26

ትዝክሮዶ፧

• ሓደ ሰብ: ኣምላኽ ከም ዝገደፎ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ኺገብር ዚኽእል እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

• ካብቲ የሱስ ብጭሩ ገበላን ብምቝጻር ጸጕሪ ርእስናን ኣቢሉ ዝሃቦ መብርሂ እንታይ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧

• የሆዋ ንንብዓት ኣብ “ሓርቢ” ወይ “መጽሓፍ” ይእከብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• “ምስጢር” የሆዋ ኽንፈልጥ ወይ ምስኡ ናይ ማሕርሮ ዕርክነት ክንምስርት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ንጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበሮ ግራጭ’ ዘየልገሰሉ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ የሱስ ብጭሩ ገበላ ገይሩ ዝሃቦ መብርሂ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© J. Heidecker/VIREO

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ብምንባብ: ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዚሓልየልና መረጋገጺ ኽንረክብ ንኽእል ኢና