ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: እቲ ሓድሓደ ግዜ ሸኪና እናተባህለ ዚጽዋዕ ኣብቲ ቕድስተ ቕዱሳን እቲ ማሕደርን እቲ ቤተ መቕደስን ዚርአ ዝነበረ ተኣምራዊ ብርሃን እንታይ እዩ ዜመልክት፧

እቲ ፈቃርን መዕቆብ ህዝቡን ዝዀነ የሆዋ: ምስ እስራኤላውያን ምዃኑ ንጹር ገይሩሎም እዩ። ነዚ ዝገበረሉ ሓደ መገዲ ኸኣ ምስቲ ናይ ኣምልኾ ቦታኡ ዚተሓሓዝ ድሙቕ ደበና ብምግባር እዩ።

እዚ ዜደንቕ ብርሃን እዚ ነቲ ዘይርአ ህላወ የሆዋ ዜመልክት እዩ። ኣብቲ ማሕደርን ኣብታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስን ኣብ ዝነበረ ቕድስተ ቕዱሳን ድማ ይርአ ነበረ። እዚ ግን የሆዋ ብኣካል ኣብኡ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ እተሃንጸ ህንጻ ኣይሓድርን እዩ። (2 ዜና መዋእል 6:18፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:24) እዚ ልዕለ-ባህርያዊ ዝዀነ ድሙቕ ብርሃን እዚ: ነቲ ሊቀ ኻህናት: ብእኡ ገይሩ ድማ ነቶም እስራኤላውያን: የሆዋ ምሳታቶም ምዃኑ ንኼዕቍቦምን ድሌቶም ድማ ንኼማልኣሎምን ኣብኡ ኸም ዘሎ መረጋገጺ ይህቦም ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ድሕሪ ምውዳኡ: እዚ ብርሃን እዚ ብቛንቋ ኣረማይስጢ ሸኪና ይበሃል ነበረ: ትርጕሙ ድማ “እቲ ዝዓርፍ” ወይ ከኣ “መዕረፊ” ማለት እዩ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብቲ ታርጉም ተባሂሉ ዚፍለጥ ብቛንቋ ኣረማይስጢ እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን እያ።

የሆዋ: ማሕደር ንኺሃንጽ ንሙሴ መምርሒ ኺህቦ ኸሎ: “ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ: ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ” በሎ። (ዘጸኣት 25:21, 22) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ታቦት እቲ ብወርቂ እተለበጠ ኣብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ዝነበረ ሳጹን እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ታቦት እዚ ኸኣ ክልተ ብወርቂ እተሰርሑ ኪሩቤል ነበሩ።

የሆዋ ኣበይ ኰይኑ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ንሙሴ “ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ” በሎ። (ዘሌዋውያን 16:2) እዚ ደበና እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ታቦት ኣብ መንጎ እቶም ብወርቂ እተሰርሑ ኽልተ ኪሩቤል ይርአ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ: ንውሓት እዚ ደበናን ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ድማ ክሳዕ ክንደይ ተዘርጊሑ ኸም ዝነበረን ኣይዛረብን እዩ።

እዚ ድሙቕ ብርሃን ዘለዎ ደበና እዚ: ነቲ ቕድስተ ቕዱሳን ከም ዚበርህ ይገብሮ ነበረ። አረ ናይቲ ኽፍሊ እንኮ ምንጪ ብርሃን እዩ ነይሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት ብመዓልቲ ዕርቂ ናብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ኪኣቱ ኸሎ ኸኣ እዚ ብርሃን እዚ እዩ ዜብርሃሉ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ከም ዝበለ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ።

እዚ ተኣምራዊ ብርሃን እዚ ንክርስትያናት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ሓንቲ ‘ኣብኣ ለይቲ ዘይከውን’ ከተማ ብራእይ ረኣየ። እዛ ኸተማ እዚኣ በቶም ምስ የሱስ ንኺገዝኡ ኻብ ሞት ዚትንስኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝቖመት ሓዳስ የሩሳሌም እያ። እቲ ነዛ ምሳልያዊት ከተማ ዜብርሃላ ብርሃን ካብ ጸሓይ ወይ ከኣ ካብ ወርሒ ዚመጽእ ኣይኰነን። ከምቲ እቲ ሸኪና እተባህለ ደበና ነቲ ቕድስተ ቕዱሳን ዜብርሆ ዝነበረ: ነዛ ማሕበር እዚኣ ድማ ክብሪ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ብቐጥታ ዜብርሃላ። እቲ ገንሸል ተባሂሉ ዚጽዋዕ የሱስ ክርስቶስ እውን “መብራህታ” እዩ። እዛ “ኸተማ” ድማ ነቶም በጅነት ዝረኸቡ ኻብ እተፈላለዩ ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ዚመርሖም መንፈሳዊ ብርሃን ተብርሃሎም: ሞገሳ እውን ትህቦም።—ራእይ 21:22-25

እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኺሉ ዚተርፍ በረኸት ካብ ላዕሊ ይረኽቡ ኻብ ኰኑ: ንሱ ሓላዪ ጓሳኦምን ፈቃር ኣቦኦምን ምዃኑ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።