ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሞት ብዓወት ተዋሕጠ”

“ሞት ብዓወት ተዋሕጠ”

“ሞት ብዓወት ተዋሕጠ”

ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ርእሰ-ቕትለት ዝፈጸመት ንእሽቶ ጓል: ከምዚ ዓይነት ኣርእስቲ ዝሓዘ ጋዜጣ ኸተንብብ ከለኻ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓቂ እዩ: ክሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዝበለ ኣርእስቲ ሒዙ ዝወጸ ጋዜጣ የልቦን። ኰይኑ ግን: እዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ቓላት ኣብቲ በሽሓት ዚቝጸር ዓመታት ዝገበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከባ እየን።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሞት ብንጹር እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብተወሳኺውን: መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም እንመውት ጥራይ ዘይኰነስ: ምዉታት ኣበይ ከም ዘለዉ እውን ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ እቶም እነፍቅሮም ዝሞቱ ሰባት ከኣ ተስፋ ይህብ። ኣብ መወዳእታ ድማ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚበሃለሉ እዋን ከም ዚመጽእ ይዛረብ።—1 ቈረንቶስ 15:54

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ምርዳኡ ኣጸጋሚ ብዝዀነ መግለጺታት ዘይኰነስ: ብቐሊል መግለጺታት እዩ ዜብርሆ። ንኣብነት: ብተደጋጋሚ ምስ “ድቃስ” እዩ ዜመሳስሎ: ንዝሞቱ ሰባት ድማ “ደቂሶም” ከም ዘለዉ ገይሩ እዩ ዚገልጾም። (መዝሙር 13:3፣ 1 ተሰሎንቄ 4:13፣ ዮሃንስ 11:11-14) ሞት: “ጸላኢ” ከም ዝዀነ እውን ተገሊጹ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ካብ ኵሉ ንላዕሊ ግን ሞት ንምንታይ ምስ ድቃስ ከም ዚመሳሰል: ስለምንታይ ንደቅሰብ ከም ዚጐድእ: ከምኡውን እዚ ጸላኢ እዚ ኣብ መወዳእታ ብኸመይ ከም ዚስዓር የረድኣና።

ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ እትርከብ መጽሓፍ: ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ከም ዝፈጠሮን ኣብ ገነት ከም ዘንበሮን ትገልጽ። (ዘፍጥረት 2:7, 15) ኣዳም ኣብኣ ኺነብር ምስ ጀመረ: ዕዮ ተዋህቦ: ምስኡ ድማ ሓደ ኸቢድ ትእዛዝ ተዋህቦ። ኣምላኽ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረት ኦም: “ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” በሎ። a (ዘፍጥረት 2:17) ስለዚ: ኣዳም ካብ ሞት ኬምልጥ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዚጥሕስ ጥራይ እዩ ዚመውት።

እቲ ዜሕዝን ግን ኣዳምን ሰበይቱ ሄዋንን ኣይተኣዘዙን። ንሕጊ ፈጣሪኦም ሸለል ስለ ዝበሉ: ሳዕቤኑ ዓጸዱ። ኣምላኽ “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ብምባል: ውጽኢት እቲ ሓጢኣቶም ገለጸሎም። (ዘፍጥረት 3:19) እዚ ኸኣ: ከቢድ ጕድለት ማለት ዘይፍጽምና ኣስዓበሎም። ዘይፍጹማት ወይ ሓጢኣተኛታት ብምዃኖም ድማ ሞቱ።

እዚ ጕድለት ወይ ሓጢኣት እዚ ናብ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን: ማለት ናብ ብምሉኡ ዘርኢ ወድሰብ ሓለፈ። ብኻልእ ኣዘራርባ ልክዕ ከም ተመሓላላፊ ሕማም ኰነ። ኣዳም ሞት ካብ ዜስዕቦ ስቓይ ናጻ ዝዀነ ህይወት ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ጥራይ ኣይኰነን ኣጥፊኡ: የግዳስ ንዘርኡ እውን ዘይፍጽምና ኣመሓላሊፉሎም እዩ። ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ኣተዉ። መጽሓፍ ቅዱስ “ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ይብል።—ሮሜ 5:12

‘ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ’

እዚ ኻብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዚመሓላለፍ ጕድለት ወይ ሓጢኣት: ብዓይኒ ኺርአ ዚኽእል ኣይኰነን። “ሓጢኣት” ነቲ ኻብ ቀዳሞት ወለድና ዝሓለፈና ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ኣበር የመልክት። እዚ ኣካላዊ ሳዕቤን እውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ነዚ ንምዕራይ ምድላው ከም ዝገበረ ይነግረና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ: ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” በለ። (ሮሜ 6:23) ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ንዕኡ ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ዚብል መረጋገጺ ሃበ።—1 ቈረንቶስ 15:22

ብርግጽ የሱስ ክርስቶስ ሓጢኣትን ሞትን ኣብ ምጥፋእ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ናብ ምድሪ “ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን” ከም ዝመጸ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 20:28) እቲ ዅነታት ምስ ጭውያ ተመሳሳሊ እዩ: ከመይሲ እተወሰነ ኽፍሊት እንተ ዘይተገይሩ እቲ እተጨውየ ሰብ ሓራ ኺወጽእ ኣይክእልን እዩ። ንዓና ድማ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት የሱስ እዩ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኼውጽኣና ዚኽእል። bግብሪ ሃዋርያት 10:39-43

ኣምላኽ ንየሱስ ህይወቱ ንኺስውእ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ ነቲ በጃ ኸፈሎ። “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) ክርስቶስ መስዋእታዊ ሞት ቅድሚ ሙማቱ: ‘ንሓቂ መስከረ።’ (ዮሃንስ 18:37) ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን: እተወሰነ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ብዛዕባ ሞት እቲ ሓቂ ገለጸ።

“እዛ ጓል ደቂሳ አላ”

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ብዛዕባ ሞት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ ይሓዝን ነይሩ: ከምኡውን ንሱ ባዕሉ ቐልጢፉ ኺመውት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 17:22, 23) ካብቲ የሱስ እተቐትለሉ እተወሰነ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ: እቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ኣልኣዛር ሞተ። እቲ ሽዑ እተገብረ ነገር: ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሞት ዘለዎ ኣረኣእያ ንኽንፈልጥ የኽእለና።

የሱስ: ኣልኣዛር ከም ዝሞተ ምስ ተነግሮ: “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ: ኪጥዒ እዩ ኢሎም ሓሰቡ። ሽዑ የሱስ “ኣልኣዛር ሞይቱ” ኢሉ ብግልጺ ነገሮም። (ዮሃንስ 11:11-14) እምበኣር: የሱስ ንሞት ልክዕ ከም ድቃስ ገይሩ እዩ ዚወስዶ ነይሩ። ንሞት ክንርድኦ ዜጸግመና እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ ድቃስ ግን ይርድኣና እዩ። ለይቲ ጽቡቕ ምስ እንድቅስ: እቲ እዋን ብኸመይ ከም ዝሓለፈን እንታይ ከም እተገብረን ኣይንፈልጥን ኢና። ከመይሲ: ንግዚኡ ሃለዋትና ጠፊኡ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ልክዕ ከምዚ ገይሩ እዩ ብዛዕባ እቲ ምዉታት ዘለዉሉ ዅነታት ዚገልጽ። ኣብ መክብብ 9:5 “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል።

የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ ዘመሳሰለሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ: ምዉታት ብሓይሊ ኣምላኽ ካብ ሞት ኪትንስኡ ስለ ዚኽእሉ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን የሱስ ናብ ሓደ ብሞት ንእሽቶ ጓሎም ዝሓዘኑ ስድራቤት ከደ። የሱስ “እዛ ጓል ደቂሳ አላ እምበር: ኣይሞተትን” በለ። ካብኡ ናብታ ዝሞተት ጓል ቀሪቡ ኢዳ ሐዛ: እታ ጓል ከኣ “ተንስኤት።”—ማቴዎስ 9:24, 25

የሱስ ብተመሳሳሊ መገዲ ንፈታዊኡ ኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ። ኰይኑ ግን: ነቲ ተኣምር ቅድሚ ምፍጻሙ: ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኣጸናንዓ። ንሳ ድማ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” ኢላ ብምትእምማን መለሰት። (ዮሃንስ 11:23, 24) ኣብ መጻኢ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዚትንስኡ ትኣምን ነይራ ኽትከውን ኣለዋ።

ትንሳኤ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ እታ “ትንሳኤ” (ኣናስታሲስ) ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ “ምትንሳእ” ማለት እያ። እዚ ድማ ካብ ሞት ምትንሳእ የመልክት። እዚ ንገለ ሰባት ኪእመን ዘይከኣል ይመስሎም ይኸውን። እንተዀነ ግን: የሱስ ምዉታት ድምጹ ኸም ዚሰምዑ ምስ ተዛረበ: “በዚ ኣይትደነቑ” በለ። (ዮሃንስ 5:28) እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ትንሳኤታት: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ካብቲ ኸቢድ ‘ድቃሶም’ ከም ዚትንስኡ ዚህቦ መብጽዓ ኸም እንኣምን ይገብረና። ራእይ 20:13 “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን [መቓብር ደቅሰብ] ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” ብምባል ትንበ።

እቶም ዚትንስኡ ምዉታት ልክዕ ከም ኣልኣዛር ኣሪጎም እንደገና ኺሞቱ ድዮም፧ ዕላማ ኣምላኽ ከምዚ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ሞት ዘይህልወሉ’ እዋን ከም ዚመጽእ ስለ ዜረጋግጸልና: ዋላ ሓደ ሰብ ኣሪጉ ኣይኪመውትን እዩ።—ራእይ 21:4

ሞት ጸላኢ እዩ። ወድሰብ ከም ሕማምን እርጋንን ዝኣመሰሉ ስቓይ ዜስዕቡ ኻልኦት ብዙሓት ጸላእቲ ኣለውዎ። ኣምላኽ ንዅሎም ከም ዜጥፍኦምን ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ዝዓበየ ጸላኢ ደቅሰብ ከም ዚፈርዶን ቃል ኣትዩ እዩ። “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:26

እዚ መብጽዓ እዚ ምስ ዚፍጸም ደቅሰብ ብሓጢኣትን ብሞትን ዘይበላሾ ፍጹም ህይወት ኪህልዎም እዩ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን እቶም ዝሞቱ እነፍቅሮም ሰባት ኣዕሪፎም ከም ዘለዉን ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ እንተ ኣልዮም ከኣ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ ኺትንስኡ ምዃኖምን ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ።

ብዛዕባ ሞት ምርዳእና ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ይገብራ

ንሞት ብንጹር ምርዳእናን ንምዉታት እተዋህበ መብጽዓ ምፍላጥናን ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኢያን ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ኸሎ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ኣመልኪቱ ዚህቦ መግለጺ ፈለጠ። “ኣቦይ ኣብ ገለ ቦታ ኣሎ ዚብል ንጹር ዘይኰነ ተስፋ ነይሩኒ። ስለዚ: ብሞት ደቂሱ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ: መጀመርታ ተደቘስኩ” በለ። ይኹን እምበር: ኢያን ኣምላኽ ነቶም ዝሞቱ ኸም ዜተንስኦም ምስ ኣንበበ: ነቦኡ እንደገና ኺርእዮ ኸም ዚኽእል ምፍላጡ ኣዝዩ ኣሐጐሶ። “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ሰላም ረኸብኩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። ብዛዕባ ሞት ቅኑዕ ምርዳእ ብምርካቡ: ናይ ኣእምሮ ሰላም ረኺቡ መንፈሱ ሃድአ።

ክላይቭን ብረንዳን ወዲ 21 ዓመት ዝዀነ ስቲቨን ዚበሃል ወዶም በቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሓደጋ ሞተ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ዚብሎ ዚፈልጡ እኳ እንተዀኑ: በቲ ሃንደበታዊ ሞት ወዶም ኣዝዮም ጐሃዩ። ከመይሲ: ሞት ኣዝዩ ጐዳኢ ጸላኢ እዩ። እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እንታይ ከም ዚብል ዘጥረይዎ ፍልጠት: ቀስ ኢሉ ንጓሂኦም ነከዮ። ብረንዳ “ብዛዕባ ሞት ምርዳእና ናይ ኣእምሮ ሰላም ረኺብና ህይወትና ንኽንቅጽል ሓጊዙና እዩ። ነቲ ስቲቨን ካብቲ ዓሚቝ ድቃሱ ዚትንስኣሉ እዋን ኵሉ መዓልቲ ኢና እንሓስቦ” በለት።

“ዎ ሞት: ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧”

ምዉታት ዘለውዎ ዅነታት ምርዳእና ብዛዕባ ህይወት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ይሕግዝ። ሞት ክንርድኦ ዘይንኽእል ምስጢር ኪኸውን የብሉን። ነቲ ጸላኢ ዝዀነ ሞት ዘሎና ኽቱር ፍርሂ ንህይወት ከም ዘይነስተማቕራ ኺገብረና የብሉን። ሞት ንዘለኣለም ካብ ምንባር ኪዓግተና ኸም ዘይኽእል ምፍላጥና: በቲ ህይወት ሓጻር እያ ዚብል ኣተሓሳስባ ተመሪሕና ተድላ ጥራይ ከይንስዕብ ይገብረና። እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ብሞት እተፈለዩና እነፍቅሮም ሰባት ደቂሶም ከም ዘለዉን ከም ዚትንስኡን ምፍላጥና: የጸናንዓና: ብህይወት ናይ ምንባር ባህጊ ድማ የሕድረልና።

እወ: እቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንሞት ንዘለኣለም ከም ዜጥፍኦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። እቲ “ዎ ሞት: ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ: ኣበይ አሎ ዓወትካ፧” እንብለሉ እዋንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ዝዓሰሎ ዀን እዩ!—1 ቈረንቶስ 15:55

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብዛ ቦታ እዚኣ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሞት እተጠቕሰ።

b ኣዳም ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ስለ ዘጥፍአ እቲ እተኸፍለ መስዋእቲ እውን ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት እዩ ነይሩ። ኵሉ ሰብ ብሓጢኣት ስለ እተበከለ: ዋላ ሓደ ዘይፍጹም ሰብ በጃ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣምላኽ ንወዱ ካብ ሰማይ ለኣኾ። (መዝሙር 49:7-9) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 7 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳምን ሄዋንን ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ሞቱ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነታ ሞይታ ዝነበረት ጓል ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት ነቲ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ዜፍቅርዎም ሰባት ልክዕ ከም ኣልኣዛር ዚትንስኡሉ እዋን ይጽበዩ እዮም