ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞት ዜሕድሮ ጐዳኢ ጽልዋ

ሞት ዜሕድሮ ጐዳኢ ጽልዋ

ሞት ዜሕድሮ ጐዳኢ ጽልዋ

“ሓንቲ ጓል ሹድሽተ ዓመት ህይወታ ኣጥፍአት።” እዚ ዜሰንብድ ኣርእስቲ እዚ ብዛዕባ ዜሕዝን ሞት ሓንቲ ጃኪ እትበሃል ንእሽቶ ጓል እዩ ዚዛረብ። ቀቀድሚ እዚ: ኣዲኣ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ሞተት። ጃኪ ዀነ ኢላ ኣብ ቅድሚ እትኸይድ ዝነበረት ባቡር ቅድሚ ምእታዋ: ንገለ ኻብ ቤተሰባ ‘ምስ ኣደይ ምእንቲ ክኸውን መልኣኽ ክኸውን እየ ዝደሊ’ በለቶም።

ኢያን ንቐሹ ስለምንታይ ኣቦኡ ብሕማም መንሽሮ ኸም ዝሞተ ንኼረድኦ ኺሓቶ ኸሎ: ወዲ 18 ዓመት እዩ ነይሩ። እቲ ቐሺ ድማ ኣቦኡ ጥዑይ ሰብ ስለ ዝነበረ: ኣምላኽ ናብ ሰማይ ከም ዝወሰዶ ገለጸሉ። ኢያን ነቲ መግለጺ ምስ ሰምዐ: ንኸምዚ ዓይነት ጨካን ኣምላኽ ኬምልኽ ከም ዘይደሊ ደምደመ። ህይወት ምንም ትርጕም ዘለዋ ስለ ዘይትመስል: ደድሕሪ ተድላ እናጐየየ ኺነብር ወሰነ። በዚ ድማ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኺሰትን ሓሽሽ ኪወስድን ዘይስነ-ምግባራዊ ዓይነት ኣነባብራ ኺነብርን ጀመረ። ህይወቱ ኻብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዀነቶ።

“ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም”

እዚ ኽልተ ኣዝዩ ዜጕሂ ፍጻመታት እዚ: ነቲ ሞት: ብሕልፊ ኸኣ ሃንደበታዊ ኪኸውን ከሎ: ኣብ ህይወት ሰባት ዜሕድሮ ጐዳኢ ጽልዋ እዩ ዜርኢ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም” ዚብል ሓቂ: ኵሎም ሰባት ይቕበልዎ እዮም። (መክብብ 9:5) እንተዀነ ግን: ብዙሓት ነዚ መሪር ሓቂ እዚ ሸለል ኪብልዎ እዮም ዚመርጹ። ንስኻኸ፧ ግዜናን ኣቓልቦናን ዚወስድ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ: ብዛዕባ እቲ ገና ርሑቕ ዘሎ ዚመስል እንሞተሉ እዋን ክንሓስብ ኣይንደልን ንኸውን።

ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “መብዛሕትኦም ሰባት ሞት ስለ ዚፈርሁ: ብዛዕባኡ ኺሓስቡ ኣይደልዩን እዮም” በለ። ይኹን እምበር: ከቢድ ሓደጋ ወይ ንህይወት ዜስግእ ሕማም ምስ ሞት ፊት ንፊት ከም እንጋጠም ይገብረና ይኸውን። ናይ ዓርክና ወይ ናይ ዘመድና ቐብሪ ነቲ መወዳእታ ዅሉ ሰብ ዝዀነ ነገር የዘኻኽረና ይኸውን።

ይኹን እምበር: ኣብ ቀብሪ መብዛሕትኡ እዋን እቶም ሓዘንተኛታት “ኤእ: ህይወት ግን ክቕጽል ኣለዎ” ይብሉ። ብርግጽ ድማ ይቕጽል እዩ። ህይወት ቀልጢፉ ዚሓልፍ እዩ ዚመስል። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ እርጋን ይመጽእ። ሽዑ ሞት ገና ርሑቕ ከም ዘሎ ጌርና ኣይንሓስቦን ኢና። ከመይሲ: ናብ ብዙሕ ቀብርታት ንኸይድ: ዕድሜና ምሉእ ኣዕሩኽና ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ድማ ይሞቱ። ንብዙሓት ኣረገውቲ ሰባት “ኣነኸ ተራይ መዓስ ኰን ይኸውን፧” ዚብል ሕቶ እዩ ዜጨንቖም።

እቲ ዓብዪ ምልክት ሕቶ

ዋላኳ ዅሉ ሰብ ሞት ከም ዘሎ ርግጸኛ ይኹን: ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዚህሉ ነገር ግን ሓደ ዓብዪ ምልክት ሕቶ ተፈጢሩ ኣሎ። እቲ ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ መልስታት: ንሓደ ተጠራጣሪ ሰብ: እቲ ዚወሃብ መብሪሂታት ብዛዕባ ዘይፍለጥ ነገር ዚግበር ፍረ ዘይብሉ ኽርክር ከም ዝዀነ ኸም ዚስምዖ ይገብር ይኸውን። ሓደ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምን ሰብ ድማ ሓንሳእ ጥራይ ብህይወት ስለ እትነብር: ኣብ ህይወት ንዜጋጥመካ ጽቡቕ ነገራት ኵሉ ብእተኻእለካ መጠን ክትጥቀመሉ ኣሎካ: ኣብ ዚብል መደምደምታ ይበጽሕ ይኸውን።

ብኣንጻሩ ድማ: ካልኦት ሰባት ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ከም ዝዀነ ኣይኣምኑን። ኰይኑ ግን: ብዛዕባ እቲ ብድሕሪኡ ዚህሉ ነገር ዋላ ሓንቲ ንጹር ምርዳእ የብሎምን። ገሊኦም ህይወት ዘለኣለማዊ ሓጐስ ኣብ ዚርከበሉ ቦታ ትቕጽል ይብሉ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ መጻኢ ምናልባት ከም ካልእ ሰብ ኰይኖም እንደገና ኺነብሩ ኸም ዚጅምሩ ይኣምኑ።

ኣዝማዶም ዝሞትዎም ሰባት “ምውታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ኢሎም ንርእሶም ይሓቱ እዮም። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣባላት ሓንቲ ጋንታ ዅዕሶ እግሪ: ንስፖርታዊ ውድድር እናኸዱ ኸለው: ነታ ዝነበርዋ ንእሽቶ ኣውቶቡስ ሓንቲ ዓባይ ማኪና ገጨወታ እሞ እታ ኣውቶቡስ ተገለባበጠት። ሓሙሽተ ኣባላት እታ ጋንታ ኸኣ ሞቱ። ኣደ ሓደ ኻብቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ: ወዳ ኻብ ዝሞተላ ዕለት ኣትሒዛ ኸም ቀደማ ምንባር ክትቕጽል ኣይከኣለትን። ወዳ ኣበይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ትደሊ ነበረት። ኵሉ ሳዕ ናብቲ መቓብሩ እናኸደት: ንሰዓታት ዓው ኢላ ትዛረቦ ነበረት። “ርግጸኛ እኳ እንተ ዘይኰንኩ: ድሕሪ ሞት ምንም የልቦን ኢለ ንኽኣምን ግን የጸግመኒ እዩ” ብምባል ጓሂኣ ትገልጽ።

ብርግጽ እምበኣር ብዛዕባ ሞት ዘሎና ኣረኣእያ: ኣብ ህይወትና ጽልዋ ኣለዎ። ሰባት ብዛዕባ ሞት ሓያሎ ሕቶታት ይሓቱ እዮም። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብኸመይ ከም እትምልሶ እስከ ርአ። ብዛዕባ ሞት ፈጺምና ረሲዕና ሕጂ ኣብ ምንባር ጥራይ ዲና ኸነተኵር ዘሎና፧ ብዛዕባ ሞት ኣመና እናተጨነቕና ህይወትና ኸነበላሹዶ ግቡእ እዩ፧ ዝፈትዎ ዘመዱ ዝሞቶ ሰብ: እቲ ምውት ኣበይ ከም ዘሎ እናተጨነቐ ኻብ ምንባር ሓሊፉ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር የልቦን ማለት ድዩ፧ ሞት ካን ምስጢር ኰይኑ ድዩ ኺተርፍ ዘለዎ፧