ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ተናእዱ

በቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ተናእዱ

በቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ተናእዱ

ኣብ ደቡብ ኢጣልያ እትነብር ማሪያና እትብሃል ጓል 18 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር: ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንኽትውድእ ሓንቲ ዓመት እያ ተሪፋታ። ምስ ከምኣ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ እያ እትምሃር።

ማሪያና ኸምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት: ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ኻብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ: ዕለታዊ ጥቕሲ ነንብብ። ነዚ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ መምህራን ዚእከቡሉ ኽፍሊ ዘሎ ኮሪዶር ጥራይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል። ብርግጽ ህዱእ ቦታ ኣይኰነን። ሓያሎ መምህራን ብእኡ ኺሓልፉ ኸለው ይርእዩና: ገሊኦም ድማ እንታይ ንገብር ከም ዘለና ንምርኣይ ደው ኢሎም ይዕዘቡና። እዚ ኸኣ ነቲ ዜልዕልዎ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ኣጋጣሚ ኸፈተልና። ብገምጋም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሓደ መምህር ምሳና ይዘራረብ እዩ። እተወሰኑ መምህራን ነቲ እንገብሮ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ እተመስረተ ምይይጥ ሰሚዖምዎ እዮም: ስለቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ተገዳስነት ድማ ሞሳኦም ገሊጾምልና እዮም። ሓደ ግዜ እቲ ምክትል ርእሰ-መምህራን ነቲ ምይይጥና ኣብ ውሽጢ እቲ መምህራን ዜዕርፉሉ ኽፍሊ ዄንና ንኽንገብሮ ጸውዓና።

“መምህረይ: ኣበይ ኴንና ናይ ዕለት ጥቕሲ ኸም እንገብር ምስ ረኣየ: ነቲ ርእሰ-መምህራን ኣብ ሓደ ጥራሑ ኽፍሊ ዄንና ምይይጥ ክንገብር ንኽእል እንተደኣ ዄንና ሓተቶ። እቲ ርእሰ-መምህር ድማ ፈቐደልና: መምህረይ ከኣ ስለቲ ዘርኣናዮ ሰናይ ኣብነት ኣብ ቅድሚ ደቂ ኽፍልና ኣመስገነና። የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ መሰል ስለ ዝሃበና ኣዚና ሕጉሳት ኢና።”