ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብኡንብኡ ምተፈትሑ ነይሮም”

“ብኡንብኡ ምተፈትሑ ነይሮም”

“ብኡንብኡ ምተፈትሑ ነይሮም”

እታ ጓል ሓዉ ነቲ ፕረዚደንት ፈረንሳ ዝነበረ ቻርለስ ደ ጎል ዝዀነት ዤነቭየቭ ደ ጎል: ነቶም ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ጀርመን ዝነበረ ራቨንስብራክ ዚበሃል መዳጐኒ ደምበ ናዚ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትፈልጦም ነበረት። ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት ኣብ ነሓሰ 1945 ኣብ ደብዳበኣ ዝጸሓፈተን እውን ንሳ እያ።

እቲ ኣብ ኦሽዊትዝ: ፖላንድ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ብ27 ጥሪ 1945 ሓራ ወጸ። ካብ 1996 ጀሚሩ ድማ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ጀርመን ንመዘከርታ እቶም ግዳያት እቲ ሳልሳይ ራይኽ ሂትለር ዝዀኑ ሰባት ንኽትከውን ተመርጸት።

ብ27 ጥሪ 2003 ንመዘከርታ እቶም ግዳያት ተባሂሉ ኣብ እተገብረ ወግዓዊ መግለጺ: ፕረዚደንት እቲ ኣብ ግዝኣት ባደን-ውርተምበርግ ዚርከብ ባይቶ ዝዀነ ፒተር ሽትሩብ ከምዚ ብምባል ርእይቶኡ ሃበ:- “እቶም ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶምን ፖለቲካዊ ኣቕዋሞምን መስጐጕቲ ዝወረዶም: ካብ ምምብርካኽ ድማ ነቲ ሞት ኣሜን ኢሎም እተቐበሉ ሰባት: ብቓላት ክንገልጾ ዘይንኽእል ዓብዪ ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ንድሌት ስርዓት ሂትለር ምሉእ ብምሉእ ዘይተቐበልዎ: ሰላምታ እውን ዘይሃቡ። ልክዕ ከምቲ ወተሃደራውን ምስኡ ዚተሓሓዝ ዕዮን ምዕያይ ዝኣበዩ: ነቲ ‘መራሕን ነታ ሃገርን’ ዘሎካ ተኣማንነት ንምርኣይ ዚግበር ማሕላ ድማ ኣይምሕሉን ነበሩ። ውሉዳቶም እውን ኣብቲ ምንቅስቓስ መንእሰያት ሂትለር ኣይካፈሉን እዮም ነይሮም።”

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ብምባል ተዛረበ። (ዮሃንስ 17:16) ስለዚ: ኣቕዋም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጹር ሃይማኖታዊ መሰረት እዩ ዘለዎ። ሽትሩብ ቀጺሉ “እቶም ከም ምልክት እሱራት ኣብቲ ኽዳውንቶም ጁኽ ሕብሪ ዘለዎ ስሉስ ኵርናዕ ዚገብሩ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ካብ ሰማእትነት ኬምልጡ ዚኽእሉ ዝነበሩ። እምነቶም ከም ዝኸሓዱ እትገልጽ ሓንቲ ወረቐት ምፍራም ጥራይ እኽልቲ ነበረት” በለ።

ንመብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እምነትካ ምኽሓድ ማለት ፈጺሙ ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ 1,200 ዝዀኑ ብግዜ ናዚ ህይወቶም ሰኣኑ። ክልተ ሚእትን ሰብዓን ዝዀኑ ብምኽንያት ሕልናኦም ተቐትሉ። ነቲ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል ጥቕሲ ብኣፎም ጥራይ ኣይኰኑን ዝዛረብሉ ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ከምቲ ኣብ ግዝኣት ሰሜናዊ ራይን-ዌስትፌልያ ኣብ ዚርከብ ባይቶ ፕረዚደንት ዝዀነ ኡልሪኽ ሽሚት ዘስተውዓሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍሉያት ዓይነት ሰባት ኣይነበሩን። የግዳስ: ነቲ እዚ ሰብ እዚ እተዛረቦ ብምጥቃስ እታ ላንድታግ ኢንተርን ዘርእስታ መጽሔት “ንሕልናኦም ዚስዕቡ: ንሃይማኖታዊ እምነቶም ኪብሉ ነቕ ዘይብሉ: ሲቪላዊ ጀግንነት ዜርእዩ: ከምኡውን ብክርስትያናዊ እምነቶም ንስነ-ሓሳብ እተጻረሩ ተራ ሰባት እዮም” በለት። የሆዋ በቶም ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተዀነ ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ምሳሌ 27:11 “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዚብል ነንብብ።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of United States Holocaust Memorial Museum