ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማህደረ- ትምህርቲ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ጽሑፍ

ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማህደረ- ትምህርቲ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ጽሑፍ

ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማህደረ- ትምህርቲ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዎ ጽሑፍ

ኣብ መበል 16 ዘመን ሓንቲ መርከብ ካብ ስጳኛ ነቒላ: ናብ ሓውሲ ደሴት ኢጣልያ ገጻ ትጐዓዝ ነበረት። እዛ መርከብ እዚኣ ኣገዳሲ ነገራት እያ ጽዒና ነይራ። መብዛሕትኡ እቲ ኻብ 1514 ክሳዕ 1517 እተሓትመ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱስ እያ ሒዛ ነይራ። ብሃንደበት ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ። እቶም ባሕረኛታት ነታ መርከብ ኬድሕንዋ ተቓለሱ: ጻዕርታቶም ግን ከንቱ ዀነ። እታ መርከብ ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ጽዕነታ ሒዛ ሰጠመት።

እዚ ሓደጋ እዚ ሓድሽ ሕታም ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺዳሎ ደፋፍአ። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ክሪስቶፍ ፕላንቲን ዚበሃል ክኢላ ሓታሚ ነዚ ኸቢድ ዕማም እዚ ተቐበሎ። ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ዚምውል ሃብታም ደጋፊ ስለ ዝደለየ: ንፊሊፕ ዳግማይ ንጉስ ስጳኛ ወግዓዊ መዋሊ ኪኸውን ሓተቶ። እቲ ንጉስ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ: ንእተፈላለዩ ምሁራት ስጳኛ ኣማኸረ: ካባታቶም ድማ እቲ ውሩይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝዀነ በኒቶ ኣርያስ ሞንታኖ ይርከቦም። ንሱ ድማ ንንጉስ ፊሊፕ “እዚ ነገር እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ንኣምላኽ ኣገልግሎት: ንቤተ-ክርስትያን ከኣ ዚረብሕ ምዃኑ: ነቲ ንጉሳዊ ስም ጃንሆይ ዓብዪ ኽብሪ ኼምጽእ: ንብሕታዊ ዝናኻ ድማ ክብ ኬብሎ እዩ” ኢሉ መኸሮ።

ነቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ ኣሪምካ እንደገና ምሕታሙ: ዓብዪ ዕማም እዩ ነይሩ። ስለዚ: ፊሊፕ ነቲ ፕላንቲን ዘቕረቦ ውጥን ብምሉእ ልቡ ደገፎ። ንኣርያስ ሞንታኖ ነቲ ጸኒሑ ንጉሳዊ (ሮያል) መጽሓፍ ቅዱስ: ወይ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ተባሂሉ እተጸውዐ ጽሑፍ ናይ ምስንዳው ዓብዪ ዕማም ሃቦ። a

ፊሊፕ ኣብዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ተገዳስነት ስለ ዝሓደሮ: ነፍሲ ወከፍ ቈጽሊ ወረቐት ቅድሚ ንሕትመት ምልኣኻ እርማት ኪግበረላ ኽትለኣኸሉ ሓተተ። ፕላንቲን ግን ነፍሲ ወከፍ ቈጽሊ ናብ ሕትመት ቅድሚ ምብጻሓ: ካብ ኣንትወርፕ ናብ ስጳኛ ተላኢኹ: ብንጉስ ተኣሪሙ: ድሕሪኡ ኺምለሶ ኣይደለየን። ኣብ መወዳእታኡ: ንፊሊፕ እቲ ድሕሪ ሕትመት ዝወጸ ናይ መጀመርታ ቘጽልታትን ምናልባት እውን እተወሰነ ቕድሚ ሕትመት እተዳለወ ጽሑፋት እዩ ተላኢኹሉ። እዚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን: ሞንታኖ ብሰለስተ ፕሮፌሰራት ከተማ ሉቫን ከምኡውን ብሓንቲ ጐርዞ ጓል ፕላንቲን እናተሓገዘ ነቲ ናይ ሓቂ ፊደላት ናይ ምጽራይ ስራሕ ተተሓሒዝዎ ነበረ።

ኣፍቃሪ ቓል ኣምላኽ

ኣርያስ ሞንታኖ ምስቶም ምሁራት ኣንትወርፕ ተቐራረበ። ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ኸኣ ፕላንቲን ፈተዎ። ነቲ ዕርክነቶምን ምትሕግጋዞምን ድማ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቶም ቀጸልዎ። ሞንታኖ ምሁር ብምንባሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ንቓል ኣምላኽ ዓብዪ ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ እውን ሓለፍ ዝበለ እዩ ነይሩ። b መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ምሉእ ብምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምጽናዕ ውፉይ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ ትምህርቱ ቐልጢፉ ኺውድእ ይደሊ ነበረ።

ኣርያስ ሞንታኖ: ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብእተኻእለ መጠን ቃል ብቓሉ ኪኸውን ከም ዘለዎ እዩ ዚኣምን ነይሩ። ነቲ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚርከብ ብልክዕ ኪትርጕሞ እዩ ዚደሊ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ኣንባቢ ነቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ከም ዚረኽቦ ኺግበር ይከኣል። ሞንታኖ ኸምቲ ንምሁራት “ብዛዕባ ክርስቶስ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ ኪሰብኩ” ዚምሕጸኖም ዝነበረ ኢራስመስ ዝነበሮ ዓይነት መትከል እዩ ነይርዎ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ናብ ላቲን እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ዘይክእሉ ስለ ዝነበሩ: ፍረ ነገር እቲ በዅሪ ቛንቋታት ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘመናት ካባታቶም ተሰዊሩ እዩ ነይሩ።

ነቲ ጽሑፍ ንሕትመት ከም ዚኸውን ጌርካ ምስራዕ

ኵሉ እቲ ኣልፎንሶ ደ ዛሞራ ኣብ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቋንቋ ዘዳለዎን ንኺሕተም ዝኣረሞን ኢደ-ጽሑፋት: ኣብ ኢድ ኣርያስ ሞንታኖ ኣተወ: ንሱውን ነቲ ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምድላው ተጠቕመሉ። c

ፈለማ እቲ ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ: ካልኣይ ሕታም ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ተወሲዱ። እንተዀነ ግን: ተኣሪሙ እንደገና ዝወጸ ጽሑፍ ጥራይ ኣይነበረን። እቲ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽኛን ጽሑፍ ሰፕቱጀንት ካብ ናይ ኮምፕሉተንስ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ተወስደ: ድሕሪኡ ሰፊሕ መመላእታ ጽሑፍ ዚርከቦ ሓድሽ ጽሑፍ ተወሰኾ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሓድሽ ብዙሐ-ቛንቋ ሸሞንተ ጥራዛት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። እቲ ዕዮ ሕትመት ሓሙሽተ ዓመት: ማለት ካብ 1568 ክሳዕ 1572 ወሰደ። እዚ ኸኣ ነቲ እተሓላለኸ ባህሪ እቲ ስራሕ ኣብ ግምት ብምእታው ሓጺር እዋን እዩ። ኣብ መወዳእታ 1,213 ቅዳሓት ተሓትመ።

እቲ ብ1517 እተዳለወ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ “ናይ ስነ-ማሕተም . . . ቅርሲ” እኳ እንተ ተባህለ: እቲ ሓድሽ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ብተክኒክ ኰነ ብትሕዝቶኡ በሊጽዎ እዩ። ኣብ ታሪኽ ሕትመት: ልዕሊ ዅሉ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልእ ቋንቋ ንምትርጓም መሰረት ዚኸውን እተጻረየ ጽሑፍ ኣብ ምድላው ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ።

ካብ ጸላእቲ ቓል ኣምላኽ ዝመጸ መጥቃዕቲ

ጸላእቲ እቶም እሙናት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ከይጸንሑ ተቐልቀሉ። እቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ብጳጳስ ተቐባልነት እኳ እንተ ነበሮ: ኣርያስ ሞንታኖ እውን ኣኽቢርካ ዚርአ ምሁር እኳ እንተ ነበረ: ተጻረርቱ ኣብቲ ፍርዲ መናፍቓን ኣንጻሩ መስከሩ። እቲ ዘዳለዎ ጽሑፍ: ነቲ ሳንቴስ ፓንዪኖ ንበዅሪ ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽን ከም ብሓድሽ ናብ ቋንቋ ላቲን ኣሪሙ ዘዳለዎ ትርጕም: ካብቲ ዘመናት ኣቐዲሙ እተተርጐመ ቩልጌት ንላዕሊ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኣቕሪብዎ ኢሎም ከሰስዎ። ልክዕነቱ እተረጋገጸ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ብዝነበሮ ባህጊ: ነቲ በዅሪ ቛንቋታት ምውካሱ ኸም መናፍቕነት ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ እውን ከሰስዎ።

እቶም ኣብቲ ፍርዲ መናፍቓን ኪፈርዱ ዝቘሙ: “እቲ ንጉስ ነቲ ዕዮ ብምምዋል ነቲ ንጉሳዊ ስሙ ኸም ዚጥቀስ ብምግባሩ: ብዙሕ ክብሪ ኸም ዘይረኸበ” ሓበሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሞንታኖ ነቲ ወግዓዊ ቩልጌት እኹል ስልጣን ብዘይምሃቡ: ከም ዘጕሃዮም ገለጹ። እዚ ዅሉ ኽስታት ቀሪቡ ኽነሱ: ንሞንታኖ ዀነ ነቲ ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዅናን እኹል መርትዖ ኣይረኸቡን። ኣብ መወዳእታ: እቲ ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበ: ኣብ እተፈላለየ ዩኒቨርስቲታት መወከሲ ዀይኑ ዜገልግል ጽሑፍ ኰነ።

ኣብ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ንዋት

እቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ንተራ ሓፋሽ ተባሂሉ እተዳለወ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይነበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ንዋት ኰይንዎም እዩ። ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ ድማ: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምጽራይ ኣበርክቶ ገበረ። ንተርጐምቲ ብዛዕባ እቲ በዅሪ ቛንቋታት ዘለዎም ምርዳእ ንኼመሓይሹ እውን ሓገዞም። ናብ ዓበይቲ ቛንቋታት ኣውሮጳ ዝተርጐሙ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ: በዚ ጽሑፍ እዚ ተጠቒሞም እዮም። ንኣብነት: ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል ዚበሃል መጽሓፍ: ተርጐምቲ እቲ ብ1611 እተዳለወ ውሩይ ዝዀነ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ወይ ኣውተራይዝድ ቨርሽን ዚበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ናይ ጥንቲ ቛንቋታት ንምትርጓም ንናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ኸም ሓደ ኣገዳሲ ንዋት ከም እተጠቕሙሉ ይገልጽ። እቲ ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣብ መበል 17 ዘመን እተሓትመ ኽልተ ኣገዳሲ ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።—ነታ “ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱሳት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ሓደ ኻብቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ዚነኣደሉ ነጥብታት: ነቲ ናይ ሱርስት ትርጕም ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ንምሁራት ኣውሮጳ ዘቕረበ ምዃኑ እዩ። ናይ ሱርስት ጽሑፍ ኣብ ጐድኒ እቲ ቓል ብቓሉ እተዳለወ ናይ ላቲን ትርጕም እዩ ሰፊሩ። እቲ ብሱርስት እተዳለወ ሓደ ኻብቲ ጥንታዊ ትርጕማት ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ስለ ዝዀነ: እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ ወሰኽ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሱርስት ትርጕም ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ኢደ-ጽሑፋት ተመስሪቱ: ኣብ ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ “እቲ [ናይ ሱርስት] ፐሺታ ንጽሑፋዊ ሕያሰ ዝነበሮ ኣገዳስነት ብሓፈሻኡ ኣፍልጦ ተዋሂቡሉ ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዝሓዘን ብዛዕባ ጥንታዊ ልምድታት ኣገዳሲ ሓበሬታ ዚርከቦን እዩ ነይሩ” ይብል።

ብርቱዕ ማዕበል ኰነ ናይ ስጳኛ ፍርዲ መናፍቓን: ነቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ ተመሓይሹን ሰፊሑን ብ1572 ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ኻብ ምውጻእ ኪዓግቶ ኣይከኣለን። ታሪኽ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ: ቅኑዓት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ንምጥባቕ ዝገበርዎ ጻዕርታት ዜርኢ ኻልእ ኣብነት እዩ።

እዞም ውፉያት ሰባት እዚኣቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝገበርዎ ጻዕሪ: ንሓቅነት እቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚርከብ ቃላት እዩ ዜርኢ። ሰለስተ ሽሕ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን: ኢሳይያስ “ሳዕሪ ይነቅጽ: ዕምባባ ይቕምስል: ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ።—ኢሳይያስ 40:8

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ጽሑፍ እዚ ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ እተጸውዐ ብንጉስ ፊሊፕ ስለ እተመወለ ኪኸውን ከሎ: ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ተባሂሉ እተሰየመ ኸኣ ኣብታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኽፍሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ስጳኛ ዝነበረት ከተማ ኣንትወርፕ ስለ እተሓትመ እዩ።

b ነቲ ኣብቲ ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ዘገልገለ ሓሙሽተ ቐንዲ ቛንቋታት: ማለት ዓረብኛ: ግሪኽኛ: እብራይስጢ: ላቲን: ከምኡውን ሱርስት ይመልኮ ነበረ። ብዛዕባ ስነ-ጥንታዊ ምርምር: ብዛዕባ ሕክምና: ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ስነ-ፍልጠት: ከምኡውን ብዛዕባ ስነ-ሃይማኖት ሰፊሕ ፍልጠት ነበሮ: ነዚ ድማ ኣብቲ መመላእታ ጽሑፍ ብዚግባእ ተጠቕመሉ።

c ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ነታ ናይ 15 ሚያዝያ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር”

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱሳት

ፌዴሪኮ ፔሬዝ ካስትሮ ዚበሃል ስጳኛዊ ምሁር: “ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ: ብእተፈላለየ ቛንቋ ጽሑፋት ዝሓዘ እዩ። ብልምዲ ግን እዛ ስያመ እዚኣ ነቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱሳት እያ እተመልክት። በዚ ጽብብ ዝበለ ትርጕም እዛ ስያመ እዚኣ እንተ ወሲድና: ኣዝዩ ሒደት ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱሳት ጥራይ እዩ ዘሎ” በለ።

1. ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ (1514-17) ካርዲናል ሰስኒሮስ ዝመወሎ ዀይኑ: ኣብ ስጳኛ ኣብ ዚርከብ ኣልካላ ዴ ሄናሬስ ተሓትመ። እቲ ሽዱሽተ ጥራዛቱ ንመጽሓፍ ቅዱስ በርባዕተ ቛንቋታት: ማለት ብእብራይስጢ: ብግሪኽኛ: ብኣረማይስጢ: ከምኡውን ብላቲን ዝሓዘ እዩ። ነቶም ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበሩ ተርጐምቲ ኸኣ: ንኺትርጕሙ መሰረት ዚዀኖም ናይ እብራይስጢ-ኣረማይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት ኰነ።

2. ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ (1568-72) በኒቶ ኣርያስ ሞንታኖ ዘሰናደዎ ዀይኑ: ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ኮምፕሉተንስ ጽሑፍ: እቲ ናይ ሱርስት ፐሺታ ትርጕም ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከምኡውን ናይ ኣረማይስጢ ታርጉም ጆናታን ዝሓዘ እዩ። እቲ ኣድማጺ ነጥብታትን ኣብ ንባብ ዚተረሉ ቦታ ዚሕብር ምልክታትን ዝሓዘ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ: ብመሰረት እቲ ተቐባልነት ዘለዎ ጃኮብ ቤን ሃዪም ዘዳለዎ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ እተኣረመ እዩ። ስለዚ ድማ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንልክዕነት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዜወዳድሩሉ ጽሑፍ ኰነ።

3. ናይ ፓሪስ ብዙሐ-ቛንቋ (1629-45) ጊ ሚሸል ለ ጄ ዝስሙ ፈረንሳዊ ጠበቓ ዝመወሎ እዩ። ናይ ሳምራውያንን ዓረብኛን ጽሑፋት ዝሓዘ እኳ እንተዀነ: ካብቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ተበጊስካ እተዳለወ እዩ።

4. ናይ ለንደን ብዙሐ-ቛንቋ (1655-57) ብራያን ዋልተን ዘሰናደዎ ዀይኑ: እዚውን ኣብ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ እተመስረተ እዩ። እዚ ብዙሐ-ቛንቋ እዚ ናይ ግእዝን ናይ ፋርስን ጥንታዊ ትርጕማት ዜጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር: እዚ ትርጕማት እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንጻር ብዙሕ ኣበርክቶ የብሉን።

[ምንጪ ስእሊ]

Banner and Antwerp Polyglots (two underneath): Biblioteca Histórica. Universidad Complutense de Madrid; Antwerp Polyglot (on top): By courtesy of Museum Plantin-Moretus/Stedelijk Prentenkabinet Antwerpen; London Polyglot: From the book The Walton Polyglot Bible, Vol. III, 1655-1657

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ፊሊፕ ዳግማይ ንጉስ ስጳኛ

[ምንጪ ስእሊ]

Philip II: Biblioteca Nacional, Madrid

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣርያስ ሞንታኖ

[ምንጪ ስእሊ]

Montano: Biblioteca Histórica. Universidad Complutense de Madrid

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣንትወርፕ: በልጅዩም ዚርከባ ናይ ጥንቲ ሓተምቲ ማካይን

[ምንጪ ስእሊ]

Press: By courtesy of Museum Plantin-Moretus/Stedelijk Prentenkabinet Antwerpen

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጸጋም:- ክሪስቶፍ ፕላንቲንን ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ እቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋን

[ምንጪ ስእሊ]

Title page and Plantin: By courtesy of Museum Plantin-Moretus/Stedelijk Prentenkabinet Antwerpen

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ላዕሊ:- ዘጸኣት ምዕራፍ 15 በርባዕተ ዓምድታት

[ምንጪ ስእሊ]

Title page and Plantin: By courtesy of Museum Plantin-Moretus/Stedelijk Prentenkabinet Antwerpen

[ምንጪ ስእሊ]

Biblioteca Histórica. Universidad Complutense de Madrid