ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ልቢ እተጻሕፈ ሕጊ ፍቕሪ

ኣብ ልቢ እተጻሕፈ ሕጊ ፍቕሪ

ኣብ ልቢ እተጻሕፈ ሕጊ ፍቕሪ

“ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ . . . እየ።”ኤርምያስ 31:33

1, 2. (ሀ) ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ከረን ሲና እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧

 ኣብተን ኣቐዲምና ዝረኣናየን ክልተ ዓንቀጻት: ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ: ገጹ ንኽብሪ የሆዋ ዜንጸባርቕ ብርሃን ከም ዘመንጨወ ተማሂርና ኢና። ብዛዕባ እቲ ሙሴ ዝገበሮ መጐልበቢ እውን ተመያይጥና ኢና። ሕጂ ኸኣ ምስዚ እተተሓሓዘ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ትርጕም ዘለዎ ነገር ንመርምር።

2 ሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ የሆዋ መምርሒ ተቐበለ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና ተኣኪቦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመስተንክር መገዲ እዩ ተገሊጹሎም። “ነጕድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኰነ: ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ። . . . እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ: ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዐረገ። ኵሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ።”—ዘጸኣት 19:16-18

3. የሆዋ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ብምንታይ ኣቢሉ እዩ፧ እቶም ህዝቢኸ ብዛዕባ እዚ እንታይ እዮም ተረዲኦም፧

3 የሆዋ ነቶም ህዝቢ ብመልኣኽ ኣቢሉ ተዛረቦም: ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ተባሂሉ ዚፍለጥ ድማ ሃቦም። (ዘጸኣት 20:1-17) ስለዚ: እዚ ሕግታት እዚ ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነዚ ትእዛዛት እዚ ኣብ ጽላት እምኒ ጸሓፎ። ሙሴ ድማ እስራኤላውያን ምራኽ ወርቂ ኼምልኹ ምስ ረኣየ: ነዘን ጽላት እዚኣተን ሰባበረን። የሆዋ ነቲ ትእዛዛቱ እንደገና ኣብ እምኒ ጸሓፎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሙሴ ነተን ጽላት ሒዙ ኺወርድ ከሎ: ገጹ ብርሃን የብርህ ነበረ። ኵሎም ድማ እዘን ሕግታት እዚኣተን ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለወን ተረዲኦም ነይሮም እዮም።—ዘጸኣት 32:15-19፣ 34:1, 4, 29, 30

4. እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዓብዪ ኣገዳስነት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

4 እተን ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዛ ኽልተ ጽላት: ኣብ ውሽጢ ታቦት ኪዳን: መጀመርታ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕደር ዝነበረ ቕድስተ ቕዱሳን: ደሓር ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ቕዱስተ ቕዱሳን እየን ዚቕመጣ ነይረን። እቲ ዝሓዛኦ ሕግታት: ንመሰረታዊ ስርዓት ሕጊ ሙሴን ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዜመሓድረሉ መገድን መሰረት ዜንብር እዩ። የሆዋ ምስ ሕሩያት ህዝቢ ርክብ ከም ዝመስረተ መርትዖ ዚዀና እየን።

5. እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት ንፍቕሩ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

5 እቲ ሕግታት ብዛዕባ የሆዋ: ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ብዙሕ ገሊጹ እዩ። እቲ ሕግታት ነቶም እተኣዘዝዎ ኸመይ ዝበለ ኽቡር ውህበት ኰን እዩ ዚዀኖም! ሓደ ምሁር “ቅድሚኡ ዀነ ድሕሪኡ ሰባት ዘቘምዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት . . . ነተን ኣምላኽ ዘውስአን ዓሰርተ ቓላት ማዕረ ኪኸውን ወይ ኪበልጽ ይትረፍሲ: ጥቓአን እውን ኪቐርብ ኣይክእልን እዩ” በለ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ሙሴ ብሓፈሻ: “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” በለ።—ዘጸኣት 19:5, 6

ኣብ ልቢ እተጻሕፈ ሕጊ

6. ካብቲ ኣብ እምኒ እተጻሕፈ ሕግታት ዚበልጽ ሕጊ እንታይ እዩ፧

6 እወ: እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሕግታት ዓብዪ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ። ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ ኣብ እምኒ እተጻሕፈ ሕግታት ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር ከም ዝረኸቡ ግን ትፈልጥዶ፧ የሆዋ ኻብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝኣተዎ ሕጊ ኺዳን እተፈልየ: ሓድሽ ኪዳን ከም ዚኣቱ ተነብዩ ነይሩ። “ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ . . . እየ” ኸኣ በለ። (ኤርምያስ 31:31-34) እቲ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ የሱስ: ንሰዓብቱ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ብብሕቲ ኣይሃቦምን። የግዳስ: ብቓሉን ብግብሩን ኣቢሉ እዩ ሕጊ የሆዋ ኣብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ከም ዚሰርጽ ዝገበረ።

7. “ሕጊ ክርስቶስ” ፈለማ ንመን እዩ ተዋሂቡ፧ ጸኒሖም እተቐበልዎኸ መን እዮም፧

7 እዚ ሕጊ እዚ “ሕጊ ክርስቶስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፈለማ ነቶም ዘርኢ ያእቆብ ዝዀኑ ብስጋ እስራኤላውያን ህዝቢ ዘይኰነስ: ነቶም መንፈሳዊ ህዝቢ ዝዀኑ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እዩ ተዋሂቡ። (ገላትያ 6:2, 16፣ ሮሜ 2:28, 29) ናይ ኣምላኽ እስራኤል ብመንፈስ ብእተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘሙ እዮም። ድሕሪ ግዜ ኸኣ እቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ንየሆዋ ኼምልኹ ዚደልዩ “ብዙሓት ሰብ” ምሳታቶም ሓበሩ። (ራእይ 7:9, 10፣ ዘካርያስ 8:23) ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ዚጓሰዩ “ሓደ መጓሰ” ስለ ዝዀኑ: እዞም ክልተ ጕጅለ እዚኣቶም ነቲ “ሕጊ ክርስቶስ” ንዅሉ እቲ ዚገብርዎ ኸም ዚመርሖም ብምግባር ተቐቢሎምዎ እዮም።—ዮሃንስ 10:16

8. ገለ ኻብቲ ኣብ መንጎ ሕጊ ሙሴን ሕጊ ክርስቶስን ዘሎ ፍልልያት እንታይ እዩ፧

8 ክርስትያናት ከምቲ ብስጋ እስራኤላውያን ካብ ዚውለዱ ኣትሒዞም ብሕጊ ሙሴ ዚቕየዱ ዘይኰነስ: ብምርጫኦም እዮም ብሕጊ ክርስቶስ ዚመላለሱ። ዓሌቶም ኰነ እተወለዱሉ ቦታ ኣገዳስነት የብሉን። ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ይመሃሩ: ፍቓዱ ኺገብሩ ድማ ሃረር ይብሉ። ቅቡኣት ክርስትያናት ሕጊ ኣምላኽ “ኣብ ውሽጦም” እተነብረን “ኣብ ልቦም” እተጻሕፈን ብምዃኑ: ትእዛዝ ኣብ ዚጥሕሱሉ እዋን ኣምላኽ ከይቐጽዖም ኢሎም: ወይ ግዴታ ስለ ዚስምዖም ጥራይ ኣይኰነን ዚእዘዝዎ። ተኣዛዝነቶም ኣብ ሓደ ዝያዳ መሰረትን ሓይልን ዘለዎ ነገር እተሰረተ እዩ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ብተመሳሳሊ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ስለ ዘሎ እዮም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ።

ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ሕግታት

9. ፍቕሪ መሰረት ሕግታት የሆዋ ምዃና የሱስ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧

9 ኵሉ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ኣብ ሓንቲ ቓል ኪጠቓለል ይከኣል እዩ። እዚኣ ኸኣ “ፍቕሪ” እያ። ፍቕሪ ወትሩ ኣገዳሲ ኽፋል ንጹህ ኣምልኾ እያ ነይራ: ብሕጂውን ከምኡ ዀይና እያ እትቕጽል። የሱስ ካብተን ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከባ ትእዛዛት: ኣየነይቲ ዝዓበየት ምዃና ምስ ተሓትተ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኢሉ መለሰ። እታ ኻልአይታ ኸኣ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እያ። ድሕሪኡ: “ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 22:35-40) በዚ ኸምዚ ድማ የሱስ: እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ሕጊ ሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ: ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ምዃኑ ሓበረ።

10. ፍቕሪ ሕመረት ሕጊ ክርስቶስ ምዃና ብኸመይ ንፈልጥ፧

10 እታ ንኣምላኽን ንብጻይናን ክትህልወና ዘለዋ ፍቕሪ: ሕመረት እቲ ኣብ ልቢ ክርስትያናት ዘሎ ሕጊ ድያ፧ እሂናይ ደኣ! ሕጊ ክርስቶስ ንኣምላኽ ካብ ልቢ ምፍቃር ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ: ክርስትያናት ንሓድሕዶም ጥቕሚ ርእሲ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዘለዎም እትሕብር ሓዳስ ትእዛዝ እውን ዝሓቘፈ እዩ። ክርስትያናት ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይሮም ኬፍቅሩ ይግባእ: ንሱውን ምእንቲ ኣዕሩኹ ኢሉ ብፍታው ህይወቱ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኣምላኽ ኬፍቅሩን ከምቲ ንሱ ገይሩ ዘፍቀሮም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን መሃሮም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚልለዩሉ ቐንዲ ባህሪ: እታ ኣብ ንሓድሕዶም ዜርእይዋ ፍቕሪ እያ። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 15:12, 13) የሱስ ንጸላእቶም እውን ከይተረፈ ኼፍቅሩ ምሂርዎም እዩ።—ማቴዎስ 5:44

11. የሱስ ንኣምላኽን ንሰባትን ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ: የሱስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ኣብ ሰማይ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቲ ኣቦኡ ኣብ ምድሪ ኺገብሮ ዝደለየ ፍቓድ ብፍታዉ ተቐበሎ። ሰባት ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ ሰብኣዊ ህይወቱ ኣሕሊፉ ኣብ ርእሲ ምሃቡ: ንሰባት ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዚግባእ እውን ኣርኣዮም። ትሑትን ሕያዋይን ሓላይን ነበረ: ነቶም ጾር ዝኸበዶምን ጭቍናትን ድማ ይሕግዝ ነበረ። ሰባት ንየሆዋ ንኺፈልጡ ኸይተሓለለ ብምሕጋዝ: “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ኣካፈሎም።—ዮሃንስ 6:68

12. ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር: ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ነገር እዩ ኺበሃል ዚኣከል ስለምንታይ እዩ፧

12 ከም ሓቂ ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር: ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ነገር እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ . . . ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 4:7, 20) የሆዋ ምንጭን መሰሌታን ፍቕሪ እዩ። ኵሉ እቲ ዚገብሮ ነገራት ብፍቕሪ እዩ ዚጽሎ። ንሕናውን ብመልክዑ ስለ እተፈጠርና ኢና እነፍቅር። (ዘፍጥረት 1:27) ንብጻይና ብምፍቃር: ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኢና እነርኢ።

ከተፍቅር ኪበሃል ከሎ: ክትእዘዝ ማለት እዩ

13. ንኣምላኽ ከነፍቅሮ እንተ ዄንና: ፈለማ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

13 ነቲ ኽንርእዮ ዘይንኽእል ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና ኸነፍቅሮ እንኽእል፧ እቲ ቐዳማይ ኣገዳሲ ስጕምቲ ንዕኡ ምፍላጥ እዩ። ንዘይንፈልጦ ሰብ ከነፍቅሮ ዀነ ኽንኣምኖ ኣይንኽእልን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽላይን ምስቶም ኣቐዲሞም ንኣምላኽ ዚፈልጥዎን ዜፍቅርዎን ብምሕባርን ንኣምላኽ ክንፈልጦ ኸም እንኽእል ቃል ኣምላኽ የተባብዓና። (መዝሙር 1:1, 2፣ ፊልጲ 4:6፣ እብራውያን 10:25) ብፍላይ እተን ኣርባዕተ ወንጌላት: ባህርያት የሆዋ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ክርስቶስ እተንጸባረቐሉ መገዲ ስለ ዚገልጻ: ኣዝየን ኣገደስቲ እየን። ንኣምላኽ ዝያዳ ብዝፈለጥናዮን ነታ ዘርኣየና ፍቕሪ ዝያዳ ብዘማሰናላን መጠን: እቲ ንኽንእዘዞን ባህርያቱ ንኽንቀድሖን ዘሎና ባህጊ ይውስኽ እዩ። እወ: ንኣምላኽ ከተፍቅሮ ኺበሃል ከሎ: ክትእዘዞ ማለት እዩ።

14. ትእዛዛት ኣምላኽ ኣይከቢድን እዩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

14 ንውልቀ-ሰባት ከነፍቅሮም ከለና: እንታይ ከም ዚፈትዉን እንታይ ከም ዚጸልኡን ፈሊጥና: ብእኡ መሰረት ንመላለስ። ነቶም እነፍቅሮም ከነጕህዮም ኣይንደልን ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:3) ትእዛዛት ኣምላኽ ከቢድ ኣይኰነን: ብዙሕውን ኣይኰነን። የግዳስ: ፍቕሪ እያ እትመርሓና። ንዅሉ ተግባራትና ዚኸውን መምርሒታት ክንዝክር ኣየድልየናን እዩ፣ የግዳስ: ንኣምላኽ ብዘላትና ፍቕሪ ኢና እንምራሕ። ንኣምላኽ ነፍቅሮ እንተደኣ ዄንና: ፍቓዱ ምግባር ባህ እዩ ዚብለና። በዚ ኸምዚ ሞገስ ኣምላኽ ንረክብ: መምርሒታቱ ወትሩ ንጽቡቕና ብምዃኑ ኸኣ ንጥቀም።—ኢሳይያስ 48:17

15. ንየሆዋ ንኽንመስሎ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

15 ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ: ባህርያቱ ንኽንቀድሕ ትድርኸና። ንሓደ ሰብ ምስ እነፍቅሮ: ንባህርያቱ ነድንቖ: ከምኡ ኽንከውን ድማ ንጽዕር። ኣብ መንጎ የሆዋን የሱስን ዘሎ ርክብ እሞ ኣብ ግምት ኣእትዎ። ምናልባት ንቢልዮናት ዓመታት እዮም ኣብ ሰማይ ብሓባር ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ዓማቝን ንጽህትን ፍቕሪ ኣላ። የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ኣመና ኻብ ምምሳል እተላዕለ: ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” በሎም። (ዮሃንስ 14:9) ንየሆዋን ንወዱን ዝያዳ ምስ እንፈልጦምን እንርድኦምን: ከማታቶም ክንከውን ኢና እንድረኽ። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ ሓገዝ ተደሚሩ: ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥና: ሓድሽ ሰብ ንኽንለብስ’ የኽእለና።—ቈሎሴ 3:9, 10፣ ገላትያ 5:22, 23

ፍቕሪ ብግብሪ ኽትርአ ኸላ

16. ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ንጥፈት ብኸመይ እያ እትንጸባረቕ፧

16 ክርስትያናት ስለ ዝዀንና: እታ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ንኽንሳተፍ ትድርኸና እያ። ከምዚ ኽንገብር ከለና: ነቲ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” የሆዋ ኣምላኽ ነሐጕሶ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) በዚ ኸምዚ ድማ ንሰባት እቲ ሕጊ ክርስቶስ ኣብ ልቦም ንኺጸሓፍ ብምሕጋዝና ሓጐስ ንረክብ። ባህርያቶም ብምልዋጥ ባህርያት የሆዋ ኼንጸባርቑ ኸለዉ ኸኣ ንሕጐስ። (2 ቈረንቶስ 3:18) ሰባት ንኣምላኽ ኪፈልጡ ምሕጋዝ: ብሓቂ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኽቡር ውህበት እዩ። እቶም ኣዕሩኽ የሆዋ ኪዀኑ ዚደልዩ: በዚ ንዘለኣለም እዮም ዚሕጐሱ።

17. ንኣምላኽን ንብጻይናን ምፍቃር: ካብ ንስጋዊ ነገራት ምፍቃር ብዝያዳ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ስጋዊ ነገራት ኣመና ኣኽቢርካ ኣብ ዚረኣየላ: ሕሉፍ ሓሊፍካውን ኣብ ዚፍቀረላ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። እንተዀነ ግን: ስጋዊ ነገራት ዘለኣለማዊ ኣይኰነን። ኪስረቕ ወይ ኪበላሾ ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 6:19) መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ የጠንቅቐና። (1 ዮሃንስ 2:16, 17) እወ: የሆዋ ንዘለኣለም እዩ ዚነብር: እቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን እውን ከምኡ ንዘለኣለም እዮም ኪነብሩ። ስለዚ: ነቲ ሓላፊ ዝዀነ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ነገራት ካብ ምስዓብ: ንኣምላኽን ንሰባትን ፍቕሪ ምምዕባልዶ ዝሓሸ ኣይኰነን፧

18. ሓንቲ ሚስዮናዊት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

18 እቶም ንፍቕሪ ዚስዕብዋ ንየሆዋ ውዳሰ የምጽኡሉ እዮም። ንኣብነት: ሶንያ እትበሃል ኣብ ሰነጋል እተገልግል ሚስዮናዊት ንውሰድ። እዛ ሚስዮናዊት እዚኣ ንሓንቲ ሃይዲ እትበሃል ካብ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ኤች.ኣይ.ቪ. እተመሓላለፋ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሓትላ። እቲ ሰብኣይ ምስ ሞተ: ሃይዲ ተጠምቀት። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን ጥዕና ሰኣነት: ብሕማም አይድስ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣተወት። ብዛዕባ እቲ ድሕርዚ ዝዀነ ነገራት ሶንያ ኸምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዚሰርሑ ዚከኣሎም ኵሉ እኳ እንተ ገበሩ: ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ግን ነበሮም። ስለዚ: ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት: ኣብ ሆስፒታል ከይዶም ዜድልያ ምእንቲ ኼማልኡላ ጻውዒት ቀረበ። ኣብታ ኻልአይቲ ለይቲ: ኣብ ጥቓ ዓራታ ፍርናሽ ኣንጺፈ ሓደርኩ: ክሳዕ እታ ዝሞተትላ መዓልቲ ኸኣ ንዓኣ ንምእላይ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ ሓገዝኩ። እቲ ዚከታተላ ዝነበረ ሓኪም ከኣ ‘እቲ ልዕሊ ዅሉ ሽግር ኰይኑና ዘሎ: ቤተሰብ እውን እንተዀኑ: ሓደ ኻብ ኣባል ቤተሰቦም አይድስ ከም ዝሓመመ ምስ ዚፈልጡ ራሕሪሖምዎም ዝኸዱ ምዃኖም እዩ። ንስኺ ግን ምስኣ ዝምድና የብልኪ: ጓል ሃገርኪ ኣይኰነት: ምስኣ ተመሳሳሊ ሕብሪ ቘርበት እኳ ዘይብልኪ ኽነስኺ: ንርእስኺ ኣብ ሓደጋ ኸተእትዊ ፍቓደኛ ዝዀንኪ ስለምንታይ ኢኺ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ሃይዲ ልክዕ ከም ካብ ኣደይን ኣቦይን እተወልደት ሓብተይ ምንባራ ገለጽኩሉ። ነዛ ሓብተይ እዚኣ ኣጸቢቐ ስለ ዝፈለጥክዋ: ንዓኣ ዝገብሮ ዝነበርኩ ኽንክን ባህ እዩ ዚብለኒ ነይሩ።” ሶንያ በቲ ንሃይዲ ንምክንኻን ዝገበረቶ ጻዕርታት ዋላ ሓንቲ ሕማም ኣይለገባን።

19. ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልብና ኻብ ሃለወ: ነየናይ ኢና ኽንጥቀመሉ ኽንጽዕር ዘሎና፧

19 ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ የሆዋ ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ፍቕሪ እተንጸባረቐትሉ ሓያሎ ኣብነታት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብጽሑፍ ምስ ዝሰፈረ ሕጊ ብምትሕሓዝ ኣይኰኑን ዚዝከሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ኣብ እብራውያን 8:10 ዚርከብ “ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳን እዚ እዩ፤ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ: ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ: ንሳቶምውን ህዝቢ ክዀኑኒ እዮም: ይብል እግዚኣብሄር” ዚብል ቃላት ፍጻሜኡ ንርኢ ኣሎና። ፍቕሪ ንምንጽብራቕ ዘሎና ዅሉ ኣጋጣሚ ብምጥቃም: ነቲ የሆዋ ኣብ ልብና ዝጸሓፎ ሕጊ ፍቕሪ ወትሩ ንሓብሕቦ።

20. ሕጊ ክርስቶስ ብዋጋ ዘይሽነን ጥሪት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኸምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ዜንጸባርቑ ሰባት ምግልጋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እቶም ኣብ ልቦም ሕጊ ክርስቶስ ዘለዎም: ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ብዋጋ ዘይሽነን ጥሪት እዮም ረኺቦም። ፍቕሪ የሆዋ ምርካቦም ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ምስ ኣሕዋቶም ዘለዎም ሓያል ማእሰር ፍቕሪ እውን ይሕጐሱ እዮም። “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ: በብዓይነቱ ቛንቋታት ዚዛረቡ: ከምኡውን እተፈላለየ ባህልታት ዘለዎም እኳ እንተዀኑ: መዳርግቲ ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ሓድነት ኣለዎም። እዚ ሓድነት እዚ ሞገስ ኣምላኽ የምጽኣሎም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እግዚኣብሄር ኣብኣ [ኣብቶም ብፍቕሪ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ] በረኸትን ህይወት ንዘለኣለምን አዚዙ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 133:1-3

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ነይሩ፧

• እቲ ኣብ ልቢ እተጻሕፈ ሕጊ እንታይ እዩ፧

• ፍቕሪ ኣብ “ሕጊ ክርስቶስ” እንታይ ግደ እዩ ዘለዋ፧

• ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ኣብ ጽላት እምኒ እተጻሕፈ ሕግታት ነበሮም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ ልቦም ሕጊ ኣምላኽ ተጻሒፉሎም እዩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ2004 ኣብ እተገብረ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ሶንያ ምስ ሓንቲ ሰነጋላዊት ጓል እተሳእለቶ