ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ኣብ ባሕሪ ገሊላ

ኣብ ማርቆስ 4:35-41 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንባሕሪ ገሊላ ኺሰግሩ ናብ ጃልባ ኸም ዝደየቡ ይገልጽ። ካብኡ “ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ: እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ: ማዕበል ናብታ ጃልባ አተወ። ንሱ ኸኣ [የሱስ] ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ” ዚብል ነንብብ።

እታ ኻብቲ በዅሪ ግሪኽ “መተርኣስ” ተባሂላ እትትርጕም ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ቦታ እዚ ጥራይ እያ ተጠቒሳ እትርከብ። ስለዚ: ምሁራት እተረጋገጸ ትርጕም እታ ኣብዚ እተጠቕሰት ቃል ኣይፈልጥዎን እዮም። ኣብ መብዛሕትኡ መጽሓፍ ቅዱሳት እዛ ቓል እዚኣ “መተርኣስ” ተባሂላ እያ ተተርጕማ ዘላ። እንታይ ዓይነት መተርኣስ ግን እዩ ነይሩ፧ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ግሪኽ ማርቆስ እቲ ዚብል ኣመልካቲ ስም ተጠቒሙ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ “መተርኣስ” ንዋት እታ ጃልባ ነይሩ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይሕብር። ብ1986 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እተረኽበት ጃልባ ድማ: ነታ ማርቆስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣነጺራታ እያ።

እታ ሸሞንተ ሜተር ዝቝመታ ጃልባ ብጋንጽላን ብመቕዘፍን እትንቀሳቐስ ከም ዝነበረት መጽናዕትታት ይሕብር። ዓሳ ንምግፋፍ እተገልግል ኰይና ነቲ ዓብዪን ከቢድን መርበብ መቐመጢ ዚኸውን ስፍራ ኸኣ ኣለዋ። እዛ ጃልባ እዚኣ ኻብ 100 ቅ.ክ. ክሳዕ 70 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን ከም ዝነበረት እዩ ዚእመን። ምናልባት ድማ ዓይነታ ምስታ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተጠቕሙላ ጃልባ ይመሳሰል ይኸውን። ሸሊ ቫኽስማን ዚበሃል ነታ ጃልባ ኻብቲ እተቐብረትሉ ዅዒቱ ኣብ ምውጻእ እተሳተፈ ሰብ: ዘ ሲ ኦቭ ጋሊለ ቦት-ኣን ኤክስታኦርዲናሪ 2000 ይር ኦልድ ዲስከቨሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ጸሓፈ። ኣብኣ ኸኣ እቲ የሱስ ተተርኢስዎ ዝነበረ “መተርኣስ” እታ ጃልባ ምእንቲ ኸይትጥሕል ርዝነት ኪውስኸላ ተባሂሉ ዚግበር ዝነበረ ሑጻ ዝመልአ ኸረጺት ኪኸውን ከም ዚኽእል ርእይቶኡ ሃበ። ሓደ ኣብ ያፋ ዚነብር ንነዊሕ ዓመታት ገፋፍ ዓሳ ዀይኑ ዝዓየየ ሰብኣይ “መንእሰይ ከለኹ ኣብታ ኣብ መዲተራነያን ዝሰርሓላ ዝነበርኩ ጃልባ ሓደ ወይ ክልተ ብሑጻ እተመልአ ኸረጺት ይቕመጥ ነይሩ። . . . እቲ ኸረጺታት ነታ ጃልባ ርዝነት ንምውሳኽ እዩ ዚቕመጥ ነይሩ። ኣድላዪ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ግን ብድሕሪት ሸነኽ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ኢና ነቐምጦ ኔርና። ካብኡ: ዝደኸመ ሰብ ናብቲ ብድሕሪት ሸነኽ ዚርከብ ታሕተዋይ ክፋል ኣትዩ: ነቲ ሑጻ ዝመልአ ኸረጺት ተተርኢሱ ይድቅስ ነበረ” በለ።

ብዙሓት ምሁራት: እቲ ማርቆስ ዝጸሓፎ ነገር: ማዕበል ኣብ እተላዕለሉ እዋን የሱስ ኣብቲ ብድሕሪት እታ ጃልባ ዚርከብ ታሕተዋይ ክፋል ሑጻ ዝመልአ ኸረጺት ተተርኢሱ ደቂሱ ምንባሩ ኸም ዚሕብር እዮም ዚኣምኑ። እቲ መተርኣስ እንታይ ዓይነት ምንባሩ ብዘየገድስ እቲ ቐንዲ ነገር ብድሕሪኡ እተገብረ ነገር እዩ። የሱስ ብሓገዝን ብሓይልን ኣምላኽ ነቲ ብማዕበል ዚጻፋዕ ዝነበረ ባሕሪ ኣህድኦ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ እኳ “እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧” በሉ።