ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ

ክርስትያናት ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ

ክርስትያናት ክብሪ የሆዋ የንጸባርቑ

“ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ: ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ: ብጹኣት እየን።”ማቴዎስ 13:16

1. ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝገበርዎ ነገር እንታይ ሕቶ እዩ ዚለዓል፧

 እቶም ኣብ ከረን ሲና ተኣኪቦም ዝነበሩ እስራኤላውያን: ንየሆዋ ንኪቐርብዎ እኹል ምኽንያት ነበሮም። ከመይሲ: ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ እዩ ኣውጺእዎም። ኣብቲ በረኻ ኸኣ ምግብን ማይን ብምሃብ ዜድልዮም ነገራት ኣማሊእሎም እዩ። ድሕሪኡ ድማ: ኣብቶም ኬጥቅዕዎም ዝመጹ ሰራዊት ኣማሌቅ ዓወት ሂብዎም እዩ። (ዘጸኣት 14:26-31፣ 16:2-17:13) ኣብ ቅድሚ ኸረን ሲና ኣብቲ በረኻ ሰፊሮም ከለዉ: በቲ ነጕድን መብረቕን ስለ ዝፈርሁ ኣንቀጥቀጡ። ጸኒሖም: ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ ረኣይዎ: ገጹ ድማ ክብሪ የሆዋ የንጸባርቕ ነበረ። እንተዀነ ግን: ብኣድንቖትን ብሞሳን ኣብ ክንዲ ዚቕበልዎ: ካብኡ ረሓቑ። “ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።” (ዘጸኣት 19:10-19፣ 34:30) ነጸብራቕ ክብሪ እቲ ብዙሕ ነገራት ዝገበረሎም የሆዋ ምርኣይ ዘፍረሆም ስለምንታይ እዩ፧

2. እስራኤላውያን: ሙሴ ኽብሪ ኣምላኽ ኬንጸባርቕ ብምርኣዮም ዝፈርሁ ስለምንታይ እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

2 መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሙ ዘጋጠሞም ነገር እዮም ኣብቲ ህሞት እቲ ፈሪሆም ኪዀኑ ዚኽእሉ። ምራኽ ወርቂ ብምስራሕ ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዙ ምስ ጠሓሱ: የሆዋ ቐጽዖም። (ዘጸኣት 32:4, 35) ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መቕጻዕቲ ተማሂሮምሉን ኣማስዮምሉን ድዮም፧ ኣይፋልን: መብዛሕትኦም ኣይተማህሩን። ሙሴ ኣብ ኣጋ ሙማቱ እስራኤላውያን ነቲ ምራኽ ወርቂ ዝሰርሑሉን ካልእ ትእዛዛት ዘፍረሱሉን ኣጋጣሚታት ጠቐሰ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ “ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዐሎኹምዎ ኣይአመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን። ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም” በሎም።—ዘዳግም 9:15-24

3. ሙሴ ንገጹ እንታይ እዩ ገይሩሉ፧

3 እስራኤላውያን ምስ ፈርሁ: ሙሴ ዝገበሮ ነገር እስከ ንርአ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይንበብ:- “ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ: ኣብ ገጹ ጕልባብ ገበረ። ሙሴ ምስኡ ኺዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር [ናብ ማሕደር] ምስ ዚአቱ: ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ ጕልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ ነቲ እተአዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ቈርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜንጸብርቕ: ገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ: ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምዝራብ ክሳዕ ዚአቱ ነቲ ጕልባብ ናብ ገጹ መለሶ።” (ዘጸኣት 34:33-35) ሙሴ ሓድሓደ ግዜ ገጹ ዚጕልብብ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንኽንግምግም ይሕግዘና።

ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኣምለጦም

4. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሙሴ ጕልባብ ዝገበረሉ እዋን እንታይ እዩ ዝገለጸ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ሙሴ ጕልባብ ምግባሩ ምስ ኣእምሮን ልብን እስራኤላውያን ከም ዚተሓሓዝ ገለጸ። ‘እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ኽብሪ: ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ: ሓሳቦምውን ደንዚዙ ነበረ’ ድማ በለ። (2 ቈረንቶስ 3:7, 14) ከመይ ዝበለ ዜሕዝን ኵነታት ኰን እዩ! እስራኤላውያን እተመርጹ ህዝቢ የሆዋ እዮም ነይሮም: ስለዚ ኪቐርብዎ ይደልዮም እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 19:4-6) ይኹን እምበር: ነቲ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽ ምጥማት ኣፍሪህዎም እዩ። ልቦምን ሓሳቦምን ብፍቕሪ ተደሪኹ ንየሆዋ ውፉይ ከም ዚኸውን ኣብ ክንዲ ዚገብሩ: ካብኡ ረሓቑ።

5, 6. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እንታዎት እዮም ነቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝመሰልዎም፧ (ለ) ኣብ መንጎ እቶም ንየሱስ ዚሰምዑን ዘይሰምዑን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

5 ኣብዚ መዳይ እዚ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እውን ተመሳሳሊ ነገር ንረክብ ኢና። ጳውሎስ እምነቱ ናብ ክርስትና ኣብ ዝቐየረሉ እዋን: እቲ ሕጊ ኺዳን በቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ የሱስ ክርስቶስ ዝማእከላዩ ሓድሽ ኪዳን ተተኪኡ ነበረ። የሱስ ብቓልን ብግብርን ንኽብሪ የሆዋ ኣንጸባረቐ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ “ንሱ ናይ ክብሩ [ክብሪ ኣምላኽ] ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን” ምዃኑ ጸሓፈ። (እብራውያን 1:3) እቶም ኣይሁድ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ተኸፊቱሎም ነይሩ! ካብ ኣፍ ወዲ ኣምላኽ ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኪሰምዑ ይኽእሉ ነይሮም! እቲ ዜሕዝን ግን: መብዛሕትኦም ካብቶም የሱስ ዝሰበኸሎም ሰባት ኣይሰምዕዎን። የሱስ ብዛዕባኦም ነቲ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ እተነበዮ ቓላት ጠቒሱ: “በእዛኖም ከይሰምዑ: በዒንቶም ከይርእዩ: ኣእዛኖም ኣጽመሙ: ኣዒንቶም ዐመቱ: ብልቦም ከየስተውዕሉ: ከይምለሱ: ኣነውን ከየሕውዮምሲ: ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ” በለ።—ማቴዎስ 13:15፣ ኢሳይያስ 6:9, 10

6 ኣብ መንጎ እቶም ኣይሁድን ኣብ መንጎ እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ነይሩ። የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ: ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ: ብጹኣት እየን” በሎም። (ማቴዎስ 13:16) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ሃረር ይብሉ እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍቓዱ ምፍጻም ባህ እዩ ዚብሎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብቲ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን ክብሪ ኣምላኽ የንጸባርቑ እዮም: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ተመሳሳሊ ይገብሩ እዮም።—2 ቈረንቶስ 3:6, 18

እቲ ብስራት እተሰወረሉ ምኽንያት

7. ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት ምንጻጎም ዜገርም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ: ብግዜ የሱስ ኰነ ብግዜ ሙሴ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ እተኸፍተሎም ፍሉይ ኣጋጣሚ ነጸግዎ። ኣብዚ ግዜና እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ እንሰብኮ ብስራት ይነጽግዎ እዮም። እዚ ኸኣ ኣየገርመናን እዩ። ጳውሎስ “እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ: ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። . . . ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ኣብ ርእሲ እቲ ሰይጣን ነቲ ብስራት ንኺስውር ዝገበሮ ጻዕሪ: ሓያሎ ሰባት ነቲ ብስራት ኪርእይዎ ስለ ዘይደልዩ: ባዕሎም ንገጾም ይጕልብቡ እዮም።

8. ብዙሓት ሰባት ብድንቍርና ዝዓወሩ ብኸመይ እዮም፧ ንሕናኸ ኸማታቶም ከይንኸውን ብኸመይ ክንሕሎ ንኽእል፧

8 ምሳልያዊ ዓይኒ ብዙሓት ሰባት ብድንቍርና ዓዊሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣህዛብ ‘ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርና ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም’ ይብል። (ኤፌሶን 4:18) ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ: ፈላጥ ሕጊ ኽነሱ: ብድንቍርና ኣመና ስለ ዝዓወረ ግን ንማሕበር ኣምላኽ ይሰጓ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 15:9) የሆዋ ግን ነቲ ሓቂ ገለጸሉ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ: “የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም በእኡ ዚአምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ” ብምባል ይገልጽ። (1 ጢሞቴዎስ 1:16) ሓያሎ ኸም ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ዚጻረሩ ዝነበሩ ሰባት: ሕጂ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ነቶም ዚጻረሩና እውን እንተዀኑ: ንኽንምስክረሎም ጽቡቕ ምኽንያት እዩ ዚዀነና። ነዚ እናገበርና ግን: ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ብምጽናዕን መልእኽቱ ኣብ ልብና ብምሕዳርን: ንየሆዋ ዜጕሂ ስራሕ ድንቍርና ኻብ ምግባር ክንሕሎ ንኽእል።

9, 10. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኪመሃሩ ዀነ ኣብ ኣረኣእያኦም ለውጢ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ከም ዘይነበሩ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ከማታቶም ዝኣመሰሉ ኣለዉ ድዮም፧ ግለጽ።

9 ብዙሓት ሰባት መንፈሳዊ ዓይኖም ኪዕውር ዝኸኣለ: ኪመሃሩ ዀነ ኣብ ኣረኣእያኦም ለውጢ ኺገብሩ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም እዩ። ሓያሎ ኣይሁድ ንየሱስን ትምህርትታቱን ዝነጸግዎ: ብድርቅና ነቲ ሕጊ ሙሴ ጠቢቖም ብምስዓቦም እዩ። ልክዕ እዩ: ኣብ መንጎኦም ፍልይ ዝበሉ ሰባት ነይሮም እዮም። ንኣብነት: የሱስ ምስ ተንስአ: “ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተአዘዙ።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:7) ይኹን እምበር: ጳውሎስ ብዛዕባ መብዛሕትኦም እቶም ህዝቢ: “ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ: እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ አሎ” በለ። (2 ቈረንቶስ 3:15) ጳውሎስ ነቲ የሱስ ኣቐዲሙ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ: “ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም: ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ” ብምባል እተዛረበን ቃላት ይፈልጠን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 5:39) እቲ ተጠንቂቖም ዚምርምርዎ ዝነበሩ ቕዱሳት ጽሑፋት: የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ ንኼስተውዕሉ ኺሕግዞም ነበሮ። ይኹን እምበር: ኣይሁድ ናይ ርእሶም ሓሳብ ስለ ዝነበሮም: እቲ ተኣምር ዚገብር ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ እውን እንተዀነ ኼእምኖም ኣይከኣለን።

10 ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን እውን ካብዚ እተፈልዩ ኣይኰኑን። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ: “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት [ኣለዎም]።” (ሮሜ 10:2) ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ዚብሎ ግን ኪኣምንዎ ኣይደልዩን እዮም። የሆዋ በቲ ብጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ንህዝቡ ኸም ዚምህሮም ምቕባል ይኣብዩ እዮም። (ማቴዎስ 24:45) ንሕና ግን የሆዋ ንህዝቡ ይምህሮም ከም ዘሎ: እቲ ብዛዕባ መለኮታዊ ሓቂ ዘሎ ምርዳእ ከኣ ወትሩ እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ ተገንዚብናዮ ኢና። (ምሳሌ 4:18) ካብ የሆዋ እንመሃር ብምዃንና: ብዛዕባ ፍቓዱን ዕላማኡን ፍልጠት ብምርካብ ተባሪኽና ኢና።

11. እትደልዮ ጥራይ ምእማን ንሓቂ ኣብ ምስዋር እንታይ ግደ ኣለዎ፧

11 ገሊኦም ከኣ ነቲ ኺኣምንዎ ዚደልዩ ጥራይ ብምእማኖም ዓዊሮም እዮም። ገሊኦም ሰባት ንህዝቢ ኣምላኽ ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ የሱስ ብመንግስቱ ምሳና ዚህልወሉ እዋን ዚሰብክዎ መልእኽቲ ኸም ዜላግጹሉ ብትንቢት ተገሊጹ ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: ኣምላኽ ብግዜ ኖህ ንዝነበረት ዓለም ብማይ ኣይሂ ኸም ዘጥፍኣ: “ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:3-6) ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ: የሆዋ መሓርን ሕያዋይን ይቕረ በሃልን ምዃኑ እኳ እንተ ተኣመኑ: ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ኸም ዘይሓልፎ ዚገልጽ ሓሳብ ግን ዕሽሽ ይብልዎ ወይ ይነጽግዎ እዮም። (ዘጸኣት 34:6, 7) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ንኺርድኡ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም።

12. ሰባት ብስርዓታቶም ዝዓወሩ ብኸመይ እዮም፧

12 ሓያሎ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ሰባት: ብስርዓታቶም ዓዊሮም እዮም። የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት “ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ” በሎም። (ማቴዎስ 15:6) ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ: ብቕንኣት ንጹህ ኣምልኾ እንደገና እኳ እንተ ኣቘሙ: እቶም ካህናት ንባዕሎም ግን ዕቡያትን ተመጻደቕትን ኰኑ። ሃይማኖታዊ በዓላት ከኣ ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ንማለቱ ዚግበር ኰነ። (ሚልክያስ 1:6-8) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጊ ሙሴ ማእለያ ዘይብሉ ስርዓታቶም ወሲኾምሉ ነይሮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ እቲ ሕጊ እተመስረተሉ ጽድቃዊ ስርዓታት ኬስተውዕሉ ብዘይምኽኣሎም: የሱስ ግቡዛት ምዃኖም ኣቃልዖም። (ማቴዎስ 23:23, 24) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሃይማኖታዊ ስርዓታት ሰብ: ካብቲ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዜላግሱ ኸይገብሮም ኪጥንቀቑ ኣለዎም።

“ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ”

13. በየናይ ክልተ መገድታት እዩ ሙሴ ኽብሪ ኣምላኽ ዝረኣየ፧

13 ሙሴ ኣብቲ ኸረን ክብሪ ኣምላኽ ኪርኢ ሓተተ: ነጸብራቕ ክብሪ የሆዋ ድማ ረኣየ። ናብቲ ማሕደር ኣብ ዚኣትወሉ ዝነበረ እዋን: ገጹ ኣይጕልበብን ነበረ። ሙሴ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ዚደልን ድልዱል እምነት ዝነበሮን ሰብ እዩ ነይሩ። እተወሰነ ኽብሪ ኣምላኽ ብራእይ ብምርኣይ እኳ እንተ ተባረኸ: ኣቐዲሙ ግን ብናይ እምነት ዓይኑ ንኣምላኽ ርእይዎ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ይብል። (እብራውያን 11:27፣ ዘጸኣት 34:5-7) ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ዘንጸባረቐ ኸኣ: በቲ ኻብ ገጹ ዚምንጭ ዝነበረ ብርሃን ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬገልግልዎን ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣቢሉ እውን እዩ።

14. የሱስ ክብሪ ኣምላኽ ዝረኣየ ብኸመይ እዩ፧ እንታይከ እዩ ዜሐጕሶ ነይሩ፧

14 የሱስ ኣብ ሰማይ: ንኣዝዩ ነዊሕ መዋእላት: ካብ ቅድሚ ፍጥረት ዩኒቨርስ ኣትሒዙ ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ብቐጥታ ርእዩ እዩ። (ምሳሌ 8:22, 30) ኣብ ብምሉኡ እዚ እዋን እዚ: ኣብ መንጎኦም ዓማቝ ፍቕሪ ማዕበለት። የሆዋ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ፍጥረታት ንላዕሊ ነቲ በዅሪ ወዱ ዝዓመቘት ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ገለጸ። የሱስ እውን ብግዲኡ ነቲ ወሃብ ህይወቱ ዓማቝ ፍቕሪ ኣርኣዮ። (ዮሃንስ 14:31፣ 17:24) ኣብ መንጎ እቲ ኣቦን እቲ ወድን ዝነበረት ፍቕሪ: ፍጽምቲ እያ። የሱስ ከም ሙሴ: በቲ ዚምህሮ ነገር ኣቢሉ ኽብሪ የሆዋ ምንጽብራቕ የሐጕሶ ነበረ።

15. ክርስትያናት ንኽብሪ ኣምላኽ ዚጥምቱ ብኸመይ እዮም፧

15 ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ዘለዉ መሰኻኽር ኣምላኽ: ከም ሙሴን ከም የሱስን ነቲ ኽብሪ የሆዋ ንኺጥምትዎ ሃንቀውታ ኣለዎም። ነቲ ግርማ ዝዓሰሎ ብስራት ኣይነጸግዎን። ሃዋርያ ጳውሎስ: “[ፍቓዱ ንምግባር] ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና: እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 3:16) ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ስለ እንደሊ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ነጽንዖ። ኣብቲ ወዲ የሆዋን ቅቡእ ንጉስን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እተንጸባረቐ ኽብሪ ነድንቖ: ኣብነቱ ኸኣ ንስዕብ። ከም ሙሴን የሱስን: በቲ ንሰባት ብዛዕባ እቲ እነምልኾ ግርማ ዝዓሰሎ ኣምላኽ ብምምሃር እንፍጽሞ ኣገልግሎት ተባሪኽና ኢና።

16. ሓቂ ብምፍላጥና ተባሪኽና ኢና ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ “ዎ ኣቦይ . . . እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ: ኤመስግነካ አሎኹ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (ማቴዎስ 11:25) የሆዋ ብዛዕባ ዕላማኡን ባህርያቱን ነቶም ቅኑዕን ትሑትን ዝልቦም ሰባት እዩ ኸም ዚርድኦም ዚገብር። (1 ቈረንቶስ 1:26-28) ኣብ ትሕቲ ጽላል ዕቝባኡ ኢና ዘለና: ንሱውን ኣብ ህይወትና ዚጠቕመና ነገር እዩ ዚምህረና። እምበኣር: ነቲ ብዝያዳ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ እተገብረልና ምድላዋት ብምምሳው: ነቲ ንየሆዋ ንኽንቀርቦ ተኸፊቱልና ዘሎ ዅሉ ኣጋጣሚታት ንጠቐመሉ።

17. ንባህርያት የሆዋ ብዝያዳ እንፈልጦ ብኸመይ ኢና፧

17 ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት “ንሕና ዅልና ኸኣ ብቕሉዕ ገጽ ክብሪ ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ኢና ነንጸባርቕ፥ እዚ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጐይታ ዝመጸ ኽብሪ ኸኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እናተለወጥና፥ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንኃልፍ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 3:18 ትርጕም 1990) ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያት የሆዋ ዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን: ብዝያዳ ኢና ኸምኡ እንኸውን። ንህይወትን ኣገልግሎትን ትምህርትታትን የሱስ ክርስቶስ ብሞሳ እንተ ኣስተንቲንናሉ: ባህርያት የሆዋ ብዝያዳ ኢና እነንጸባርቕ። ነቲ ኽብሩ ኸነንጸባርቕ እንደልዮ ኣምላኽና ውዳሰ ኸም እነምጽኣሉ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና!

ትዝክሮዶ፧

• እስራኤላውያን ነቲ ሙሴ ዘንጸባርቖ ኽብሪ ኣምላኽ ምርኣይ ዘፍርሆም ስለምንታይ እዩ፧

• እቲ ብስራት ኣብ ቀዳማይ ዘመን “ስዉር” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ግዜናኸ፧

• ክብሪ ኣምላኽ እነንጸባርቕ ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ገጽ ሙሴ ኺጥምቱ ኣይከኣሉን

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ከም ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ዚጻረሩ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት: ሕጂ የገልግልዎ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ የሆዋ: ክብሪ ኣምላኽ ምንጽብራቕ ባህ ይብሎም