ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክብሪ ኣምላኽ ከተንጸባርቕ ዲኻ፧

ክብሪ ኣምላኽ ከተንጸባርቕ ዲኻ፧

ክብሪ ኣምላኽ ከተንጸባርቕ ዲኻ፧

“ንሕና . . . ክብሪ ጐይታ ኢና ነንጸባርቕ።”2 ቈረንቶስ 3:18 ትርጕም 1990

1. ሙሴ እንታይ እዩ ዝረኣየ፧ ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧

 ሰብ ካብ ዝረኣዮ ራእያት: እቲ ኣዝዩ ዜፍርህ እዩ ነይሩ። ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ንበይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሓደ ፍልይ ዝበለ ሕቶኡ ተሰምዓሉ። ዋላ ሓደ ሰብ ዘይረኣዮ ነገር ኪርኢ ተፈቕደሉ። እወ: ክብሪ የሆዋ ረኣየ። ልክዕ እዩ: ሙሴ ንየሆዋ ብቐጥታ ኣይረኣዮን። ትርኢት ኣምላኽ ኣዝዩ እጹብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ዋላ ሓደ ሰብ ርእይዎ ብህይወት ኪነብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: የሆዋ ኽሳዕ ዚሓልፍ: ንሙሴ ‘ብኢዱ’ ገይሩ ኸወሎ: እዚ ኸኣ ተወካሊ መልኣኽ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ: የሆዋ ንሙሴ ነጸብራቕ ክብሩ ኺርኢ ፈቐደሉ። የሆዋ ብመልኣኽ ኣቢሉ እውን ምስ ሙሴ ተዛሪቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብኡ ቐጺሉ ዘጋጠመ ነገር: “ኰነ ኸኣ: ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ: . . . ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ እቲ ቘርበት ገጹ ኸም ዘንጸብረቐ ኣይፈለጠን ነበረ” ይብል።—ዘጸኣት 33:18-34:7, 29

2. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ዜንጸባርቕዎ ኽብሪ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸሓፈ፧

2 ምስ ሙሴ ኣብቲ ኸረን እቲ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ ዚደጕሕ ግርማ እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ኽትርእን ቃሉ ኽትሰምዕንሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ምስቲ ማእከላይ እቲ ሕጊ ኺዳን ዝዀነ ሙሴ ዄንካ: ካብ ከረን ሲና ኽትወርድሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብገሊኡ መዳያት ካብቲ ናይ ሙሴ ብዚበልጽ መገዲ ንኽብሪ ኣምላኽ ከም ዜንጸባርቑ ትፈልጥዶ፧ እዚ ዓሚቝ ሓቂ እዚ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት እዩ ዚርከብ። ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ክብሪ ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ኸም ዜንጸባርቑ’ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 3:7, 8, 18 ትርጕም 1990) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እውን እንተዀነ: ክብሪ ኣምላኽ የንጸባርቑ እዮም ኪበሃል ይከኣል እዩ።

ክርስትያናት ንኽብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቑሉ መገዲ

3. ንየሆዋ ኻብቲ ሙሴ ኺፈልጦ ዚኽእል ዝነበረ ብዚዛይድ ዝፈለጥናዮ ብኸመይ ኢና፧

3 ከመይ ጌርና ኢና ኽብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ እንኽእል፧ ከም ሙሴ: ንየሆዋ ኣይረኣናዮን ወይ ኣይሰማዕናዮን። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ኻብቲ ሙሴ ኺፈልጦ ዚኽእል ዝነበረ ብዚዛይድ ኢና ፈሊጥናዮ። የሱስ ድሕሪ ሞት ሙሴ 1,500 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ እዩ መሲህ ኰይኑ ዝመጸ። እምበኣር: ሙሴ እቲ እተዋህቦ ሕጊ ኣብቲ ንደቅሰብ ካብቲ ኣሰቃቒ ጭቈና ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕኖም ኢሉ እተሰውአ የሱስ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ኺፈልጥ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (ሮሜ 5:20, 21፣ ገላትያ 3:19) ብዘይካዚውን: ነቲ ኣብታ መሲሓዊት መንግስትን ንሳ ኣብ ምድሪ እተምጽኦ ገነትን ዘተኰረ ዕቤት ዓላማ የሆዋ ኣጸቢቑ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ንኽብሪ የሆዋ ቓል ብቓሉ ብዓይንና ዘይኰነስ: ብመሰረት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ እምነት ዓይንና ኢና እንርእዮ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንሕና ብመላእኽቲ ዘይኰነስ: ብመጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ድማ በቲ ንትምህርትታትን ኣገልግሎትን የሱስ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጾ ወንጌላት ኢና ድምጺ የሆዋ ዝሰማዕና።

4. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ክብሪ ኣምላኽ ኬንጸባርቑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ክርስትያናት ካብ ገጾም ብዚበርህ ጸዳል ኣቢሎም ንኽብሪ የሆዋ ዜንጸባርቑ እኳ እንተ ዘይኰኑ: ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያትን ዕላማታትን የሆዋ ኺነግርዎም ከለዉ ግን ገጾም ብእተወሰነ ደረጃ ይበርህ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ኺንበ ኸሎ: ህዝቢ ኣምላኽ ‘ክብሪ የሆዋ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪነግሩ ምዃኖም’ ገለጸ። (ኢሳይያስ 66:19) ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:1, 2 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ: ንነፍስና ነዕቊብ እምበር: ብተንኰል ከይተመላለስና: ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ: ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና። ስለዚ . . . እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና: ኣይንሕለልን ኢና።” ጳውሎስ ብፍላይ ነቶም “ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን” እተባህሉ ቕቡኣት ክርስትያናት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 3:6) ኣገልግሎቶም ግን ነቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ጸልይዎም እዩ። እዞም ክልተ ጕጅለታት እዚኣቶም ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት: ንኽብሪ የሆዋ ኣብቲ ዚምህርዎ ትምህርትታት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ናብራ ህይወቶም እውን ምንጽብራቕ ዜጠቓልል እዩ። ንኽብሪ እቲ ልዑል ኣምላኽ ምንጽብራቕ ሓላፍነትናን ክብርናን እዩ።

5. መንፈሳዊ ብልጽግናና ናይ ምንታይ መርትዖ እዩ ዚኸውን፧

5 ኣብዚ ግዜና እቲ ግርማ ዝዓሰሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ: ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ ዝገለጾ ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ እዩ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:14) ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ ውልቀ-ሰባት: ነቲ ብስራት ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐቢሎምዎስ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኣነባብራኦም ቀዪሮም ኣለዉ። (ሮሜ 12:2፣ ራእይ 7:9) ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ነቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ምዝራቡ ኺሓድጉ ኣይኰነሎምን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:20) ኣብዚ ግዜና ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ: ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ክብሪ ኣምላኽ የንጸባርቑ ኣለዉ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዝረኸብዎ መንፈሳዊ ብልጽግና: የሆዋ በረኸቱን ዕቝባኡን ከም ዝሃቦም ዜርኢ ዜእምን መርትዖ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚጻረሩና ሓይልታት ከም ዘለዉ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ: መንፈስ የሆዋ ኸም ዘሎና ብዝያዳ ንጹር ይዀነልና። ስለምንታይ ከምዚ ኺበሃል ከም ዚኽእል እስከ ንርአ።

ህዝቢ የሆዋ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም

6. ኣብ ጐድኒ የሆዋ ንምቛም እምነትን ትብዓትን ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣንጻር ሓደ ጨካን ገበነኛ ኽትምስክር ኣብ ቤት ፍርዲ ኸም እተጸዋዕካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እቲ ገበነኛ ሓያል ማሕበር ከም ዘለዎን ንኸይተቃልዖ ዚከኣሎ ዅሉ ኸም ዚገብርን ትፈልጥ ኢኻ። ኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰለ ገበነኛ ንኽትምስክር: ትብዓት ኪህልወካን እቶም ሰበ-ስልጣን ካብኡ ኸም ዜዕቍቡኻ ምትእምማን ኪሓድረካን ኣለዎ። ንሕናውን ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢና ዘሎና። ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ክንምስክር ከለና: ሰይጣን ድያብሎስ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ቐታል ነፍስን ሓሳውን ምዃኑ ብምቅላዕ ኣንጻሩ ኢና እንምስክር ዘለና። (ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 12:9) ኣብ ጐድኒ የሆዋ ምቛም: ኣንጻር ድያብሎስ ከኣ ምዃን: እምነትን ትብዓትን ይሓትት።

7. ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ጽልዋ ዘለዎ፧ እንታይ ኪገብርከ እዩ ዚጽዕር፧

7 ልክዕ እዩ: የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ እዩ። ካብ ናይ ሰይጣን ኣጸቢቑ ዚበልጽ ሓይሊ ኣለዎ። ንየሆዋ ብተኣማንነት ከነገልግሎ ኸለና: ንኼዕቍበና ኽእለት ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነዚ ንምግባር ብሃንቀውታ ይቋመት ከም ዘሎ እውን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (2 ዜና መዋእል 16:9) ይኹን እምበር: ሰይጣን ሓለቓ ኣጋንንትን ገዛኢ እዛ ኻብ ኣምላኽ እተፈልየት ናይ ደቅሰብ ዓለምን እዩ። (ማቴዎስ 12:24, 26፣ ዮሃንስ 14:30) ናብ ምድሪ ስለ እተደርበየን “ብብርቱዕ ቍጥዓ” ስለ እተመልአን: ነገልገልቲ የሆዋ ኣምሪሩ እዩ ዚጻረሮም: ነቶም ነቲ ብስራት ዚሰብኩ ስቕ ንምባል ከኣ በታ ንሱ ዚቈጻጸራ ዓለም ይጥቀም እዩ። (ራእይ 12:7-9, 12, 17) ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧ እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገድታት እዩ።

8, 9. ሰይጣን ንቔናን ዓይነት ፍቕሪ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና እንቀራረቦም ሰባት ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና፧

8 ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ከም እነስግል ኪገብረና ዚጽዕረሉ መገዲ: ብሓልዮት ናብራ ኣቢሉ እዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ሰባት: ፈተውቲ ገንዘብ: ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ተድላ ደኣ እዮም እምበር: ንኣምላኽ ዚፈትዉ ኣይኰኑን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) መብዛሕትኦም ሰባት ብመዓልታዊ ናብራኦም ኣመና ስለ እተታሕዙ: ነቲ እነብጽሓሎም ብስራት ‘ኣይፈልጥዎን’ ወይ ኣየስተብህሉሉን እዮም። ብሓጺሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺፈልጡ ኣይደልዩን እዮም። (ማቴዎስ 24:37-39) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ: ተመሓላላፊ ስለ ዝዀነ: ብመንፈሳዊ ኼፍዝዘና ይኽእል እዩ። ንስጋዊ ነገራትን ኣብ ህይወት ንዚርከብ ተድላን ፍቕሪ እንተደኣ ኣሕዲርና: ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።—ማቴዎስ 24:12

9 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ክርስትያናት ምስ መን ከም ዚቀራረቡ ተጠንቂቖም እዮም ዚመርጹ። ንጉስ ሰሎሞን “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 13:20) ሃየ እምበኣር ምስቶም ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቑ ‘ንመላለስ’! ከምዚ ምግባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ምስቶም ብመንፈስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣኼባታት ኰነ ኣብ ካልእ እዋን ክንተኣኻኸብ ከለና: ካብቲ ፍቕሮምን እምነቶምን ሓጐሶምን ጥበቦምን ምትብባዕ ንረክብ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥዑይ ሕብረት: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዘሎና ቘራጽነት የደልድሎ እዩ።

10. ሰይጣን ነቶም ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቑ ንምትዕንቓፍ ላግጺ ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

10 ሰይጣን ንዅሎም ክርስትያናት ክብሪ ኣምላኽ ንኸየንጸባርቑ ዚዕንቅፈሉ ኻልኣይ መገዲ: ላግጺ እዩ። እዚ ሜላ እዚ ሓድሽ ኪዀነና የብሉን። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስሒቖምዎን ኣላጊጾምሉን ጸሪፎምዎን ጡፍ ኢሎምሉን እዮም። (ማርቆስ 5:40፣ ሉቃስ 16:14፣ 18:32) ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ኣደዳ ላግጺ ዀይኖም ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:13፣ 17:32) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸኣ ተመሳሳሊ ግፍዒ እዩ ዚወርዶም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከም ዝበሎ: “ናይ ሓሶት ነብያት ዚብል” ስም ተለጢፉሎም እዩ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ: ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ . . . ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም” ኢሉ ድማ ተነበየ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኽዉን ነገራት ዘይቅበሉ ተባሂሎም ተነቒፎም እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከኣ ግዜ ኸም ዝሓለፎ ጌርካ ተራእዩ እዩ። እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ብብዙሓት ሰባት ከም ዕሽነት እዩ ዚቝጸር። (1 ቈረንቶስ 1:18, 19) ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ ስድራቤትና ኣደዳ ላግጺ ንኸውን ኢና። እንተዀነ ግን: በዚ ድምብርጽ ከይበለና: ከምቲ የሱስ ነቲ ሓቂ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ዝሰበኸ ንሕናውን ብስብከትና ኣቢልና ኽብሪ ኣምላኽ ካብ ምንጽብራቕ ኣይከነቋርጽን ኢና።—ዮሃንስ 17:17

11. ሰይጣን ንክርስትያናት ስቕ ንኼብል ኢሉ መስጐጕቲ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

11 ድያብሎስ ስቕ ንኼብለና ኢሉ ዚጥቀመሉ ሳልሳይ ሜላ ድማ: ምጽራር ወይ መስጐጕቲ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 24:9) እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና: ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ምድሪ ኸቢድ መስጐጕቲ ኣጋጢሙና እዩ። ነዊሕ ይገብር የሆዋ: ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉን ንሰይጣን ድያብሎስ ዜገልግሉን ጽልኢ ኺምዕብል ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:15) ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናና ብምሕላው: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑል ኪኸውን ከም ዚግብኦ ንምስክር። ነዚ ምፍላጥና: ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እውን ብርቱዓት ከም እንኸውን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ክብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ እንተ ቘሪጽና: ዝዀነ ይኹን መስጐጕቲ ንሓዋሩ ስቕ ኣይኬብለናን እዩ።

12. ሰይጣን ምጽራር እናኣምጽኣልና ኽነሱ: ብተኣማንነት ብምጽናዕና ኽንሕጐስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ነቲ ዓለም እተቕርቦ መህረሪ ብምንጻግ: ላግጺ ዀነ ምጽራር እናኣጋጠመካ እሙን ኴንካ ትቕጽል ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ንኽትሕጐስ እኹል ምኽንያት ኣሎካ። የሱስ ነቶም ሰዓብቱ ኸምዚ ኢሉ ኣረጋገጸሎም:- “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ: ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።” (ማቴዎስ 5:11, 12) እምበኣር: ጽንዓት ምስ ዚህልወካ: እቲ ኻብ የሆዋ ዚምንጭ ሓያል መንፈስ ቅዱስ: ንኽብሪ ኣምላኽ ንኸተንጸባርቕ የበርትዓካ ኸም ዘሎ ኢኻ መርትዖ እተቕርብ።—2 ቈረንቶስ 12:9

ጽንዓት ካብ የሆዋ ይመጽእ

13. ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ጸኒዕና እንቕጽለሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

13 ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና እንቕጽለሉ ቐንዲ ምኽንያት: ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮን ክብሩ ምንጽብራቕ ባህ ስለ ዚብለናን እዩ። ሰባት ነቶም ዜፍቅርዎምን ዜኽብርዎምን ኪመስሉ ይጽዕሩ እዮም: ካብ የሆዋ ኣምላኽ ንላዕሊ ኽንመስሎ ዚግባእ ድማ የልቦን። ሳላ እታ ዓባይ ፍቕሩ: ንወዱ ንሓቂ ምእንቲ ኺምስክርን ንእዙዛት ደቅሰብ ምእንቲ ኼድሕኖምን ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ዮሃንስ 3:16፣ 18:37) ንሕናውን ከም ኣምላኽ: ኵላቶም ሰባት ኪንስሑን ኪድሕኑን ኢና እንደሊ፣ ስለዚ ኸኣ ኢና እንሰብከሎም። (2 ጴጥሮስ 3:9) እዚ ድሌት እዚ ምስቲ ንኣምላኽ ንኽንመስሎ እንገብሮ ቘራጽነት ተደሚሩ: በገልግሎትና ኣቢልና ኽብሪ ኣምላኽ ኣብ ምንጽብራቕ ንኽንጸንዕ ይድርኸና።

14. የሆዋ ኣብ ኣገልግሎትና ጸኒዕና ንኸነገልግል ዜበራትዓና ብኸመይ እዩ፧

14 ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እነርእዮ ጽንዓት ካብ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። ብመንፈሱን ብማሕበሩን በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱሱን ኣቢሉ የጽንዓናን የበራትዓናን እዩ። የሆዋ ነቶም ክብሩ ኼንጸባርቑ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ‘ትዕግስቲ’ ወይ ጽንዓት ይህብ እዩ። ንጸሎትና ይሰምዖ: ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ድማ ጥበብ ይህበና። (ሮሜ 15:5፣ ያእቆብ 1:5) ብዘይካዚውን: የሆዋ ኽንጾሮ ዘይንኽእል ፈተና ኺበጽሓና ኣይፈቅድን እዩ። ኣብ የሆዋ እንተ ተኣሚንና: ክብሩ ምንጽብራቕ ምእንቲ ኽንቅጽል መውጽኢ ይገብረልና እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:13

15. ንኽንጸንዕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

15 ኣብ ኣገልግሎትና እነርእዮ ጽንዓት: መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎና እዩ መርትዖ ዚኸውን። ነዚ ንምብራህ: ሓደ ሰብ እተወሰነ ዓይነት እንጌራ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ብናጻ ኽትዕድል ሓቲቱካ ንበል። ነዚ ድማ ብናትካ ወጻእን ግዜን ኢኻ ኽትገብሮ ነጊሩካ። ነዊሕ ከይጸናሕካ: ኣዝዮም ሒደት ሰባት ጥራይ ነቲ እንጌራ ኸም ዚደልይዎ: አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ ነቲ እትገብሮ ዕዮ ኸም ዚጻረርዎ ትፈልጥ። ወርሒ መጸ: ዓመት መጸ ብዘየገድስ: ነቲ ዕዮ እቲ ምዕያይ ምቐጸልካዶ፧ ምናልባት ኣይምቐጸልካን። ይኹን እምበር: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብናትካ ግዜን ወጻእን ንዓመታት: ካብኡ ሓሊፉውን ንዓሰርተታት ዓመታት ምስባኽ ቀጺልካ ትኸውን። ስለምንታይ፧ ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮን ንሱውን ብመንፈሱ ገይሩ ብምብራኽ ንኽትጸንዕ ስለ ዝሓገዘካንዶ ኸይኰነ፧ እወ: ብርግጽ ከምኡ እዩ።

ወትሩ ዚዝከር ዕዮ

16. ኣብ ኣገልግሎትና እነርእዮ ጽንዓት: ንዓናን ነቶም ዚሰምዑናን እንታይ እዩ ዜምጽእ፧

16 እቲ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን: መወዳድርቲ ዘይብሉ ውህበት እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እቲ በተን ካልኦት ኣባጊዕ ኣቢሉ ኣብ መላእ ምድሪ ዚፍጸም ዘሎ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እውን ከም ክቡር መዝገብ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትካ ጸኒዕካ ምስ እትቕጽል: ከምቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ: ንስኻውን “ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:16) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። እቲ እትሰብኮ ብስራት ንሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተሎም። ምስቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝሓገዝካዮም ድልዱል ዕርክነት ክትምስርት ትኽእል ኢኻ። ምስቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ዝመሃርካዮም ሰባት ብሓባር ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር: ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ንኽትሕግዞም ዝገበርካዮ ጻዕሪ ፈጺሞም ከም ዘይርስዕዎ እተረጋገጸ እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜዕግብ ኰን እዩ!

17. እዚ ግዜና ኻብ ታሪኽ ወድሰብ ፍሉይ እዋን ዚበሃል ስለምንታይ እዩ፧

17 ካብ ታሪኽ ወድሰብ ኣብ ፍሉይ እዋን ኢኻ እትነብር ዘለኻ። እቲ ብስራት ኣብ መንጎ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐት ዓለም ዚስበኸሉ እዋን ድሕሪ ደጊም ኣይኪመጽእን እዩ። ኖህ ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ: ክትሓልፍ ከላ እውን ርእይዋ እዩ። ነታ ንዕኡን ንስድራቤቱን ዘድሓነት መርከብ ብምስራሕ: ብተኣማንነት ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻሙስ ክሳዕ ክንደይ ኣሐጒስዎ ዀን ኪኸውን ኣለዎ! (እብራውያን 11:7) ንስኻውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተኻ እሞ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብዛዕባ ዝገበርካዮ ንጥፈታት ምልስ ኢልካ ኽትሓስብ ከለኻ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ዚከኣለካ ኸም ዝገበርካ ምፍላጥካ እንታይ ስምዒት ከም ዜሕድረልካ እሞ ሕሰቦ።

18. የሆዋ ነገልገልቱ እንታይ መረጋገጽን መተባብዕን እዩ ዝሃቦም፧

18 ሃየ እምበኣር: ክብሪ የሆዋ ነንጸባርቕ። ከምዚ ምግባርና ንዘለኣለም እንዝክሮ ነገር እዩ። የሆዋ ንዕዮና ይዝክሮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ መተባብዒ ይህበና:- “ኣቱም ፍቁራተይ: ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ: ብኣኻትኩምሲ: ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና: ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን አሎና። ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር: ድንዙዛት ከይትዀኑስ: ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና።”—እብራውያን 6:10-12

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ክርስትያናት ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቑ ብኸመይ እዮም፧

• ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ስቕ ንኼብል ኢሉ እንታይ ሜላታት እዩ ዚጥቀም፧

• መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ዚሕብር እንታይ መርትዖታት ኣሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ገጽ ሙሴ: ክብሪ ኣምላኽ ኣንጸባረቐ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

በገልግሎትና ኣቢልና ኽብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና