ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ “ንሱ በይኑ ዘይመውት” ከምኡውን “ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል” ዚብል ሓሳብ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ንየሱስ ከም ዜመልክት ዚሕብር እንታይ መሰረት ኣሎ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ “ብግዝያቱ ዚገልጾ: እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ነገስታት: ጐይታ ጐይተትውን: ንሱ በይኑ ዘይመውት: ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል: ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር” ብምባል ጸሓፈ።—1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብቲ ርእይቶ ‘እቲ “ንሱ በይኑ ዘይመውት:” “ስልጣን ዘለዎ:” ከምኡውን “ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል” ዚብል ሓረጋት ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓሊፉ ንኻልእ ከመይ ገይሩ ኼመልክት ይኽእል፧’ ብምባል ይዛረቡ። ብሓቂ ድማ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መግለጺታት ንየሆዋ ንምግላጽ ንጥቀመሉ ኢና። ይኹን እምበር: ኣብ ከባቢ 1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16 ዘሎ ሓሳባት ክንርኢ ኸለና: ጳውሎስ ብግልጺ ንየሱስ ኣመልኪቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።

ጳውሎስ ኣብ ቍጽሪ 14 ብዛዕባ “ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ” ጠቒሱ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:14) ስለዚ: ኣብ ቍጽሪ 15 “ብግዝያቱ ዚገልጾ: እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ: ብዛዕባ ምግላጽ የሱስ እምበር: ብዛዕባ ምግላጽ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። እቲ “በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ” ተባሂሉ ዘሎ ደኣ መን እዩ፧ እዚ ብዓል ስልጣን እዚ የሱስ እዩ ኢልካ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ: ጳውሎስ ንየሱስ ምስ ሰብኣውያን መራሕቲ እዩ ዜዋዳድሮ ነይሩ። ብሓቂ ድማ የሱስ “ንጉስ [ሰብኣውያን] ነገስታት: ጐይታ [ሰብኣውያን] ጐይተትውን” እዩ። a እወ: የሱስ ምስ ሰብኣውያን መራሕቲ ኺዋዳደር ከሎ እቲ ‘በይኑ ስልጣን ዘለዎ’ እዩ። “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ” ተዋሂብዎ እዩ። (ዳንኤል 7:14) ዋላ ሓደ ሰብኣዊ መራሒ ነዚ ‘ይግብኣኒ እዩ’ ኺብል ኣይክእልን እዩ።

ብዛዕባ እቲ “ንሱ በይኑ ዘይመውት” ዚብል ሓሳብከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብዚውን እንተዀነ እቲ ምንጽጻር ኣብ መንጎ የሱስን ሰብኣውያን ነገስታትን እዩ። ዋላ ሓደ ኻብ ሰብኣውያን መራሕቲ ንዘለኣለም ኪነብር ዚኽእል የልቦን: የሱስ ግን ዘይትመውት ህይወት ኣላቶ። ጳውሎስ “እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት: ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና. . . አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 6:9) በዚ ኸምዚ ድማ እዩ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ዘይሙማት ውህበት ከም እተዋህቦ ተገይሩ እተገልጸ። ብርግጽ: ኣብቲ ጳውሎስ ነዚ ዝጸሓፈሉ እዋን የሱስ ጥራይ እዩ ዘይሓልፍ ህይወት እተዋህቦ።

ካልእ ከነስተብህለሉ ዚግብኣና ነጥቢ ድማ ጳውሎስ: የሆዋ ጥራይ እዩ ዘይትመውት ህይወት ዘላቶ እንተ ዚብል ነይሩ ጌጋ ምዀነ ነይሩ። ምኽንያቱ ነዚ ኺጽሕፍ ከሎ ድሮ የሱስ ዘይትመውት ህይወት ነይራቶ እያ። ምስ ሰብኣውያን መራሕቲ ኣነጻጺርካ ግን የሱስ ጥራይ እዩ ዘይትመውት ህይወት ዘላቶ።

ብተወሳኺ ድማ: የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡን ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉን “ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል” ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሓቂ እዩ: እቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ: ሞይቶም መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ድሕሪ ምትንሳኦም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃንስ 17:24) ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ግን ኣብቲ ኽብ ዝበለ መዓርጉ ኸሎ ኺርእይዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ: ተንሲኡ ድሕሪ ምዕራጉ ብሓቂ “ሓደ ሰብ እኳ” ኸቶ ኸም ዘይረአዮ እንተ ተገልጸ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን።

ብርግጽ: መጀመርታ ርእይ ከተብሎ ኸለኻ: እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16 ዚርከብ ሓሳብ ንኣምላኽ ዜመልክት ኪመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ምስ ካልኦት ጥቕስታት እውን ኣነጻጺርካ ኺርአ ኸሎ ንየሱስ እዩ ዜመልክት።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ የሱስ ዚዛረብ ተመሳሳሊ ሓሳባት ኣብ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6፣ ኣብ ራእይ 17:12, 14፣ 19:16 እውን ይርከብ እዩ።