ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሜኖኣውያን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ

ሜኖኣውያን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ

ሜኖኣውያን ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ

ኣብ ሕዳር 2000: ሓደ ንግሆ ኣብ ቦሊቭያ ዚነብሩ ገሊኦም ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመስኰት እታ ንእሽቶ ቤቶም ንደገ እንተ ጠመቱ: እተወሰኑ ተራ ኣከዳድና እተኸድኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣፍደጊኦም ደው ኢሎም ረኣዩ። እቶም ሚስዮናውያን ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቱሎም: እቶም ኣጋይሽ መጀመርታ እተዛረብወን ቃላት “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽንረክብ ንደሊ ኢና” ዚብላ እየን ነይረን። እዞም ኣጋይሽ እዚኣቶም ሜኖኣውያን እዮም ነይሮም። እቶም ሰብኡት ኮምፕላስዮነ ተኸዲኖም ነበሩ: እተን ኣንስቲ ኸኣ ግርምብያለ ተኸዲነን ነበራ። ንሓድሕዶም ድማ ብሓደ ዓይነት ላህጃ ጀርመንኛ ይዘራረቡ ነበሩ። ኣብ ኣዒንቶም ፍርሂ ይንበብ ነበረ። እተኸታተሎም ሰብ እንተልዩ ንምፍላጥ ግልጽ እናበሉ ይጥምቱ ነበሩ። ይኹን እምበር: ናብ ቤት እቶም ሚስዮናውያን ንምእታው በቲ መደያይቦ ኺድይቡ ኸለዉ: ሓደ ኻብቶም ሰብኡት “ነቶም ንስም ኣምላኽ ዚጥቀሙሉ ሰባት ክፈልጦም እደሊ እየ” በለ።

እቶም ኣጋይሽ ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ እሞ: እተወሰነ ቕልል ዝበለ ምግቢ ምስ ቀረበሎም: ኪፈዅሶም ጀመረ። ኣብ ርሑቕ ካብ ዚርከብ እተገለለ ሰፈር እዮም መጺኦም። ኣብኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንሽዱሽተ ዓመት ዚኸውን መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብጶስጣ ይበጽሖም ነበረ። “ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ኣንቢብና። እዝስ ሓቂ ድዩ፧” ኢሎም ድማ ሓተቱ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ኣርኣይዎም። (ኢሳይያስ 11:9፣ ሉቃስ 23:43፣ 2 ጴጥሮስ 3:7, 13፣ ራእይ 21:3, 4) ሽዑ ሓደ ኻብቶም ሓረስቶት “ርኤኹም: እዚ ሓቂ እዩ። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ” በሎም። ካልኦት ከኣ “ንሓቂ ረኺብናያ ይመስለኒ” ኺብሉ ጀመሩ።

ሜኖኣውያን እንታዎት እዮም፧ እንታይ ኢሎም እዮምከ ዚኣምኑ፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን መልሲ ንምርካብ: ናብ መበል 16 ዘመን ክንምለስ ኣሎና።

ሜኖኣውያን እንታዎት እዮም፧

እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን መጽሓፍ ቅዱስ ብተራ ቛንቋታት ኣውሮጳ ንምትርጓምን ንምሕታምን እተገብረ ሓያል ጻዕርታት: ኣብ ኣውሮጳ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣሕደረ። ማርቲን ሉተርን ካልኦት ፈለምቲ ተሓድሶን ንሓያሎ ትምህርትታት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነጸግዎ። እንተዀነ ግን: እተን ሓደስቲ ዝቘማ ኣብያተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት ብዙሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ልምድታት ሒዘን ቀጸላ። ንኣብነት: መብዛሕትአን ሕጻን ምስ ተወልደ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኪጥመቕ ከም ዘለዎ ይኣምና ነበራ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዜናድዩ ዝነበሩ ሰባት: ሓደ ሰብ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚኸውን: ቅድሚ ምጥማቑ ኣብ ፍልጠት እተመስረተ ውሳነ ምስ ዚገብር ምዃኑ ኣስተውዓሉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ነዚ እምነት እዚ ዝነበሮም ቀናኣት ሰበኽቲ: ኣብ ፍቐዳ ኸተማታትን ዓድታትን እናዞሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩን ንዓበይቲ ኼጠምቑን ጀመሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣናባብቲስት: ማለት “ዳግም ኣጥመቕቲ” ተባሂሎም ተጸውዑ።

ሓደ ኻብቶም ንሓቂ ኼናዲ ኸሎ ንኣናባብቲስት ዝመርመሮም ሰብ: ሜኖ ሲሞንስ እዩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ነዘርላንድስ እትርከብ ቍሸት ቪትማርሰም ካህን ካቶሊክ ኰይኑ እዩ ዜገልግል ነይሩ። ብ1536 ምስታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበሮ ዅሉ ርክብ ኣቋረጸ: እቶም ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ዘለዎም ድማ ኪሃድንዎ ጀመሩ። ብ1542 እቲ ሃጸይ ቅዱስ ሮማ ዝነበረ ቻርለስ ሓምሻይ: ንሜኖ ዝሓዘ 100 ጒልደር ዚበሃል ዓይነት ገንዘብ ኪወሃቦ ተመባጽዐ። ይኹን እምበር: ሜኖ ንገለ ኻብ ኣናባብቲስት ከም ጉባኤታት ገይሩ ወደቦም። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ንሱን ሰዓብቱን ሜኖኣውያን ተባሂሎም ኪጽውዑ ጀመሩ።

ሎሚ ዘለዉ ሜኖኣውያን

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ኣብቶም ሜኖኣውያን ዝመጸ መስጐጕቲ ኻብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ናብ ሰሜን ኣመሪካ ንኺስደዱ ኣገደዶም። ኣብኡ ኸኣ ሓቂ ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ንኪቕጽሉን መልእኽቶም ንብዙሓት ንኺዝርግሑን ኣጋጣሚ ረኸቡ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣባሓጎታቶም: እናማዕበለ ዚኸይድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባርን ንሰባት ንምስባኽን ዝነበሮም ሃልሃል ዚብል ቅንኣት መብዛሕትኡ ዘሓለ። መብዛሕትኦም ከም እኒ ስላሴ: ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን እያ: ሲኦል መሳቐዪ ሓዊ እዩ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ እተወሰነ ትምህርትታት ሰዓቡ። (መክብብ 9:5፣ ህዝቅኤል 18:4፣ ማርቆስ 12:29) ኣብዚ ግዜና: ሜኖኣውያን ሚስዮናውያን ዚገብርዎ ጻዕርታት ወንጌል ኣብ ምስባኽ ዘይኰነስ: ኣብ ሕክምናውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ዘተኰረ እዩ።

ሕጂ 1,300,000 ዝዀኑ ሜኖኣውያን ኣብ 65 ሃገራት ከም ዚነብሩ ይግመት። ኰይኑ ግን: ሎሚ ዘለዉ ሜኖኣውያን እውን: ከምቲ ቕድሚ ሓያሎ ዘመናት ሜኖ ሲሞንስ እተሰምዖ: ሓድነት ስለ ዘይብሎም ይጕህዩ እዮም። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዛዕባ ኣብ ዓለማዊ ግጭታት ዝነበሮም እተፈላለየ ኣረኣእያታት: ዓብዪ ምክፍፋል ኣምጽአ። ብዙሓት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዚርከቡ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ኣበዩ። እንተዀነ ግን: ኣን ኢንትሮዳክሽን ቱ ሜኖናይት ሂስትሪ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸም እትሕብሮ “ብ1914 ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይምሃብ ዚብልዎ ሓሳብ: ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ኣብ ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ሜኖኣውያን ታሪኻዊ ተዘክሮ ጥራይ እዩ ዀይኑ ተሪፉ ነይሩ” ትብል። ኣብዚ ግዜና: ገሊኦም ጕጅለታት ሜኖኣውያን ይውሓድ ይብዛሕ ዘመናዊ ኣነባብራ ተቐቢሎም እዮም። ገሊኦም ግን ክሳዕ ሕጂ ኽዳውንቶም ኣብ ክንዲ ብመልጐም: በቲ ጥንታዊ ዓንቃሪቦን ንዕኡ እትቕበል ነዃልን እዮም ዚለጕሙ። ሰብኡት ጭሕሞም ኪላጽዩ ኸም ዘይብሎም ድማ ይኣምኑ።

ገሊኦም ጕጅለታት ሜኖኣውያን ካብ ዘመናዊ ዓለም ኪፍለዩ ስለ ዝቘረጹ: ኣብቲ መንግስትታት እተን ዚነብሩለን ዓዲ ጣልቃ ኸይኣተዋ ኺነብሩ ዚፈቕዳሎም እተገለለ ቦታታት ግዒዞም እዮም። ንኣብነት: ኣብ ቦሊቭያ ብግምት 38,000 በጽሕታት ሜኖኣውያን ኣብ እተፈላለየ እተገለለ ሰፈራት ይነብሩ ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ሰፈር ከኣ እተፈልየ እትምርሓሉ ስርዓት ኣለዋ። ኣብ ገሊኡ ሰፈራት ማካይን ክልኩል ኪኸውን ከሎ: ኣፍራስን ካሮሳታትን ጥራይ እዩ ዚፍቀድ። ኣብ ገሊኡ ሰፈራት ከኣ ረድዮ: ቲቪ: ከምኡውን ሙዚቃ ኣይፍቀድን እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ ቋንቋ እታ ዚነብሩላ ሃገር ኪፈልጡ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ሰፈር ዚነብር ሰብ “እቶም ሰበኽቲ ኻብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ምእንቲ ኸይንወጽእ: ስጳንኛ ኽንመሃር ኣይፈቕዱን እዮም” ኢሉ መረረኡ ገለጸ። ብዙሓት እተጨቈኑ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም: ካብቲ ማሕበረሰብ ከይውገዙ ድማ ይፈርሁ እዮም። ከመይሲ: ካብ ማሕበረሰቦም ወጻኢ ዘይፈልጡ ብምዃኖም እዚ ኣዝዩ እዩ ዜስካሕክሖም።

ዘርኢ ሓቂ ብኸመይ ከም እተዘርአ

ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ሓደ ዮሃን ዝስሙ ሜኖኣዊ ሓረስታይ ኣብ እንዳ ጐረቤቱ ቕዳሕ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዝረኣየ። ስድራቤት ዮሃን ካብ ካናዳ ናብ መክሲኮ: ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቦሊቭያ ዝገዓዘት እያ። ዮሃን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምርካብ ወትሩ ሓገዝ ይደሊ ነበረ። ስለዚ: ነታ መጽሔት ኬለቅሕዎ ሓተተ።

ጸኒሑ: ፍርያት ሕርሻኡ ኺሸይጥ ናብ ከተማ ምስ ከደ: ኣብ ዕዳጋ ንሓንቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ እትዕድል ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር ቀሪቡ ኣዘራረባ። ንሳ ኸኣ ናብ ጀርመንኛ ዚዛረብ ሚስዮናዊ ሓበረቶ: ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ዮሃን ግምቢ ዘብዐኛ ብጀርመንኛ ብጶስጣ ኺበጽሖ ጀመረ። ነፍሲ ወከፍ ቅዳሕ ተጠንቂቑ ድሕሪ ምጽናዑ: እታ መጽሔት ክሳዕ እትኣርግ ኣብቲ ሰፈር ካብ ስድራቤት ናብ ስድራቤት ትመሓላለፍ ነበረት። ሓድሓደ ግዜ ስድራቤታት ተኣኪበን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እናረኣያ: ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ የጽንዓ ነበራ። ዮሃን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓድነት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዚገብሩ ዘለዉ ምዃኖም ኣመነ። ቅድሚ ሙማቱ: ንሰበይቱን ንደቁን “ኵሉ ሳዕ ግምቢ ዘብዐኛ ኸተንብቡ ኣለኩም። መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኣኩም ኪሕግዘኩም እዩ” በሎም።

ገለ ኣባላት ስድራቤት ዮሃን ብዛዕባ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ነገራት ንጐረባብቶም ኪነግሩ ጀመሩ። “ምድሪ ኣይክትጠፍእን እያ። የግዳስ: ኣምላኽ ገነት ኪገብራ እዩ:” ከምኡውን “ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ ሲኦል ብሓዊ ኣየሳቕን እዩ” በልዎም። እዚ ዘረባኦም ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ እዝኒ እቶም ሰበኽቲ ቤተ-ክርስትያን በጽሐ። ንሳቶም ድማ ንኣባላት ስድራቤት ዮሃን እዚ ዘረባኦም እንተ ዘየቋሪጾም: ኪውገዙ ምዃኖም ኣፈራርህዎም። ድሕሪኡ: እቶም ኣባላት እታ ስድራቤት ብዛዕባ እቲ ሜኖኣውያን ሽማግለታት ዝገበሩሎም ጸቕጢ ኺመያየጡ ኸለዉ: ሓደ መንእሰይ “ብዛዕባ ሽማግለታት ቤተ-ክርስትያንና ስለምንታይ ነማርር፧ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃንና ዅላትና ፈሊጥና ኢና: ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ግን ኣይወሰድናን” በለ። እዘን ቃላት እዚኣተን ንልቢ ኣቦ እቲ መንእሰይ ተንከፋኦ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ: ዓሰርተ ኻብታ ስድራቤት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺረኽቡ ኢሎም ብምስጢር ተጓዕዙ: ኣብ መእተዊ ኸም እተጠቕሰ ኸኣ ናብ ቤት እቶም ሚስዮናውያን በጽሑ።

ንጽብሒቱ: እቶም ሚስዮናውያን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዚርከቡ ሓደስቲ ፈተውቶም ኪበጽሕዎም ከዱ። እቶም ሚስዮናውያን ሒዞምዋ ዝነበሩ ማኪና ጥራይ እያ ኣብቲ መገዲ ዝነበረት። ነተን ካሮሳታት ቀስ ኢሎም ኪሓልፍወን ከለዉ: እቶም ዝደንጸዎም ደቂ እቲ ሰፈር ይጥምትዎም ነበሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስቶም ካብ ክልተ ስድራቤት እተወከሉ ዓሰርተ ሜኖኣውያን ኮፍ ኢሎም ተመያየጡ።

በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕራፍ 1 ንምጽናዕ ኣርባዕተ ሰዓት ወሰደሎም። a ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ እቶም ሓረስቶት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ጥቕስታት ኣንበቡ: ነቲ ጥቕሲ ብዚግባእ ይርድእዎ እንተልዮም እውን ኪፈልጡ ደለዩ። ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ምስ ተሓተቱ: ንእተወሰነ ደቓይቕ ስቕ ይብሉ ድሕሪኡ ብሓደ ላህጃ ጀርመንኛ ንሓድሕዶም ድሕሪ ምምይያጥ ሓደ ኻባታቶም ነቲ ጕጅለ ወኪሉ ብስጳንኛ መልሲ ይህብ። ብሓቂ ዘይትርሳዕ መዓልቲ እያ ነይራ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ጸገም የንጸላሉ እዩ ነይሩ። ከምቲ ሓሙሽተ ዘመን ይገብር ሜኖ ሲሞንስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኼናዲ ኺጅምር ከሎ ፈተና ዘጋጠሞ: እዞም ሓረስቶት እውን ፈተና ኣጋጢምዎም እዩ።

ነቲ ምእንቲ ሓቂ ዝመጸ ፈተናታት ምስጋሩ

ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ሽማግለታት ቤተ-ክርስትያን ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሒዞም ናብ እንዳ ዮሃን መጹ። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝመጹኹም ሰሚዕና ኢና። ተመሊሶም ከይመጹ ኽትክልክልዎም ኣለኩም: ነቲ ጽሑፋቶም ከነቃጽሎ እንተ ዘይሂብኩምና ድማ ክትውገዙ ኢኹም” በልዎም። እቶም ኣባላት እታ ስድራቤት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንሳእ ጥራይ እዮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ነይሮም: ስለዚ እዚ ዓብዪ ፈተና ዀኖም።

ሓደ ኻብቶም ርእስታት ስድራቤት “እዚ ዝበልኩምና ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። እዞም ሰባት እዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩና እዮም መጺኦም” በለ። እቶም ሽማግለታትከ እንታይ ገበሩ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባሮም ወገዝዎም። እዚ ብጭከና እተወስደ ስጕምቲ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብቲ ሰፈር ንዚርከብ ፋብሪካ ጅብና (ፎርማጆ) ጸባ ዚእከበሉ ካሮሳ ጽዕነት: ንጸባ እታ ስድራቤት ከይወሰዶ ሓለፈ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እንኮ ምንጪ ኣታዊኦም ሰኣኑ። ሓደ ርእሲ ስድራቤት ካብ ስራሕ ተባረረ። ሓደ ኻልእ ድማ ካብቲ ድኳን እቲ ሰፈር ኣስቤዛ ኸይዕድግ ተኸልከለ: ጓል ዓሰርተ ዓመት ጓሉ እውን ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐት። ጐረባብቲ ኸኣ ንቤት ሓደ ሰብኣይ ከቢቦም: ሰበይቱ ምስቲ እተወገዘ ሰብኣያ ኽትነብር ኣይትኽእልን እያ ኢሎም ኪወስድዋ ደለዩ። እዚ ዅሉ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠመን: እተን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓ ዝጀመራ ስድራቤታት: ንሓቂ ኻብ ምንዳይ ድሕር ኣይበላን።

እቶም ሚስዮናውያን ኣብ ሰሰሙን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ብማኪና ነዊሕ ርሕቀት ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ መጽናዕቲ ነተን ስድራቤታት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣተባቢዕወን! ገሊኦም ኣባላት ስድራቤት ኣብቲ መጽናዕቲ ንኺርከቡ ኢሎም ብፈረስን ብካሮሳን ንኽልተ ሰዓት ዚኣከል ተጓዒዞም እዮም። ሓደ ግዜ ንሓደ ኻብቶም ሚስዮናውያን ኪጽልየሎም ምስ ሓተትዎ: ብሓቂ ልቢ ዚትንክፍ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሰፈራት ሜኖኣውያን: ዓው ኢልካ ጸሎት ኣይግበርን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ዋላ ሓደ ንዓታቶም ወኪሉ ኺጽሊ ሰሚዖም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እቶም ሰብኡት ኣዒንቶም ቅጽርጽር በለ። እቶም ሚስዮናውያን ቴፕ ሒዞም ምስ መጽዎም ዝነበሮም ሃንቀውታኸ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧ ኣብቲ ሰፈር ሙዚቃ ፈጺሙ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ። በቲ ባህ ዜብል ኪንግደም ሜሎዲስ ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ: ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝምሩ ወሰኑ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ሓድሽ ኵነታት ብኸመይ እዮም ኪናበሩ ዚኽእሉ፧

ፈቃራት ኣሕዋት ረኸቡ

እተን ስድራቤታት ምስቲ ማሕበረሰብ ዝነበረን ርክብ ስለ እተበትከ: ባዕለን ጅብና ኺሰርሓ ጀመራ። እቶም ሚስዮናውያን ዓደግቲ ንኺረኽቡ ሓገዝዎም። ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ዚርከቡ ሰፈር ሜኖኣውያን ዝዓበየ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዚነብር ነዊሕ ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ዘገልገለ ወልቀ-ሰብ: ብዛዕባ እቲ ነዘን ስድራቤታት ዘጋጠመን ጸገም ሰምዐ። ንምሕጋዘን ድማ ፍሉይ ባህጊ ሓደሮ። ኣብ ውሽጢ ሰሙን: ንኺበጽሐን ናብ ቦሊቭያ ኸደ። ብዙሕ መንፈሳዊ ምትብባዕ ኣብ ርእሲ ምሃቡ: ነተን ስድራቤታት ናብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ምእንቲ ኪኸዳን ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ምእንቲ ኺወስዳን: ማኪና ንኺዕድጋ ሓገዘን።

ሓደ ኣባል እተን ስድራቤታት “ካብቲ ማሕበረሰብ ምስ ተወገዝና ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ገጽና ጸምልዩ ኢና እንኸይድ ኔርና: እንተዀነ ግን: ገጽና በሪሁ ኢና እንምለስ ኔርና” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። እወ: ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘጋጠሞም ሽግር ንምፍታሕ ደገፍ ሃብዎም። ገሊኦም ጀርመንኛ ተማህሩ: ሓያሎ ጀርመንኛ ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብጀርመንኛ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብ ምምራሕ ንኺሕግዙ ኢሎም ካብ ኣውሮጳ ናብ ቦሊቭያ ገዓዙ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ካብቲ ሜኖኣውያን ማሕበረሰብ ዝነበሩ 14 ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኪሰብኩ ጀመሩ።

ብ12 ጥቅምቲ 2001: ካብቲ እቶም ሓረስቶት ናብቲ ቤት ሚስዮናውያን ዝኸዱሉ እዋን ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: 11 ኻብቶም ኣናባብቲስት ዝነበሩ ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንህዝቢ ንምርኣይ ከም ብሓድሽ ተጠምቁ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ካልኦት እውን ነዚ ስጕምቲ እዚ ወሲዶም እዮም። ሓደ ኻባታቶም ጸኒሑ: “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ስለ እተመሃርና: ሓራ ዝወጹ ባሮት ከም ዝዀንና እዩ ተሰሚዑና” በለ። ሓደ ኻልእ ድማ “ሓያሎ ሜኖኣውያን ኣብ ማሕበረሰቦም ፍቕሪ ብምዝሕታላ ይማረሩ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ እዮም። ምሳታቶም ብምዃነይ ቅሳነት እዩ ዚስምዓኒ” በለ። ንስኻውን ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብዝያዳ ኽትርድኣ እንተ ጽዒርካ: ጸገማት የጋጥመካ ይኸውን። ካብ የሆዋ ሓገዝ እንተ ደሊኻን ከምዘን ስድራቤታት እዚኣተን እምነትን ትብዓትን እንተ ኣርኢኻን ግን: ኣሳልጦን ሓጐስን ክትረክብ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብጀርመንኛ ምቕባሎም ኣሐጐሶም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሙዚቃ ኽልኩል እኳ እንተ ነበረ: ሕጂ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይዝምሩ ኣለዉ