ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቃል” የሆዋ የዕቍብካ

“ቃል” የሆዋ የዕቍብካ

“ቃል” የሆዋ የዕቍብካ

ብ490 ቅ.ክ. ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዝዀኑ ሰብ ኣቴንስ ምስቶም ካብኦም ኣዝዮም ዚበዝሑ ወተሃደራት ፋርስ ኣብቲ ታሪኻዊ ናይ ማራቶን ኲናት ተጋጠሙ። እቶም ግሪኻውያን: ወተሃደር ምስ ወተሃደር ብሓባር ጠቢቕካ ናይ ምውጋእ ስልቲ እዮም ተጠቒሞም። ዋላቱኦም ብምልግጋብ ልክዕ ከም ሓደ ነዊሕ መንደቕ ድሕሪ ምስራሕ: እቲ ዅናውቶም ንቕድሚት ወጺኡ እዮም ዚምርሹ ነይሮም። እዚ ናይ ውግእ ስልቲ እዚ ንሰብ ኣቴንስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሉጻት ሰራዊት ፋርስ ዓብዪ ዓወት ኣጐናጸፎም።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መንፈሳዊ ውግእ እዮም ዚዋግኡ። ምስቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን . . . መናፍስቲ እከይን” ተባሂሎም ዘለዉ ዘይረኣዩ መራሕቲ እዚ ስርዓት እዚ ዝዀኑ ሓያላት ጸላእቲ እዮም ዚቃለሱ። (ኤፌሶን 6:12፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ህዝቢ ኣምላኽ ብናቶም ሓይሊ ኣይኹን እምበር ኵሉ ግዜ ምስ ተዓወቱ እዮም። መዝሙር 18:30 “ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ: ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ” ትብል። ስለዚ: እዚ ዅሉ ኺርከብ ዝኸኣለ ሳላ ዕቝባ የሆዋን መምርሒኡን ብምዃኑ: ኵሉ እቲ ኽብሪ ንዕኡ እዩ ዚግብኦ።

እወ: የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጽሩይ ‘ቃሉ’ ገይሩ ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋ የዕቍቦም እዩ። (መዝሙር 19:7-11፣ 119:93) ሰሎሞን ነታ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተንጸባሪቓ ዘላ ጥበብ ኣመልኪቱ “ኣይትሕደጋ: ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ: ኣፍቅራ: ንሳውን ከተዕቍበካ እያ” ብምባል ጸሓፈ። (ምሳሌ 4:6፣ መክብብ 7:12) ጥበብ ኣምላኽ ከመይ ገይራ እያ ኻብ ጕድኣት ከተዕቍበና እትኽእል፧ እስከ ኣብነት ጥንታዎት እስራኤላውያን ንርአ።

ብጥበብ ኣምላኽ እተዓቝበ ህዝቢ

ሕጊ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ኣዕቊብዎምን መሪሕዎምን እዩ። ንኣብነት: ንናይ ኣመጋግባ ስርዓት: ክንክን ጥዕና: ከምኡውን ንዝረኸሰ ሰብ ብዛዕባ ምዕጻው ኣመልኪቱ እተዋህቦም ሕግታት: ካብቲ ነቶም ካልኦት ብሄራት ዚቐትሎም ዝነበረ ዓይነት ሕማማት ኣዕቊብዎም እዩ። ስነ-ፍልጠት ግን ኣብ መበል 19 ዘመን ባክተርያ ምስ ተረኽበ ጥራይ እዩ ምስቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዘሎ ኺሰማማዕ ዝጀመረ። እቲ ንዋንነት መሬት: ንምብጃው: ካብ ዕዳ ሓራ ብዛዕባ ምውጻእ: ከምኡውን ንሓረጣ ወይ ወለድ ብዚምልከት እተዋህበ ሕግታት: ጽኑዕ ሕብረተሰብን ፍትሓዊ ቝጠባን ዜደንፍዕ ማሕበራዊ ጥቕምታት ኣተኣታትዩ እዩ። (ዘዳግም 7:12, 15፣ 15:4, 5) ሕጊ የሆዋ: መሬት ፍርያም ንኽትከውን ዚሕግዝ እውን እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 23:10, 11) እቲ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣመልኪቱ እተዋህቦም ትእዛዝ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣዕቈቦም: ኣብቲ ነቶም ህይወት ዘይብሎም ጣኦታት ንምስጋድ ኣብ ዚግበር ሕሱር ተግባራት ንኸይካፈሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ጭቈና ኣጋንንቲ: ካብ ንቘልዑ ምስዋእ: ከምኡውን ካብ ካልእ ሓያሎ ሕማቕ ነገራት ሓለዎም።—ዘጸኣት 20:3-5፣ መዝሙር 115:4-8

እምበኣር: “ቃል” የሆዋ ንእስራኤላውያን “ከንቱ ነገር ኣይኰነን” ነይሩ: ኣብ ክንዳኡስ ነቶም ዘቕለቡሉ ህይወትን ምንዋሕ መዓልትን እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 32:47) እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኺዳን ኣይኹኑ እምበር: ነቲ ጥበብ ዝመልኦ ቓል ኣምላኽ እንተደኣ ተኣዚዞም ተመሳሳሊ ጥቕሚ እዮም ዚረኽቡ። (ገላትያ 3:24, 25፣ እብራውያን 8:8) ንክርስትያናት ንኺመርሖምን ንኼዕቍቦምን ሕጊ ዘይኰነስ: ንነገራት ኣስፍሕ ኣቢሉ ኼርኢ ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም።

ብመሰረታዊ ስርዓታት እተዓቝበ ህዝቢ

ሓደ ሕጊ ኣብ ኣወዓዕላኡ ድሩትን ግዝያውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግን መሰረታዊ ሓቂ ዝሓዘ ብምዃኑ መብዛሕትኡ ግዜ ስፍሕ ዝበለን ነባርን እዩ። እስከ ነቲ ኣብ ያእቆብ 3:17 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ከም ኣብነት ንውሰድ። እታ ጥቕሲ ብኸፊል “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት” ትብል። ከመይ ገይሩ እዩ እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዜዕቍቦም፧

ንጹህ ምዃን ኪበሃል ከሎ: ብስነ-ምግባር ጽፉፍ ምዃን ማለት እዩ። ስለዚ: እቶም ንጹሃት ዝዀኑ ሰባት ካብ ዘይስነ-ምግባራውነት ይርሕቑ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ ናብኡ ኺመርሕ ዚኽእል ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ካብ ምሕሳብን ካብ ስእለ-ጽዩፍን እውን ይርሕቑ እዮም። (ማቴዎስ 5:28) ብተመሳሳሊ: ንመርዓ ዚዳለዉ ጽምዲ: ነቲ ኣብ ያእቆብ 3:17 ዘሎ ምኽሪ ብምእዛዝ ንርእሶም ኪቈጻጸሩ ኣብ ዘይኽእሉሉ ደረጃ ኼብጽሖም ካብ ዚኽእል ተግባራት ይቝጠቡ እዮም። ነቲ ስርዓት ስለ ዜፍቅርዎ: ነቲ ሕጊ ኽሳዕ ዘይጠሓሱ ዚገብርዎ ተግባራት ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎ ብምሕሳብ ካብ ንጽህናኦም ኣየላግሱን እዮም። የሆዋ ‘ልቢ ኸም ዚርእን’ ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ይፈልጡ እዮም። (1 ሳሙኤል 16:7፣ 2 ዜና መዋእል 16:9) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጥበበኛታት ንርእሶም ካብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት የዕቍቡ: ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናኦም እውን ይሕልዉ።

ያእቆብ 3:17 ወሲኻ እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ “ሰላማዊት” ምዃና ትገልጽ። ሰይጣን: ብዜተሓታትት ጽሑፋት: ፊልምታት: ሙዚቃ: ከምኡውን በቲ ዜስካሕክሕ ጭካነን ቅትለትን ንኺፍጽሙ ዜበራትዕ ናይ ኮምፒዩተር ጸወታታት ገይሩ ኣብ ልብና መንፈስ ዓመጻ ብምዝራእ ካብ የሆዋ ኺፈልየና ኸም ዚጽዕር ንፈልጥ ኢና። (መዝሙር 11:5) እቲ ኣብ ዓለምና እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ዓመጻ: ሰይጣን ይዕወት ከም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ እዩ። እታ ዘ ሲድኒ ሞርኒን ሄራልድ ዘርእስታ ኣብ ኣውስትራልያ እትሕተም ጋዜጣ ነዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ዓመጻ ኣመልኪታ: ቅድሚ ገለ ዓመታት ንሓደ ሮበርት ረስለር ዚበሃል ሰብ ጠቒሳ ነበረት። እቶም ረስለር ኣብ 1970ታት ቃለ-መጠይቕ ዝገበረሎም ቀተልቲ: ነዚ ተግባር እዚ በቲ “ምስዚ ናይ ሎሚ ኺነጻጸር ከሎ ዝሓሸ” ኺበሃል ዚከኣል ስእለ-ጽዩፍ ተለዓዒሎም ከም ዝገበርዎ ተዛረበ። ስለዚ: “ቍጽሪ እቶም ብተኸታታሊ ዚቐትሉ ቐተልቲ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ: መጻኢ ተስፋ ዜቝርጽ ምዃኑ” ገለጸ።

እዛ ጋዜጣ እዚኣ ምስ ወጸት ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሓደ መሳርያ እተዓጥቀ ሰብኣይ ናብ ሓደ ኣብ ዳንብሌን: ስኮትላንድ ዚርከብ ኣጸደ ሕጻናት ብምእታው: ንርእሱ ቕድሚ ምቕታሉ ን16 ሕጻናትን ነታ መምህሮምን ለኪሙ ሞተ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ወርሒ እውን ሓደ መሳርያ እተዓጥቀ ሰብኣይ: ኣብታ ብኣውስትራልያ ኣብ እትመሓደር ታዝመንያ እትርከብ ህድእቲ ኸተማ ፖርት ኣርተር 32 ሰባት ቐተለ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ሕ.መ.ኣ. እቶም ነበርቲ “ስለምንታይ፧” እትብል ሕቶ ንኼበግሱ ዝገበሮም ብዙሕ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ሰነ 2001 ኣብ ጃፓን ሓደ ሰብኣይ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብምእታው 8 ቐዳማይን ካልኣይን ክፍሊ ዚመሃሩ ተመሃሮ ብኻራ ወጊኡ ብምቕታሉ: ንኻልኦት 15 ድማ ብምሕራዱ ኣቓልቦ ዜና ዓለም ስሒቡ ነበረ። ምኽንያት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እተፈላለየ እከይ እተሓላለኸ እኳ እንተዀነ: እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ ዓመጻ ግን ሓደ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። ፊሊፕ ኣዳምስ ዝስሙ ኣውስትራልያዊ ኣዳላዊ ዓምዲ “ናይ 60 ካልኢት ረክላም ብዙሕ ከም ዚሽየጥ ዚገብር እንተ ዀይኑ: ብዙሕ ሚልዮናት ዝፈሰሰሉ ናይ ክልተ ሰዓት ፊልም ንኣመለኻኽታ ሰብ ኪቕይሮ ኣይክእልን እዩ ኺበሃል ዘይመስል እዩ” በለ። እቲ ዜገርም ከኣ ኣብ ገዛ እቲ ኣብ ፖርት ኣርተር ንብዙሓት ዝቐተለ ሰብኣይ: 2,000 ዚኸውን ናይ ዓመጻን ስእለ-ጽዩፍን ቪድዮታት ስለ እተረኽበ: ፖሊስ ገበቶ።

እቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ጠቢቖም ዚስዕቡ ሰባት: ነተሓሳስባኦምን ንልቦምን ካብቲ ንዓመጻ ዜተባብዕ ዝዀነ ይኹን መዘናግዒ ይሕልዉ እዮም። ስለዚ: ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ድሌቶምን “መንፈስ ዓለም” ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ብናይ ኣምላኽ “መንፈስ ቅዱስ” እዮም ተማሂሮም: ነታ ሰላም እተፍሪ ፍቕሪ ድማ እዮም ኬማዕብሉ ዚጽዕሩ። (1 ቈረንቶስ 2:12, 13፣ ገላትያ 5:22, 23) ነዚ ኸኣ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብጸሎትን ብሃናጺ ምስትንታንን እዮም ዚገብርዎ። ምስ ዓመጸኛታት ሰባት ድማ ኪቀራረቡ ኣይደልዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ምስቶም ከምኦም ነታ ሰላም ዝመልኣ ናይ የሆዋ ሓዳስ ዓለም ሃረር ዚብሉ ሰባት እዮም ዚሓብሩ። (መዝሙር 1:1-3፣ ምሳሌ 16:29) እወ: እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ከመይ ዝኣመሰለት ዕቝባ ዀን እያ!

“ቃል” የሆዋ ንልብኻ የዕቍቦ

የሱስ ኣብ በረኻ ኺፍተን ከሎ: ነቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ዝነበረ ሓሳባት ጌጋ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትኽክል እናጠቐሰ ይምልሰሉ ነበረ። (ሉቃስ 4:1-13) ይኹን እምበር: ምስ ሰይጣን ናይ ኣእምሮ ብልሒ ኣብ ዜርኢ ኽትዕ ኣይኣተወን። ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም መከላኸሊኡ ገይሩ ብምጥቃም ካብ ልቡ ይምልስ ነበረ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ እቲ ሰይጣን ኣብ ኤድን እተዓወተሉ ስትራተጂ ኣብ የሱስ ግን ኪፈሽል ዝኸኣለ። ንሕናውን ንልብና ብቓል የሆዋ እንተደኣ መሊእናዮ: ፍሕሶ ሰይጣን ኣባና ኺፈሽል ይኽእል እዩ። ‘ህይወት ካብ ልብና ስለ እትፍልፍል:’ ካብዚ ዝዓበየ ኻልእ ኣገዳሲ ነገር ኪህሉ ኣይክእልን እዩ።—ምሳሌ 4:23

ብተወሳኺ እውን ንልብና ብቐጻሊ ኽንሕልዋ ይግባእ: ነዚ ድማ ብዘይምቍራጽ ክንገብሮ ኣሎና። ሰይጣን ኣብቲ በረኻ ስለ ዘይተዓወተ: ንየሱስ ምፍታን ንሓዋሩ ኣይሓደጎን። (ሉቃስ 4:13) ንዓና እውን ነቲ ዘሎና ተኣማንነት ከም እነቋርጽ ንምግባር ሒዅ ምባሉ ኣይተርፎን እዩ። (ራእይ 12:17) ስለዚ: ንቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ብምዅስኳስ ንየሱስ ንምሰሎ: መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ንኺወሃበና ድማ ከየባተኽና ንጸሊ። (1 ተሰሎንቄ 5:17፣ እብራውያን 5:7) የሆዋ ድማ እቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ሰባት ዋላ ሓንቲ መንፈሳዊ ሓደጋ ኸም ዘየጋጥሞም ተመባጺዑ ኣሎ።—መዝሙር 91:1-10፣ ምሳሌ 1:33

ቃል ኣምላኽ ንማሕበር የዕቝባ

ሰይጣን ነቶም ብትንቢት እተነግረሎም “ብዙሓት ሰብ” ካብቲ ዓብዪ ጸበባ ንኸይድሕኑ ኪኽልክሎም ኣይክእልን እዩ። (ራእይ 7:9, 14) ይኹን እምበር: ሕጂውን እንተዀነ ንክርስትያናት ኣብ ብዕሉግ ተግባራት ከም ዚወድቁ ብምግባር: ንገለ ኻብኣቶም ስምረት የሆዋ ኸም ዚስእኑ ኺገብር ሒዅ እዩ ዚብል። ብግዜ ጥንታዊት እስራኤል: እስራኤላውያን ቀቅድሚ ናብታ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም ነዚ ሜላ እዚ ብምጥቃም ተዓዊቱ እዩ: 24,000 ዝዀኑ ድማ ሞቱ። (ዘሁልቍ 25:1-9) እቶም ንጌጋኦም ካብ ልቦም ዚንስሑ ክርስትያናት: ብመንፈሳዊ ናብቲ ናይ ቀደሞም ምእንቲ ኺምለሱ ፍቕራዊ ሓገዝ ይረኽቡ እዮም። እቶም ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዚምሪ ዝዀኑ ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ግን: ነቲ ናይ ካልኦት ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ኵነታት እዮም ኣብ ሓደጋ ዜእትውዎ። (ዘሁልቍ 25:14) ከምቲ ወተሃደራት ተለጋጊቦም እናመረሹ ኸለዉ ኻብ መንጎኦም ዋላቱኦም እንተ ደርብዮም ንጕድኣት ዜቃልዑ: እቶም ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት እውን ንርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ ንብጾቶም እውን ንሓደጋ የቃልዕዎም እዮም።

ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ: ወይስ ስሱዕ: ወይስ መምለኽ ጣኦት: ወይስ ተጻራፊ: ወይስ ሰካር: ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ: ምስኡ ኸይትጽምበሩ: ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ: . . . ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” ብምባል ዚዛረብ። (1 ቈረንቶስ 5:11, 13) እዚ ጥበበ ዝሓዘለ “ቃል” እዝስ እታ ማሕበር ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጽህቲ ንኽትከውን ዚሕግዝዶ ኣይመስለካን፧

ብኣንጻሩ ግን: ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያንን ከሓድትን እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እዚ: ምስዚ ሎሚ ዘሎ ዘመናውን ሰፊሕን ናይ ስነ-ምግባር ኣመለኻኽታ ስለ ዚጋጮ ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ ኢሎም ይዛረቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዮም ኣቕሽሽቲ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ኰነ ንሳቶም ዚፍጽምዎ ኸቢድ ሓጢኣት ምኽኒት ዜቕርቡ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4) ምሳሌ 30:5 “ቃል” የሆዋ ልክዕ ከም ዋልታ ኸም ዝዀነ ትጠቅስ። ይኹን እምበር: እታ ስዒባ ዘላ ቍጽሪ 6 “ከይዘልፈካ: ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ: ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ” ብምባል ትእዝዝ። እወ: እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠልቀፍቀፍ ዚብሉ ብመንፈሳዊ ዝወጸሎም ሓሰውቲ ኺውቀሱ ይግብኦም እዩ። (ማቴዎስ 15:6-9) እምበኣር: ኣባል እታ ንቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዋ ማሕበር ብምዃንና: ናይ ብሓቂ ኣመስገንቲ ኽንከውን ይግባእ።

በቲ “መኣዛ” እተዓቝቡ

ህዝቢ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቖም ስለ ዚስዕቡን ነቲ ዜጸናንዕ መልእኽቱ ድማ ንኻልኦት ስለ ዚነግሩን: ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ኸም ዕጣን ዝኣመሰለ “መኣዛ” ወይ ጥዑም ሽታ እዮም ዜትክኹ። እቶም ሓጥኣን ሰባት ግን ልክዕ ከምቲ “ናብ ሞት . . . ዜብጽሕ ሽታ” እዮም። እወ: እቲ እኩያት ሰባት ዘለዎም ምሳልያዊ ናይ ምሽታት ህዋስ: በዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ስለ እተበከለ እቲ “መኣዛ ክርስቶስ” ኣይምሽኦምን እዩ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቶም ነዚ መኣዛ እዚ ዜምጽኡ ሰባት ይቃወምዎም እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ነቲ ብስራት ብቕንኣት ዚሰብኩ: ‘ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑ መኣዛ ክርስቶስ እዮም።’ (2 ቈረንቶስ 2:14-16) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ መለለዪ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝዀነ ግብዝናን ሃይማኖታዊ ሓሶትን ይፍንፍንዎ እዮም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነካፍሎም ከለና: ናብ ክርስቶስ ይሰሓቡ: ዝያዳ ኺፈልጡ ድማ ይደልዩ።—ዮሃንስ 6:44

ስለዚ: ሓድሓደ ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕባል ምስ ዚኣብዩ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ “መኣዛ ክርስቶስ” ነቶም ጐዳእቲ ዓይነት ሰባት ካብቲ ብህዝቢ ኣምላኽ ዝመልአ መንፈሳዊ ቦታ ዜርሕቕ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ግን ናብኡ ዚስሕብ መንፈሳዊ ዕቝባ ኸም ዝዀነ ጌርካ ርኣዮ።—ኢሳይያስ 35:8, 9

እቶም ግሪኻውያን ሰራዊት ኣብቲ ውግእ ማራቶን ብሓባር ተጣቢቖም ስለ ዝመረሹ ኸምኡውን ብዘለዎም ሓይሊ ተጠቒሞም ነቲ ዋላቱኦም ስለ እተሸከሙ: ነቲ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ሰራዊት ሰዓርዎ። ብተመሳሳሊ: እቶም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ኣብቲ መንፈሳዊ ውግእ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚስዕሩ መረጋገጺ ኣለዎም: ከመይሲ ዓወት ከም “ርስቲ” እዩ ተዋሂብዎም። (ኢሳይያስ 54:17) ስለዚ: ‘ነቲ ህይወት ዚህብ ቃል ኣጽኒዕና ብምሓዝ:’ ወትሩ ኣብ የሆዋ ንተዓቘብ።—ፊልጲ 2:16 ትርጕም 1990

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት”