ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስም የሆዋ ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና

ብስም የሆዋ ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና

ብስም የሆዋ ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና

“ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” Nw] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።”ሚክያስ 4:5

1. ብግዜ ኖህ ዝነበረ ስነ-ምግባራዊ ዅነታት ከመይ ነበረ፧ ኖህ ግን እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

 ምስ ኣምላኽ ከም እተመላለሰ እተጠቕሰ ናይ መጀመርታ ሰብ ሄኖክ እዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ኖህ እዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።” (ዘፍጥረት 6:9) ብግዜ ኖህ: ደቅሰብ ብሓፈሻ ኻብ ንጹህ ኣምልኾ ርሒቖም እዮም ነይሮም። እቲ ዝነበረ ኽፉእ ኵነታት ከኣ በቲ ዘይእሙናት መላእኽቲ ምስ ኣንስቲ ዘይባህርያዊ መውስቦ ብምግባር ዝወለድዎም ነፊሊም ዚበሃሉ “ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ” ተጋደደ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምድሪ ብዓመጻ እንተ መልአት እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 6:2, 4, 11) እንተዀነ ግን: ኖህ እንታ ዘይብሉ “ሰባኽ ጽድቂ” ነበረ። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኣምላኽ ህይወት ንምድሓን መርከብ ኪሰርሕ ምስ ኣዘዞ: “ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:22) ኖህ ብሓቂ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ እዩ።

2, 3. ኖህ ንዓና እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

2 ጳውሎስ ኣብቲ ዝጸሓፎ ዝርዝር እሙናት መሰኻኽር ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ንኖህ ጠቒስዎ ኣሎ:- “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና: ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።” (እብራውያን 11:7) እዝስ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ! ኖህ ቃል የሆዋ ኸም ዚፍጸም ምሉእ ምትእምማን ስለ ዝነበሮ: ትእዛዝ ኣምላኽ ንምፍጻም ግዜኡን ጕልበቱን ጥሪቱን ወፍዩ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት እውን: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንዘሎ ኣጋጣሚታት ብምንጻግ: ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ብምውፋይ ትእዛዛት የሆዋ ይሕልዉ ኣለዉ። እምነቶም ኪትኰረላ ዚግባእ እያ: ብእኣ ኣቢሎም ድማ ንርእሶምን ንኻልኦትን ኬድሕኑ እዮም።—ሉቃስ 16:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16

3 ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ከምቲ ንኖህ ኣቦ ኣባሓጎኡ ዝዀነ ሄኖክ ብእምነት ኪመላለስ ቀሊል ዘይነበረ: ኖህን ስድራቤቱን ብእምነት ኪመላለሱ እውን ከቢድ እዩ ነይሩ። ብግዜ ኖህ ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሄኖክ ዝነበረ: ሒደት ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሸሞንተ ሰባት ጥራይ እዮም እሙናት ኰይኖም ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ። ኖህ ኣብ ዓመጻን ርኽሰትን ዝመልኣ ዓለም ጽድቂ ሰበኸ። ኣብ ርእሲ እዚውን ቅድሚኡ ምጥልቕላቕ ማይ ተራእዩ እኳ ዘይፈልጥ እንተ ነበረ: ንሱን ስድራቤቱን ካብቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ንምድሓን ብዕንጸይቲ መርከብ ይሰርሑ ነበሩ። እዚ ነቶም ዚዕዘብዎም ዝነበሩ ፍልይ ዝበለ ዀይንዎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

4. የሱስ እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ እንታይ ጌጋ ኸም ዝገበሩ እዩ ዘጕልሐ፧

4 እቲ ዜገርም የሱስ ንግዜ ኖህ ኪጠቅስ ከሎ: ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ዝነበረ ዓመጻ: ናይ ሓሶት ኣምልኾ: ወይ ጾታዊ ርኽሰት ኣይተዛረበን። እቲ የሱስ ዘጕለሖ ጌጋ: እቶም ሰባት ነቲ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ዘይምቕላቦም እዩ ነይሩ። “ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ” በለ። ምብላዕን ምስታይን ምእታውን ምትእትታውን እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧ “ንቡር” ህይወት ደይኰነን ዚነብሩ ዝነበሩ፧ እንተዀነ ግን: ማይ ኣይሂ ይመጽእ እዩ ነይሩ: ኖህ ከኣ ጽድቂ ይሰብኽ ነበረ። ቃላቱን ተግባራቱን ንዓታቶም መጠንቀቕታ ኪዀኖም ነበሮ። ኰይኑ ግን: “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።”—ማቴዎስ 24:38, 39

5. ኖህን ስድራቤቱን እንታይ ባህርያት እዩ ኣድልይዎም፧

5 ነቲ ግዜ እቲ ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና: ኖህ ዝሰዓቦ መገዲ ጥበብ ኢና እንርኢ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ እዋን: ካብ ካልኦት ሰባት ፍሉይ ምዃን ትብዓት ይሓትት ነይሩ። ኖህን ስድራቤቱን ዓባይ መርከብ ኪሰርሑን ኵሎም ዓይነት እንስሳታት ኪመልእዋን ሓያል እምነት ተድልዮም ነበረት። እዞም ሒደት እሙናት ሰባት እዚኣቶም ሓድሓደ ግዜ ምናልባት ብዙሕ ዘይጥመቱ ኪዀኑን “ንቡር” ህይወት ኪመርሑን እተመነዩሉ እዋን ይህሉዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኦም መጺኡ እውን እንተ ዀይኑ: ንጽህናኦም ግን ኣየበላሸዉን። ካብቲ ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ ጸኒዕና ዝቐጸልናሉ እዋን ዚበዝሕ ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽናዕ: እምነት ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ ኸም ዚድሕን ገበረት። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዅሎም እቶም “ንቡር” ናብራ ዚነብሩ ዝነበሩን ንትርጕም እቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ግዜ ዘየቕለቡን ሰባት ፍርዱ ኣውሪዱሎም እዩ።

ዓመጻ እንደገና ኣብ ደቅሰብ ኣስፋሕፍሐ

6. ድሕሪ ማይ ኣይሂ: እንታይ ኵነታት እዩ ዝነበረ፧

6 እቲ ማይ ምስ ጐደለ: ወድሰብ ከም ብሓድሽ ናብራ ጀመረ። ይኹን እምበር: ደቅሰብ ሽዑ እውን እንተዀነ ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም: “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ” ነይሩ። (ዘፍጥረት 8:21) ኣጋንንቲ ድሕሪኡ ስጋ ሰብ ኪለብሱ ዘይክእሉ እኳ እንተዀኑ: ገና ግን ንጡፋት እዮም ነይሮም። እታ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘይብሎም ሰባት ዝመልአት ዓለም: ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ ሽዑውን “በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ቐልጢፋ እያ ተጋሂዳ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ድማ ምስ “ፍሕሶ ሰይጣን” ኪቃለሱ ነበሮም።—1 ዮሃንስ 5:19፣ 6:11, 12

7. ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣብ ዓለም ዓመጻ እናወሰኸ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧

7 እንተ ወሓደ ኻብ ግዜ ኒምሮድ ጀሚሩ: እታ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ምድሪ እንደገና ብዓመጻ ወድሰብ መልአት። ብሰንኪ እቲ ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ተክኖሎጅያዊ ምዕባለን: እቲ ዓመጻ እቲ ኽሳዕ እዚ ግዜና ይቕጽል ኣሎ። ጥንቲ ወድሰብ ሴፍ: ኲናት: ቀስትን ፍላጻን: ከምኡውን ሰረገላ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ጸኒሑ ኸኣ ሰናድርን መድፍዕን መሃዘ: ድሕርዚውን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ጠበንጃን ካልእ ከቢድ ብረትን ኣምጽአ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም እኒ ነፋሪት: ታንክ: ሳብማሪን: መርዛም ጋዝ ዝኣመሰለ ዜርዕድ ኣጽዋር ተኣታተወ። ኣብቲ ውግእ እቲ ብሰንኪ እዚ ዘመናዊ ኣጽዋር ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሃሊቖም እዮም። እዝስ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን።

8. ራእይ 6:1-4 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

8 ብ1914 የሱስ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ: “መዓልቲ ጐይታ” ድማ ጀመረት። (ራእይ 1:10) የሱስ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተገሊጹ ኣብ ዚርከብ ራእይ: ከም ንጉስ መጠን ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተወጢሑ ብዓወት ኪጋልብ ተራእዩ እዩ። ኣብ ምድሪ ንዚመጽእ ወዮ ዜመልክቱ ኻልኦት ፈረሰኛታት ከኣ ሰዓብዎ። ሓደ ኻብኣቶም ኣብ ሓመር ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ እዩ። ንዕኡ ድማ “ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ: ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ: ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።” (ራእይ 6:1-4) እቲ ፈረስን እቲ ፈረሰኛን ንውግእ እዮም ዜመልክቱ: እቲ ዓብዪ ሰይፊ ኸኣ ነዚ ኣመና ኣዕናዊ ዝዀነ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ውግእን ኣብኡ ዚጥቀሙሉ ሓያል ኣጽዋርን እዩ ዜመልክት። እዚ ኣጽዋር እዚ ድማ ነቲ ነፍሲ ወከፉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኬጥፍእ ዚኽእል ኑክሌራዊ ኣጽዋር: ነቲ ነዚ መሳርያ እዚ ሚልዮናት ኪሎ ሜተራት ተወንጪፉ ኸም ዜጥቅዕ ኪገብሮ ዚኽእል ሮኬት: ከምኡውን ነቲ ብጅምላ ኼህልቕ ዚኽእል ከሚካላውን ባዮሎጂካውን ኣጽዋር ዚሓቍፍ እዩ።

ነቲ የሆዋ ዝሃበና መጠንቀቕታታት ነቕልበሉ ኢና

9. እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም: ምስታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም እትመሳሰል ብኸመይ እያ፧

9 ብግዜ ኖህ: የሆዋ ብሰንኪ እቲ እኩያት ሰባት በቶም ንጉዓት ወይ ነፊሊም እናተደፍኡ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ኽቱር ዓመጻ: ንዅሎም ደቅሰብ ኣጥፍኦም። ሎሚ ዘሎ ዅነታትከ ኸመይ እዩ፧ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዓመጻ ኻብቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ዓመጻ ዝሓሸ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይሓይሽን እዩ። ከምቲ ብግዜ ኖህ: ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ዋኒኖም ይፍጽሙ: “ንቡር” ናብራ ኺነብሩ ይፍትኑ: ነቲ ዚወሃቦም መጠንቀቕታታት ከኣ ኣይሰምዑን እዮም ዘለዉ። (ሉቃስ 17:26, 27) የሆዋ ንደቅሰብ እንደገና ንኼጥፍኦም ዝኣተዎ መብጽዓ እንጠራጠረሉ ምኽንያት ኣሎናዶ፧ የብልናን።

10. (ሀ) ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ብተደጋጋሚ እተዋህበ፧ (ለ) ሎሚ ኽንስዕቦ ዘሎና ጥበባዊ መገዲ ኣየናይ ጥራይ እዩ፧

10 ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣማእታት ዓመታት ኣቐዲሙ: ሄኖክ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዚመጽእ ጥፍኣት ተነብዩ ነይሩ። (ይሁዳ 14, 15) የሱስ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዓብዪ “መከራ” ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 24:21) ካልኦት ነብያት እውን ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኣጠንቂቖም እዮም። (ህዝቅኤል 38:18-23፣ ዳንኤል 12:1፣ ዮኤል 2:31, 32) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ከኣ: ብዛዕባ መወዳእታ ጥፍኣት ስእላዊ መግለጺ ንረክብ ኢና። (ራእይ 19:11-21) በብውልቅና ንኖህ ንመስሎ: ከም ሰበኽቲ ጽድቂ መጠን ከኣ ንጡፋት ኴንና ንንቀሳቐስ ኢና። ነቲ የሆዋ ዚህቦ መጠንቀቕታታት ነቕልበሉ: ንሰባት ከኣ ከምኡ ኺገብሩ ብፍቕሪ ንሕግዞም ኢና። ስለዚ: ከም ኖህ ምስ ኣምላኽ ንመላለስ ኢና። እወ: ህይወት ኪረክብ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ: ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ ኣለዎ። ነቲ መዓልታዊ ዜጋጥመና ጸቕጥታት ኣብ ግምት ብምእታው: ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ።—እብራውያን 11:6

ኣብዚ እዋን ዕግርግር ብሕጂውን ምስ ኣምላኽ ተመላለስ

11. ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኢና እንመስሎም፧

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ” ተባሂሎም እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 9:2) ብምሉኡ ናብራ ህይወቶም ኣብ የሆዋን ኣብ የሱስ ክርስቶስን ንዘላቶም እምነት ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። በቲ ጐይታኦም ዝገደፈሎም መገዲ ኸኣ እዮም ተመላሊሶም። ሎሚ ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት እውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።

12. የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ንብዙሓት ሰባት ምስ መገበ እንታይ ኣጋጠመ፧

12 ኣገዳስነት እምነት ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ዜጋጠሞ ነገር ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኣስታት 5,000 ሰብኣይ ዚርከብዎም እኩባት ሰባት መገበ። እቶም ሰባት በዚ ተገረሙን ተሓጐሱን። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ንርአ። ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረአዩ፤ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ: በሉ። የሱስ ድማ: መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ: ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ።” (ዮሃንስ 6:10-15) በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ካልእ ቦታ ኣግለሰ። የሱስ ንጉስ ከይከውን ምእባዩ: ንሓያሎ ሰባት ኣጕህይዎም እዩ። ከመይሲ: ብጥበብ ዝመጸ ንጉስ ኪኸውን ከም ዚበቅዕን ብስጋዊ ነገራት ዝመጸውን ንሰባት ዜድልዮም ነገራት ኬማልኣሎም ከም ዚኽእልን ኣርእዩ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ የሆዋ ንጉስ ኰይኑ ንኺገዝእ ዝመደበሉ ግዜ ገና ኣይኣኸለን ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን መንግስቱ ሰማያዊት ደኣ እምበር: ምድራዊት ኣይኰነትን።

13, 14. ብዙሓት እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም እዮም እተቓልዑ: እምነቶም እተፈተነትከ ብኸመይ እያ፧

13 ይኹን እምበር: እቶም ሰባት ንየሱስ ሰዓብዎ: ከምቲ ዮሃንስ ገሊጽዎ ዘሎ ድማ “ኣብ ስግር ባሕሪ” ረኸብዎ። ከየንግስዎ ኣብይዎም ክነሱ ስለምንታይ እዮም ስዒቦምዎ፧ መብዛሕትኦም ነቲ የሆዋ ኣብ ግዜ ሙሴ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝገበረሎም ስጋዊ ነገራት ብምጥቃሶም: ከይተፈለጦም ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዝነበሮም ኣግሃዱ። እዚ ኸኣ የሱስ ብቐጻሊ ስጋዊ ነገራት ኬማልኣሎም እዮም ዚደልዩ ነይሮም ማለት እዩ። ስለዚ: የሱስ ነቲ ግጉይ ድራኸኦም ፈለጦ: ነተሓሳስባኦም ኬዕሪ ዚኽእል መንፈሳዊ ሓቅታት ኪምህሮም ጀመረ። (ዮሃንስ 6:17, 24, 25, 30, 31, 35-40) ገሊኣቶም ኣዕዘምዘሙ: ብፍላይ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም: ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ: ህይወት ከም ዜብልኩም: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኼተንስኦ እየ” ኢሉ ምስ ተዛረቦም ከኣ ኣይተሓጐሱን።—ዮሃንስ 6:53, 54

14 ምስላታት የሱስ: ሰባት ብሓቂ ምስ ኣምላኽ ኪመላለሱ ዚደልዩ ምዃኖም ወይ ዘይምዃኖም ንኼርእዩ ዜለዓዕሎም እዩ ነይሩ። እዚ ምስላ እዚውን ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን። ሓያል ስምዒታት ከም ዚገልጹ ድማ ገበሮም። ብዛዕባ እቲ ድሕርዚ ዝዀነ ነገር ከምዚ ዚስዕብ ነንብብ:- “ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፤ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ: መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ።” የሱስ መንፈሳዊ ትርጕሙ ኺርድእዎ ኸም ዘለዎም ገለጸሎም። “መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር: ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት: መንፈስ እየን ህይወትውን እየን” በሎም። ብዙሓት ግን ኣይሰምዕዎን: እቲ ጸብጻብ እውን ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።”—ዮሃንስ 6:60, 63, 66

15. ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ እንታይ ቅኑዕ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮም፧

15 ይኹን እምበር: ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣይኰኑን ንድሕሪት እተመልሱ። እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተረድእዎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ኣብ የሱስ ዝነበሮም እምንቶ ኣየጥፍኡን። ሓደ ኻብቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ዝነበረ ጴጥሮስ: “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ብምባል ንስምዒት እቶም ኵሎም ካብ ምስዓቡ ዘይተመልሱ ደቀ መዛሙርቲ ገለጸ። (ዮሃንስ 6:68) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽንስዕቦ ዚግብኣና ብሉጽ ኣረኣእያ ዀን እዩ!

16. ንሕና ብኸመይ ኢና ኽንፍተን እንኽእል፧ እንታይ ግቡእ ኣረኣእያኸ ኢና ኸነሕድር ዘሎና፧

16 ሎሚውን ንሕና ምስቲ ሰዓብቲ የሱስ እተፈተንሉ መገዲ ብዚመሳሰል ክንፍተን ንኽእል ኢና። መብጽዓታት የሆዋ ኣብቲ ብውልቅና እንደልዮ እዋን ቀልጢፉ ብዘይምምጻኡ ተስፋ የቝርጸና ይኸውን። ኣብቲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዚዳሎ ጽሑፋትና ንጥቕስታት ዚወሃብ መግለጺ ንምርድኡ ዜጸግም ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ገሊኦም ክርስትያናት ብጾትና ዚገብርዎ ነገራት የጕህየና ይኸውን። በዚ ነገራት ወይ ብኻልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣመኽኒና ምስ ኣምላኽ ካብ ምምልላስ ከነቋርጽሲ ቕኑዕ ድዩ፧ ኣይፋሉን! እቶም ንየሱስ ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ደቀ መዛሙርቲ: ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኣሕዲሮም ምንባሮም ተቓሊዖም እዮም። ንሕና ግን ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኸነሕድር የብልናን።

‘ምስቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን’

17. ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ቅዱሳት ጽሑፋት “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ጽሒፉ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ብንጹር “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ ይነግረና እዩ። (ኢሳይያስ 30:21) ቃል ኣምላኽ ምሕላውና: ‘ከመይ ብጥንቃቐ ኸም እንመላለስ ንኽንምልከት’ ይሕግዘና። (ኤፌሶን 5:15) መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ምስትንታንን: ‘በታ ሓቂ ንኽንመላለስ’ የኽእለና። (3 ዮሃንስ 3) ከምቲ የሱስ ዝበሎ: ብሓቂ እቲ “መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር: ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።” ስጕምትና ንምምራሕ ዜተኣማምነና እንኮ መምርሒ: እቲ ብቓል የሆዋን ብመንፈሱን ብማሕበሩን ኣቢሉ ዚመጽእ መንፈሳዊ መምርሒ እዩ።

18. (ሀ) ገሊኦም ብዕሽነት እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ (ለ) ንሕና ኸመይ ዝበለት እምነት ኢና እነማዕብል፧

18 ኣብዚ ግዜና: እቶም ብሰንኪ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ወይ ብሰንኪ ዘይተፈጸመ ትጽቢታቶም ዚጕህዩ ሰባት: ንድሕሪት ተመሊሶም ነቲ ዓለም እትህቦም ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ይጽዕሩ እዮም። ነቲ ብዛዕባ ህጹጽነት ዝነበሮም ስምዒት ብምጥፋኦም: ‘ነቒሖም’ ኪከታተሉ ኸም ዜድልዮም ኣየስተውዕሉን እዮም፣ ኣብ ህይወቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ዚህቡ ኸኣ ስስዐ ዝመልኦ ሸቶታት ይስዕቡ። (ማቴዎስ 24:42) በዚ ኸምዚ ምምልላስ ዓብዪ ዕሽነት እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ:- “ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።” (እብራውያን 10:39) ከም ሄኖክን ኖህን ኣብ እዋን ዕግርግር እኳ ንነብር እንተሎና: ምስ ኣምላኽ ኢና እንመላለስ ዘለና። ዕላማ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም: ድሕሪ ቐረባ ግዜ እከይ ከም ዚጠፍእ: ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከኣ ከም እትመጽእ እተረጋገጸ ተስፋ ኣሎና። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!

19. ሚክያስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዚስዕብዎ መገዲ ብኸመይ ገለጾ፧

19 ነብዪ ሚክያስ ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ ህዝቢ ዓለም “ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም” ይብለና። ብዛዕባ ርእሱን ካልኦት እሙናት ኣምለኽትን ኪዛረብ ከሎ ድማ “ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” ይብል። (ሚክያስ 4:5) ንስኻ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ከምቲ ናይ ሚክያስ እንተ ዀይኑ: እቲ ዘለናሉ እዋን ዕግርግር ዝሰፈኖ እኳ እንተዀነ: ንየሆዋ ቕረቦ። (ያእቆብ 4:8) ነፍሲ ወከፍና ምስ የሆዋ ኣምላኽና ሕጅን ንዘለኣለምን ንምምልላስ ልባዊ ባህጊ ይሕደረና!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብ መንጎ እቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረን ኣብዚ ግዜና ዘሎን ኵነታት እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

• ኖህን ስድራቤቱን እንታይ መገዲ እዮም ዝሰዓቡ፧ ብኸመይከ ኢና ንእምነቶም ክንስዕባ እንኽእል፧

• ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም እዮም እተቓልዑ፧

• ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ንኺገብሩ እዮም ቈሪጾም እተላዕሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ: ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ብመዓልታዊ ንጥፈታቶም ተዋሒጦም እዮም ዘለዉ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና: ‘ምስቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን’