ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጀርመንኛ እተዳለወ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ተጠቕመ

ብጀርመንኛ እተዳለወ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ተጠቕመ

ብጀርመንኛ እተዳለወ ጥንታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ተጠቕመ

ኣብቲ ብ1971 ብጀርመንኛ እተዳለወ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም: እቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣሽሓት ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። a እንተዀነ ግን: እቲ መለኮታዊ ስም ብጀርመንኛ ኣብ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ ኣይኰነን ተጠቒሱ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣብቲ ቕድሚ 500 ዓመት ዮሃን ኢክ ብዚበሃል ውሩይ ናይ ሮማ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር እተሓትመ ናይ ጀርመንኛ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ።

ዮሃን ኢክ ብ1486 ኣብ ደቡባዊ ጀርመን እዩ ተወሊዱ። ወዲ 24 ዓመት ካብ ዚኸውን ኣትሒዙ ብ1543 ክሳዕ ዚመውት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢንጎሽታት ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰር ነበረ። ኢክ ኣብቲ ማርቲን ሉተር ዚነበረሉ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ: ክልቲኦም ድማ ክሳዕ እተወሰነ እዋን ኣዕሩኽ ነበሩ። ደሓር ግን ሉተር መራሒ ተሓድሶ ኪኸውን ከሎ: ኢክ ድማ ተጣባቒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኰነ።

መስፍን ባቫርያ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጀርመንኛ ኺትርጕም ንኢክ መዘዞ። እቲ ትርጕም ድማ ብ1537 ተሓትመ። ብመሰረት ኪርኽሊኸስ ሃንትለክሲኮን እቲ ትርጕም ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ እዩ ተዳልዩ: ከምኡውን “ካብቲ ክሳዕ ሕጂ ዝረኸቦ ተፈላጥነት ንላዕሊ ዚግብኦ እዩ።” ኣብቲ ኢክ ዘዳለዎ ትርጕም: ዘጸኣት 6:3 “ኣነ ጐይታ እየ: ንኣብርሃም ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም: ብስመይ ኣዶናይ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን” ትንበብ። ኢክ ነታ ጥቅሲ “ስም ኣዶናይ ጄሆዋ” ኢሉ ኣብ ሕዳግ መብርሂ ወሲኹሉ ኣሎ። ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራን: ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ብጀርመንኛ ኣብ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ኣብዚ ትርጕም እዚ ምዃኑ ይኣምኑ።

ይኹን እምበር: ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ነሽሓት ዓመታት ይፍለጥ ነይሩ እዩ: ከምኡውን ሰባት ይጥቀምሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ግዜ ጥንቲ ብቛንቋ እብራይስጢ “የሆዋ” ነቲ ሓደ በይኑ ኣምላኽ የመልክት ነበረ። (ዘዳግም 6:4 NW) ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣቢሉ ድማ የሱስ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምስ ጠቐሰ ብቛንቋ ግሪኽ እውን ተጠቒሱ እዩ። (ዮሃንስ 17:6) ካብ ሽዑ ንነጀው እዚ ስም እዚ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ተፈሊጡ እዩ: ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ከምቲ ኣብ መዝሙር 83:18 (NW) ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀነ ኺፍለጥ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ፈለማ ብ1961 ብእንግሊዝኛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ። ሕጂ ድማ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ 50 ቛንቋታት ይርከብ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሆዋ ዚብል ኣብ ዘጸኣት 6:3 ዚርከብ ስም ምስ ናይ ሕዳግ መወከሲኡ ዚርከቦ: ብ1558 ኢክ ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ