ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ እዋን ዕግርግር ምስ ኣምላኽ ተመላለስ

ኣብ እዋን ዕግርግር ምስ ኣምላኽ ተመላለስ

ኣብ እዋን ዕግርግር ምስ ኣምላኽ ተመላለስ

“ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ: ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን።”ዘፍጥረት 5:24

1. ገለ ኻብቲ ነዚ ግዜና መግደራ ዝመልኦ ዝገበሮ ነገራት እንታይ እዩ፧

 ዕግርግር! እዛ ቓል እዚኣ ኻብቲ ብ1914 እተፈጸመ ምውላድ መሲሓዊት መንግስቲ ንነጀው ዘሎ ህውከትን ዓመጽን ዝመልኦ ዓመታት ንምግላጽ እትበቅዕ እያ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ወድሰብ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እዩ ዘሎ። ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፍለጥ መጠን ብጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ውግእን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መዓትን ኪጥቃዕ ጸኒሑ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ራእይ 6:1-8) እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ድማ ካብዚ ጸገማት እዚ ሓራ ኣይኰኑን። ይብዛሕ ይውሓድ ብዘየገድስ: ኵላትና ነቲ ኣብዚ እንነብረሉ እዋን ዜጋጥመና ጸገማትን ስግኣትን ክንቃለሶ ኣሎና። ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ኣዝዩ ኸቢድ ጸገማት: ቍጠባዊ ጸቕጥታት: ፖለቲካዊ ናዕቢ: ዓመጻ: ከምኡውን ሕማም ኪጥቀስ ይከኣል።

2. ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧

2 ኣብ ርእሲ እዚውን: ሰይጣን ምስቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ይዋጋእ ስለ ዘሎ: ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ርእሲ መስጐጕቲ: መስጐጕቲ የሕልፉ ኣለዉ። (ራእይ 12:17) ኵላትና ብቐጥታ መስጐጕቲ ዘሕለፍና እኳ እንተ ዘይኰንና: ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ሰይጣን ድያብሎስን ምስቲ ሓያል ጽልዋ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣን ኪቃለሱ ኣለዎም። (ኤፌሶን 2:2፣ 6:12) ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ምስቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ተገዳስነት ዘይብሎም ሰባት ስለ እንራኸብ: በቲ ናይ ዓለም መንፈስ ከይንጽሎ ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና።

ምስ ኣህዛብ ዘይኰነስ: ምስ ኣምላኽ ተመላለስ

3, 4. ክርስትያናት ካብ ዓለም እተፈልዩ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ምስ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ይቃለሱ ነይሮም እዮም: እዚ ኸኣ ካብቶም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዝነበሩ ሰባት እተፈልዩ ገበሮም። ጳውሎስ ነዚ ፍልልይ እዚ ኺገልጾ ኸሎ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እምበኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ: እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር አሎኹ። ንሳቶም: ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም: ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።”—ኤፌሶን 4:17-19

4 እዚ ቓላት እዚ ነታ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረት ኰነ ኣብዚ ግዜና ዘላ ዓለም: ብመንፈሳውን ብስነ-ምግባራውን መዳይ ዘላትሉ ድቕድቕ ጸልማት ብንጹር እዩ ዚገልጾ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት: ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: ‘ከምቲ ኣህዛብ ዚመላለስዎ’ ኣይመላለሱን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: ምስ ኣምላኽ ናይ ምምልላስ ፍሉይ ክብሪ ተዋሂብዎም ኣሎ። ልክዕ እዩ: ገሊኦም ሰባት ሓደ ትሑትን ዘይፍጹምን ሰብ: ብሓቂ ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ይሓቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሰባት ምስ ኣምላኽ ኪመላለሱ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚነግረና። የሆዋ እውን ከምኡ ኺገብሩ እዩ ዚደልዮም። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘመንና: ነብዪ ሚክያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ: “እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ጸሓፈ።—ሚክያስ 6:8

ምስ ኣምላኽ እንመላለስ ብኸመይን ስለምንታይን ኢና፧

5. ዘይፍጹም ሰብ ምስ ኣምላኽ ኪመላለስ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ከመይ ጌርና ኢና ምስቲ ዅሉ ዚኽእልን ዘይርአን ኣምላኽ ክንመላለስ እንኽእል፧ ከምቲ ምስ ሰባት እንመላለሶ ዄንና: ምስኡ ሓቢርና ኽንጐዓዝ ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ምምልላስ” እትብል ቃል: “ሓደ መገዲ ምስዓብ” ዚብል ትርጕም እውን ኪወሃባ ይኽእል እዩ። a በዚ ኣገባብ እዚ ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ተመላሊሱ ኺበሃል ከሎ: ኣብ ህይወቱ በቲ ኣምላኽ ዘንበረሉ መገዲ ይመላለስ ከምኡውን ንዕኡ የሐጕሶ ማለት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ምስዓብ: ካብቶም ኣብ ከባቢና ዚርከቡ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈለና ይገብረና። እንተዀነ ግን: ሓደ ክርስትያን ካብዚ ሓሊፉ ኻልእ ኪስዕቦ ዚግባእ ግቡእ መገዲ የልቦን። ስለምንታይ፧ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ።

6, 7. ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ካብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ቀዳማይ: የሆዋ ፈጣሪናን ምንጪ ህይወትናን ብህይወት ንኽንቅጽል ዜድሊ ዘበለ ዚህበናን እዩ። (ራእይ 4:11) ስለዚ ድማ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ንኺነግረና መሰል ዘለዎ: ንሱ ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ: ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኺጠቕመና ዚኽእል መገዲ እዩ። የሆዋ ነቶም ምስኡ ዚመላለሱ: ሕድገት ሓጢኣት ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ ምድላው ገይሩሎም: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ ሂብዎም ኣሎ። እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ምስኡ ዚመላለሱ: ዘይፍጹማትን ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን እትርከብ ዓለም እናነበሩን ክነሶም ኣብ ናብራ ህይወቶም ኣሳልጦ ንኺረኽቡ ዚሕግዞም ጥበባዊ ምኽሪ ይህቦም እዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15, 16፣ 1 ዮሃንስ 1:8፣ 2:25፣ 5:19) ምስ ኣምላኽ እንመላለሰሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ: ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ኣበርክቶ ስለ ዚገብር እዩ።—ቈሎሴ 3:15, 16

7 እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ግን ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ከለና: ኣብቲ ኣብ ገነት ኤድን እተላዕለ ዓብዪ ጕዳይ: ማለት ኣብቲ ጕዳይ ልዑላውነት: ኣብ ጐድኒ መን ቌምና ኸም ዘለና እነርኢ ምዃንና እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ብናብራ ህይወትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቜምና ኸም ዘለና ነርኢ: ንሱ በይኑ ጥራይ ልዑላዊ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ድማ ብትብዓት ንእውጅ። (መዝሙር 83:18 NW) በዚ ኸምዚ ምስቲ ስም ኣምላኽ ኪቕደስን ፍቓዱ ኪኸውንን እንጽልዮ ጸሎት ተሰማሚዕና ንመላለስ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እቶም ምስ ኣምላኽ ኪመላለሱ ዚውስኑስ ክሳዕ ክንደይ ጥበበኛታት ኰን እዮም! የሆዋ “በይኑ ብዓል ጥበብ” ስለ ዝዀነ: በቲ ቕኑዕ መገዲ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ኸቶ ኣይጋገን እዩ።—ሮሜ 16:26adj.

8. ኖህን ሄኖክን ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዋን ምስዚ ግዜና ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

8 እዚ እንነብረሉ ግዜ: ዕግርግር ዝመልኦን ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ዘይግደሱሉን ካብ ኰነ: ብክርስትያናዊ መገዲ ምምልላስ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ንጽህናኦም ዝሓለዉ እሙናት ሰባት ክንምርምር ከለና: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረክብ ኢና። ካብዚኣቶም ሄኖክን ኖህን ዚበሃሉ ኽልተ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ክልቲኦም ምስዚ ንሕና እንነብረሉ ዘለና ኣብ ዚመሳሰል እዋን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እከይ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ብግዜ ኖህ ምድሪ ብዓመጻን ብጾታዊ ርኽሰትን መሊኣ ነበረት። ኰይኑ ግን: ሄኖክን ኖህን ንመንፈስ እታ ብግዜኦም ዝነበረት ዓለም ብምጽራር: ምስ የሆዋ ተመላሊሶም እዮም። ከመይ ገይሮም እዮም ምስ ኣምላኽ ኪመላለሱ ኽኢሎም፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሄኖክ ዝገደፎ ኣብነት ክንምርምር ኢና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ድማ ኖህ ዝገደፎ ኣብነት ክንምርምር ኢና።

ሄኖክ ኣብ እዋን ዕግርግር ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ

9. ብዛዕባ ሄኖክ እንታይ ሓበሬታ እዩ ዘሎና፧

9 ካብቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ኣምላኽ ከም እተመላለሱ እተጠቕሱ ሰባት: እቲ ናይ መጀመርታ ሄኖክ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ ኸኣ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ: ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ” ይብል። (ዘፍጥረት 5:22) ቀጺሉ እቲ ጸብጻብ: ነቲ ምስ ዕድመና ኺወዳደር ከሎ ነዊሕ: ምስ ዕድመ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ኪወዳደር ከሎ ኸኣ ሓጺር ዝዀነ ዕድመ ሄኖክ ድሕሪ ምጥቃስ: “ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ: ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን” ይብል። (ዘፍጥረት 5:24) የሆዋ ንሄኖክ: እቶም ተጻረርቱ ጕድኣት ቅድሚ ምውራዶም: ካብ ምድሪ ህያዋን ናብ ሞት ኣግዒዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 11:5, 13) ካብዘን ሓጸርቲ ጥቕስታት ሓሊፉ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሄኖክ ዚገልጽ ብዙሕ የልቦን። ይኹን እምበር: ካብቲ ዘሎና ሓበሬታን ካብ ካልእ ነዚ ዚምልከት ነጥብታትን ብምብጋስ: ሄኖክ ዚነብረሉ ዝነበረ ግዜ እዋን ዕግርግር እዩ ነይሩ ንኽንብል እኹል ምኽንያት ኣሎና።

10, 11. (ሀ) ድሕሪ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን: ብልሽውና ዘስፋሕፍሐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሄኖክ እንታይ ትንቢት እዩ ዝሰበኸ፧ እንታይ ምላሽከ እዩ ረኺቡ ኪኸውን ዘለዎ፧

10 ንኣብነት: ኣዳም ድሕሪ ምሕጣኡ: ብልሽውና ኣብ ዘርኢ ወድሰብ ክሳዕ ክንደይ ቀልጢፉ ኸም ዘስፋሕፍሐ እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳም ዝዀነ ቃየል: ንኣቤል ሓዉ ምስ ቀተሎ: ካብ ሰባት ቀዳማይ ቀታል ሰብ ኰነ። (ዘፍጥረት 4:8-10) ኣቤል ምስ ተቐትለ: ኣዳምን ሄዋንን ካልእ ወዲ ወለዱ: ስሙ ድማ ሴት በልዎ። ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚብል ነንብብ:- “ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።” (ዘፍጥረት 4:25, 26) እቲ ዜሕዝን: እዚ “ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ” ተባሂሉ ዘሎ ብናይ ክሕደት መገዲ እዩ። b ሄኖስ ከይተወልደ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ: ካብ ዘርኢ ቃየል ዝዀነ ላሜክ ንኽልተ ኣንስቱ መዝሙር ኣቀናበረለን: ኣብቲ መዝሙሩ ኸኣ ንሓደ ዘቝሰሎ ጐበዝ ከም ዝቐተለ ገለጸ። “ንቃየል ሾብዓተ ካዕበት ሕነ እንተ ዝፈደዮስ: ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት” ኢሉ ድማ ኣጠንቀቐ።—ዘፍጥረት 4:10, 19, 23, 24

11 እዚ ተገሊጹ ዘሎ ሓቅታት: እቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤድን ዘተኣታተዎ ብልሽውና: ኣብ ዘርኢ ኣዳም ቀልጢፉ እከይ ከም ዜስፋሕፍሕ ምግባሩ እዩ ዚሕብረና። ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም: ሄኖክ ነብዪ የሆዋ ነበረ። እቲ ቓላቱ ድማ ክሳዕ ሕጂ ጽልዋ ኣለዎ። ሄኖክ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኸም እተነበየ ይሁዳ ገሊጹ ኣሎ:- “እነሆ: ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ አእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ: ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ።” (ይሁዳ 14, 15) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኣርማጌዶን ናይ መወዳእታ ፍጻሜአን ኪረኽባ እየን። (ራእይ 16:14, 16) እንተዀነ ግን: ብግዜ ሄኖክ እውን ከይተረፈ: ነቲ እተነበዮ ሰሚዖም እተቘጥዑ ብዙሓት “ሓጥኣንን ገፋዕትን” ነይሮም እዮም። የሆዋ ነዚ ነብዪ እዚ ኣብ ኪረኽብዎ ዘይክእሉ ቦታ ምውሳዱስ ክሳዕ ክንደይ ፍቕራዊ ዀን እዩ!

ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ንኺመላለስ ዘበራትዖ እንታይ እዩ፧

12. ሄኖክ ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት እተፈልየ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

12 ኣብ ገነት ኤድን: ኣዳምን ሄዋንን ንሰይጣን ሰምዕዎ: ኣዳም ከኣ ካብ የሆዋ ዓለወ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣቤል ወዶም እተፈልየ መገዲ ሰዓበ: የሆዋ ድማ ብእኡ ባህ በሎ። (ዘፍጥረት 4:3, 4) እቲ ዜሕዝን ግን: መብዛሕትኦም ዘርኢ ኣዳም ከም ኣቤል ኣይነበሩን። ይኹን እምበር: እቲ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ እተወልደ ሄኖክ ከም ኣቤል ነበረ። ኣብ መንጎ ሄኖክን ብዙሓት ካልኦት ዘርኢ ኣዳምን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሄኖክ: ሞት ምእንቲ ኸይርኢ: ብእምነት ገዐዘ: ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ: ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ: ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ: ኣይተረኽበን” ብምባል ዝጸሓፎ ነገር ነዚ መልሲ ይህበና። (እብራውያን 11:5) ሄኖክ ክፍሊ እቶም ብሉጽ ኣብነት እምነት ዝሓደጉ: ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ “ደበና ምስክር” እዩ። (እብራውያን 12:1) ሄኖክ ንልዕሊ 300 ዓመት—እዚ ብናይ መብዛሕትና ዕድመ ኽንርእዮ ኸለና: ንልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ዕድሜና—በቲ ቕኑዕ መገዲ ህይወት ጸኒዑ ንኺመላለስ ዝሓገዘቶ እምነት እያ ነይራ።

13. ሄኖክ ከመይ ዝበለት እምነት እያ ዝነበረቶ፧

13 ጳውሎስ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ኢሉ ብምጽሓፍ: ንእምነት ሄኖክን ንእምነት ካልኦት መሰኻኽርን ገለጸ። (እብራውያን 11:1) እወ: እምነት ክትበሃል ከላ: እቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም ዚፍጸም ብመርትዖ ጌርካ ርግጽ ኴንካ ምጽባይ ማለት እያ። ንትጽቢትና ኣዝያ ስለ እትጸልዎ: ኣብ ህይወትና እነተኵረሉ ነገር እውን በዚ ይጽሎ እዩ። ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት: ንሄኖክ እታ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረት ዓለም ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘይትመላለሰሉ ዝነበረ እዋን እኳ ኸይተረፈ: ምስ ኣምላኽ ንኺመላለስ ኣኽኣለቶ።

14. እምነት ሄኖክ ኣብ ምንታይ ርጡብ ፍልጠት እተመስረተት እያ ኽትከውን ነይራ እትኽእል፧

14 ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ርጡብ ፍልጠት እተመስረተት እያ። ሄኖክ እንታይ ፍልጠት እዩ ነይርዎ፧ (ሮሜ 10:14, 17፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:4) ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ነገር ይፈልጥ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምናልባት እውን ኣብ ገነት ኤድን ህይወት ከመይ ምንባሩ ሰሚዑ ይኸውን: እታ ገነት ድማ ሽሕኳ ሰባት ከይኣትውዋ እንተ ተኸልከለት: ምናልባት ክሳዕ ሽዑ ነይራ ትኸውን። (ዘፍጥረት 3:23, 24) ዘርኢ ኣዳም ንምድሪ ኺመልእዋን ንብምልእታ ኸኣ ከምታ ናይ መጀመርታ ገነት ኪገብርዋን ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ዘፍጥረት 1:28) ኣብ ልዕሊ እዚ: ሄኖክ ነቲ የሆዋ ንርእሲ ሰይጣን ንኺጭፍለቕን ሰይጣን ዘስዓቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ንኼወግድን ኢሉ ዘርኢ ኸም ዜምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 3:15) እወ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ይሁዳ ዚርከብ ሄኖክ ብመንፈስ ተደሪኹ እተነበዮ ትንቢት: ምስቲ ጥፍኣት ዘርኢ ሰይጣን እተተሓሓዘ ኪኸውን ኣለዎ። ሄኖክ እምነት ስለ ዝነበረቶ: ንየሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ተኣማሚኑ ኸም ዘምለኾ ንፈልጥ ኢና። (እብራውያን 11:6) ስለዚ: ሄኖክ ኵሉ እቲ ንሕና ዘሎና ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበሮ: ድልድልቲ እምነት ንምምስራት ግን እኹል ፍልጠት ነይርዎ እዩ። በዛ ኸምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ከኣ: ኣብቲ እዋን ዕግርግር ንጽህናኡ ሓለወ።

ንሄኖክ ምሰሎ

15, 16. ኣብነት ሄኖክ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ኣብዚ ግዜና ኣብ ዘሎ ዕግርግር እውን ከም ሄኖክ ንየሆዋ ኸነሐጕስ ስለ እንደሊ: ኣብነት ሄኖክ ክንስዕብ ኣሎና። ርጡብ ፍልጠት የሆዋን ዕላማታቱን ከነጥሪ ኸምኡውን ክንዕቅቦ ኣሎና። እዚ ጥራይ ግን እኹል ኣይኰነን። እቲ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ዘሎና ርጡብ ፍልጠት ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ህይወትና ንኺመርሓና ኸነፍቅደሉ የድልየና። (መዝሙር 119:101፣ 2 ጴጥሮስ 1:19) ንኣምላኽ ወትሩ ብሓሳብና ዀነ ብተግባርና ኸነሐጕሶ እናጸዓርና: በተሓሳስባ ኣምላኽ ክንምራሕ የድልየና።

16 ብግዜ ሄኖክ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት ምንባሮም ዚገልጽ መዝገብ የብልናን። እንተዀነ ግን: ንኣምላኽ ዜገልግል ሄኖክ በይኑ ምንባሩ ወይውን ሒደት ጥራይ ምንባሮም ንጹር እዩ። ንሕናውን ምስ ዓለም ክንርአአ ኸለና ሒደት ኢና። በዚ ግን ኣይንድሃልን ኢና። መንነት እቲ ዚጻረረና ብዘየገድስ: የሆዋ ኺድግፈና እዩ። (ሮሜ 8:31) ሄኖክ ብዛዕባ እቲ ኣብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ዚመጽእ ጥፍኣት ብትብዓት ኣጠንቂቑ እዩ። ንሕናውን ላግጽን ምጽራርን መስጐጕትን እኳ እንተ ኣጋጠመና: ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ብትብዓት ኢና እንሰብኽ። (ማቴዎስ 24:14) ሄኖክ ማዕረ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብህይወት ኣይጸንሐን። እንተዀነ ግን: ተስፋኡ ኣብታ ዓለም እቲኣ ኣይገበረን። ኣብ ዝበለጸ ነገር እዩ ዜተኵር ነይሩ። (እብራውያን 11:10, 35) ንሕናውን ኣብቲ ፍጻመ ዕላማ የሆዋ ኢና እነተኵር። ስለዚ: ነዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዘይተጠቐምናላ ዄንና ኢና እንመላለስ። (1 ቈረንቶስ 7:31) ኣብ ክንዳኡስ: ጕልበትናን ጥሪትናን ብቐዳምነት ነገልግሎት የሆዋ ኢና እንጥቀመሉ።

17. ሄኖክ ዘይፈልጦ ዝነበረ እንታይ ፍልጠት እዩ ዘሎና፧ ስለዚ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 ሄኖክ: እቲ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ዘርኢ: ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኸም ዚመጽእ እምነት ነበረቶ። እቲ ዘርኢ: ማለት የሱስ ክርስቶስ ካብ ዚመጽእ: በጃ ኻብ ዚኸውን: ከምኡውን ንዓናን ንኸም ሄኖክ ዝኣመሰሉ ጥንታዎት እሙናት መሰኻኽርን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺወርሱ መገዲ ኻብ ዚኸፍት ዳርጋ 2,000 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ዘርኢ እዚ ሕጂ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ: ንሰይጣን ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርብይዎ እዩ: ናይዚ ሳዕቤን ድማ እዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ጸበባ እዩ። (ራእይ 12:12) እወ: ካብቲ ሄኖክ ኪፈልጦ ዚኽእል ዝነበረ ኣጸቢቑ ዚዛይድ ፍልጠት ኪህልወና ይኽእል እዩ። እምበኣር: ከምኡ ድልድልቲ እምነት ትሃልወና። መብጽዓታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ዘሎና ምትእምማን: ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ይጸልዎ እዩ። እወ: ንሕናውን ከም ሄኖክ ኣብ እዋን ዕግርግር ንነብር እኳ እንተሎና: ምስ ኣምላኽ ንመላለስ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 1ይ ጥራዝ: ገጽ 220: ሕጡብ ጽሑፍ 6 ተወከስ።

b ቅድሚ እቲ ሄኖስ እተወልደሉ እዋን: የሆዋ ንኣዳም ተዛሪብዎ እዩ። ኣቤል ንየሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ኣቕሪቡሉ እዩ። ቃየል ብቕንኢ ተላዒሉ ቕትለት ቅድሚ ምፍጻሙ እውን ከይተረፈ: ኣምላኽ ተዛሪቡዎ እዩ። ስለዚ: እዚ “ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ” ዚብል መግለጺ: ብንጹህ ኣምልኾ ዘይኰነስ ብኻልእ መገዲ ኪኸውን ኣለዎ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ሄኖክ ኣብ እዋን ዕግርግር እናነበረ ኽነሱ ምስ ኣምላኽ ንኺመላለስ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧

• ንሄኖክ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሄኖክ ብእምነት “ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ”

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መብጽዓታት የሆዋ ኸም ዚፍጸም ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን ኢና

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Woman, far right: FAO photo/B. Imevbore; collapsing building: San Hong R-C Picture Company