ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እሙን ምዃን ረብሓታት የምጽእ

እሙን ምዃን ረብሓታት የምጽእ

እሙን ምዃን ረብሓታት የምጽእ

ኣብ ገለ ዓድታት ቈልዑ ኣብ ክዳን መጻውቶም ጠነግ ኬልግቡ ባህ ይብሎም እዩ። እቲ ጠነግ ሓንሳእ ኣብ ክዳን ምስ ለገበ: እቲ ሰብ ዋላ ይንቀሳቐስ: ይጕየ: ይዝለል ብዘየገድስ ነቲ ጠነግ ኬልግሶ ኣይኽእልን እዩ። በብሓደ እዩ ኺኣርዮ ዘለዎ። እዚ ንቘልዑ ባህ ዜብል መዘናግዒ እዩ።

ርግጽ እዩ: ኣብ ክዳኑ ጠነግ ኪለግቦ ዚደሊ ዅሉ ሰብ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኵሉ ሰብ ግን በቲ ጠነግ ዘለዎ ናይ ምልጋብ ክእለት ይግረም እዩ። ሓደ እሙን ዝዀነ ሰብ ድማ ተመሳሳሊ ባህሪ እዩ ዘለዎ። ከመይሲ: ነባሪ ዝምድና እዩ ዚምስርት። ዋላ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ካብቲ እቲ ዝምድና ዜምጽኦ ሓላፍነታትን ግዴታትን ፈጺሙ ኣይርሕቕን እዩ። እታ “ተኣማንነት” እትብል ቃል ሓቅነትን ተወፋይነትን እያ እተመልክት። ካልኦት ሰባት ንዓኻ እሙናት ኪዀኑ ትደሊ ትኸውን: ንስኻኸ ንኻልኦት ሰባት እሙን ንምዃን ብእተኻእለካ መጠን ትጽዕር ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ: ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧

ተኣማንነት ኣብ ሓዳር ዘለዎ ኣገዳስነት

ኣብ ሓዳር ተኣማንነት ኣዝዩ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: እቲ ዜሕዝን ግን ኣብ መብዛሕትኡ የልቦን። ብሓንሳብ ንኺነብሩን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ጽቡቕ ንኺገብሩን ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ብተኣማንነት ሓልዮም ዚቕጽሉ ሰብኣይን ሰበይትን ሓጐስን ቅሳነትን ይረኽቡ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ደቅሰብ ብተፈጥሮኦም ካልኦት ሰባት ንዕኦም እሙናት ኪዀኑ ንሳቶም እውን ንኻልኦት ተኣማንነት ኬርእዩ ድሌት ኣለዎም። ናይ ኣዳምን ሄዋንን ሓዳር ኣብ ገነት ኤድን ኪምስረት ከሎ: ኣምላኽ “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” በለ። ብተመሳሳሊውን ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ኽትጠብቕ ነበራ። ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑን ኪተሓባበሩን ነበሮም።—ዘፍጥረት 2:24፣ ማቴዎስ 19:3-9

ርግጽ እዩ: እዚ ኣስታት ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እተነግረ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓዳር እሙን ምዃን ግዚኡ ዝሓለፎ እዩ ማለት ድዩ፧ መብዛሕትኡ ሰብ ኣይፋልን ኢሉ እዩ ዚምልስ። ኣብ ጀርመን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ 80 ሚእታዊት ዝዀኑ: ተኣማንነት ኣብ ሓዳር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገሊጾም። ንሰብኡትን ነንስትን ባህ ዜብሎም ባህሪ እንታይ ከም ዝዀነ ንምፍላጥ ካልኣይ መጽናዕቲ ተገይሩ ነይሩ። ሓደ ጕጅለ ሰብኡት: ኣንስቲ ኻብ ዜርእያኦ ነቲ ኣዝዮም ዚንእድዎ ሓሙሽተ ባህርያት ኪጠቕሱ ተሓተቱ። ሓንቲ ጕጀለ ኣንስቲ ኸኣ ሰብኡት ካብ ዜርእይዎ ነቲ ኣዝየን ዚንእዳኦ ሓሙሽተ ባህርያት ኪጠቕሳ ተሓተታ። ካብቲ መልሶም ከም እተራእየ ሰብኡት ኰነ ኣንስቲ እቲ ኣዝዮም ዚንእድዎ ባህሪ ተኣማንነት እዩ።

እወ: ተኣማንነት ንዕዉት ሓዳር ድልዱል መሰረት እዩ። ይኹን እምበር: ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ ተኣማንነት ብዙሕ ዚዝረበሉ: ግን ከኣ ኣብ ግብሪ ዘይውዕል እዩ። ንኣብነት: ኣብ ብዙሕ ዓድታት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ፍትሕ: ጥልመት እናበዝሐ ይኸይድ ከም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ሰብ ሓዳር ነዚ ዝንባለ እዚ ተቓሊሶም እሙናት ኰይኖም ኪቕጽሉ ዚኽእሉ ግን ብኸመይ እዮም፧

ተኣማንነት ንሓዳር የደልድሎ

ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ውፉያት ከም ዝዀኑ ንኼረጋግጹ ምስ ዚጽዕሩ እዮም እሙናት ምዃኖም ዜርእዩ። ንኣብነት: ኣብ ክንዲ ‘ናተይ:’ ‘ናትና’ ምባል ዝሓሸ እዩ። እዚ ኸኣ ‘ኣዕሩኽትና:’ ‘ደቅና:’ ‘ገዛና:’ ‘ተመክሮና:’ ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት የጠቓልል። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ብዛዕባ መንበሪ ገዛ: ስራሕ: ኣተዓባብያ ቘልዑ: መዘናግዒ: ወይ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ብዚምልከት መደብ ኬውጽኡን ውሳነ ኺገብሩን ከለዉ: ንስምዒትን ኣረኣእያን ብዓል ሓዳሮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም።—ምሳሌ 11:14፣ 15:22

እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ተደላዪ ምዃኑ ኸም ዚስምዖ ብምግባር እውን ተኣማንነት ምርኣይ ይከኣል እዩ። እተመርዓዉ ሰባት: እቲ ሓደ ምስ ካልእ ኣንጻር ጾታ ዘየድሊ ምቅርራብ ምስ ዜርኢ: እቲ ኻልኣይ ምትእምማን ኣይስምዖን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ‘ምስ ሰበይቲ ንእስነቶም’ ኪጠብቁ እዩ ዚምዕድ። ሓደ ሰብኣይ ካብ ብዓልቲ ቤቱ ወጻኢ: ካልእ ሰበይቲ ትዅረት ክትህቦ ኺብህግ የብሉን። ምስ ካልእ ሰበይቲ ጾታዊ ርኽሰት ኪፍጽም ድማ ኣይግብኦን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን: ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር” ብምባል የጠንቅቐና። እታ ሰበይቲ እውን ብተመሳሳሊ ተኣማንነት ከተርኢ ኣለዋ።—ምሳሌ 5:18፣ 6:32

ኣብ ሓዳር እሙን ንምዃን ምጽዓርሲ ረብሓ የምጽእ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ሓዳሮም ሰላማውን ዱልዱልን ይኸውን: ከምኡውን ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ረብሓ ይረኽቡ። ንኣብነት: ሰብኣይ ንሰበይቱ ጽቡቕ ንምግባር ዚጽዕር እንተ ዀይኑ: ንሳ እውን ቅሳነት ስለ ዚስምዓ ዚነኣድ ባህሪ ተንጸባርቕ። እዚ ንሰብኡት እውን ይዓዪ እዩ። እቲ ሰብኣይ ብእተኻእሎ መጠን ንሰበይቱ እሙን ንምዃን ዚገብሮ ጻዕሪ: ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወቱ ጽድቃዊ ስርዓታት ንኼንጸባርቕ ይሕግዞ እዩ።

ሰብኣይን ሰበይትን ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ኣብ መንጎኦም ዘሎ ተኣማንነት ክልቲኦም ቅሳነት ከም ዚስምዖም ይገብር። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ሓዳሮም ተኣማንነት ዘየርእዩ ሰባት ጸገም ምስ ዜጋጥሞም: መብዛሕትኡ እዋን ወይ ብምፍልላይ ወይ ድማ ብምፍታሕ እዮም ነቲ ጸገም ዚፈትሕዎ። ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ጸግም ዚፈትሖ መሊሱ እዩ ኻልእ ጸገም ዜምጽእ። ኣብ 1980ታት ሓደ ውሩይ ኣማኻሪ ቕዲ ኽዳውንቲ ኻብ ሰበይቱን ደቁን ተፈላለየ። እሞኸ ንጽል ኰይኑ ብምንባር ሓጐስ ረኺቡዶ፧ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ካብ ስድራኡ ብምፍልላዩ: “ጽምዋ ይስምዓኒ: ሰላም የብለይን: ለይቲ ድማ ንደቀይ ደሓን ሕደራ ኽብለን ስለ ዝደሊ ድቃስ ይኣብየኒ” ኢሉ ገለጸ።

ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዚርአ ተኣማንነት

ወለዲ ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት እንተ ዀይኖም: ደቆም እውን ካብኣቶም ተኣማንነት ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ተኣማንነትን ፍቕርን ኣብ ዘለዎ ስድራ ቤት ዝዓበዩ ቘልዑ: ደሓር ኣብ ህይወቶም ንብጸይቶም ሓልዮት ምርኣይ ከምኡውን ወለዶም ምስ ኣረጉ ምክንኻን ቀሊል እዩ ዚዀነሎም።—1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8

ርግጽ እዩ: ወለዲ ጥራይ ኣይኰኑን ኵሉ ሳዕ ዚኣልዮም ዚደልዩ። ሓድሓደ ግዜ ውሉድ እውን ፍሉይ ክንክን የድልዮ እዩ። ሀርበርትን ገርትሩድን ዚበሃሉ ኻብ 40 ዓመት ንላዕሊ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም። ዲትማር ዚበሃል ወዶም ዕድሚኡ ምሉእ ንጭዋዳታት ብዜማህምን ሕማም ይሳቐ ነበረ። ኣብ ሕዳር 2002 ቅድሚ ሙማቱ ንሸውዓተ ዓመት ለይትን መዓልትን ዘየቋርጽ ክንክን የድልዮ ነበረ። ወለዱ ድማ ነዚ ኣማሊኦምሉ እዮም። ኣብ ገዛኦም ናይ ሕክምና መሳርሒ ኣምጽኡ: ንሳቶም ድማ ናይ ሕክምና ስልጠና ወሰዱ። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኣብ መንጎ ስድራቤት ዘሎ ተኣማንነት ኰን እዩ!

ተኣማንነት ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ዘለዎ ኣገዳስነት

ቢርዪት እትበሃል ሓንቲ ሰበይቲ “ሰብ ብዘይ ብጻይ ኪነብር ይኽእል እዩ። ብዘይ ዓርኪ ግን ኪነብር ኣይክእልን እዩ” በለት። ንስኻውን በዚ ትሰማማዕ ትኸውን። ብዓል ሓዳር ኵን ንጽል ብዘየገድስ: እሙን ዓርኪ ንልብኻ ባህ የብሎ እዩ። ርግጽ እዩ: እተመርዓኻ እንተ ዄንካ: ብጸይትኻ እያ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ኽትከውን ዚግብኣ።

ዓርኪ ዚበሃል ስቕ ኢልካ እትፈልጦ ሰብ ኣይኰነን። ብዙሓት እንፈልጦም ሰባት ይህልዉ ይዀኑ። ንኣብነት: ጐረባብትና: መሳርሕትና: ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ምስ ሰባት ንፋለጥ ኢና። ናይ ሓቂ ዕርክነት ንምምስራት ግን ግዜን ጕልበትን ስምዒታዊ ምትእስሳርን የድሊ እዩ። ዓርኪ ምዃን ክብሪ እዩ። ዕርክነት ረብሓታት ዘለዎ እኳ እንተዀነ: ሓላፍነታት ግን የሰክም እዩ።

ምስ ኣዕሩኽትና ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪህልወና ኣለዎ። እዚ ድማ ከከም ኣድላይነቱ ኺግበር ይከኣል እዩ። ቢርዪት “ኣነ ወይ መሓዛይ ሽግር እንተ ኣጋጢሙና: ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ስልኪ ንደዋወል ኢና። ንኽትሰምዓኒ ፍቓደኛ ምዃና ምፍላጠይ የጸናንዓኒ እዩ” በለት። ናይ ቦታ ርሕቀት ዕርክነት ንኸይምስረት ዕንቅፋት ኪኸውን የብሉን። ኣብ መንጎ እቲ ገርዳን ሄልጋን ዚነብራሉ ቦታ በሽሓት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ርሕቀት እኳ እንተሎ: ንሳተን ግን ካብ 35 ዓመት ንዚዛይድ እዋን ዚቀራረባ ኣዕሩኽ እየን። ገርዳ “ተመክሮታት ንምዝንታውን ሓጐስና ወይ ጓሂና ንምግላጽን ወትሩ ኢና እንጸሓሓፍ። ካብ ሄልጋ ደብዳበ ምስ ዚበጽሓኒ ብሓጐስ እየ ፍንጭሕ ዝብል። ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎና” በለት።

ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ተኣማንነት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ምጕዳል ተኣማንነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዕርክነት እውን ከይተረፈ ኼፍርሶ ይኽእል እዩ። ኣዕሩኽ ዝዀኑ ሰባት ንሓድሕዶም ምስጢሮም ይነጋገሩ እዮም። ዓርኮም ከየቈናጽቦም ወይ ምስጢሮም ከየውጽኣሎም ከይፈርሁ: ናይ ልቦም ይገልጹ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ይብል።—ምሳሌ 17:17

ኣዕሩኽትና ኣብ ኣተሓሳስባና: ኣብ ስምዒትና: ከምኡውን ኣብ እንገብሮ ነገራት ጽልዋ ስለ ዜሕድሩ: እቶም ኣዕሩኽ እንገብሮም ሰባት ከማና ዓይነት ኣነባብራ ኺህልዎም ኣለዎ። ንኣብነት: ሓደ ዓይነት እምነት: ስነ-ምግባራዊ ኣረኣእያ: ከምኡውን ነቲ ቕኑዕን ጌጋን ኣብ ምፍላይ ሓደ ዓይነት መለክዒታት ምስ ዘለዎም ሰባት ኢና ዕርክነት ክንምስርት ዘሎና። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ኣብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ይሕግዙኻ እዮም። ብዘይካ እዚ መለክዒታቶም ኰነ ስነ-ምግባሮም ምስ ናትካ ምስ ዘይሰማማዕ ሰባት ንምንታይ ትቐርብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥዑያት ኣዕሩኽ ምምራጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ኪገልጽ ከሎ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ይብል።—ምሳሌ 13:20

ተኣማንነት ክትመሃሮ ዚከኣል እዩ

ሓደ ቘልዓ ጠነግ ብኸመይ ኣብ ክዳን ሰብ ከም ዚለግብ ሓንሳእ ምስ ፈለጠ: መመሊሱ እዩ ብእኡ ኺጻወት ዚደሊ። እሙን ዝዀነ ሰብ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ከመይሲ: ተኣማንነት ብዝያዳ ምስ እነርኢ: ወትሩ እሙናት ንምዃን ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። ሓደ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ተኣማንነት ዜርኢ እንተ ዀይኑ: ደሓር ምስ ካልኦት ዕርክነት ምስ ዚምስርት እሙን ምዃን ቀሊል ይዀነሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ድልዱል ዕርክነት ኣብ ሓዳር ተኣማንነት ንኺህሉ መሰረት ይኸውን። ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕርክነት እሙን ንኪኸውን ይሕግዞ።

የሱስ እታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ: ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓሳብናን ብዅሉ ሓይልናን ምፍቃር ከም ዝዀነት ገሊጹ እዩ። (ማርቆስ 12:30) እዚ ማለት ድማ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ክንከውን ኣሎና። ንየሆዋ ኣምላኽ እሙን ምዃን ብዙሕ ዓስቢ የምጽእ እዩ። ፈጺሙ ኣይኪገድፈናን ወይ ኣይኬጕህየናን እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ እሙን እዩ” ይብለና። (1 ቈረንቶስ 1:9) ብርግጽ እምበኣር ንኣምላኽ እሙን ምዃን ነባሪ ዓስቢ እዩ ዜምጽእ።—1 ዮሃንስ 2:17

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እሙን ዓርኪ ንልብኻ ባህ የብሎ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እሙናት ኣባላት ስድራቤት: ንሓድሕዶም ይተሓላለዩ