ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከም ዓቀይታይ ክርስቶስ መጠን ጸናዕኩ

ከም ዓቀይታይ ክርስቶስ መጠን ጸናዕኩ

ታሪኽ ህይወት

ከም ዓቀይታይ ክርስቶስ መጠን ጸናዕኩ

ዩሪ ካፕቶላ ዘዘንተዎ

ሓደ መኰንን ሰራዊት ሶቭየት “ናይ ብሓቂ እምነት ከም ዘሎካ ሕጂ ኣሚነ” በለኒ። እዘን ካብ ዘይተጸበኽዎ ምንጪ ዝመጻ ቓላት እዚኣተን: ኣብቲ ዜድልየኒ እዋን ኣበርቲዐናኒ እየን። ናይ ነዊሕ ዓመት ማእሰርቲ ኽፍረደኒ ይኽእል ስለ ዝነበረ: ንኺሕግዘኒ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ጽንዓትን ቈራጽነትን ዜድልዮ ነዊሕ ቃልሲ ይጽበየኒ ነበረ።

ብ19 ጥቅምቲ 1962 እየ ተወሊደ: ኣብ ምዕራባዊ ኽፍሊ ዩክረይን ድማ እየ ዓብየ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣቦይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ: ንሱውን ስሙ ዩሪ ይበሃል ነበረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብታ ቝሸትና ፈላሚ ኣምላኺ የሆዋ ዀነ። እንተዀነ ግን: እቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጻረሩ ሰበ-ስልጣን ነቲ ንጥፈታቱ ኣተኰሩሉ።

ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ጐረባብትና በቲ ወለደይ ዜርእይዎ ዝነበሩ ክርስትያናዊ ባህርያትን ንኻልኦት ሰባት ሓለይቲ ብምንባሮምን የኽብርዎም ነበሩ። ወለደይ ኣባይን ኣብ ሰለስተ ኣሓተይን ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዚሓድረና ንምግባር: ነቲ ዚረኽብዎ ኣጋጣሚ ዅሉ ይጥቀምሉ ነበሩ። እዚ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘጋጠመኒ ፈተናታት ክዋጽኣሉ ሓጊዙኒ እዩ። ሓደ ኻብዚ ፈተናታት እዚ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ኣባል እቲ ደቂ ጥቅምቲ ለኒን ዚበሃል ማሕበር ምዃኑ ዜመልክት ባጅ ኪልጥፍ ዝወጸ ትእዛዝ ነበረ። ኣነ ግን ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ነቲ ባጅ ኣይለጠፍኩን በዚ ድማ እተፈለኹ ዀንኩ።—ዮሃንስ 6:15፣ 17:16

ሳልሳይ ክፍሊ ምስ በጻሕኩ ድማ ኵሎም ተመሃሮ ኣባላት ማሕበር ኮምዩኒስት ኪዀኑ ትእዛዝ ወጸ። ሓደ መዓልቲ ናይ ምዝገባ ጽምብል ንምግባር ካብ ክፍልና ወጻእና። ኣደዳ ሕጫጨን ላግጽን ከም ዝኸውን እጽበ ስለ ዝነበርኩ ኣዝየ እየ ፈሪሀ ነይረ። ብዘይካይ ኵሎም ተመሃሮ ኣባላት እቲ ማሕበር ከም ዝዀኑ ዚገልጽ ቀይሕ ሻርባ ኻብ ገዛኦም ሒዞም መጺኦም ነበሩ። ካብኡ ኣብ ፊት እቲ ርእሰ-መምሃራን: መምሃራን: ከምኡውን ካባና ዝዓብዩ ተመሃሮ ተር ኢልና ተሰራዕና። እቶም ዓበይቲ ተመሃሮ ኣብ ክሳድና ነቲ ሻርባ ኺኣስሩልና ምስ ጀመሩ: ዋላ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኸየስተብህለለይ ኢለ ድንን በልኩ።

ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተወሰድኩ

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ ብሰንኪ ክርስትያናዊ ገለልትነተይ ሰለስተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። (ኢሳይያስ 2:4) እታ ናይ መጀመርያ ዓመት ቪኒትስካያ ኣብ እትበሃል ኣውራጃ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ትሩዶቮየ ተኣሰርኩ። ኣብኡ ድማ 30 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብኩ። እቶም ሰበ-ስልጣን ንሓድሕድና ምእንቲ ኸይንራኸብ ኢሎም በብኽልተ ገይሮም ኣብ እተፈላለየ ዕዮ መደቡና።

ኣብ ነሓሰ 1982 ኣነን ኤድዋርድ ዚበሃል ሓውን ምስ ካልኦት እሱራት ናብ ሰሜናዊ ኣኽራን ዩራል ብባቡር ተወሰድና። ናብ ኣብ ኣውራጃ ፐርምስካያ ዚርከብ ሶሊካመስክ ዚበሃል ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ንበጽሕ: ንሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ብርቱዕ ሃሩር ጭቕጭቕ ኢልና ኽንጐዓዝ ነበረና። ኣነን ኤድዋርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ በበይኑ ኽፍሊ ተመደብና። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዞባ ክራስኖቪሸርስኪ ናብ እትርከብ ቭዮልስ እትበሃል ቍሸት ተወሰድኩ።

ኣብኡ ፍርቂ ለይቲ በጻሕና: ግብ ዝበለ ጸልማት ድማ ነበረ። ጸልማት እኳ እንተ ነበረ: ሓደ መኰንን ነቲ ርባ ብጃልባ ኽንሰግሮ ኣዘዘና። ነቲ ርባ ዀነ ነታ ጃልባ ኽንርኢ ኣይከኣልናን። ይኹን እምበር: ሃሰስ ኢልና ነታ ጃልባ ረኺብና እናፈራህና ነቲ ርባ ሰገርናዮ። ናብ ማዕዶ ምስ ሰገርና: ኣብቲ ቐረባ ዝነበረ ዅርባ መብራህቲ ረኣና እሞ ናብኡ ኸድና። ኣብኡ ድማ ሒደት ድንኳናት ረኸብና: እዚኣተን ከኣ መንበሪና ዀና። ኣነ ምስ ካልኦት 30 እሱራት: ብተዛማዲ ኣብ ገፊሕ ድንኳን ንነብር ነበርና። ኣብ ቈራሪ ወርሓት እቲ ዛሕሊ ትሕቲ ዜሮ 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን: እቲ ድንኳን ኣየሙቐናን እዩ ነይሩ። ቀንዲ ዕዮ እቶም ካልኦት እሱራት ኣግራብ ምቝራጽ ኪኸውን ከሎ: ኣነ ድማ ንእሱራት ኣጕዶ እሰርሕ ነበርኩ።

መንፈሳዊ ምግቢ ናብቲ ዝነበርናዮ በጽሐ

ዋላ እኳ ኣብቲ ደምበ ኣነ ጥራይ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ነበርኩ: የሆዋ ግን ኣይገደፈንን። ሓደ መዓልቲ ኻብታ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እትነብር ዝነበረት ኣደይ ሓደ ጥቕላል መጸኒ። እቲ ሓላዊ ነቲ ጥቕላል ከፈቶ እሞ ሓንቲ ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበ። ኣልዒሉ እናገንጸለ ኺርእያ ጀመረ። እዛ ኣዝያ ኽብርቲ ሃብቲ ንኸይትውሰደኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝዛረቦ እናሓሰብኩ ኸለኹ: እቲ ሓላዊ “እንታይ እዩኸ እዚ፧” ኢሉ ሃንደበት ሓተተ። ኣነ ቕድሚ ምምላሰይ ሓደ ጥቓኡ ደው ኢሉ ዝነበረ መርማሪ “እዚ እሞ መዝገበ-ቓላት እዩ” በሎ። ኣነ ድማ ስቕ በልኩ። (መክብብ 3:7) እቲ መርማሪ ነቲ ዝተረፈ ፈቲሹ: ነቲ ጥቕላል ምስታ ኽብርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ሃበኒ። በዚ ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ ገለ ኻብቲ ዝመጸኒ ካዕካዕ ሃብክዎ። እዛ ጥቕላል ምስ በጽሓትኒ: የሆዋ ኸም ዘይረስዓኒ ፈለጥኩ። ከመይሲ ሓጊዙንን ብመንፈስ ዜድልየኒ ነገራት ኣማሊኡለይን እዩ።—እብራውያን 13:5

ብዘይምቍራጽ ሰበኽኩ

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ሓደ ዳርጋ 400 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እተኣስረ ክርስትያን ሓው ደብዳበ በጽሓትኒ። ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብኣይ ምናልባት ኣብቲ ኣነ ዝነበርክዎ ደምበ እንተሎ ኽደልዮ ነገረኒ። ዚበጽሓና ደብዳበታት ይምርመር ብምንባሩ: ከምዚ ዓይነት ግልጺ መልእኽቲ ምጽሓፍ ዘይጥበባዊ እዩ ነይሩ። ካብዚ እተላዕለ ድማ ሓደ መኰንን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ንኸይሰብኽ ከቢድ መጠንቀቕታ ሃበኒ። ካብኡ ብዛዕባ እምነተይ ንኻልኦት ከም ዘይነግር ኣብ ዚገልጽ ሰነድ ክፍርም ኣዘዘኒ። ኣነ ድማ ኵሉ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ስለ ዝፈለጠ ንምንታይ ከም ዝፍርም ኣይተረድኣንን ኢለ መለስኩሉ። ካልኦት እሱራት ስለምንታይ ከም እተኣሰርኩ ኸም ዝሓቱኒ እውን ነገርክዎ። እንታይ ኢለ እየ እሞ ኽምልሰሎም፧ (ግብሪ ሃዋርያት 4:20) እቲ መኰንን ከፈራርሃኒ ኸም ዘይኽእል ምስ ተረድኦ: ምእንቲ ኽርሕቀሉ: ናብ ካልእ ደምበ ኽሰደኒ ወሰነ።

ካብቲ ዝነበርክዎ 200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ቫያ እትበሃል ቍሸት ተወሰድኩ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክርስትያናዊ ኣቕዋመይ ስለ ዘኽበሩለይ: መጀመርያ ጸራባይ ደሓር ድማ ናይ ኤለክትሪክ ሞያተኛ ዀይነ ምስ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይተሓሓዝ ዕዮ ኽዓዪ ጀመርኩ። እዚ ዕዮ እዚ እውን እንተዀነ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ነይርዎ እዩ። ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ናውቲ ሒዘ ናብቲ ኣብቲ ቝሸት ዘሎ መዘናግዒ ስፍራ ክኸይድ ተነግረኒ። ምስ ረኣዩኒ እቶም ኣብቲ መዘናግዒ ስፍራ ዝነበሩ ወተሃደራት ተሓጐሱ። ነቲ እተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣርማታት ዜድምቕ መብራህቲ ተባላሽዩ ነበረ። ዓመታዊ በዓል ቀይሕ ሰራዊት ንምኽባር ይሸባሸቡ ስለ ዝነበሩ ድማ ከዐርየሎም ደለዩ። ብጸሎት ነቲ ጕዳይ ምስ ሓሰብኩሉ: ከምዚ ዓይነት ዕዮ ኸም ዘይዓዪ ነገርክዎም። ነቲ ናውቲ ሂበ ገዲፈዮም ከድኩ። ናብቲ ሓላፊ ኣቕረቡኒ: ንሱ ድማ ነቲ ኽሶም ሰሚዑ: “ብዓል መትከል ስለ ዝዀነ: አኽብሮ እየ” በሎም።

ካብ ዘይትሓስበ ምንጪ እተረኽበ ምትብባዕ

ብ8 ሰነ 1984 ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተፈታሕኩ። ናብ ዩክረይን ምስ ተመለስኩ: ናብቶም ሚሊሽያ ኸይደ እሱር ከም ዝነበርኩ ኽምዝገብ ነበረኒ። እቶም ሰበ-ስልጣን ድሕሪ ሹድሽተ ወርሒ እንደገና ቤት ፍርዲ ምቕራበይ ስለ ዘይተርፍ: ካብቲ ኸባቢ እንተ ረሓቕኩ ኸም ዚሓይሽ ነገሩኒ። ስለዚ: ናብ ላትቭያ ኸይደ ኣብኡ ስራሕ ረኸብኩ። ንእተወሰነ እዋን ምስታ ኣብ ርእሰ-ኸተማ ዝዀነት ሪጋ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጀለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሰብኽን ክእከብን ጀመርኩ። እንተዀነ ግን: ድሕሪ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸዋዕኩ። ኣብቲ ምዝገባ ዚካየደሉ ቤት ጽሕፈት: ነቲ መኰንን ቅድሚ ሕጂውን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝኣበኹ ነገርክዎ። ንሱ ድማ “እንታይ ትገብር ከም ዘለኻ ትፈልጥ ዲኻ፧ ነቲ ሌተና ኮሎነል እንታይ ከም እትብሎ እስከ ኽንርኢ ኢና” ኢሉ ጨደረ።

ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናብ ዚርከብ ክፍሊ ወሰደኒ። ኣብኡ ድማ እቲ ሌተና ኮሎነል ብድሕሪ ነዊሕ ጣውላ ኾፍ ኢሉ ነበረ። ብዛዕባ ኣቕዋመይ ክነግሮ ኸለኹ ጽን ኢሉ ሰምዓኒ እሞ ኣብ ፊት እቲ መዝጋቢ ኮሚተ ቕድሚ ምቕራበይ ነቲ ውሳነይ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ ነገረኒ። ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ሌተና ኮሎነል ክንወጽእ ከለና: እቲ መጀመርያ ገኒሑኒ ዝነበረ መኰንን “ናይ ብሓቂ እምነት ከም ዘሎካ ሕጂ ኣሚነ!” በለኒ። ኣብ ቅድሚ እቲ ወተሃደራዊ ኮሚተ እውን ብዛዕባ ገለልትነተይ እንደገና ገለጽኩ። ንግዜኡ ድማ ክኸይድ ሓደጉኒ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ መዕረፍ ኣጋይሽ እየ ዝነብር ነይረ። ሓደ ምሸት እቲ ማዕጾ ቐስ ኢሉ ዃሕኳሕ በለ። ምስ ከፈትኩ ሓደ ምሉእ ክዳን ተኸዲኑ ቦርሳ ዝሓዘ ሰብ ደው ኢሉ ነበረ። “ካብ ሃገራዊ ጸጥታ እየ መጺአ። ጸገማት ከም ዘሎካን ኣብ ቤት ፍርዲ ኽትቀርብ ምዃንካን እፈልጥ እየ” በለኒ። ኣነ ድማ “እወ: ልክዕ እዩ” በልክዎ። ካብኡ “ምሳና ኽትሰርሕ እንተ ተሰማሚዕካ ኽንሕግዘካ ንኽእል ኢና” በለኒ። “እዚ ፈጺሙ ኣይከውንን እዩ። ንክርስትያናዊ እምነተይ እሙን ኰይነ እየ ዝጸንዕ” በልክዎ። ንኸእምነኒ ኸይፈተነ ኸኣ ተመሊሱ ኸደ።

ናብ ቤት ማእሰርቲ ተመለስኩ: ምስባኽ ድማ ቀጸልኩ

ብ26 ነሓሰ 1986 ሃገራዊ ቤት ፍርዲ ሪጋ ነርባዕተ ዓመት ሸቕሊ ኣብ ዘለዎ ቦታ ንኽእሰር ፈረደኒ። ናብ ማእከላዊ ቤት ማእሰርቲ ሪጋ ኸኣ ተወሰድኩ። ኣብ ሓደ ዓብዪ ኽፍሊ ምስ 40 ኻልኦት እሱራት ተኣሰርኩ። ኣብታ ኽፍሊ ንዝነበሩ እሱራት ድማ ክሰብከሎም ፈተንኩ። ገሊኦም ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ ነገሩኒ: ገሊኣቶም ግን ኣላገጹለይ። ሓደ እዋን እቶም እሱራት በብጕጅለ ኸም ዚእከቡ ኣስተብሃልኩ: ካብኡ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን መራሕቲ እተን ጕጅለታት ናባይ መጺኦም: በቲ ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕጎም ስለ ዘይመላለስ ካብ ሕጂ ንደሓር ክሰብኽ ከም ዘይክእል ነገሩኒ። ኣነ ድማ እቲ ቐንዲ መእሰርየይ እውን ብእተፈልየ ሕጊ ስለ ዝመላለስ ምዃኑ ገለጽኩሎም።

ብጥንቃቐ ምስባኽ ቀጸልኩ። ንመንፈሳዊ ነገራት ድሌት ምስ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ኣብ እንመያየጠሉ እዋን ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይጽሕፍዎ ነበሩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብርቱዕ ሓለዋ ናብ ዚግበረሉ ቫልምየራ ዚበሃል ደምበ ተወሰድኩ። ኣብኡ ድማ ናይ ኤለክትሪክ ሞያተኛ ዀይነ እሰርሕ ነበርኩ። ኣብኡ ኸለኹ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሉ ሓደ ኻልእ ናይ ኤለክትሪክ ሞያተኛ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ።

ኣብ 24 መጋቢት 1988 ካብቲ ብርቱዕ ሓለዋ ዚግበረሉ ደምበ ናብ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኻልእ ደምበ ተወሰድኩ። ኣብኡ ዝያዳ ናጽነት ስለ ዝነበረና: ናይ ሓቂ በረኸት እዩ ነይሩ። ኣብ እተፈላለየ ህንጸት ዚካየደሉ ዝነበረ ቦታታት እናኸድኩ እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ: ንምስባኽ ኣጋጣሚታት አናዲ ነበርኩ። መብዛሕትኡ እዋን ካብቲ ደምበ ርሒቐ ኸይደ ኽሳዕ ዝመሲ ኸገልግል እየ ዝውዕል ነይረ። ናብቲ ደምበ ኽምለስ ከለኹ ድማ ዋላ ሓንቲ ጸግም ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።

የሆዋ እውን ነቲ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ባሪኹለይ እዩ። ኣብቲ ኸባቢ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብታ ኸተማ ግን ብጀካ ቪልማ ክሩሚና እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኻልእ ኣይነበረን። ኣነን ሓብትና ክሩሚናን ምስ ብዙሓት መንእሰያት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና። ሓሓሊፎም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኼገልግሉ ኢሎም ካብ ሪጋ ይመጹ ነበሩ። ገለ ስርዓታውያን ፓይነራት ድማ ካብ ለኒንግራድ (ሕጂ ሰይንት ፒተርስበርግ) ይመጹ ነበሩ። ብሓገዝ የሆዋ ምስ ሓያሎ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና። ኣነ ድማ ኣብ ወርሒ 90 ሰዓት ነቲ ዕዮ ስብከት ብምውዓል: ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ብ7 ሚያዝያ 1990 ጕዳየይ ኣብ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ቫልምየራ እንደገና ተራእየ። እቲ መጋባእያ ነቲ ጕዳየይ ኪሰምዖ ምስ ጀመረ: ነቲ ኣኽባር ሕጊ ኣለለኽዎ። ቅድሚ ሕጂ ምስኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘራሪብና ኔርና። ንሱውን ስለ ዘለለየኒ ፍሽኽ በለ: ግን ዋላ ሓንቲ ኣይበለንን። ኣብቲ መጋባእያ: እቲ ዳኛ “ዩሪ እቲ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንኽትእሰር እተወሰነካ ውሳነ ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ። ገበነኛ ገይሮም ኪፈርዱኻ ኣይነበሮምን” ዝበለኒ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ብሃንደበት ድማ ናጻ ተለቐቕኩ።

ዓቀይታይ ክርስቶስ

ኣብ ሰነ 1990 ኣብ ሪጋ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ እንደገና ናብቲ ምዝገባ ዚካየደሉ ቤት ጽሕፈት ከድኩ። ናብታ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት ነቲ ሌተና ኮሎነል ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይህብ ዝገለጽኩላ ነዋሕ ጣውላ ዘለዋ ቤት ጽሕፈት ኣተኹ። ካብ ኮፍ ዝበለሉ ሓፍ ኢሉ ሰላም በለኒ እሞ “እቲ ዅሉ ዘጋጠመካ ነገር ዜሕፍር እዩ። በዚ ድማ ኣዝየ እየ ዝሓዝን” በለኒ።

ኣነ ድማ “ኣነ ዓቀይታይ ክርስቶስ እየ። ስለዚ: ሓላፍነተይ ክፍጽም ኣሎኒ። ንስኻውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ሓገዝ ኣቢልካ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ እተመባጽዓሎም ዜሐጕስ ህይወትን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ” በልክዎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) እቲ ኮሎነል ከኣ “ኣብዚ ቐረባ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ገዚአ አንብብ ኣለኹ” በለኒ። ነታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ሒዘያ ስለ ዝነበርኩ: ኣብታ ብዛዕባ ምልክታት ዳሕሮት መዓልታት እትገልጽ ምዕራፍ ገንጺለ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣርኣኽዎ። a ካብ ልቡ ኣመስጊኑ እንደገና ሰላም በለኒ: ኣብ ዕዮይ ኣሳልጦ ኽረክብ ድማ ሰናይ ትምኒቱ ገለጸለይ።

ኣብቲ እዋን እቲ ላትቭያ ንዓጺድ ጻዕድያ ነበረት። (ዮሃንስ 4:35) ብ1991 ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ክልተ ሽማግለታት ጥራይ እዮም ነይሮም። ድሕሪ ዓመት እታ ኣብ ላትቭያ ዝነበረት ሓንቲ ጉባኤ ናብ ብላትቭያኛን ብሩስያኛን ዚግበር ክልተ ጉባኤታት ተመቕለት። ኣነ ድማ ኣብታ ብሩስያኛ እትግበር ጉባኤ ኸገልግል ተመደብኩ። ኣዝዩ ብዙሕ ወሰኽ ስለ ዝነበረ: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ጉባኤና ንሰለስተ ተመቕለት። ሕጂ ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ከለኹ: የሆዋ ባዕሉ እዩ ነባጊዑ ናብ ማሕበሩ መሪሕወን።

ብ1998 ካብ ሪጋ ብደቡባዊ ምዕራብ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ጄልጋቫ እትበሃል ከተማ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ ኣብ ጥቓ ሰይንት ፒተርስበርግ: ሩስያ: ኣብ እትርከብ ሶልነችኖዪ: ብሩስያኛ እተገብረ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንኽካፈል ካብ ላትቭያ ንፈለማ ግዜ ተዓደምኩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ኣገልግሎት ዕዉት ንምዃን ንሰባት ብፍቕሪ ምቕራብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ካብቲ ኣብኡ እተመሃርናዮ ነገራት ንላዕሊ ግን እቲ እቶም ስድራ ቤትኤልን መምህራንን ዘርኣዩና ፍቕርን ሓልዮት እዩ ኣዝዩ ኣገሪሙኒ።

ብ2001 ካሪና እትበሃል ሓንቲ ምጭውቲ ክርስትያን ሓብቲ ተመርዓኹ። ካሪና እውን ፍልይቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰነት። መዓልቲ መዓልቲ ብዓልቲ ቤተይ ካብ ግራት ኣገልግሎት ተሓጒሳ ኽትመጽእ ምርኣየይ: ንዓይ የበርትዓኒ እዩ። ብርግጽ: ንየሆዋ ምግልጋል ዓብዪ ሓጐስ የምጽእ እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኮምዩኒስት ዘጋጠመኒ ዜስካሕክሕ ኵነታት ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝእመን ገይሩኒ እዩ። ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት ኪሕልውን ንልዑላውነቱ ኺድግፍን ዚደሊ ሰብ: ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኻብ ምኽፋል ድሕር ኣይብልን እዩ። ካልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኺፈልጡ ምሕጋዘይ: ኣብ ህይወተይ ዕላማ ኸም ዚህልወኒ ገይሩኒ እዩ። ንየሆዋ “ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ” ኰይነ ምግልጋለይ ንዓይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ነርባዕተ ዓመት ክሽቅል ተፈርደኒ: ኣብ ማእከላዊ ቤት ማእሰርቲ ሪጋ ኸኣ ተኣሰርኩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣነን ካሪናን ኣብ ኣገልግሎት ከለና