ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስምዒትና ንምቍጽጻር ዚሕግዘና ነገራት

ስምዒትና ንምቍጽጻር ዚሕግዘና ነገራት

ስምዒትና ንምቍጽጻር ዚሕግዘና ነገራት

ሓድሓደ ግዜ ኣሉታዊ ስምዒታት ንህይወትካ ዚቈጻጸሮ ዘሎ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ብቐሊሉ ዲኻ ትሓርቕ: ትቝጣዕ: ወይ ከኣ ተስፋ ትቘርጽ፧ ጭንቀት ንህይወትካ ዚዕብልሎ ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ነዚኸ እንታይ እዩ መፍትሒኡ፧

ብስምዒት ተደሪኽካ ዚግበር ነገራት: ክፍሊ ህይወት ደቅሰብ እዩ። ብጥንቃቐ ምስ ዚተሓዝ ግን ንህይወት መቐረት እዩ ዚውስኸላ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ” ብምባል ይገልጽ። (መክብብ 7:7) ኣብዛ ዓመጻን ሓደጋታትን መሊእዋ ዘሎ ዓለም: መን እዩ እሞ በቲ ኣብ ዙርያኡ ዚርእዮ ነገራት ስምዒቱ ዘይትንከፍ፧ ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ብዕዮኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኰይኑስ: ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ” ይሕብር። (መክብብ 3:22) ንህይወት ዝያዳ እተሐጕስ ንምግባር: ብኸመይ ኣወንታዊ ስምዒት ክንኵስኵስ ከም እንኽእል ክንመሃር ኣድላዪ እዩ። ብኸመይ ኢና ነቲ ዝነበረና ጕዳኢ ስምዒት ሓዲግና ጠቓሚ ስምዒታት ኣብ ልብና ኸነሕድር እንኽእል፧

መብዛሕትኡ እዋን ግብራዊ ስጕምትታት ምውሳድ: ነቲ ኣሉታዊ ስምዒት ንኽትኣልዮ ዚሕግዝ እዩ። ንኣብነት: ሓደ ኽንልውጦ ዘይንኽእል ነገር የጨንቐና እንተደኣ ኣልዩ: ንርእስና ኣብ ክንዲ እነዋጥር ንጥፈታትና እንተ ቐየርና ወይ ከኣ ኻብቲ ኸባቢ እንተ ረሓቕና ደይኰነን ዚሓይሽ፧ ብእግሪ ብምዝዋር: ዜዛኒ ሙዚቃ ብምስማዕ: ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር: ወይ ከኣ ንኻልኦት ሰናይ ነገራት ብምግባር ምናልባት ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ንኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

እቲ ንኣሉታዊ ስምዒት ከነሰንፈሉ እንኽእል ካብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ ግን: ኣብ የሆዋ ምውካል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ኪስምዓና ኸሎ: ብጸሎት ‘ንዅሉ ሓልዮትና ኣብኡ ኸነውድቖ’ ይግብኣና። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: . . . ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ብምባል መረጋገጺ ይህበና። (መዝሙር 34:18, 19) ኣምላኽ ‘ረዳኢናን መናገፊናን’ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግን ከመይ ጌርና ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኸእል፧ (መዝሙር 40:17) መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ነገልገልቱ ጽቡቖም ከም ዚደሊ ዜርኢ ኣብነታት ብምሕሳብን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።