ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ተመላለስ!

ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ተመላለስ!

ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ተመላለስ!

“ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና።”2 ቈረንቶስ 5:7

1. ሃዋርያ ጳውሎስ ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ይመላለስ ምንባሩ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

 እዋኑ 55 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። እቲ ሳውል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ሰጓጕ ክርስትያናት: ክርስትና ኻብ ዚቕበል 20 ዓመት ኣቢሉ ሓሊፉ ነበረ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ግን እታ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ኣይደኸመትን። ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ብስጋዊ ዓይኑ እኳ እንተ ዘይረኣዮ: እምነቱ ግን ድልድልቲ እያ ነይራ። ስለዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: “ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና” በሎም።—2 ቈረንቶስ 5:7

2, 3. (ሀ) ብእምነት ከም እንመላለስ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧ (ለ) ብምርኣይ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ: እንታይ ማለት እዩ፧

2 ብእምነት ንኽንመላለስ: ፈለማ ኣምላኽ ንህይወትና ኺመርሕ ክእለት ከም ዘለዎ ኣጸቢቕና ኽንተኣማመን ኣሎና። ዚጠቕመና ነገር ብርግጽ ከም ዚፈልጥ ምሉእ እምንቶ ኺህልወና ኣለዎ። (መዝሙር 119:66) ኣብ ህይወትና ውሳነን ስጕምትን ክንወስድ ከለና: ነቲ “ዘይርኤ ነገር” ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። (እብራውያን 11:1) እዚ ኸኣ ነቲ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዜጠቓልል እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ብምርኣይ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ: በቲ ስጋዊ ህዋሳትና እንግንዘቦ ነገራት ጥራይ ተመሪሕና ንመላለስ ማለት እዩ። እዚ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ናብ ምባል ኪመርሓና ስለ ዚኽእል: ሓደገኛ እዩ።—መዝሙር 81:12፣ መክብብ 11:9

3 ካብቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም “ሒደት መጓሰ” ንኹን: ወይ ካብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ:” ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ንኽንመላለስ እተዋህበና ማዕዳ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና። (ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 10:16) ቀጺልና ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ምስዓብ: ነቲ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ዚርከብ ባህታ’: ብመፈንጠራ ፍቕረ-ንዋይ: ከምኡውን ንመወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ዕሽሽ ብምባል ንኸይንወድቕ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እስከ ንርአ። ብምርኣይ ምምልላስ ዜምጽኦ ሓደጋታት እውን ክንመያየጠሉ ኢና።—እብራውያን 11:25

ነቲ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ዚርከብ ባህታ’ ምንጻግ

4. ሙሴ እንታይ እዩ ዝሓረየ፧ ስለምንታይከ፧

4 ሙሴ ወዲ ኣምራም ኪህልዎ ዚኽእል ዝነበረ ህይወት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ምስ ነገስታት ስለ ዝዓበየ: ስልጣንን ሃብትን ጽልዋን ኪህልዎ ይኽእል ነበረ። ‘በቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ጥበብ ግብጻውያን ኣጸቢቐ እተመሃርኩ እየ። ብቓለይን ብግብረይን እውን ብርቱዕ እየ። ኣብ ቤት ንጉስ እንተ ቐጺለ: ነቲ ስልጣነይ ነቶም እተጨቈኑ እብራውያን ኣሕዋተይ ንምሕጋዝ ክጥቀመሉ እኽእል እየ’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:22) ንሱ ግን “ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” ስለምንታይ፧ ሙሴ ንዅሉ እቲ ግብጻውያን ኬቕርቡሉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ዝባኑ ኸም ዚመልስ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሙሴ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ: ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ: ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ” ብምባል ይምልሰልና። (እብራውያን 11:24-27) ሙሴ: የሆዋ ንጽድቂ ብርግጽ ዓስቢ ኸም ዚህብ ዝነበረቶ እምነት: ነቲ ግዝያዊ ባህታ ዜምጽእ ሓጢኣት ንኺነጽጎ ሓገዘቶ።

5. ሙሴ ዝገደፎ ኣብነት ብኸመይ እዩ ዜተባብዓና፧

5 ንሕናውን ብዙሕ ሳዕ ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ከቢድ ውሳነ እንገብረሉ እዋን ኣሎ። ንኣብነት: ‘ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዘይሰማማዕ ገሊኡ ተግባራት ወይ ልምድታት ክሓድጎዶ፧ ስጋዊ ረብሓ ኺህልዎ ዚኽእል ግን ከኣ መንፈሳዊ ዕቤተይ ኪዓግት ዚኽእል ስራሕ ክቕበልዶ፧’ ኢልና ንርእስና ንሓትት ንኸውን። ሙሴ ዝገደፎ ኣብነት: ነቲ ኣርሒቑ ዘይርኢ ኣካይዳ እዛ ዓለም እዚኣ ዜንጸባርቕ ምርጫ ንኸይንገብር የተባብዓና። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብታ ኣርሒቓ እትጥምት ጥበብ እቲ “ዘይርኤ” የሆዋ ኣምላኽ ኢና እምነት ክንገብር ዘሎና። እምበኣር: ከም ሙሴ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ካብ ዝዀነ ይኹን እዛ ዓለም እተቕርቦ ንላዕሊ ኣኽቢርና ንርኣዮ።

6, 7. (ሀ) ኤሳው ብምርኣይ ኪመላለስ ከም ዚሓሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኤሳው ብምንታይ እዩ መለበሚ ዚዀነና፧

6 ንሙሴ ምስ ኤሳው ወዲ ይስሃቅ እሞ ኣነጻጽሮ። ኤሳው ቅጽበታዊ ዕግበት እዩ መሪጹ። (ዘፍጥረት 25:30-34) “ርኹስ” ወይ ንቕዱስ ነገራት ዘየኽብር ብምንባሩ: ንብዅርናኡ “ንሓደ ብልዒ” ሸጣ። (እብራውያን 12:16) እቲ ንብዅርናኡ ብምሻጥ ዝገበሮ ውሳነ: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ወይ ንዘርኡ ብኸመይ ከም ዚጸልዎም ኣይሓሰበን። መንፈሳዊ ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ኤሳው ነቲ ኽቡር መብጽዓ ኣምላኽ ከም ዘይረብሕ ገይሩ ብምርኣይ ዕሽሽ በሎ። ብእምነት ዘይኰነስ: ብምርኣይ ተመላለሰ።

7 ኤሳው ነዞም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና መለበሚ እዩ ዚዀነና። (1 ቈረንቶስ 10:11) ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ውሳነ ኽንገብር ከለና: በቲ ‘ቓሕ ዝበለካ ነገር ሕጂ ኽትረኽቦ ኣሎካ’ ዚብል እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እትነዝሖ ፕሮፓጋንዳ ኽንታለል የብልናን። እምበኣር: ንርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና:- ‘ኣብቲ ዝገብሮ ውሳነታት ከም ናይ ኤሳው ዝኣመሰለ ዝንባለታት ይንጸባረቕ ኣሎ ድዩ፧ ሕጂ ዝደልዮ ነገራት ምስዓበይ: ንመንፈሳዊ ነገራት ካልኣይ ቦታ ኸም ዝህቦ ይገብረኒ ድዩ፧ ዝገብሮ ምርጫታት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ዕርክነትን ኣብ መጻኢ ዝረኽቦ ዓስበይን ኣብ ሓደጋ የእትዎ ድዩ፧ ንኻልኦት እንታይ ኣብነት እየ ዝሓድገሎም ዘለኹ፧’ እንገብሮ ምርጫ ንቕዱስ ነገራት ዘሎና ኣኽብሮት ዜንጸባርቕ እንተደኣ ዀይኑ: የሆዋ ኺባርኸና እዩ።—ምሳሌ 10:22

ካብ መፈንጠራ ፍቕረ-ንዋይ ምርሓቕ

8. ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ እተዋህቦም፧ እዚኸ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ: ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን በቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ኣቢሉ: ነታ ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ጉባኤ ሎዲቅያ መልእኽቲ ለኣኸላ። እቲ መልእኽቲ ብዛዕባ ፍቕረ-ንዋይ ዚምልከት እተዋህበ መጠንቀቕታ እዩ ነይሩ። ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ብስጋ ሃብታማት እኳ እንተ ነበሩ: ብመንፈስ ግን ድኻታት ነበሩ። ብእምነት ኣብ ክንዲ ምምልላስ: ስጋዊ ጥሪት ንመንፈሳዊ ዓይኖም ከም ዜዑሮ ገበሩ። (ራእይ 3:14-18) ሕጂውን ፍቕረ-ንዋይ ተመሳሳሊ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። ንእምነትና የድክማ: ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ‘ጕያ ድማ ብትዕግስቲ’ ንኸይንጐዪ ይዓናቕፈና። (እብራውያን 12:1) እንተ ዘይተጠንቂቕና: “ጣዕሚ ንብረት” ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ‘ኪሓንቆ’ ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 8:14

9. ካብ መንፈሳዊ ምግቢ እንረኽቦ ዕግበትን ንዕኡ ዘሎና ሞሳን ብኸመይ እዩ ዕቝባ ዚዀነና፧

9 ነዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመላን ብስጋዊ ኽንህብትምን ኣብ ክንዲ እንደሊ: ዕግበት ምስ ዚህልወና: ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቝባ ዚዀነና ቐንዲ ረቛሒ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:31፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ምስ እንመላለስ: ኣብዚ ሕጂ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት ሓጐስ ንረክብ። ካብቲ ዜዐንግል መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ከለና: ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ንኽንብል’ ደይኰንናን እንድረኽ፧ (ኢሳይያስ 65:13, 14) ኣብ ርእሲ እዚውን: ምስቶም ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዜፍርዩ ሰባት ብምቅርራብና ባህ ይብለና። (ገላትያ 5:22, 23) ካብቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ ዜዳልወልና ነገራት: ዕግበትን ናይ መንፈስ ምሕዳስን ክንረክብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

10. ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

10 ገለ ኻብቲ ንርእስና ኽንሓቶ ዘሎና ሕቶታት ቀጺሉ እንሆ:- ‘ስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወተይ እንታይ ቦታ እዩ ዘለዎ፧ እቲ ስጋዊ ጥሪተይ ተድላ ንምርካብ ድየ ዝጥቀመሉ ዘለኹ: ወይስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ፧ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዕግበት ዜምጽኣለይ እንታይ እዩ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘሎኒ ምቅርራብን ድዩ: ወይስ ካብ ክርስትያናዊ ሓላፍነተይ ርሒቐ ዘሕልፎ ቐዳመ-ሰናብቲ፧ ብዙሕ ቐዳመ-ሰናብቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ምስ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ዚተሓሓዝ ንጥፈታትን ኣብ ክንዲ ዘውዕሎ: ንምዝንጋዕ ድየ ዝምድቦ፧’ ብእምነት ምምልላስ ኪበሃል ከሎ: ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር: ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዙዝ ምዃን ማለት እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58

መወዳእታ ኸም ዚመጽእ ምእማን

11. ብእምነት ምምልላስ: መወዳእታ ይመጽእ ምህላዉ ንኽንኣምን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

11 ብእምነት ምምልላስ ኪበሃል ከሎ: ካብቲ ‘መወዳእታ ገና እዩ’ ወይ ‘ኣይመጽእን እዩ’ ዚብል ስጋዊ ኣረኣእያ ምርሓቕ የጠቓልል። ከምቶም ንትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍኲሶም ዚርእዩ ተጠራጠርቲ ዘይኰንናስ: እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጻመታት ምስቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ግዜና እተነበዮ ነገር ከመይ ከም ዚሰማማዕ ነስተውዕል ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ንኣብነት: እቲ ሰባት ብሓፈሻ ዘለዎም ኣረኣእያን ጠባያትን: “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ደይኰነን መርትዖ ዚህበና፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዚ ሕጂ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጻመታት: ትርጕም ዘይብሉ ኽፋል ታሪኽ ከም ዘይኰነ: ብናይ እምነት ዓይንና ንርእዮ ኢና። የግዳስ: ክፍሊ እቲ ምልክት ወይ “ትእምርቲ ምምጻእ [“ህላወ:” (NW) ክርስቶስ]ን መወዳእታ ዓለምን” እዩ።—ማቴዎስ 24:1-14

12. እተን ኣብ ሉቃስ 21:20, 21 ተመዝጊበን ዚርከባ ቓላት የሱስ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ፍጻሜአን ዝረኸባ ብኸመይ እየን፧

12 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከም ኣቈጻጽራ ዘመንና እተፈጸመ: ምስዚ ግዜና ዚመሳሰል ነገር እስከ ንርአ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ” ኢሉ ንሰዓብቱ ኣጠንቀቖም። (ሉቃስ 21:20, 21) ብ66 ድ.ክ. ብሰስትየስ ጋለስ ዚምራሕ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ከበባ: እዚ ትንቢት እዚ ፍጻሜኡ ኺረክብ ጀመረ። እቲ ሰራዊት ግን ብሃንደበት ኣንሰሓበ: ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ናብ ኣኽራን ኪሃድሙ’ ድማ ምልክትን ኣጋጣምን ሃቦም። ብ70 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ ተመሊሱ ንየሩሳሌም ኣጥቅዓ: ነታ ቤተ መቕደስ ድማ ደምሰሳ። ጆሰፈስ ከም ዝሓበሮ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ ሞቱ: 97,000 ድማ ተማረኹ። ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣገባብ ኣይሁድ ተፈጸመ። እቶም ብእምነት እተመላለሱን መጠንቀቕታ የሱስ ዝሰዓቡን ካብቲ ጥፍኣት ኣምለጡ።

13, 14. (ሀ) ኣብዚ ቐረባ ግዜ እንታይ ኪፍጸም እዩ፧ (ለ) ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንቕሓት ክንከታተል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኺፍጸም። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚርከቡ ባእታታት: ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ኪሳተፉ እዮም። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሰራዊት ሮሜ ፓክስ ሮማና (ሰላም ሮሜ) ኪዕቅቡ ዚሕልኑ ዝነበሩ: ሎሚውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ዚዕቅብ ውድብ ኪኸውን እዩ ዚሕልን። ሰራዊት ሮሜ ኣብ ብምልእታ እታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም ተዛማዲ ሰላም ኬስፍኑ እኳ እንተ ፈተኑ: ጸኒሖም ግን ደምሰስቲ የሩሳሌም ኰኑ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚርከብ ወተሃደራዊ ጕጅለታት: ንሃይማኖት ምንጪ ህውከት ገይሮም ብምርኣይ: ነዛ ኣብዚ ግዜና ብየሩሳሌም እትምሰል ህዝበ-ክርስትያንን ንዝተረፈ ኽፋል ዓባይ ባቢሎንን ኬጥፍኡ እዮም። (ራእይ 17:12-17) እወ: ብምሉኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናብ ጥፍኣት ቀሪቡ እዩ ዘሎ።

14 ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ምጅማር እቲ ዓብዪ መከራ ዚሕብር እዩ። ኣብ መወዳእታ ኽፋል እቲ ዓብዪ መከራ: እቲ ዝተረፈ ኽፋል እዚ እኩይ ኣገባብ ኪጠፍእ እዩ። (ማቴዎስ 24:29, 30፣ ራእይ 16:14, 16) ብእምነት ምምልላስ ንፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቒሕና ንኽንከታተል የኽእለና። ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰለ ሰብ ዘቘሞ ውድባት: ኣምላኽ ሰላምን ደሓንን ዜምጽኣሉ መገዲ ኸም ዝዀነ ጌርና ኣይንወስዶን ኢና። ስለዚ እምበኣር: ኣነባብራና ‘እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት’ እምንቶ ኸም ዘሎና ኼንጸባርቕዶ ኣይግባእን፧—ጸፎንያስ 1:14

ብምርኣይ ምምልላስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓደገኛ፧

15. ህዝቢ እስራኤል: በረኸት የሆዋ ርእዮም ክነሶም: ኣብ ምንታይ መፈንጠራ እዮም ዝወደቑ፧

15 ጥንታዎት እስራኤላውያን ዘሕለፍዎ ተመክሮታት: ብምርኣይ ምምልላስ ንእምነትና ዜዳኽም ምዃኑ ይሕብረና። እስራኤላውያን ነቲ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ግብጺ ዘዋረዶም ዓሰርተ መዓት: ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠመ ዜደንቕ ድሕነት እኳ እንተ ረኣዩ: ትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓስ ምራኽ ወርቂ ሰርሑ: ኬምልኽዎ ድማ ጀመሩ። ነቲ “ኻብ ከረን ከይወረደ . . . ዝደንጐየ” ሙሴ ንምጽባይ ዓቕሊ ኣጽበቡ: ሰልከዮም ከኣ። (ዘጸኣት 32:1-4) ዓቕሊ ብምስኣኖም ድማ ብስጋዊ ዓይኖም ዚርእይዎ ጣኦት ኬምልኹ ጀመሩ። ብምርኣይ ምምልላሶም ንየሆዋ ዜዋርድ ስለ ዝነበረ: ብሰንኪ እዚ “ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ” ተቐትሉ። (ዘጸኣት 32:25-29) ሎሚውን ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ: ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ኸም ዘይብሉን ኣብቲ መብጽዓታቱ ንምፍጻም ዘለዎ ኽእለት ምትእምማን ከም ዚጐድሎን ዚሕብር ስጕምቲ ምስ ዚወስድ: ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!

16. እስራኤላውያን ብደጋዊ ትርኢት እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧

16 ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ምርኣይ ንህዝቢ እስራኤል ብኻልእ መገድታት እውን ሕማቕ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም እዩ። ብምርኣይ ምምልላሶም ብጸላእቶም ከም ዚርዕዱ ገይርዎም እዩ። (ዘሁልቍ 13:28, 32፣ ዘዳግም 1:28) ነቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ስልጣን ከም ዚጻረሩን ብዛዕባ ህይወቶም ከም ዜማርሩን ገይርዎም እዩ። እዚ ጕድለት እምነት እዚ: ካብታ ምድሪ ተስፋ ንላዕሊ: ነታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣጋንንቲ ዝነበረት ግብጺ ኸም ዚመርጹ ገበሮም። (ዘሁልቍ 14:1-4፣ መዝሙር 106:24) እቲ ብዓይኒ ዘይርአ ንጉሶም ዝነበረ የሆዋ: ነዚ ሕሉፍ ንዕቀቶም ምስ ረኣየስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ!

17. እስራኤላውያን ብግዜ ሳሙኤል ንመምርሒ የሆዋ ኸም ዚነጽጉ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧

17 እቶም እተሓርዩ ህዝቢ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብግዜ ነብዪ ሳሙኤል እውን ብምርኣይ ብምምልላሶም ኣብ መፈንጠራ ወዲቖም እዮም። ብዓይኖም ዚርእይዎ ንጉስ ኪምነዩ ጀመሩ። የሆዋ ንጉሶም ምዃኑ እኳ እንተ ኣግሃደሎም: እዚ ግን ብእምነት ንኺመላለሱ እኹል ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። (1 ሳሙኤል 8:4-9) ነቲ ጕድለት ዘይብሉ መምርሒ የሆዋ ብዕሽነት ነጺጎም: ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት ኪዀኑ ደለዩ: እዚ ድማ ጕድኣት ኣስዓበሎም።—1 ሳሙኤል 8:19, 20

18. ብምርኣይ ምምልላስ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋታት እንታይ ትምህርትታት ክንወስድ ንኽእል፧

18 ንሕናውን ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ካብ ዝሓለፈ ፍጻመታት ጠቓሚ ትምህርትታት ክንመሃርን ክንዓየሉን ንደሊ ኢና። (ሮሜ 15:4) እስራኤላውያን ብምርኣይ ምስ ተመላለሱ: ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ይመርሖም ምህላዉ ረስዑ። ንሕናውን እንተ ዘይተጠንቂቕና: የሆዋ ኣምላኽን እቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ የሱስ ክርስቶስን ሎሚ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ይመርሕዋ ኸም ዘለዉ ኽንርስዕ ንኽእል ኢና። (ራእይ 1:12-16) ብዛዕባ እታ ምድራዊት ክፍሊ ማሕበር የሆዋ: ሰብኣዊ ኣረኣእያ ንኸይነጥሪ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ሰብኣዊ ኣረኣእያ እንተ ኣጥሪና: ናይ ምጕርምራም መንፈስ ነሕድር: ንተወከልቲ የሆዋ ዀነ ነቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚዳሎ መንፈሳዊ ምግቢ ዘሎና ኣኽብሮትን ሞሳን ከኣ ነጥፍእ።—ማቴዎስ 24:45

ብእምነት ንምምልላስ ቈራጽነት ግበር

19, 20. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘራጽነት ጌርካ፧ ስለምንታይከ፧

19 መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ይብል። (ኤፌሶን 6:12) እቲ ቐንዲ ጸላኢና ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ዕላማኡ ኸኣ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ምጥፋእ እዩ። ንኣምላኽ ንምግልጋል ካብ ዝገበርናዮ ውሳነ ኼዝብለና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን መስድዒ ኣየምልጦን እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ብደጋዊ ትርኢት ናይ ሰይጣን ኣገባብ ንኸይንታለል ኬዕቍበና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ምምልላስ እዩ! ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዘሎና ትውክልትን እምንቶን ‘ናይ እምነት መርከብና ንኸይትስበረና’ ይሕግዝ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) እምበኣር: ብእተኻእለና መጠን ኣብ በረኸት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን: ብእምነት ንምምልላስ ቈራጽነት ንግበር። ካብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚፍጸም ነገራት ንምምላጥ ድማ ኵሉ ሳዕ ንጸሊ!—ሉቃስ 21:36

20 ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ንምምልላስ ብሉጽ ኣብነት ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 2:21) እታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ ጌርና ብኸመይ ከም እንመላለስ ክትገልጽ እያ።

ትዝክሮዶ፧

• ብምርኣይ ዘይኰነስ: ብእምነት ብዛዕባ ምምልላስ: ካብ ሙሴን ኤሳውን እንታይ ንመሃር፧

• ካብ ፍቕረ-ንዋይ ንኽንርሕቕ ዜኽእለና ቐንዲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

• ብእምነት ምምልላስ: መወዳእታ ገና ኸም ዝዀነ ጌርና ንኸይንሓስብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ብምርኣይ ምምልላስ ሓደገኛ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ብእምነት ተመላለሰ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምዝንጋዕ ብዙሕ ሳዕ ካብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትካ ይዓግተካ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንቓል ኣምላኽ ምቕላብ ዕቝባ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧