ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዙሓት ንኣምልኾ የሆዋ ይቕበሉ ኣለዉ

ብዙሓት ንኣምልኾ የሆዋ ይቕበሉ ኣለዉ

‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’

ብዙሓት ንኣምልኾ የሆዋ ይቕበሉ ኣለዉ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት ነዚ ግዜና ብዚምልከት ብዙሓት ሰባት ናብቲ ኽብ ዝበለ ኣምልኾ የሆዋ ኸም ዚውሕዙ ተነብዩ ነይሩ። ንኣብነት: የሆዋ ኣምላኽ ብነብዪ ሃጌ ኣቢሉ “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” ብምባል ኣዊጁ ነበረ። (ሃጌ 2:7) ኢሳይያስን ሚክያስን ድማ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ማለት ኣብዚ ግዜና: ህዝብታት ንየሆዋ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ኸም ዜምልኽዎ ተነብዮም ነበሩ።—ኢሳይያስ 2:2-4፣ ሚክያስ 4:1-4

እዚ ትንቢታት እዝስ ፍጻሜኡ ረኺቡዶ፧ እስከ ገለ መርትዖታት ንርአ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ ኣብ ልዕሊ 230 ዝዀና ሃገራት ልዕሊ 3,110,000 ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም እዮም። ካብቶም ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ዜገልግሉ ዘለዉ 10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቶም 6: ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እተጠመቑ እዮም። ኣብ 2004 ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቒቕ ሓደ ርእሱ ዝወፈየ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ናብታ ክርስትያናዊት ማሕበር ይውሰኽ ነበረ። a

ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሕጂውን ‘ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ይምለሱ’ ኣለዉ። ዋላኳ ብቝጽሪ እተገብረ ወሰኽ ጥራይ ንበይኑ በረኸት ኣምላኽ ዜርኢ መርትዖ ኣይኹን እምበር: እዚ ወሰኽ እዚ “ኢድ እግዚኣብሄር” ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ምዃና ዜርኢ መረጋገጺ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:21) ነዞም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ዚስሕቦም ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚ ወሰኽ እዚ ብብሕትኻ ዚትንክፈካ ብኸመይ እዩ፧

እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ይስሓቡ

የሱስ “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” ብምባል ተዛረበ። (ዮሃንስ 6:44) ስለዚ: የሆዋ እዩ ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ዚስሕቦም ዘሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW) መንፈስ ኣምላኽ ንሰባት ‘መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ንኺግንዘቡ’ ኼበራብሮም ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ሓድሓደ ሰባት ሕልናኦም ኬሳቕዮም ከሎ: ተስፋ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኪብሉ ኸለዉ: ከምኡውን ዓቕሎም ጽብብ ኪብሎም ከሎ ንኣምላኽ ኪደልዩን ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ድማ ንኺመሃሩን ይደልዩ እዮም።—ማርቆስ 7:26-30፣ ሉቃስ 19:2-10

ሓያሎ ሰባት: በታ ክርስትያናዊት ማሕበር ኣቢሉ ዚወሃብ መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ዜደናግሮም ዝነበረ ሕቶታት መልሲ ንኺረኽቡ ስለ ዝሓገዞም እዮም ናብ ኣምልኾ የሆዋ ተሳሒቦም።

ንሓደ ዳቪደ ዝስሙ ኣብ ኢጣልያ ዚነብር ነጋዳይ ሓሽሽ “ኣምላኽ እንተደኣ ኣልዩ: ሰብ ብምጕዳል ፍትሒ ዚሳቐ ስለምንታይ እዩ፧” እትብል ሕቶ ኣብ ሕልናኡ ሕርኽርኽ ትብሎ ነበረት። ነዛ ሕቶ እዚኣ ግን ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ሃልይዎ ዘይኰነስ: ክትዕ ንምልዓል እዩ ዚጥቀመላ ነይሩ። ዳቪደ “ርትዓውን ዜእምንን መልሲ ኽረክብ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን” በለ። ቀጺሉ እውን “እቲ ዘዘራረበኒ ናይ የሆዋ ምስክር ግን ኣዝዩ ዕጉስ ነበረ: ዚዛረቦ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። እቲ ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ ነበሮ” ብምባል ተዛረበ። ሎሚ ዳቪደ ህይወቱ ኣመዓራርዩ ንየሆዋ የገልግል ኣሎ።

ካልኦት ድማ ትርጕምን ዕላማን ህይወት ንምድላይ ሃለው ኪብሉ ኸለዉ እዮም ናብታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ዜምርሑ። ሓንቲ ኣብ ዛግረብ: ክሮአሽያ እትነብር ናይ ኣእምሮ ሓኪም: ነቲ ዝነበራ ስምዒታዊ ጸገም መፍትሒ ንምርካብ ናብ ሓደ ህቡብ መሳርሕታ ኸደት። እቲ ዶክተር ስልኪ ቝጽሪ ናይቲ ኣብ ዛግረብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ኣድራሻ ናይ ሓደ ዚፈልጦ ናይ የሆዋ ምስክርን ምስ ሃባ ኣዝያ ተገረመት። ከምዚ ድማ በላ:- “እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ብሓቂ ኺሕግዙኺ እዮም። ናብ ቤተ-ክርስትያን እንተደኣ ሰዲደኪ: ህይወት ዘይብሎም ምስልታት ኢኺ እትረኽቢ: ዋላ ሓደ ዜዘራርበኪ ኣይትረኽብን ኢኺ: ኵሉ ድማ ጸልማት እዩ። ቤተ-ክርስትያን ክትሕግዘኪ እትኽእል ኣይመስለንን። ካልኦት ሕሙማት ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰዲደ እየ: ንዓኺውን እቲ ዝሓሸ እዚ ይመስለኒ።” ብድሕርዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕያውነት በጽሕዋ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት: ዕላማ ኣምላኽ ምፍላጣ ንህይወታ ትርጕም ከም ዝሃቦ ብታሕጓስ ተዛረበት።—መክብብ 12:13

ሓያሎ ሰባት ናይ ብሕቲ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጥራይ ምንጪ መጸናንዒ ኸም ዚዀኖም ርእዮምዎ እዮም። ሓደ ኣብ ግሪኽ ዚነብር ወዲ ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ: ካብ ናሕሲ ቤት-ትምህርቱ ወዲቑ ሞተ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዲኡ ረኸባኣ: ነቲ ናይ ትንሳኤ ተስፋ ብምንጋር ድማ ኣጸናንዓኣ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ሽዑ እታ ሰበይቲ ኣዒንታ ቕጽርጽር በለ። እተን ኣሓት ከኣ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጢ እንተ ደሊኺ: መዓስ ተመሊስና ኽንመጽእ፧” ብምባል ሓተታኣ። ንሳ ድማ “ሕጂ ንዓናይ” በለተን። ሒዛተን ናብ ገዛኣ ኸደት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመራ። ሕጂ እታ ስድራቤት ብምልእታ ንየሆዋ ተገልግል ኣላ።

ንስኻኸ ኣብዚ ዕዮ እዚ ትሳተፍዶ ኣለኻ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት እቲ ዕዮ ኣብ መላእ ዓለም ብኸመይ ይካየድ ከም ዘሎ ዜርኢ እዩ። የሆዋ ነቶም ካብ እተፈላለየ ዓሌታት ዚመጹ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዝዀኑ ዓብዪ ጭፍራ ይእክቦምን የሰልጥኖምን እዩ ዘሎ። እዚ ዓለምለኻዊ ጕጅለ እዚ ኻብቲ እናቐረበ ዚኸይድ ዘሎ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ ናይ ምድሓንን ኣብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባርን ዜሐጕስ ተስፋ ኣለዎ።—2 ጴጥሮስ 3:13

እዚ ናይ ምእካብ ዕዮ ሳላ በረኸት የሆዋ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብዘይ ዓጋቲ ናብ መወዳእታ ገጹ ይግስግስ ኣሎ። (ኢሳይያስ 55:10, 11፣ ማቴዎስ 24:3, 14) ኣብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ትሳተፍዶ ኣለኻ፧ መልስኻ ‘እወ’ እንተደኣ ዀይኑ: ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ሓገዝ ከም እትረክብ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ: ነተን ‘ረዲኤተይ ካብ የሆዋ እዩ ዚመጸኒ’ ዚብላ ቓላት እዚ ዘማሪ ድማ ከተቃልሕ ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 121:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2005 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን።”—ዮሃንስ 6:44

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

ምንጪ እዚ ወሰኽ እዚ መን እዩ፧

“እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።”—መዝሙር 127:1

“እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር: እቲ ዚተክል ወይስ ዜስቲ ዚዐብሱ የብሎምን።”—1 ቈረንቶስ 3:7