ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ!

ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ!

ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ!

እቲ ሓደ ኻብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ መከራ ምስ ኣጋጠሞ ኤሊፋዝ: ቢልዳድ: ከምኡውን ሶፋር ዚበሃሉ ኣዕሩኽቱ ምስኡ ኺሓዝኑን ኬጸናንዕዎን ናብኡ መጹ። (እዮብ 2:11) ኤሊፋዝ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮን ምናልባት ድማ ካብ ኵሎም ብዕድመ ዝደፍአን እዩ ነይሩ። መጀመርታ ዘረባ ዝጀመረ ዀይኑ: ብዙሕ እውን እዩ ተዛሪቡ። ኣብተን ሰለስተ ዝርርቡ ግን እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ ኣንጸባሪቑ፧

ኤሊፋዝ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ኻብ ባህርያዊ ፍልይ ዝበለ ነገር ኪዛረብ ከሎ: “ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሐለፈ: ጸጕሪ ስጋይ ተኸየፈ። ንሱ ቘመ: መልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን: ረቂቅ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ: ስቕታ ነበረ: ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ” በለ። (እዮብ 4:15, 16) እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ነተሓሳስባ ኤሊፋዝ ጸልይዎ፧ እቲ ቐጺሉ እተዛረቦ ነገር ከም ዚሕብሮ: እቲ መንፈስ ሓደ ኻብቶም ጻድቃን መላእኽቲ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ እዩ። (እዮብ 4:17, 18) የግዳስ: እኩይ መንፈሳዊ ፍጥረት እዩ ነይሩ። እንተ ዘይከውን ነይሩ: ስለምንታይ ደኣ የሆዋ ንኤሊፋዝን ክልተ ኣዕሩኽቱን ሓሲኹም ኢሉ እተቘጥዖም፧ (እዮብ 42:7) ብርግጽ: ኤሊፋዝ ብጋኔን እዩ ተጸልዩ። ከመይሲ እቲ ዚዛረቦ ዝነበረ ነገራት ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኣይነበረን።

ካብቲ ኤሊፋዝ እተዛረቦ ነገራት እንታይ ክንግንዘብ ንኽእል፧ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ኽንጻረሮ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኽንጻረሮ ንኽእል፧

“ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይአምኖምን”

ኤሊፋዝ ኣብ ዘቕረቦ ሰለስተ መደረ: ኣምላኽ ካብ ዓቕሚ ሰባት ንላዕሊ ዚጽበ: ኣገልገልቱ ዝገበሩ እንተ ገበሩ ኸኣ ከም ዘይዓግብ እዩ ገሊጹ። ንእዮብ “እንሆ: ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይአምኖምን ንመላእኽቱውን ጕድለት ይረኽበሎም” በሎ። (እዮብ 4:18) ጸኒሑ ድማ “እንሆ ነቶም ቅዱሳን እኳ ኣይአምኖምን: ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን” በለ። (እዮብ 15:15) ቀጺሉ ኸኣ “እቲ ዅሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (እዮብ 22:3) ቢልዳድ እውን ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብምድጋፍ “ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን: ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] ጽሩያት ኣይኰኑን” በለ።—እዮብ 25:5-6

ንሕናውን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኸይንጽሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ምኽንያቱ ኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዚጽበየና ዀይኑ ኺስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዚትንክፍ እዩ። ብተወሳኺውን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ሒዝና: ነቲ ኣብ ኣድላዪ ግዜ ዚወሃበና ተግሳጽ ብኸመይ ኢና ኽንቕበል፧ ኣብ ክንዲ ብትሕትና ጌጋና እንቕበል: ልብና ‘ኣብ እግዚኣብሄር የንጸርጽር’ ወይ ድማ ቂም ይሕዝ ይኸውን። (ምሳሌ 19:3) እዚ ኸኣ ብመንፈሳዊ ኣዝዩ እዩ ዚጐድኣና።

“ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧”

ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ ዚጽበ ምስ ዚብል ኣተሓሳስባ ዚሰማማዕ ካልእ ኣረኣእያ ድማ: ኣምላኽ ንሰባት ከም ዘይጠቕሙ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ዚብል እዩ። ኤሊፋዝ ኣብ ሳልሳይ መደረኡ “ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧ ኣይፋል: እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም” በለ። (እዮብ 22:2) ኤሊፋዝ: ሰባት ንኣምላኽ ምንም ከም ዘይጠቕምዎ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ቢልዳድ ድማ “ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧ ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳብ ገለጸ። (እዮብ 25:4) ከምቲ ንሳቶም ዝበልዎ እንተ ዀይኑ: እዮብ ተራን መዋትን ክነሱስ ከመይ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧

ሎሚ ዘለዉ ገለ ሰባት: ብዛዕባ ርእሶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ከም ኣተዓባብያ: ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸቕጥታት: ኣደዳ ዓሌታዊ ጽልኢ ምዃን ዝኣመሰለ ረቛሒታት: ከምዚ ንኺስምዖም ይገብር ይኸውን። ሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን ሰባት ኪድቈሱ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብሎም። ሓደ ሰብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ነገር: ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምንም ከም ዘይጠቕሞ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ: ብቐሊሉ እዩ ተስፋ ዚቘርጽ። ቀስ ብቐስ ድማ ካብቲ ህያው ኣምላኽ ይጠፍእ ወይ ይርሕቕ።—እብራውያን 2:1፣ 3:12

ዕድመ ምድፋእን ናይ ጥዕና ጸገማትን ንዓቕምና ይድርቶ እዩ። እቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እንገብሮ: ምስቲ ምስ ጥዕናናን ምስ ሓይልናን ዝነበርናሉ ኣብ እዋን ንእስነት እንገብሮ ዝነበርና ኺወዳደር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ይመስል ይኸውን። ኰይኑ ግን: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ንኣምላኽ ዘየሐጕሶ ዀይኑ ንኺስምዓና ኸም ዚደልዩ ኣይንረስዕ። ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኽንቃለሶ ኣሎና።

ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም እትቃለሶ

እዮብ: ዋላኳ ሰይጣን ድያብሎስ መጥቃዕቲ የውርደሉ: “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ። (እዮብ 27:5) እዮብ ንኣምላኽ የፍቅሮ ብምንባሩ ዝዀነ ይኹን ጸገም የጋጥሞ ብዘየገድስ: ንጽህናኡ ሓልዩ እዩ። ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንምቅላስ ዚሕግዝ ቀንዲ ረቛሒ ድማ እዚ እዩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽቡቕ ምርዳእን ልባዊ ሞሳን ኪህልወና ኣለዎ። ንኣምላኽ ድማ ዓማቝ ፍቕሪ ኽትህልወና ይግባእ። ከምዚ ንምግባር ኣዘውቲርና ቓል ኣምላኽ ከነጽንዕን ነቲ እንመሃሮ ነገራት ከኣ ብጸሎት ከነስተንትነሉን ኣሎና።

ንኣብነት: ዮሃንስ 3:16 “ኣምላኽ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ትብል። የሆዋ ንደቅሰብ ዓማቝ ፍቕሪ እያ ዘላቶ። እዚ ድማ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ኺርአ ይከኣል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ እተገብረ ኣብነታት ብምስትንታን ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸም ዚዓቢ: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ድማ ከም እትዓሙቕ ክንገብር ንኽእል ኢና። በዚ ድማ ንግጉይ ወይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኽንቃለሶ ንኽእል።

የሆዋ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ጥፍኣት ኬምጽእ ምስ ወሰነ: ንኣብርሃም ዝሓዘሉ ኣገባብ እስከ ንርአ። ኣብርሃም ንየሆዋ ንፍትሑ ብዚምልከት ሸሞንተ ሳዕ እዩ ሓቲትዎ። የሆዋ ግን ዋላ ሓንሳእ እውን ኣይተቘጥዖን። ኣብ ክንዳኡ ብመልሱ ገይሩ ኣጸናንዖ። (ዘፍጥረት 18:22-33) ኣምላኽ ንሎጥን ንስድራቤቱን ኬድሕኖም ከሎ: ሎጥ ኣብ ክንዲ ናብ ከረን ኣብ ቀረባ ናብ ዝነበረት ከተማ ኺሃድም ሓተተ። የሆዋ ድማ “ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ: እንሆ: በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 19:18-22) እዚ ጸብጻብ እዚ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ዚጽበን ዘይፈቃርን ተሪርን ገዛኢ ኸም ዝዀነ ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋልን። የግዳስ: ናይ ብሓቂ ፈቃር: ለዋህ: መሓሪ: ከምኡውን ስምዒታትና ዚርድኣልና ገዛኢ ኸም ዝዀነ እዩ ዜርኢ።

ኣብነት እቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ኣሮን: ዳዊት: ከምኡውን ምናሴ: ኣምላኽ ጕድለት ዚኣርን ሰብ ዚገብሮ ነገር ምንም ዘየሐጕሶን ከም ዝዀነ ጌርካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ። ኣሮን ሰለስተ ሳዕ እዩ ኸቢድ ጌጋ ፈጺሙ። ምራኽ ወርቂ ሰሪሑ: ምስ ሓብቱ ሚርያም ኰይኑ ንሙሴ ኣጕረምሪሙሉ: ኣብ መሪባ ድማ ንኣምላኽ ዘይቅድስን ዘየኽብርን ተግባር ገይሩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ጽቡቕ ባህርያት ስለ ዝረኣየሉ: ክሳዕ ዚመውት ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኼገልግል ፈቒዱሉ እዩ።—ዘጸኣት 32:3, 4፣ ዘሁልቍ 12:1, 2፣ 20:9-13

ንጉስ ዳዊት ኣብቲ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ከቢድ ሓጢኣት እዩ ፈጺሙ። ምንዝር ፈጺሙ: ንጹህ ሰብ ኣቕቲሉ: ከምኡውን ዘይሕጋዊ ቘጸራ ገይሩ እዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ: ዳዊት ንስሓ ኸም ዝኣተወ ርእዩ ነቲ ዝኣተወሉ ቓል ኪዳን መንግስቲ ብምሕላው ክሳዕ ሞቱ ንጉስ ኰይኑ ኪቕጽል ፈቐደሉ።—2 ሳሙኤል 12:9፣ 1 ዜና መዋእል 21:1-7

እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ምናሴ ንበዓል መሰውኢ ሰሪሑ: ንደቁ ብሓዊ ኣሕሊፉ: መናፍስቲ ናይ ምሕታት ልምድታት ኣስፊሑ: ከምኡውን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መሰውኢታት ሰሪሑ እዩ። ካብ ልቡ ምስ ተመልሰ ግን የሆዋ ይቕረ በሎ። ካብ ምርኮ መሊሱ ድማ ንግስነቱ መለሰሉ። (2 ዜና መዋእል 33:1-13) ኣምላኽ ማንም ሰብ ዘየሐጕሶ እንተ ዚኸውንሲ ኸምዚዶ ምገበረ ነይሩ፧ ኣይፋልን።

እቲ ሓሳዊ ኸሳሲ ባዕሉ ተሓታቲ እዩ

ሰይጣን ነቲ ንየሆዋ ዝኸሰሰሉ ባህርያት ባዕሉ ዜንጸባርቖ ምዃኑ ኼገርመና የብሉን። ከመይሲ: ሰይጣን ጨካንን ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ዚጽበን እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ጥንቲ ዚግበር ዝነበረ: ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተተሓሓዘ: ሕጻናት ናይ ምስዋእ ተግባር ኪርአ ይከኣል እዩ። እቶም ከሓድቲ እስራኤላውያን የሆዋ ፈጺሙ ዘይሓሰቦ ነገር ማለት ነወዳቶምን ነዋልዶምን ኣብ ሓዊ ኣንዲዶም እዮም።—ኤርምያስ 7:31

የሆዋ ዘይኰነስ ሰይጣን እዩ ጕድለት ዚኣሪ። ኣብ ራእይ 12:10 ሰይጣን “ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና” ተባሂሉ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧ . . . ይቕሬታ ምሳኻ አሎ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 130:3, 4

ግጉይ ኣተሓሳስባ ዘይህልወሉ እዋን

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበዩስ: መላእኽቲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እፎይ ኢሎም ይዀኑ! (ራእይ 12:7-9) ድሕሪኡ እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም ንንጥፈታት እቶም ኣብ ሰማይ ዚርከቡ መላእኽቲ የሆዋ ኺጸልዉ ኣይከኣሉን።—ዳንኤል 10:13

ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ተመሳሳሊ እፎይታ ኺረኽቡ እዮም። ሓደ መርሖ መዓሙቝን ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ: ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣሲሩ ናብ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ። (ራእይ 20:1-3) ሽዑስ ከመይ ዝበለ ሰላም ኰን እዩ ኺርከብ!

ክሳዕ ሽዑ ግን: ካብ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ግጉይ ወይ ኣሉታዊ ሓሳብ ናብ ኣእምሮና እንተ መጸና: ኣትኵሮና ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ብምግባር ንጻረሮ። ካብኡ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ሓሳብናን ኪሕልዎ እዩ።’—ፊልጲ 4:6, 7

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሎጥ: የሆዋ ንስምዒታትና ዚርዳእ ገዛኢ ምዃኑ ፈለጠ