ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከምቲ የሱስ ክርስቶስ እተመላለሶ ጌርካ ተመላለስ

ከምቲ የሱስ ክርስቶስ እተመላለሶ ጌርካ ተመላለስ

ከምቲ የሱስ ክርስቶስ እተመላለሶ ጌርካ ተመላለስ

“እቲ: ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] እነብር አሎኹ: ዚብል: ከምቲ ንሱ [የሱስ] እተመላለሶ: ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።”1 ዮሃንስ 2:6

1, 2. ንየሱስ ምጥማት ኪበሃል ከሎ: እንታይ የጠቓልል፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ . . . ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 12:1, 2) ብተኣማንነት ክንመላለስ እንተ ዄንና: ንየሱስ ክርስቶስ ክንጥምቶ ኣሎና።

2 እታ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ “ንጠምት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል: “ከየስገልካ ምትኳር:” “ንሓደ ነገር ጥራይ ንኽትርኢ ኢልካ ናብ ካልእ ቍሊሕ ዘይምባል:” “ኣብ ሓደ ነገር ምትኳር” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ሓደ ኣብ ስታድዩም ዚወዳደር ግሪኻዊ ጐያዪ: ካብቲ ቕድድሙን ካብቲ ዚውንጨፈሉ ሸቶኡን ኣቓልቦኡ ተወሲዱ ናብቶም ተዓዘብቲ ቝሊሕ ኣብ ዚብለሉ ህሞት: ፍጥነቱ ኺንኪ ይጅምር ነበረ። ሓደ ክርስትያን እውን ከምኡ እዩ” በለ። ኣቓልቦና ዚወስድ ነገራት ንመንፈሳዊ ዕቤትና ኺዓግቶ ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንየሱስ ክርስቶስ ክንጥምት ኣሎና። ኣብቲ ጀማር እምነትና እንታይ ኢና እንጥምት፧ እታ “ጀማር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ቀንዲ መራሒ: ኣብ ኵሉ ነገራት ዚመርሕን ኣብነት ዚኸውንን” ማለት እያ። ስለዚ: ንየሱስ ምጥማት ኪበሃል ከሎ: ኣብነቱ ምስዓብ የጠቓልል።

3, 4. (ሀ) ከምቲ የሱስ ክርስቶስ እተመላለሶ ጌርና ንኽንመላለስ: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ቘላሕታ ኽንገብረሉ ዚግባእ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ: ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] እነብር አሎኹ: ዚብል: ከምቲ ንሱ [የሱስ] እተመላለሶ: ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 2:6) ከምቲ የሱስ ትእዛዛት ኣቦኡ ዝሓለወ: ንሕናውን ትእዛዛት የሱስ ብምሕላው: ኣብ ኣምላኽ ክንነብር ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 15:10

4 ስለዚ: ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ጌርና ንኽንመላለስ: ከም ጀማር እምነትና ወይ ቀንዲ መራሒና ጌርና ተጠንቂቕና ኽንዕዘቦ: ኣስኣሰሩ ድማ ክንስዕብ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ: ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንሓስበሉ ኣሎና:- ሎሚ ክርስቶስ ዚመርሓና ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ንሱ ዚመላለሰሉ መገዲ ምቕዳሕ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስዓብ እንታይ ጥቕምታት የምጽእ፧

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዝመርሓሉ መገዲ

5. የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሰዓብቱ እንታይ መብጽዓ እዩ ዝኣተወሎም፧

5 የሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ: ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም: ኣገዳሲ ዕዮ ድማ ሃቦም። “ስለዚ: ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: እዚ ቐንዲ መራሒ እዚ “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ነቲ መዝነት እቲ ኺፍጽሙ ኸለዉ ምሳታቶም ከም ዚኸውን ተመባጽዓሎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

6, 7. የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዚመርሓና ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ: ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም: ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:26) እቲ ብስም የሱስ ዚለኣኽ መንፈስ ቅዱስ: ሎሚ ይመርሓናን የበራትዓናን እዩ። መንፈሳዊ ምስትውዓል ይህበና: ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ” ንኽንርድኦ ድማ ይሕግዘና። (1 ቈረንቶስ 2:10) ኣብ ርእሲ እዚውን ከም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት: “ፍረ መንፈስ” እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ: ነዘን ባህርያት እዚኣተን ከነፍሪ ንኽእል ኢና።

7 ቅዱሳት ጽሑፋት ከነጽንዕን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ክንጽዕር ከለና: መንፈስ የሆዋ ብጥበብ: ብምስትውዓል: ብምርዳእ: ብፍልጠት: ብፍርዲ: ከምኡውን ብናይ ምሕሳብ ክእለት ንኽንዓቢ ይሕግዘና። (ምሳሌ 2:1-11) መንፈስ ቅዱስ እውን ንዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንጾሮ ይድግፈና። (1 ቈረንቶስ 10:13፣ 2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:13) ክርስትያናት ‘ቅድስና እናመልኡ: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእሶም ኬንጽሁ’ ተማዒዶም ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ: ብሓቅዶ ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ናይ ቅድስና ወይ ንጽህና ስርዓት ከነማልእ ንኽእል ኢና፧ ሓደ ኻብቲ ሎሚ የሱስ ንኺመርሓና ዚጥቀመሉ መገዲ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ኺጥቀመሉ ዝሃቦ መንፈስ ቅዱስ እዩ።—ማቴዎስ 28:18

8, 9. ክርስቶስ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መሪሕነት ንምሃብ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧

8 ሎሚ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዚመርሓሉ ኻልእ መገዲ እስከ ንርአ። ብሓይሊ መንግስቱ ኣብ ዚህልወሉን ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዝን ኪዛረብ ከሎ: “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ: ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴዎስ 24:3, 45-47

9 እቲ “ጐይታ:” የሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ “ባርያ” ኸኣ: ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ክርስትያናት እዮም። እዚ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ እዚ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ናይ የሱስ ዘበለ ነገራት ኪኣልን መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ኺህብን ተመዚዙ ኣሎ። ካብቶም ብጕጅለ ሰባት ዝቘሙ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተወስዱ ሒደት ብቕዓት ዘለዎም ተዓዘብቲ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ንኣመሓዳሪ ኣካል የቝሙ: እዚኣቶም ከኣ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ወኪሎም የገልግሉ። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን መንፈሳዊ ምግቢ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ንኺበጽሕን የመሓድሩ። በዚ ኸምዚ ክርስቶስ ብመንፈስ ብእተቐብኡ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ከምኡውን በቲ ኣመሓዳሪ ኣካሉ ኣቢሉ ነታ ማሕበር ይመርሓ።

10. ንሽማግለታት ዘሎና ኣረኣእያ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

10 ካልእ ክርስቶስ ዚመርሓሉ መገዲ ኸኣ: እቶም ኣብ ጉባኤ ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ‘ውህበት ሰብ’ እዮም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም እተዋህቡ “እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ” ተባሂሉ እዩ። (ኤፌሶን 4:8, 11, 12) እብራውያን 13:7 ብዛዕባኦም “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ” ትብል። ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ ናይ መሪሕነት ቦታ ኣለዎም። ንክርስቶስ የሱስ ስለ ዚመስልዎ: ንእምነቶም ክንስዕብ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 11:1) ነዞም ‘ውህበት ሰብ’ እዚኣቶም ተኣዘዝትን ተገዛእትን ብምዃን: ነቲ ንሽማግለታት ብዚምልከት እተገብረልና ምድላው ምስጋና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 13:17

11. ሎሚ ክርስቶስ ንሰዓብቱ በየናይ መገድታት እዩ ዚመርሖም ዘሎ፧ ከምቲ ንሱ ገይሩ እተመላለሶ ጌርካ ምምልላስከ እንታይ የጠቓልል፧

11 እወ: ኣብዚ ግዜና የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ብመንፈስ ቅዱስ: በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ከምኡውን ብናይ ጉባኤ ሽማግለታት ኣቢሉ ይመርሖም ኣሎ። ከምቲ ክርስቶስ እተመላለሶ ጌርና ንኽንመላለስ: ነቲ ዚመርሓሉ መገዲ ኽንርድኦን ክንግዝኦን ኣሎና። ነቲ ዚመላለሰሉ መገዲ እውን ክንቀድሖ የድሊ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:21) የሱስ ዝገደፈልና ፍጹም ኣርኣያ ምስዓብ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

ስልጣንካ ኽትጥቀመሉ ኸለኻ ሚዛናዊ ኹን

12. እንታይ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት እዩ ብፍላይ ንሽማግለታት ጉባኤ ዜገድሶም፧

12 የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣቦኡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስልጣን እኳ እንተ ተዋህቦ: ንስልጣኑ ብሚዛናዊ መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ: ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት ሚዛናውያን ብምዃን ‘ለውሃቶም ኣብ ኵሉ ሰብ ከም ዚፍለጥ’ ኪገብሩ ኣለዎም። (ፊልጲ 4:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2, 3) ሽማግለታት ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ ጉባኤ ስልጣን ስለ ዘለዎም: ነቲ ስልጣኖም ኣብ ዚጥቀሙሉ መገዲ ኣስኣሰር ክርስቶስ ኪስዕቡ ይግባእ።

13, 14. ሽማግለታት ንኻልኦት ሰባት ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኼተባብዑ ኸለዉ: ብኸመይ እዮም ንክርስቶስ ኪመስልዎ ዘለዎም፧

13 የሱስ ዓቕሚ ደቀ መዛሙርቱ ድሩት ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ። ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኺገብሩ ኣይተጸበዮምን። (ዮሃንስ 16:12) ጸቕጢ ኸይገበረ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ‘ኪጋደሉ’ ኣተባብዖም። (ሉቃስ 13:24) ግንባር ቀደም ብምዃንን ልቦም ብምትንካፍን እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ብተመሳሳሊ: ሰባት ብሕፍረት ወይ ብናይ ገበን ስምዒት ተደሪኾም ንኣምላኽ ንኼገልግሉ ኣይግድድዎምን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ካብቲ ንየሆዋን ንየሱስን ከምኡውን ንሰባት ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም: ንየሆዋ ኼገልግሉ የተባብዕዎም።—ማቴዎስ 22:37-39

14 የሱስ ነቲ እተዋህቦ ስልጣን ንህይወት ሰባት ብምቍጽጻር ብዘይ ግቡእ ኣይተጠቕመሉን። ኪብጻሕ ዘይከኣል ስርዓታትን ማእለያ ዘይብሉ ሕግታትን ኣየንበረን። የግዳስ: ንሰባት በቲ ንሕጊ ሙሴ መሰረት ዝዀኖ ስርዓታት ገይሩ ልቦም ብምትንካፍ እዩ ኺድርኾም ዚጽዕር ነይሩ። (ማቴዎስ 5:27, 28) ሽማግለታት እውን ንየሱስ ክርስቶስ ብምምሳል: ናይ ብሕቶም ሕጊ ኻብ ምውጻእ ወይ ብሕታዊ ኣረኣእያኦም ኪሕሎ ኻብ ምግዳድ ይቝጠቡ እዮም። ኣብ ከም ኣከዳድና: ትርኢት: ወይ መዘናግዒ ዝኣመሰለ ጕዳያት: ኣብ ከም ሚክያስ 6:8፣ 1 ቈረንቶስ 10:31-33፣ ከምኡውን 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ብዚርከብ ዝኣመሰለ ስርዓታት ኣምላኽ ገይሮም ልቢ ክርስትያናት ኪትንክፉ ይጽዕሩ።

ደንጋጽን ይቕረ በሃልን ኩን

15. የሱስ ንጕድለት ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ እዩ ዝሓዞ፧

15 ክርስቶስ ንጕድለትን ጌጋን ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝሓዘሉ መገዲ እውን ኣርኣያ ሓዲጉልና እዩ። ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ምሸት ዘጋጠመ ኽልተ ፍጻመታት እስከ ንርአ። ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጌተሰማኔ ምስ ከደ: “ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ:” “ንቕሑውን” በሎም። ድሕሪኡ: “ቅሩብ ንቕድሚት ሕልፍ ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ: . . . ጸለየ።” ምስ ተመልሰ: “ደቂሶም ከኣ ረኸቦም።” የሱስ እንታይ በለ፧ “መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” በለ። (ማርቆስ 14:32-38) ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ብተሪር ቃል ኣብ ክንዲ ዚግስጾም: ድንጋጹ ገለጸሎም። በታ ምሸት እቲኣ: ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ። (ማርቆስ 14:66-72) ድሕሪኡ የሱስ ንጴጥሮስ እንታይ ገበሮ፧ ‘ጐይታ ተንሲኡ: ንስምኦን [ጴጥሮስ] ተራእዮ።’ (ሉቃስ 24:34) መጽሓፍ ቅዱስ “ንኬፋ: ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:5) የሱስ ኣብ ክንዲ ዚቕየም: ነቲ እተነስሐ ሃዋርያ ይቕረ በለሉን ኣበራትዖን። ጸኒሑ: የሱስ ንጴጥሮስ ዓበይቲ ሓላፍነታት ሃቦ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:14፣ 8:14-17፣ 10:44, 45

16. ክርስትያናት ብጾትና ምስ ዜጕህዩናን ዚጐድኡናን: ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ጌርና ኽንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ክርስትያናት ብጾትና ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ኼጕህዩና ወይ ኪጐድኡና ኸለዉ: ከም የሱስ ደንገጽትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ኣይግብኣናንዶ፧ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ: . . . መርቑ ደኣ እምበር: እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:8, 9) ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ኸም የሱስ ዚኸውን: ዘይድንግጸልና ወይ ይቕረ ዘይብለልና እንተ ዀነኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ እውን ከይተረፈ: ንየሱስ ክንመስሎን ከምቲ ንሱ ዚገብሮ ኽንገብርን ግዴታ ኣሎና።—1 ዮሃንስ 3:16

ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ሃብ

17. የሱስ: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ከም ዝሃቦ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

17 ብኻልእ መገዲ እውን ከምቲ የሱስ ክርስቶስ እተመላለሶ ጌርና ኽንመላለስ ኣሎና። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኣብ ህይወት የሱስ ቀዳማይ ቦታ እዩ ሒዙ ነይሩ። ኣብ ሰማርያ ጥቓ ኸተማ ሲካር ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ድሕሪ ምስባኹ: ንደቀ መዛሙርቱ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 4:34) ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባር እዩ ዚናበር ነይሩ፣ ከምዚ ምግባር ንዕኡ ኸም ምግቢ ዚዕንግልን ዜዕግብን መንፈስ ዜሐድስን እዩ ነይሩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ብምትኳር ንየሱስ ምምሳሉስ: ናብ ናይ ብሓቂ ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት እንተ ዘይኰይኑ ናብ ካልእዶ ይመርሓና እዩ፧

18. ንውሉዳት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪጽመዱ ምትብባዕ እንታይ በረኸት የምጽእ፧

18 ወለዲ ንደቆም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪጽመዱ ምስ ዜተባብዕዎም: ንሳቶም ኰኑ ደቆም ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ እዮም። ሓደ ማንታ ውሉዳት ዘለውዎ ኣቦ: ንደቁ ኻብ ቍልዕነቶም ኣትሒዙ ፓይነራት ኪዀኑ ሸቶ ገበረሎም። እቶም ማናቱ ዓለማዊ ትምህርቶም ምስ ወድኡ: ፓይነራት ኰኑ። እቲ ኣቦ በዚ ምኽንያት እዚ ዝረኸቦ ሓጐስ ኪገልጽ ከሎ: “ደቅና ኣየሕፈሩናን። ‘ውሉድ ውህበት የሆዋ እዮም’ ክንብል እንኽእል ብምዃንና ነማስዎም ኢና” በለ። (መዝሙር 127:3) ውሉዳትከ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምስዓቦም ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧ ሓንቲ ኣደ ሓሙሽተ ኸምዚ በለት:- “ደቀይ ፓይነራት ኰይኖም ምግልጋሎም ምስ የሆዋ ዝጠበቐ ርክብ ንኼማዕብሉ ሓጊዝዎም: ነቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ልማዶም ኣመሓይሽዎ: ግዜኦም ከመይ ገይሮም ብጥበብ ከም ዚጥቀሙሉ ንኺፈልጡ ሓጊዝዎም: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ንኺህቡ ኣኽኢልዎም እዩ። ኵላቶም ብዙሕ ምትዕርራይ ኪገብሩ እኳ እንተ ነበሮም: በቲ ኺስዕብዎ ዝመረጹ መገዲ ግን ዋላ ሓደ ኻብኦም እተጣዕሰ የለን።”

19. መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ እንታይ መደባት እዮም ብጥበብ ኪሓስቡሉ ዘለዎም፧

19 ኣቱም መንእሰያት: ንመጻኢ እንታይ መደብ እዩ ዘለኩም፧ ኣብ ገሊኡ ዓውዲ ሞያ ብሉጻት ክትኰኑ ዲኹም እትጽዕሩ ዘለኹም፧ ወይስ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽትኣትዉ ኢኹም እትጽዕሩ ዘለኹም፧ ጳውሎስ “ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ኢሉ መዓደ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር: ዓያሱ ኣይትኹኑ” በለ።—ኤፌሶን 5:15-17

እሙን ኩን

20, 21. የሱስ በየናይ መገድታት እዩ እሙን ዝነበረ፧ ንሕና ንተኣማንነቱ ኽንቀድሖ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

20 ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ጌርና ንኽንመላለስ: ንተኣማንነቱ ኽንቀድሖ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተኣማንነት የሱስ ኪገልጽ ከሎ: “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ” ይብል። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘለዎ ፍቓድ ተገዛኢ ብምዃን: ብተኣማንነት ንልዑላውነት የሆዋ ደገፈ። ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ኽሳዕ ዚመውት ተኣዘዘ። “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ” ኪህልወናን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብተኣማንነት ተገዛእቲ ኽንከውንን ኣሎና።—ፊልጲ 2:5-8

21 የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ እውን ተኣማንነት ኣርእዩ እዩ። ድኽመትን ዘይፍጽምናን እኳ እንተ ነበሮም: “ክሳዕ መወዳእታ” ኣፍቀሮም። (ዮሃንስ 13:1) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ብሰንኪ ኣሕዋትና ዘርእይዎ ዘይፍጽምና: ነቐፍቲ ኽንከውን የብልናን።

ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ጠቢቕካ ስዓብ

22, 23. ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ጠቢቕካ ምስዓብ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

22 ልክዕ እዩ: ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና: ኣሰር እቲ ፍጹም ኣርኣያና ብትኽክል ክንስዕብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር: ብእተኻእለና መጠን ኣስኣሰሩ ንኽንስዕብ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ከምዚ ንኽንገብር: ክርስቶስ ዚመርሓሉ መገዲ ኺርድኣናን ነቲ ዝገደፈልና ኣብነት ጠቢቕና ኽንስዕቦን ኣሎና።

23 ንክርስቶስ እንተ መሲልናዮ: ብዙሕ በረኸት ኢና እንረክብ። ፍቓድና ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ስለ እነተኵር: ኣብ ህይወትና ዝያዳ ትርጕምን ዕግበትን ንረክብ። (ዮሃንስ 5:30፣ 6:38) ሰናይ ሕልና ይህልወና። እንመላለሰሉ መገዲ ኣብነታዊ ይኸውን። የሱስ ኵሎም እቶም ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን ናብኡ ኪመጹን ንነፍሶም ዕረፍቲ ኺረኸቡን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 11:28-30) ኣብነት የሱስ ምስ እንስዕብ: ንሕናውን ምስ ሰባት ብዘሎና ምቅርራብ ንኻልኦት ዕረፍቲ ኸነምጽእ ንኽእል ኢና። እምበኣር: ብሕጂውን ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ጌርና ንመላለስ።

ትዝክሮዶ፧

• ሎሚ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ዚመርሖም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

• ሽማግለታት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን ኪጥቀሙሉ ኸለዉ መሪሕነት ክርስቶስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ንጕድለታት ካልኦት ኣብ እንሕዘሉ መገዲ: ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• መንእሰያት ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ኪህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ንመሪሕነት ክርስቶስ ንኽንስዕብ ይሕግዙና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም መንእሰያት: ዓስቢ ዘለዎ ክርስትያናዊ ህይወት ምእንቲ ኺህልወኩም እንታይ መደባት ተውጽኡ ኣለኹም፧