ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካልኦት ብዛዕባና ዚሓስብዎ ኣገዳሲ ድዩ፧

ካልኦት ብዛዕባና ዚሓስብዎ ኣገዳሲ ድዩ፧

ካልኦት ብዛዕባና ዚሓስብዎ ኣገዳሲ ድዩ፧

ኵላትና ኽንነኣድ ንደሊ ኢና። ብዛዕባና ጽቡቕ ኪዝረብ ከሎ ባህ እዩ ዚብለና: ዕግበት ድማ የምጽኣልና። ብኻልኦት ሰባት ተቐባልነት ምርካብና ነቲ ዝነበረና ኽእለት ንኸነመሓይሾ እውን ይገብረና እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ሰባት ዕሽሽ ኪብሉና ኸለዉ: ስምዒትና ኣዝዩ እዩ ዚጕዳእ። ባህ ዘየብል ምላሽ ወይ ከኣ ነቐፌታ ንመንፈስና ኺጐድኦ ይኽእል እዩ። እቲ ኻልኦት ብዛዕባና ዘለዎም ርእይቶ: ነቲ ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ።

ነቲ ኻልኦት ብዛዕባና ዘለዎም ርእይቶ ዕሽሽ ምባል ጌጋ እዩ። ኣብ ክንዳኡ: ካልኦት ነቲ እንገብሮ ተግባራት ብምምርማሮም ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ርእይቶኦም ኣብ ልዑል ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት እተመርኰሰ እንተደኣ ዀይኑ: ጠቓምን ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር ዜተባብዕን ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 10:31-33) ይኹን እምበር: ናይ ሓፋሽ ርእይቶ መብዛሕትኡ እዋን ዘይርትዓዊ እዩ። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ካልኦት ሰባትን ንየሱስ ክርስቶስ “ስቐሎ: ስቐሎ:” ኢሎም ኪጭድሩ ኸለዉ ዝነበሮም እተዛብዐ ኣረኣእያ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ሉቃስ 23:13, 21-25) ካብ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ: ኣብ ቅንኢ: ወይ ከኣ ኣብ ጽልኢ እተመርኰሰ ኣረኣእያ ኽንርሕቕ ኣሎና። ስለዚ: ጽቡቕ ጌርና ኸነመዛዝን: ነቲ ናይ ካልኦት ርእይቶ ድማ ብምስትውዓል ክንወስዶ ይግባእ።

ናይ መን ርእይቶ እዩ ብሓቂ ዜገድስ፧

በቶም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚቐርቡና ሰባት ተቐባልነት ክንረክብ ንደሊ ኢና። እቶም ዚቐርቡና ሰባት ኣባላት ስድራቤትናን ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 15:2-3፣ ቈሎሴ 3:18-22) እቲ ኻብኦም እንረኽቦ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከምኡውን ኣብ ንሓድሕድና ዘሎ ‘ምጽንናዕን’ ንዓና ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ‘ብትሕትና ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ንርእዮም ኢና።’ (ፊልጲ 2:2-4) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ በቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ‘ናይ መሪሕነት’ ቦታ ዘለዎም ሽማግለታት ተቐባልነት ክንረክብ ንደሊ ኢና።—እብራውያን 13:17

ካልእ ኣድላዪ ነገር ድማ ‘ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክርነት ምህላው’ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:7) ዘይኣምኑ ኣዝማድና: መሳርሕትና: ከምኡውን ጐረባብትና ኬኽብሩና ኸለዉ: ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! ነቶም እንሰብከሎም ሰባትከ ናብቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስሓብ ጽቡቕ ጦብላሕታ ደይኰንናን ክንገድፈሎም እንፍትን፧ ኣብ ማሕበረሰብና ብስነ-ምግባር ጽሩያትን ቅኑዓትን ሓቀኛታትን ኴንና ምስ እንፍለጥ: ንኣምላኽ ክብሪ እዩ ዜምጽኣሉ። (1 ጴጥሮስ 2:12) ይኹን እምበር: ምእንቲ ብኻልኦት ተቐባልነት ክንረክብ ኢልና: ነቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይነእትዎን ኢና: ግብዝነት ድማ ኣይነርእን ኢና። ንዅሉ ሰብ ከነሐጕስ ከም ዘይንኽእል ክንፈልጥ ኣሎና። የሱስ “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 15:19) ካብቶም ተጻረርትና ኣኽብሮት ንኽንረክብ ግን እንታይ ክንገብር ምኸኣልና፧

ካብ ተጻረርቲ ኣኽብሮት ምርካብ

የሱስ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ: ቀጺሉ ድማ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 10:22) እዚ ጽልኢ እዚ ሓድሓደ ግዜ ብኽፍኣት እተገብረ ኽስታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ቔናን ኣረኣእያ ዘለዎም ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ከም “መናዓብቲ” ወይ “ኣንጻር መንግስቲ” ገይሮም ኪርእዩና ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ተጻረርቲ ድማ ክንእገድ ዚግባእ ኣሸገርቲ ኣንቆራ ኸም ዝዀንና ገይሮም ብግህዶ ይዛረቡ ይዀኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) ሓድሓደ ግዜ ነዞም ናይ ሓሶት ክስታት እዚኣቶም መልሲ ኽንህበሎም ኣሎና። ብኸመይ፧ ነቲ ጴጥሮስ “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ዚብል ምኽሪ ብምስዓብ ኢና መልሲ እንህበሉ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ብተወሳኺ እውን “ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ኽፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ: . . . መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ” ጌርና ኽንምልስ ንኽእል ኢና።—ቲቶስ 2:8

ንርእስና ኻብዚ ነገራት እዚ ንኽንከላኸለላ እናጸዓርና ኸለና በቲ ዚበጽሓና ዘይርትዓዊ ጠቐነ ተስፋ ኽንቈርጽን ክንጭነቕን የብልናን። እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ተጻራፊ: መናዓቢ: ከምኡውን ሓተታ መናፍስቲ ኸም ዚገብር ተገይሩ ተኸሲሱ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 9:3፣ ማርቆስ 3:22፣ ዮሃንስ 19:12) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ስሙ ተኻፊኡ እዩ። (1 ቈረንቶስ 4:13) የሱስን ጳውሎስን ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽስታት እዝኒ ኸይሃቡ ኣብ ስርሖም ተጸሚዶም ነበሩ። (ማቴዎስ 15:14) “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ስለ ዘይሰሓትዎ: በቶም ጸላእቶም ተቐባልነት ከም ዘይረኽቡ ይፈልጡ ነበሩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ጸገም እዩ ዚወርደና። እምበኣር እቶም ተጻረርትና ብዛዕባና ብሓሶት እንተ ተዛረቡ: ክንፈርህ የብልናን።—ማቴዎስ 5:11

እቲ ብሓቂ ዜገድስ ርእይቶ

እቲ ሰባት ብዛዕባና ዚሓስብዎ ነገራት ኣብ ውሽጣዊ ድራኸታቶምን ኣብቲ ዚሰምዕዎን እተመርኰሰ እዩ። ገለ ሰባት ኪንእዱናን ኬኽብሩናን ከለዉ: ገሊኦም ግን ይጸርፉናን ይጸልኡናን እዮም። ይኹን እምበር: ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምራሕ እንተደኣ ዄንና: ሕጕሳት ንኸውን: ሰላም ድማ ንረክብ።

ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ኣብ ኵሉ መዳያት ንቓል ኣምላኽ ከም መምርሒና ጌርና ንርእዮ እንተደኣ ዄንና: ሞገስ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ብሓቂ ዜገድስ ርእይቶ ናይ የሆዋን ናይ ወዱን እዩ። እቲ ንዓና ዘለዎም ኣረኣእያ: ነቲ ናይ ሓቂ ዋጋና ዜርኢ እዩ። ህይወትና እውን ስምረቶም ኣብ ምርካብ እተመርኰሰት እያ።—ዮሃንስ 5:27፣ ያእቆብ 1:12

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

“ናእዳ ብውሽጠይ ስለ ዚምነዮ: የሕፍረኒ እዩ።”—ህንዳዊ ገጣሚ ራቢንድራናዝ ታጎር

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣመንቲ ብጾትና ብዛዕባና ዘለዎም ርእይቶ ኣገዳሲ እዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Culver Pictures