ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

እንድርያስ ዚበሃል ሓደ ኣይሁዳዊ መንእሰይ: ነተን የሱስ ብዓል ናዝሬት እተዛረበን ቃላት ፈለማ ምስ ሰምዐ ኸመይ ከም እተሰምዖ እሞ ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ እንድርያስ ናብ ሓዉ ብቕልጡፍ ከይዱ: “ንመሲህ:—ክርስቶስ ዝትርጉሙ:—ረኺብናዮ” ኸም ዝበሎ ይገልጽ። (ዮሃንስ 1:41) እተን “መሲህ” ከምኡውን “ክርስቶስ” ተባሂለን እተተርጐማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት “ቅቡእ” ዚብል ትርጕም ኣለወን። የሱስ ቅቡእ ወይ ድማ ብኣምላኽ እተመርጸ: መብጽዓ እተገብረሉ መራሒ እዩ። (ኢሳይያስ 55:4) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ትንቢታት ስለ ዝነበረ: እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣይሁድ ከም ዚመጽእ ይጽበዩ ነበሩ።—ሉቃስ 3:15

ከመይ ጌርና ኢና ግን የሱስ ብሓቂ ብኣምላኽ እተመርጸ ኸም ዝዀነ ኽንፈልጥ እንኽእል፧ ብ29 ድ.ክ. የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ እንታይ ከም እተፈጸመ እስከ ንርአ። ብዮሃንስ መጥምቕ ንኺጥመቕ ኢሉ ናብ ርባ ዮርዳኖስ ወረደ። መጽሓፍ ቅዱስ “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ። እንሆ ድማ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ” ይብለና። (ማቴዎስ 3:16, 17) ዮሃንስ ነዘን ቃላት እዚአን ድሕሪ ምስማዑ: የሱስ ብኣምላኽ እተመርጸ ምዃኑ እተጠራጠረዶ ይመስለካ፧ የሆዋ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሱ ኣብ የሱስ ብምፍሳስ: ንጉስ እታ እትመጽእ መንግስቱ ኪኸውን ቀብኦ ወይ ድማ ሸሞ። በዚ ድማ የሱስ: ክርስቶስ ወይ ከኣ ቅቡእ ኰነ። ብኸመይ እዩ ግን የሱስ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ፧ መበቈሉኸ ኻበይ እዩ፧

መበቈሉ “ኻብ ጥንቲ” ዝዀነ

ህይወት የሱስ ኣብ ሰለስተ ምዕራፍ ኪኽፈል ይኽእል እዩ። እቲ ናይ መጀመርታ: ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምውላዱ ነዊሕ ይገብር እዩ ጀሚሩ። ሚክያስ 5:2 መበቈሉ ወይ ምውጻኡ “ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም” ከም ዝዀነ ትገልጽ። የሱስ ባዕሉውን “ኣነ ኻብ ላዕሊ [ሰማይ] እየ” በለ። (ዮሃንስ 8:23) ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ።

ኵሉ ፍጥረት መጀመርታ ስለ ዘለዎ: ኣምላኽ በይኑ ዚነብረሉ እዋን ነይሩ እዩ። ቅድሚ ማእለያ ዘይብሉ ዘመናት ግን ኣምላኽ ኪፈጥር ጀመረ። መጀመርታኸ ንመን ፈጠረ፧ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ: የሱስ “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ትገልጽ። (ራእይ 3:14) የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” እዩ። ከመይሲ: “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ: ዚርኤን ዘይርኤን: . . . ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ” እዩ። (ቈሎሴ 1:15, 16) ኣምላኽ ንየሱስ ጥራይ እዩ ባዕሉ ብቐጥታ ፈጢርዎ። ስለዚ ድማ እዩ “ሓደ ወዱ” እተባህለ። (ዮሃንስ 3:16) እዚ በዅሪ ወዲ እዚ “ቓል” ዚብል መዓርግ እውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 1:14) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጻኡ: ኣብ ሰማይ ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ይዓዪ ነበረ።

“ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን” ኪፍጠር ከሎ: “ቃል” ምስ የሆዋ ኣምላኽ ነበረ። ንዕኡ እዩ ኣምላኽ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ዝበሎ። (ዘፍጥረት 1:1, 26፣ ዮሃንስ 1:1) እቲ በዅሪ ወዲ የሆዋ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ብንጥፈት ይዓዪ ነበረ። ኣብ ምሳሌ 8:22-31 “ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ ፈጣሪ] ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ኸም ዝበለ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ።

የሆዋ ኣምላኽን እቲ በዅሪ ወዱን ብሓባር ምዕያዮምሲ: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣቀራሪብዎም ኪኸውን ኣለዎ! እቲ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ምስ የሆዋ ማእለያ ንዘይብሉ እዋን ዝነበሮ ምቅርራብ: ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። እዚ እዙዝ ወዲ እዚ ልክዕ ከም ኣቦኡ ዀነ። አረ ኣብ ቈሎሴ 1:15 እሞ ኸኣ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” እዩ ተባሂሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ብዛዕባ የሱስ ምፍላጥና: ብመንፈስ ዜድልየና ነገራትን ብዛዕባ ኣምላኽ ንምፍላጥ ዘሎና ባህግን ዜማልኣልና። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዚደልዮ እዩ ዚገብር ነይሩ። ስለዚ: ንየሱስ ብዝፈለጥናዮ መጠን ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ኢና እንፈልጥ። (ዮሃንስ 8:28፣ 14:8-10) ከመይ ኢሉ እዩ ግን የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ፧

ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ መጸ

እቲ ኻልኣይ ምዕራፍ ህይወት የሱስ: ኣምላኽ ንወዱ ናብ ምድሪ ምስ ሰደዶ እዩ ዚጅምር። የሆዋ ንህይወት የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም እትበሃል እምንቲ ኣይሁዳዊት ድንግል ብተኣምራዊ መገዲ ኣመሓላለፎ። የሱስ ሰብኣዊ ኣቦ ስለ ዘይነበሮ: ዘይፍጸምና ኣይወረሰን። መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሊ የሆዋ ናብ ማርያም ወረደ: ሓይሉ ኸኣ ‘ኣጽለላ:’ በዚ ድማ ብተኣምራዊ መገዲ ጠነሰት። (ሉቃስ 1:34, 35) ስለዚ: ማርያም ፍጹም ሕጻን ወለደት። ከም ወዲ ዮሴፍ እቲ ጸራቢ ዀይኑ ኣብ ማእከል ትሑታት ስድራቤት ዓበየ: በዅሪ ገዛ ድማ ነበረ።—ኢሳይያስ 7:14፣ ማቴዎስ 1:22, 23፣ ማርቆስ 6:3

ብዛዕባ ቝልዕነት የሱስ ብዙሕ ዚፍለጥ እኳ እንተ ዘይኰነ: ኣብ ሓደ እዋን እተፈጸመ ግን ኣቓልቦ ዚስሕብ እዩ። የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ: ወለዱ ኸምቲ በብዓመት ዚገብርዎ ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ሒዞምዎ ኸዱ። ኣብቲ እዋን እቲ: ኣብ ቤተ መቕደስ “ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን” ነዊሕ እዋን ገበረ። “ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።” እቲ መንእሰይ ዝነበረ የሱስ ዜመራምር መንፈሳዊ ሕቶታት ምሕታቱ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ምስትውዓል ዝመልኦ መልስታቱ እውን ንብዙሓት ሰባት ኣገረሞም። (ሉቃስ 2:41-50) ኣብ ከተማ ናዝሬት እዩ ዓብዩ: ካብቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ ድማ ናይ ጸራብነት ሞያ ለመደ።—ማቴዎስ 13:55

የሱስ 30 ዓመት ክሳዕ ዚዀኖ ኣብ ናዝሬት ይነብር ነበረ። ካብኡ ንኺጥመቕ ናብ ዮሃንስ ከደ። ድሕሪ ጥምቀቱ ድማ ንጡፍ ኣገልግሎቱ ጀመረ። ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸ ኣብ ብምልእታ ዓዱ ዞረ። ካብ ኣምላኽ እተላእከ ኸም ዝዀነ ኸኣ ኣርኣየ። ብኸመይ፧ ተኣምራት: ማለት ሰባት ኪገብርዎ ዘይኽእሉ ሓይሊ ዚረኣየሉ ተግባር ብምፍጻም ኣርኣየ።—ማቴዎስ 4:17፣ ሉቃስ 19:37, 38

የሱስ ለዋህን ደንጋጽን እውን ነበረ። ለውሃቱ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ዝነበሮ ኣረኣእያን ንሰባት ኣብ ዝሓዘሉ ኣገባብን ተራእዩ እዩ። ተቐራብን ሕያዋይን ብምንባሩ ሰባት: አረ ቘልዑ እውን ከይተረፉ ናብኡ ይስሓቡ ነይሮም እዮም። (ማርቆስ 10:13-16) ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ እዋን ኣንስቲ ትሕት ኣቢልካ ዚርኣያ እኳ እንተ ነበራ: የሱስ ግን ብኣኽብሮት እዩ ዚርእየን ነይሩ። (ዮሃንስ 4:9, 27) ንድኻታትን ንጭቁናትን ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ ኺረኽቡ’ ይሕግዞም ነበረ። (ማቴዎስ 11:28-30) ትምህርትታቱ ኸኣ ንጹርን ቀሊልን ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእልን ነበረ። ሰማዕቱ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የሆዋ ንኺፈልጥዎ ልባዊ ባህጊ ኸም ዘለዎ: ኣብቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ይንጸባረቕ ነበረ።—ዮሃንስ 17:6-8

የሱስ በቲ ተኣምር ንምግባር እተዋህቦ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተጠቒሙ: ንሕሙማት ብድንጋጽ ኣሕወዮም። (ማቴዎስ 15:30, 31) ንኣብነት: ሓደ ለምጻም መጺኡ “እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” በሎ። የሱስከ እንታይ ገበረ፧ ኢዱ ዘርጊሑ “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ኢሉ ተንከዮ። እቲ ሕሙም ዝነበረ ድማ ሓወየ።—ማቴዎስ 8:2-4

ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ህዝቢ ንሰለስተ መዓልቲ ምንም ከይበልዑ ምስ የሱስ ጸንሑ። ነቶም ህዝቢ ስለ ዝደንገጸሎም: “ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን: ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኣይ” ብተኣምራዊ መገዲ መገበ። (ማቴዎስ 15:32-38) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ የሱስ ንፈተውቱ: ማዕበል ብምህዳእ ኣድሓኖም። (ማርቆስ 4:37-39) ንዝሞቱ ሰባት ኣተንሲኡ ወይ ድማ እንደገና ህያው ገይሩ እዩ። a (ሉቃስ 7:22፣ ዮሃንስ 11:43, 44) የሱስ ዘይፍጹማት ሰባት ንመጻኢ ተስፋ ምእንቲ ኺህልዎም ኢሉ ፍጹም ህይወቱ ብፍታው ወፈየ። ኣየ ኸመይ ዝበለት ዓማቝ ፍቕሪ ዀን እያ ነይራቶ!

ሎሚ የሱስ ኣበይ እዩ ዘሎ፧

የሱስ ኣብ 33ን ፈረቓን ዓመቱ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ሞተ። b እንተዀነ ግን: ህይወቱ ኣብዚ ኣየብቀዐን። የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ምስ ኣተንስኦ: ሳልሳይ ምዕራፍ ህይወቱ ጀመረ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ በማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ተራእየ። (1 ቈረንቶስ 15:3-8) ድሕሪኡ ንጉሳዊ ስልጣኑ ኽሳዕ ዚቕበል “ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (እብራውያን 10:12, 13) ግዚኡ ምስ ኣኸለ ድማ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ንየሱስ ብኸመይ ኢና ኽንሓስቦ ዘሎና፧ ንኺመውት ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ጌርና ዲና ኽንሓስቦ ዘሎና፧ ወይስ ኪምለኽ ከም ዚግብኦ፧ ሎሚ: የሱስ ሰብ ኣይኰነን: ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እውን ኣይኰነን። የግዳስ: ሓያል መንፈሳዊ ፍጡርን ንጉስን እዩ። ኣብ ኣዝዩ ቐረባ እዋን ከኣ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ምድርና ግዝኣቱ ኺጅምር እዩ።

ኣብ ራእይ 19:11-16 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተቐሚጡ ብጽድቂ ኺፈርድን ኪዋጋእን ከም ዚመጽእ ብምሳልያዊ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። “ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ” ኸኣ ኣለዎ። ብርግጽ: የሱስ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ተጠቒሙ ነቶም እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። እቶም ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገደፎ ኣርኣያ ኺስዕቡ ዚጽዕሩኸ፧ (1 ጴጥሮስ 2:21) ንሱን ኣቦኡን ካብታ እትመጽእ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ማለት ኣርማጌዶን ኬድሕንዎም እዮም። ካብኡ ምድራውያን ተገዛእቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ራእይ 7:9, 14፣ 16:14, 16፣ 21:3, 4

የሱስ ኣብቲ ሰላማዊ ግዝኣቱ: ብዙሕ ዜደንቕ ተኣምራት ንደቅሰብ ኪፍጽመሎም እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:1-10) ሕማምን ሞትን ካብ ምድሪ ኼጥፍእ እዩ። ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ኼተንስኦም እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜደንቕ ህይወት ኪህልወና እዩ። ስለዚ እምበኣር: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ብምድላብ: ንየሱስ ክርስቶስ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ኣገዳሲ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ የሱስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ተኣምራት ኵሉ ሰብ እዩ ዚፈልጦ ነይሩ። ጸላእቱ እኳ ኸይተረፉ “ብዙሕ ተኣምራት ይገብር” ምንባሩ ተኣሚኖም እዮም።—ዮሃንስ 11:47, 48

b ክርስቶስ ካብ ኣብ ቀጥ ዝበለ ዕንጸይቲ ወይ ካብ ኣብ መስቀል ኣበየናይ ከም እተሰቕለ ዝያዳ መረዳእታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 89-90 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት: የሱስ ኣምላኽ እዩ እዮም ዚብሉ። ገሊኣቶም ድማ ኣምላኽ ስላሴ እዩ ይብሉ። ብመሰረት እዚ ትምህርቲ እዚ “ኣቦ ኣምላኽ እዩ: ወዲ ኣምላኽ እዩ: መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ እዩ: እንተዀነ ግን: ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።” ሰለስቲኦም “ዘለኣለማውያንን ማዕረን” ከም ዝዀኑ ጌርካ እዩ ዚእመን። (ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ግን ቅኑዕ ድዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ እዩ። (ራእይ 4:11) መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን: ኵሉ ዚኽእል ከኣ እዩ። (መዝሙር 90:2) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን የሱስ መጀመርታ ኣለዎ። (ቈሎሴ 1:15, 16) የሱስ ንኣምላኽ ከም ኣቦኡ ገይሩ ብምጥቃስ: “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:28) ብተወሳኺ ድማ ንሱ ዀነ መላእኽቲ ዘይፈልጥዎ: ኣቦኡ ጥራይ ዚፈልጦ ነገር ከም ዝነበረ ገሊጹ እዩ።—ማርቆስ 13:32

ብዘይካዚ የሱስ ናብ ኣቦኡ “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። (ሉቃስ 22:42) ካብኡ ናብ ዝለዓለ ኣካል እንተ ዘይኰይኑ: ናብ መን ደኣ እዩ ጸልዩ፧ ብተወሳኺውን ኣምላኽ እዩ ንየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እምበር: የሱስ ባዕሉ ኣይኰነን ተንሲኡ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን ኣቦን ወድን ማዕረ ኣይነበሩን። የሱስ ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰኸ፧ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3 “ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ትገልጽ። ወዲ ዅሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኪግዛእ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:28) ስለዚ እምበኣር: ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት የሱስ: ወዲ ኣምላኽ ደኣ እምበር: ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይኰነን።

እቲ ሳልሳይ ኣካል ስላሴ እዩ ዚበሃል መንፈስ ቅዱስከ፧ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን። ኤሊሁ “መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ” በለ። (እዮብ 33:4) እዚ መንፈስ እዚ ኣምላኽ ኣይኰነን። የግዳስ: ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ዝደለዮ ነገር ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ንጡፍ ሓይሊ እዩ። ኣምላኽ በዚ ተጠቒሙ እዩ ሰማይ: ምድሪ: ከምኡውን ንዅሉ ህይወት ዘለዎ ነገር ዝፈጠረ። (ዘፍጥረት 1:2) ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ሰባት እውን መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ እዩ መሪሕዎም። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) እምበኣር: ስላሴ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ትምህርቲ ኣይኰነን። c መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ” ይብል።—ዘዳግም 6:4

[እግረ-ጽሑፋት]

c ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኪጥመቕ ከሎ ቕቡእ ኣምላኽ ኰነ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ሓይሉ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ንምፍጻም ተጠቕመሉ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ: የሱስ ሓያል ንጉስ እዩ