ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧

ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧

ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧

“እቲ ኣብ ታሪኽ ተጠቒሱ ዚርከብ መስተናዓቕን ተጠራጣርን ጲላጦስ: ኣብ ኣእምሮና ሕቶታት ዚፈጥር ሰብ እዩ። ገሊኦም ከም ቅዱስ ገይሮም ኪርእይዎ ኸለዉ: ገሊኦም ከኣ ምእንቲ ርግኣት ኪሰፍን ኢሉ ንሓደ ሰብ መስዋእቲ ዚገብር ድኹም ፖለቲከኛ ገይሮም ይርእይዎ።”—ፖንቲዮስ ፓይለት: ብኣን ሮ

ንስኻ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ብሰንኪ እቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሓዘሉ ኣገባብ ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ። ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧ ብዛዕባኡ እንታይ ዚፍለጥ ነገር ኣሎ፧ ብዛዕባ ዝነበሮ ደረጃ ወይ ቦታ ዝያዳ ምፍላጥና: ነቲ ሽዑ እተፈጸመ ኣብ ምድሪ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ፍጻመ ብንጹር ንኽንርድኦ ይሕግዘና።

ደረጃኡ: ሓላፍነቱ: ስልጣኑ

ብ26 ድ.ክ. ናይ ሮማ ሃጸይ ጢቤርዮስ ንጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ኣመሓዳሪ ገይሩ ሸሞ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሹመኛታት ካብቶም ኣሪስቶክራት ዝተሓተ ስልጣን ዝነበሮም እዮም። ጲላጦስ መጀመርያ ታሕተዋይ ኣዛዝ ሰራዊት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ደሓር ደረጃኡ እናወሰኸ ድሕሪ ምኻድ: ወዲ 30 ዓመት ቅድሚ ምዃኑ ኣመሓዳሪ ዀይኑ ተሸመ።

ኣብ ግዜ ስራሕ: ካብ ቈርበት እተሰርሐ ቐምሽን ካብ ሓጺን እተሰርሐ ድርዕን እዩ ዚኽደን ነይሩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ድማ ጁኽ ዝሕብሩ ኽፋፍ ዘለዎ ቶጋ ዚበሃል ሮማውያን ዚኽደንዎ ዝነበሩ ጻዕዳ መጐናጸፍያ እዩ ዚገብር ነይሩ። ጸጕሩ ሓጺር: ጭሕሙ ድማ ብዚግባእ እተላጸየ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ዋላኳ ገሊኦም ሰባት መበቈሉ ኻብ ስጳኛ እዩ እንተ በሉ: ስሙ ኸም ዚሕብሮ ግን ካብ ነገድ ፓንቲ (ጶንጢ) እዩ፣ እዚኣቶም ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ዚነብሩ ዝነበሩ ልዑላን ሳምንያውያን እዮም።

ከም ናይ ጲላጦስ ዓይነት ሹመት ዝነበሮም ሹመኛታት: ኣብ ዘይሰልጠና ዚበሃላ ኸባቢታት እዮም ዚምደቡ ነይሮም። ሮማውያን ድማ ንይሁዳ ዘይሰልጠነት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። ጲላጦስ ስርዓት ካብ ምትሓዙ ንላዕሊ ነቲ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በብውልቂ ዚኸፍሎን ብተዘዋዋሪ መገዲ ዚእከብን ዝነበረ ግብሪ እውን ይቈጻጸር ነይሩ እዩ። መዓልታዊ ዜጋጥም ክስታት ኣብቲ ናይ ኣይሁድ መጋባእያ ኺርአ ኸሎ: ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዜድልዮ ጕዳያት ግን በቲ ዝለዓለ ፈራዲ ማለት በቲ ኣመሓዳሪ እዩ ዚርአ ነይሩ።

ጲላጦስን ሰበይቱን ምስ ሒደት ጸሓፍትን ኣገልገልትን ተለኣኣኽትን: ኣብ ቂሳርያ ኣብ እትርከብ ወደብ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ጲላጦስ ኣዛዝ ናይ ነፍሲ ወከፈን ካብ 500 ኽሳዕ 1,000 ኣጋር ሰራዊት ዚሕዛ ሓሙሽተ ጭፍራን ናይ 500 ፈረሰኛ ሰራዊትን ነበረ። ወተሃደራቱ ወትሩ ንመፍረስቲ ሕጊ ይሰቕሉ ነበሩ። እቶም ዓመጸኛታት: ሰላም ኣብ ዚዀነሉ እዋን ጕዳዮም ኣብ መጋባእያ ምስ ተራእየ እዮም ብሞት ዚቕጽዑ ነይሮም: ዓመጽ ኣብ ዚለዓለሉ እዋን ግን ሽዑ ንሽዑን ብጅምላን እዮም ዚቕተሉ ነይሮም። ንኣብነት: ሮማውያን ነቲ ስፓርታከስ ዘበገሶ ዕልዋ ንምጭፍላቕ 6,000 ባሮት ቀተሉ። ኣብ ይሁዳ ናዕቢ እንተ ተላዒሉ: እቲ ኣመሓዳሪ ኻብቲ ኣብ ሶርያ ዚርከብ ናይ ንጉስ ሰራዊት ሓገዝ ኪሓትት ይኽእል ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ጲላጦስ ዜመሓድረሉ ዝነበረ እዋን ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ስለ ዘይነበረ: ጲላጦስ ባዕሉ ነቲ ናዕቢ ብቕልጡፍ ደው ኬብሎ ነበሮ።

ኣመሓደርቲ ምስቲ ሃጸይ ወትሩ ርክብ ነበሮም። ንኽብሪ እቲ ሃጸይ ዚትንክፍ ወይ ድማ ንልዑላውነት ሮሜ ዜስግእ ጕዳያት ዚገልጽ ዝርዝር ጸብጻብ ኪህቡ ነበሮም። ካብኡ ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ንጉሳዊ ትእዛዝ ይወጽእ ነበረ። ሓደ ኣመሓዳሪ ኣብ ውሽጢ ኣውራጃኡ ብዛዕባ እተፈጥረ ዅነታት: ካልኦት ቅድሚ ምኽሳሶም: ናብቲ ሃጸይ ባዕሉ ጸብጻብ ኬቕርብ ይህንጠ ነበረ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ይሁዳ እናገደደ ዚኸይድ ዝነበረ ናዕቢ: ጲላጦስ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ወትሩ የጋጥሞ ነበረ።

ብጀካ እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻብ: ጸሓፍቲ ታሪኽ ፍላቪየስ ጆሰፈስን ፊሎን እውን ብዛዕባ ጲላጦስ ጽሒፎም እዮም። ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ ታሲተስ: ጲላጦስ ነቲ ምንጪ ስም ክርስትያናት ዝዀነ ክርስቶስ ከም ዘቕተሎ ጽሒፉ እዩ።

ኣይሁድ ብቝጥዓ ተላዕሉ

ጆሰፈስ ከም ዝጸብጸቦ ኣይሁዳውያን ንምስልታት ኣዝዮም ይቃወሙ ብምንባሮም: ሮማውያን ኣመሓደርቲ ናይቲ ሃጸይ ምስሊ ዘለዎ ወተሃደራዊ ኣርማ ናብ የሩሳሌም ኣየእትዉን ነበሩ። ጲላጦስ ግን ከምዚ ብዘይ ምግባሩ: ኣይሁድ ተቘጢዖም ንኺጠርዑ ናብ ቂሳርያ ኸዱ። ጲላጦስ ንሓሙሽተ መዓልቲ ስቕ ኢሉ ረኣዮም። ካብኡ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ: ወተሃደራቱ ነቶም ተቓወምቲ ኸቢቦም: ፋሕ ኪብሉ እንተ ዘይኰነ ግን ከም ዚቐትልዎም ኬፈራርህዎም ኣዘዘ። እቶም ኣይሁድ ግን ሕጎም ኪጠሓስ ከሎ ስቕ ኢሎም ካብ ዚርእዩ ሙማት ከም ዚመርጹ ምስ ገለጹ: ጲላጦስ እቲ ምስሊ ኸም ዚለዓል ገበረ።

ጲላጦስ ብሓይሊ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ኣብ ሓደ ጆሰፈስ ዝጸብጸቦ ኣጋጣሚ: እቲ ሹመኛ ማለት ጲላጦስ ናብ የሩሳሌም ማይ ንምምጻእ መትረብ ማይ ኪዝርግሕ ጀመረ። ነዚ ንምግባር ድማ ካብ መዝገብ ቤተ መቕደስ ገንዘብ ወሰደ። ጲላጦስ ካብ ቤተ መቕደስ ምዝማት ርኽሰት ከም ዝዀነን በዚ ድማ እቶም ኣይሁድ ተቘጢዖም ኣብ ጢቤርዮስ ከም ዚኸስዎን ስለ ዚፈልጥ: ስቕ ኢሉ ኣይኰነን ካብቲ ገንዘብ ኣልዒሉ። ኣብ ክንዳኡ ምስቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ሓላፍነት ዝነበሮም እተሰማምዐ እዩ ዚመስል። ከመይሲ: እቲ “ቍርባን” ብዚብል ስያመ እተኣከበ ገንዘብ ነታ ኸተማ ኣብ ዚጠቅም ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪውዕል ይኽእል ነይሩ። ይኹን እምበር: በሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ ቍጥዓኦም ንምግላጽ ተኣከቡ።

ጲላጦስ ድማ ወተሃደራት ምስቲ እኩብ ህዝቢ ተሓዊሶም: ነቶም ተቓወምቲ ኣስያፍ ከይተጠቕሙ ብጐመድ ጥራይ ከም ዚቕጥቅጥዎም ገበረ። ጃምላዊ ቕትለት ከይተፈጸመ ነቲ ናዕቢ ደው ኬብሎ እዩ ፈቲኑ። ዋላኳ ሒደት ሰባት ይሙቱ: ከም ዝሓሰቦ ሰለጦ። ገሊኦም ሰባት ንየሱስ ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ኪነግርዎ ኸለዉ ነዚ ፍጻመ እዚ እዮም ጠቒሶም ኪዀኑ ዘለዎም።—ሉቃስ 13:1

“ሓቂ እንታይ እዩ፧”

እቲ ንጲላጦስ ዕሉል ዝገበሮ ነገር: ነቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ንየሱስ ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ እዩ ኢሎም ዝኸሰስዎ ኽሲ ዝሓዘሉ ኣገባብ እዩ። የሱስ ንሓቂ ንምምስካር ከም እተላእከ ምስ ነገሮ: ጲላጦስ እቲ እሱር ንሮሜ ኸም ዘየስግእ ኣመነ። ሓቂ ኽትርከብ ከም ዘይትኽእል ብምሕሳብ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” በለ። ኣብ መወዳእታ ድማ “ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በለ።—ዮሃንስ 18:37, 38፣ ሉቃስ 23:4

እቲ የሱስ ዝቐረበሉ መጋባእያ በዚ ኺውዳእ ነበሮ። ይኹን እምበር: ኣይሁድ ንህዝቢ የስሕት እዩ ኢሎም ኣጥቢቖም ከሰስዎ። ጲላጦስ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ይፈልጥ ነበረ። ንየሱስ እንተ ፈትሖ ኸኣ: ህውከት ከም ዚለዓል ይፈልጥ ነበረ። ኣቐዲሙ ተላዒሉ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ: በርባንን ካልኦት ሰባትን ነቲ ናዕቢ ብምልዕዓሎምን ሰብ ብምቕታሎምን ተኣሲሮም ስለ ዝነበሩ: ሕጂ እንደገና ኻልእ ህውከት ኪለዓል ኣይደለየን። (ማርቆስ 15:7, 10፣ ሉቃስ 23:2) ብተወሳኺውን እቲ ኣቐዲሙ ምስ ኣይሁድ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭታት: ንጲላጦስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንሕማቓት ኣመሓደርቲ ብምቕጻዕ ዚፍለጥ ጢቤርዮስ ስሙ ኣኽፊእሉ ነበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንኣይሁድ ኣሕሊፉ ምሃብ ከም ናይ ድኽመት ምልክት ጌርካ እዩ ኺርአ። ስለዚ: ጲላጦስ ኣብ መዋጥር ኣተወ።

ጲላጦስ መበቈል የሱስ ካበይ ከም ዝዀነ ምስ ፈለጠ: ነቲ ጕዳይ ናብቲ ገዛኢ ገሊላ ዝነበረ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ሰደዶ። እዚ ምስ ፈሸለ ድማ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቱ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ: ከምቲ ብፋስጋ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ልማድ ዝነበረ ንየሱስ ኪፈትሓሎም ሓተቶም። ንሳቶም ግን ንበርባን ደኣ ፍትሓልና ኢሎም ጨደሩ።—ሉቃስ 23:5-19

ጲላጦስ ዋላኳ ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ኪገብር እንተ ደለየ: ስልጣኑ ኺዕቅብን ነቲ ህዝቢ ኼሐጕስን እውን ደለየ። ኣብ መወዳእታ ኻብ ሕልናኡን ካብ ፍትሕን ንላዕሊ ንስልጣኑ ቐዳምነት ሃበ። ማይ ወሲዱ ኢዱ ብምሕጻብ ከኣ ካብ ደም እቲ ንኪቕተል ኣሕሊፉ ዝሃቦ ሰብ ንጹህ ምዃኑ ተዛረበ። a የሱስ ንጹህ ምዃኑ እናፈለጠ ገሪፉ: ንኼላግጹሉን ንኺጸፍዕዎን ጡፍ ንኺብሉሉን ንወተሃደራቱ ኣሕሊፉ ሃቦም።—ማቴዎስ 27:24-31

ጲላጦስ ንየሱስ ናጻ ንምግባር ናይ መወዳእታ ፈተነ ገበረ። ኰይኑ ግን: እቲ ህዝቢ እንተ ፈቲሕካዮ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን እናበለ ጨደረ። (ዮሃንስ 19:12) ጲላጦስ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔ ኢዱ ሃበ። ነዚ ውሳኔኡ ኣመልኪቱ ሓደ ምሁር “እቲ መፍትሕ ቀሊል እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ሰብኣይ ምቕታል ነበረ። ከመይሲ: ህይወት ሓደ ምንም ኣገዳስነት ዘይብሉ ዚመስል ኣይሁዳዊ እያ እትጠፍእ። ብሰንኩ ህውከት ንኺለዓል ምፍቃድ ድማ ዕሽነት እዩ” በለ።

ጲላጦስ እንታይ ኣጋጠሞ፧

ብዛዕባ ምምሕዳር ጲላጦስ እተጻሕፈ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ እንደገና ኻልእ ናዕቢ ኸም እተላዕለ ዚገልጽ እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ጆሴፈስ እተዓጥቁ ሳምራውያን: ነቲ ሙሴ ኸም ዝቐበሮ ዚንገረሉ ኽቡር ሃብቲ ንምውጻእ ኣብ ከረን ጌሪዚም ተኣከቡ። ጲላጦስ ጣልቃ ኣተወ: ወተሃደራቱ ድማ ካብኣቶም ብዙሓት ቀተሉ። ካብኡ እቶም ሳምራውያን ናብ ሓለቓ ጲላጦስ ዝነበረ ሉክዩስ ቪተሊዩስ ዚበሃል ኣመሓዳሪ ሶርያ: ዝነበረ ጠርዑ። ቪተሊዩስ: ጲላጦስ ደረት ስልጣኑ ኸም ዝሓለፈ ተሰሚዕዎ እንተ ዀይኑ እተገልጸ ነገር የልቦን። ዝዀነ ዀይኑ ንጲላጦስ ናብ ሮሜ ኸይዱ: ነቲ ዝገበሮ ነገር ኣብ ቅድሚ እቲ ሃጸይ መልሲ ኺህበሉ ኣዘዞ። ኰይኑ ግን: ናብኡ ቕድሚ ምብጻሑ ጢቤርዮስ ሞተ።

ሓደ ምንጪ “ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ብዛዕባ ጲላጦስ ኣፈ-ታሪኽ እምበር ታሪኻዊ ጸብጻብ የልቦን” በለ። ብዙሓት ግን ነቲ ዝጐደለ ታሪኽ ኪምልኡ ፈቲኖም እዮም። ክርስትና ኸም እተቐበለን ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ “ክርስትያናት” ከኣ “ቅዱስ” ከም ዝገበርዎን ይንገር እዩ። ኣብ መወዳእታ ሳልሳይን መጀመርታ ራብዓይን ዘመን ዝነበረ ዮሲቤስ ዚበሃል ጸሓፊ እዩ ጲላጦስ ልክዕ ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ርእሱ ኸም ዝቐተለ ንመጀመርታ ግዜ እተዛረበ። ይኹን እምበር: ንጲላጦስ ብትኽክል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ዚፈልጥ የልቦን።

ጲላጦስ ነቓጽ: ደረቐኛ: ከምኡውን ጨካን ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ከምቶም ንሓጺር እዋን ንይሁዳ ዘመሓደሩ ሹመኛታት ዘይኰነስ: ንዓሰርተ ዓመት እዩ ኣብ ስልጣኑ ጸኒሑ። እዚ ድማ በረኣእያ ሮማውያን ክኢላ ይገብሮ። ገሊኦም ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ኢሉ ንየሱስ ዘሳቐየን ዘቕተለን ፈራህ ሰብ እዩ ይብልዎ። ገሊኦም ድማ ሓላፍነቱ ፍትሒ ምምጻእ ዘይኰነስ ንሰላምን ጥቕምን ሮሜ ምሕላው እዩ ነይሩ ይብሉ።

እቲ ጲላጦስ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ካብዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ፍትሓዊ ዳኛ ንጹህ ንዝዀነ ሰብ ገበነኛ ኢሉ ንምፍራድ ብቑዕ መመኽነይታ ኣየቕርብን እዩ። ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምስ የሱስ እንተ ዘይራኸብ ነይሩ: ምናልባት ስሙ ኣብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ እተጠቕሰ ሰብ ጥራይ ምዀነ ነይሩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ደም ምፍሳስ ከም ዘይተኻፈልካ ንምግላጽ ዚግበር ኢድ ናይ ምሕጻብ ልማድ ናይ ኣይሁድ እምበር ናይ ሮማውያን ኣይነበረን።—ዘዳግም 21:6, 7

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ኣብ ቂሳርያ እተረኽበ ጽሑፍ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ኸም እተሸመ ይገልጽ