ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ፍርሃት የሆዋ ጥበብ እዩ”

“ፍርሃት የሆዋ ጥበብ እዩ”

“ፍርሃት የሆዋ ጥበብ እዩ

“መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።” (መክብብ 12:13) እዚ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ነገር: ብሓቂ ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለዎ። እዮብ እውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ኪገልጽ ከሎ: “እንሆ: ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ [“የሆዋ:” NW] ጥበብ እዩ: ካብ ክፉእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ” በለ።—እዮብ 28:28

መጽሓፍ ቅዱስ ፍርሃት የሆዋ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ፍርሃት ኣምላኽ ጥበብ ዝዀነ ግን ብኸመይ እዩ፧ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዘበልና ብውልቀ-ሰብ ኰነ ብጕጀለ: ፍርሃት ኣምላኽ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ ምሳሌ ምዕራፍ 14 ኻብ ቍጽሪ 26 ክሳዕ 35 ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ትህብ እያ። a

ምንጪ “ጽኑዕ እሙንቶ”

ሰሎሞን “ጽኑዕ እሙንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ: ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም” በለ። (ምሳሌ 14:26) ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ እምንቶኡ ኣብቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዚገብር። ከምዚ ዓይነት ሰብ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ነገር ምትእምማን ኣለዎ። ከመይሲ ኣብ መጻኢ ዜሐጕስን ዜዕግብን ነገር እዩ ኼጋጥሞ።

ብዛዕባ መጻኢ እቶም እምንቶኦም ኣብቲ ናይዛ ዓለም መደባትን ማሕበራትን ስነ-ሓሳባትን ኣማልኽትን ዚገብሩ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ ተስፋ ዚገብሩሉ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ዚጸንሕ: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብለና። (1 ዮሃንስ 2:17) እሞ ደኣ ‘ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እንፈትወሉ’ ምኽንያት ኣሎ ድዩ፧—1 ዮሃንስ 2:15

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ‘ንደቈም ጸግዒ’ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ደቀየ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ: ንዑ ስምዑኒ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 34:11) ወለዲ ንደቆም ኣብነት ብምዃን ኰነ ብትምህርቲ ፍርሃት ኣምላኽ እንተ ምሂሮምዎም: ምስ ዓበዩ ኣብ የሆዋ ጽኑዕ እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም።—ምሳሌ 22:6

ሰሎሞን ቀጺሉ “ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:27) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ “ፈልፋሊ ህያው ማይ” ስለ ዝዀነ: ፍርሃት የሆዋ “ናይ ህይወት ፈልፋሊ” እዩ። (ኤርምያስ 2:13) ብዛዕባ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ብምፍላጥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 17:3) ፍርሃት ኣምላኽ እንተ ኣልዩና: ካብ ወጽመድ ሞት እውን ከነምልጥ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ምሳሌ 13:14 “ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ: ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ” ትብል። ንየሆዋ እንተ ፈሪህናዮ: ትእዛዛቱ እንተ ሓሊና: ከምኡውን ብቓሉ እንተ ተመሪሕና: ካብቲ ናብ ሞት ኬብጽሕ ዚኽእል ጐዳኢ ልምድታትን ስምዒታትን ኣይነምልጥንዶ፧

“ክብሪ ንጉስ”

ሰሎሞን ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዝገዝኣሉ እዋን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ንየሆዋ ዚእዘዝ ንጉስ ነበረ። እዚ ድማ ንፉዕ ንጉስ ንኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። ሓደ ንጉስ ንፉዕ ምዃኑ ብኸመይ ይፍለጥ፧ ምሳሌ 14:28 “ምብዛሕ ህዝቢ ኽብሪ ንጉስ እዩ: ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ” ብምባል ትምልስ። ስለዚ: መንፍዓት ሓደ ንጉስ ብድሕንነት ተገዛእቱ እዩ ዚፍለጥ። ሓደ መራሒ ብቑዕ ምዃኑ ዚፍለጥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኺነብር ዚደሊ እንተ ዀይኑ እዩ። ሰሎሞን “ካብ [ቀይሕ] ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ [መዲተራነያን]: ካብ ርባ [ኤፍራጥስ] ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ተገዛእቲ ነበርዎ። (መዝሙር 72:6-8) ኣብቲ ንሱ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ህድኣትን ብልጽግናን ነበረ። (1 ነገስት 4:24, 25) ግዝኣት ሰሎሞን ጽቡቕ ነበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ስምረት ህዝቢ ምስኣን ንንጉስ ውርደት እዩ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ ኽብሪ እቲ ኻብ ሰሎሞን ዚዓቢ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ብዛዕባ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ተገዛእቱ ጥራይ እስከ ንርአ። ካብ ሹድሽተ ሚልዮን ዚዛይዱ: ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ምድሪ ዚነብሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ኪግዝኡ መሪጾም ኣለዉ። ብየሱስ ይኣምኑ ኸምኡውን ብሓደ ዀይኖም ነቲ ህያው ኣምላኽ ብሓቂ የምልኽዎ። (ዮሃንስ 14:1) ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ድማ ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምውታት ኪትንስኡ እዮም። ሽዑ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ: ንንጉሶም ብዜኽብሩ ሕጕሳትን ጻድቃንን ሰባት ክትምላእ እያ። እዝስ ግዝኣት ክርስቶስ ዜዕግብ ምዃኑ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ መረጋገጺ ዀን እዩ! እምበኣር ነቲ ዜደንቕ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጽኒዕና ንሓዞ።

መንፈሳውን ኣካላውን ረብሓታት

ፍርሃት ኣምላኽ ህድኣት ልብን ኣእምሮን ኪህበና ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኻብ መንጎ እቲ ብዙሕ መዳያት ጥበብ: ጽቡቕ ምምዝዛንን ብዙሕ ኣእምሮን ይርከቦ። ምሳሌ 14:29 “እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ አለዎ: ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ” ትብል። ኣእምሮ ወይ ምስትውዓል እንተ ሃልዩና: ቍጥዓ ንመንፈሳውነትና ኸም ዚጐድኦ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። “ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ:” ካብ መንጎ እቲ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይንወርስ’ ዚገብረና ግብሪ እዩ። (ገላትያ 5:19-21) ቂም ከይንሕዝ እውን ተማዒድና ኢና። (ኤፌሶን 4:26, 27) ዓቕሊ ምስኣን ደሓር ዜጣዕሰና ሕማቕ ዘረባ ኸም እንዛረብ ወይ ሕማቕ ግብሪ ኸም እንገብር ይገብረና።

እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ: ነቲ ቝጥዓ ዜስዕቦ ኣካላዊ ጕድኣት ኪገልጽ ከሎ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ: ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:30) ቍጥዓን ሕርቃንን ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ጸገም የምጽእ: ጸቕጢ ደም ከም ዚልዕል ይገብር: ሕማም ጸላም ከብዲ: ከምኡውን ሕማም ላልሽ የምጽእ እዩ። ሓካይም ቍጥዓን ሕርቃንን ንኸም ነድሪ ከስዐ: ሕማም ቆርበት: ኣዝማ: ከምኡውን ነቲ ምስ ምሕቃቕ ምግቢ እተተሓሓዘ ጸገማት ከም ዜጋድዶ ወይ ድማ ከም ዜስዕብ ይገልጹ። ብኻልእ ወገን ግን “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ።” እምበኣር: ‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ብምስዓብ’ ጥበበኛታት ንኹን።—ሮሜ 14:19

ፍርሃት ኣምላኽ ኣድልዎ ዘይብልና ንኽንከውን ይሕግዘና

ሰሎሞን “እቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ: ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ” በለ። (ምሳሌ 14:31) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ንዅሎም ደቅሰብ: የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝፈጠሮም ይግንዘብ እዩ። ስለዚ: እቲ ንድኻታት እንሕዘሉ መገዲ: ኣብቲ ፈጣሪ ደቅሰብ ጽልዋ ኣለዎ። ከመይሲ ንኣምላኽ ክብሪ ንምምጻእ ንኻልኦት ሰባት ፍትሓዊ ብዝዀነ መገድን ብዘይ ኣድልዎን ክንሕዞም ኣሎና። ድኻታት ክርስትያናት ብዘይ ኣድልዎ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ኪማልኣሎም ኣለዎ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንድኻታት ኰነ ንሃብታማት ብዘይ ኣድልዎ ኸነብጽሖ እውን ይግብኣና እዩ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዜምጽኦ ኻልእ ረብሓ ኺገልጽ ከሎ “ረሲእ ብእከዩ ይግምጠል: ጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ [“ኣብ ንጽህና:” NW] ጸግዒ አለዎ” በለ። (ምሳሌ 14:32) እቲ ረሲእ ዚግምጠል ብኸመይ እዩ፧ ገለ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ ኣብ እዋን መከራ ኺዋጽኣሉ ዚኽእል መገዲ ኸም ዘይህልዎ ዜመልክት ከም ዝዀነ ገሊጾም እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ: ኣብ ግዜ ጸበባ ንኣምላኹ ዘለዎ ንጽህና ጸግዒ ይዀኖ እዩ። ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ብምውካል: ልክዕ ከምቲ “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ዝበለ እዮብ ዝነበሮ ዓይነት ቆራጽነት ኣለዎ።—እዮብ 27:5

ንጽህና ንምሕላው ፍርሃት ኣምላኽን ጥበብን ኣድላዪ እዩ። ጥበብ ኣበይ እያ እትርከብ፧ ምሳሌ 14:33 “ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር: ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ” ወይ ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ኸኣ ትግለጽ” ብምባል ትምልስ። ብርግጽ: ጥበብ ኣብ ልቢ ጥበበኛ እያ ኽትርከብ እትኽእል። ብኸመይ እያ ግን ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እትግለጽ፧ ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: “ዓያሱ ጥበበኛታት ኰይኖም ኪርኣዩ ስለ ዚደልዩ: ጥበብ ዚመስሎም ግን ከኣ ዕሽነት ዝዀነ ነገር ይዛረቡ።”

“ንህዝቢ ልዕል የብሎ”

እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ: ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ሓሊፉ ኣብ ህዝቢ እንታይ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ: “ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ: ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:34) እዚ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ብግልጺ ተራእዩ እዩ። እስራኤል ስርዓታት ኣምላኽ ኪሕልዉ ኸለዉ: ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብታት ልዕል ይብሉ ነበሩ። ይኹን እምበር: ብተደጋጋሚ ብዘይምእዛዞም ተዋሪዶም እዮም: የሆዋ እውን ነጺግዎም እዩ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ይዓዪ እዩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብምስዓባ እያ ኻብ ዓለም እትፍለ። ኣብዚ ልዕል ዝበለ ቦታ ንምቕጻል ነፍሲ ወከፍና ንጹህ ኣነባብራ ኺህልወና ኣለዎ። ሓጢኣት: ኣብ ርእስና ውርደት: ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣምላኽን ድማ ጸርፊ የምጽእ እዩ።

ሰሎሞን: ንንጉስ እንታይ ባህ ከም ዜብሎ ኺገልጽ ከሎ: “ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ: ቍጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:35) ምሳሌ 16:13 ኸኣ “ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም: ነቲ ቕንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎ” ትብል። መራሒናን ንጉስናን የሱስ ክርስቶስ ብጽድቅን ብምስትውዓልን ክንመላለስ: ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ድማ ክንካፈል ከለና ባህ እዩ ዚብሎ። ስለዚ: ብእተኻእለና መጠን ኣብቲ ዕዮ ብንጥፈት እናተኻፈልና: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ምፍራህ ዚርከብ ረብሓ ንጠቐመሉ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ምሳሌ 14:1-25 መብርሂ እንተደኣ ደሊኻ: ናይ 15 ሕዳር 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-9 ከምኡውን ናይ 15 ሓምለ 2005 ገጽ 17-20 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፍርሃት ኣምላኽ ክትመሃሮ እትኽእል እዩ