ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕልናኻ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ድዩ፧

ሕልናኻ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ድዩ፧

ሕልናኻ ብዚግባእ ዝሰልጠነ ድዩ፧

“እዚ ነገር እዚ ቕኑዕ ከም ዘይኰነ ልበይ ይፈልጦ እዩ” ወይ ከኣ “ነዚ ነገር እዚ ኽገብሮ ኣይክእልን እየ። ውሽጠይ ይፍለጠኒ ኣሎ” ኢልካዶ ትፈልጥ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ “ድምጺ”: ውሽጥኻ ነቲ ቕኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይ እናተኸላኸለ ኸሎ እትሰምዖ ናይ ሕልናኻ ድምጺ እዩ። እወ: ሕልናና ምሳና እተፈጥረ ነገር እዩ።

ዋላኳ ወድሰብ ካብ ኣምላኽ እንተ ረሓቐ: ሕጂውን ቅኑዕ ካብ ጌጋ ናይ ምፍላይ ክእለት ኣለዎ። ከመይሲ: ብመልክዕ ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ: ብእተወሰነ ደረጃ ድማ ጥበብን ጽድቅን ኬንጸባርቕ ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 1:26, 27) ነዚ ብዚምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ: “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። aሮሜ 2:14, 15

እቲ ኻብቲ ናይ መጀመርታ ሰብ: ኣዳም እተወርሰ ናይ ስነ-ምግባር ባህርይ: ኣብ ኵሉ ዓሌትን ህዝብን ከም “ሕጊ” ወይ ከኣ ከም ንኣካይዳ ዚኸውን መምርሒ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ። ንርእስና ባዕልና መርሚርና ባዕልና ናይ ምፍራድ ክእለት እዩ። (ሮሜ 9:1) ኣዳምን ሄዋንን ንትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሶም ምስ ሓጥኡ: ርእሶም ብምሕባእ ነዚ ኽእለት እዚ ኣርኣይዎ። (ዘፍጥረት 3:7, 8) ንጉስ ዳዊት ነቲ ህዝቢ ብምቝጻሩ ኸም ዝሓጥአ ምስ ኣስተውዓለ እተሰምዖ ስምዒት: ሕልና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ዜርኢ ኻልእ ኣብነት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ልቡ ወቕዖ” ይብለና።—2 ሳሙኤል 24:1-10

ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ስለቲ ዝፈጸምካዮ ስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ ንርእስኻ ናይ ምምዛን ክእለት: ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ነስሓ ንኸተርኢ ዜኽእል ጠቓሚ ጽልዋ ኣለዎ። ዳዊት “ስቕ ኢለ ኸሎኹ: ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ: በደለይውን ኣይሰወርኩን: ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ: በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 32:3, 5) ስለዚ: ብዚግባእ ዚዓዪ ሕልና ነቲ ዝሓጥአ ሰብ ናብ ኣምላኽ ንኺምለስ ይገብሮ: ምሕረት ኣምላኽን ንመገድታቱ ምስዓብን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኺርዳእ እውን ይሕግዞ።—መዝሙር 51:1-4, 9, 13-15

ኣብ ርእሲ እዚ: ሕልናና ሓደ ዓይነት ውሳነ ወይ ድማ ምርጫ ኽንገብር ከለና መጠንቀቕታ ወይ ከኣ መምርሒ ይህበና እዩ። ዮሴፍ: ዝሙት ነውሪ ኸም ዝዀነ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ክፍኣትን ሓጢኣትን ምዃኑ ኣቐዲሙ ንኺርዳእ ዝሓገዞ ሕልናኡ እዩ። ድሕሪ ግዜ ንዝሙት ዚምልከት ሕጊ ኣብቲ ንእስራኤላውያን እተዋቦም ዓሰርተ ትእዛዛት ብግልጺ ተጠቒሱ ነበረ። (ዘፍጥረት 39:1-9፣ ዘጸኣት 20:14) ሕልናና: ኣብ ክንዲ ንኪዅንነና ንኺመርሓና ምስልጣኑ ዝለዓለ ጥቕሚ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ሕልና ድዩ ዘሎካ፧

ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር ንሕልናኻ ብኸመይ ከም እተሰልጥኖ

ሕልና እኳ እንተ ወረስና ጕድለት ግን ኣለዎ። ደቅሰብ ፈለማ ፍጹማት እዮም ነይሮም: ደሓር ግን “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።” (ሮሜ 3:23) ሕልናና ብሓጢኣትን ብዘይፍጽምናን ስለ እተባላሸወ: ከምቲ መጀመርታ ዝነበሮ ብግቡእ ኣይሰርሕን ይኸውን። (ሮሜ 7:18-23) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ደጋዊ ጸቕጥታት ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል እዩ። በተዓባብያና ኸምኡውን ብልምድን እምነትን ሃዋሁን እቲ እንነብረሉ ኸባቢ ኺጽሎ ይኽእል እዩ። ሕሱር ስነ-ምግባርን እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ስርዓታትን እዛ ዓለም እዚኣ: ንሓደ ቕኑዕ ሕልና መለክዒ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ጽኑዕን ጽድቃውን ስርዓታት ዝሓዘ ተወሳኺ ሓገዝ የድልዮ እዩ ማለት እዩ። ነዚ ድማ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚረኽቦ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ንሕልናና ብጽቡቕ ንኺግምግምን ንኬቕንዕን ይመርሖ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ሕልናና ብመለክዒታት ኣምላኽ እንተደኣ ሰልጢኑ ድማ: “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ስለ ዜኽእለና: ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ኪጐድኣና ኻብ ዚኽእል ነገር ኬድሕነና ይኽእል እዩ። (እብራውያን 5:14) በዚ መለክዒ እዚ ዘይምራሕ እንተደኣ ዀይኑ ግን: ኣንፈትና እናሰሓትና እውን ዋላ ሓንቲ መጠንቀቕታ ኣይህበናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ይብል።—ምሳሌ 16:25፣ 17:20

ቃል ኣምላኽ ኣብ ገሊኡ መዳያት ህይወት ንጹር መምርሒ ይህብ እዩ: ነዚ ብምስዓብና ድማ ንጥቀም ኢና። ብኻልእ ወገኑ ግን: ዝርዝር መምርሒ ዘይወጸሉ እተወሰነ ነገራት ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ስራሕ: ጥዕና: መዘናግዒ: ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ከምኡውን ኣብ ካልኦት መዳያት ዚግበር ምርጫ ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ እንታይ ከም እትገብር ዘሎካ ፈሊጥካ ቕኑዕ ውሳነ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ: ከምቲ ዳዊት ዝነበሮ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ። ንሱ “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ። . . . ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 25:4, 5) ኣረኣእያ ኣምላኽ እናተረድኣና ብዝኸደ መጠን: ንዅነታትና ኽንግምግምን ኣብ ንጹህ ሕልና ተመርኲስና ውሳነ ኽንገብርን ኢና።

ስለዚ: ሓደ ዓይነት ሕቶ ወይ ከኣ ውሳነ ኼጋጥመና ኸሎ: ኣብዚ ጕዳይ እዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ካብቲ ውሳነ ዜድልዮ ነገራት: እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ:- ንርእስነት ምኽባር (ቈሎሴ 3:18, 20)፣ ብዅሉ ነገር ሓቀኛ ምዃን (እብራውያን 13:18 NW)፣ ንእከይ ምጽላእ (መዝሙር 97:10)፣ ንሰላም ምስዓብ (ሮሜ 14:19)፣ ንስልጣናት እዙዝ ምዃን (ማቴዎስ 22:21፣ ሮሜ 13:1-7)፣ ንኣምላኽ ንበይኑ ውፉይ ምዃን (ማቴዎስ 4:10)፣ ካብ ዓለም ዘይምዃን (ዮሃንስ 17:14)፣ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ምርሓቕ (1 ቈረንቶስ 15:33)፣ ብኣከዳድናናን ትርኢትናን ዝመጸ ትሕትና ምንጽብራቕ (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ትርጕም 1990)፣ ከምኡውን ንኻልኦት መዓንቀፊ ዘይምዃን (ፊልጲ 1:9-11)። ንስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥና እምበኣር ንሕልናና የደልድሎ: ቅኑዕ ውሳነ ንኽንገብር ድማ ይሕግዘና።

ንሕልናኻ ስምዓዮ

ሕልናና ኺሕግዘና ንደሊ እንተደኣ ዀንና: በቓልቦ ኽንሰምዖ ይግባእ። እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ዚህበና ምልክት ቀልጢፍና ምላሽ እንተደኣ ሂብናሉ ኽንጥቀም ኢና። ሓደ ዝሰልጠነ ሕልና ምስ ኣብ ሓንቲ ማኪና ዚርከብ መጠንቀቕታ ዚህብ መብራህቲ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እቲ ናይታ ማኪና ዘይቲ ጐዲሉ ምህላዉ ዚሕብር መብራህቲ ርኢና ንበል። ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዕሽሽ ኢልና ምዝዋርና እንተ ንቕጽል እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ንሞተር እታ ማኪና ኸቢድ ጕድኣት እዩ ዜውርደላ። ብተመሳሳሊ ድማ ሕልናና: ሓደ ዝወሰድናዮ ስጕምቲ ቕኑዕ ከም ዘይኰነ ይነግረና ይኸውን። ልክዕ ከምቲ ናይታ ማኪና ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ዚበርህ: ሕልናና ድማ እቲ ዝወሰድናዮ ኣካይዳ ምስቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መለክዒታትን ስርዓታትን ኣወዳዲሩ ናይ ሓደጋ መብራህቲ ኼብርህ ይኽእል እዩ። ነዚ መጠንቀቕታ እዚ በቓልቦ ምስማዕና: ካብ ጕዳኢ ሳዕቤናት የዕቍበና ጥራይ ዘይኰነስ: ሕልናና ንቐጻሊ ብግቡእ ንኺሰርሕ እውን የኽእሎ።

ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዕሽሽ እንተ ኢልና እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ድሕሪ እተወሰነ እዋን ሕልናና ድንዙዝ ይኸውን። ብቐጻሊ ዕሽሽ እንተደኣ ኢልናዮን ጨፍሊቕናዮ ንሓልፍ እንተ ዄንናን: ልክዕ ንስጋና ብዝረሰነ ሓጺን ምስ ምሕራር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ በሰላ: መትኒ ስለ ዘይህልዎ: ስምዒት ኣልቦ እዩ ዚኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) ብተመሳሳሊ: ከምዚ ዝዓይነቱ ሕልና ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት እንተ ተፈጸመ: ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን እዩ: ዳግማይ ንኸይፍጸም ድማ መጠንቀቕታ ኣየርእን እዩ። ዝደንዘዘ ሕልና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቕኑዕን ጌጋን ብዚምልከት ዚህቦ መለክዒ ዕሽሽ ይብሎ: ሕማቕ ሕልና ድማ እዩ። እተበላሸወን ካብ ኣምላኽ ዝረሓቐን ኰይኑ: እቲ ኸምዚ ዓይነት ሕልና ዘለዎ ሰብ እውን ‘ድንዙዝ’ እዩ። (ኤፌሶን 4:17-19፣ ቲቶስ 1:15) ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ሳዕቤን ኰን እዩ!

‘ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ’

ሰናይ ሕልና ብቐጻሊ ጻዕሪ እዩ ዚርከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ: ኵሉ ጊዜ እጽዕር አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:16) ጳውሎስ ከም ክርስትያን መጠን: ምእንቲ ንኣምላኽ ከየጕሂ ንስጕምትታቱ ብቐጻሊ ኺምርምርን ኬተዓራርን ነበሮ። ኣብ መወዳእትኡ ግን እቲ ዝገበርናዮ ነገር ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ኣምላኽ ከም ዚውስኖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 14:10-12፣ 1 ቈረንቶስ 4:4) ጳውሎስ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ” ብምባል ተዛረበ።—እብራውያን 4:13

ጳውሎስ ንሰብ እውን እንተዀነ ኸነጕሂ ኸም ዘይብልና ጠቒሱ ነይሩ እዩ። እቲ ናብቶም ሰብ ቈረንቶስ “ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ” ኣመልኪቱ ዝሃቦ ማዕዳ ሓደ ኣብነት እዩ። እቲ ኣብኡ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ: ሓደ ነገር ዋላኳ ብቓል ኣምላኽ ኣይከልከል እምበር: ናይ ካልኦት ሰባት ሕልና ኣብ ግምት ከነእቱ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ነዚ ምስ ዘይንገብር: ብመንፈሳዊ መዳይ ‘ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሓውና ነጥፍኦ።’ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ድማ ከነበላሽዎ ንኽእል።—1 ቈረንቶስ 8:4, 11-13፣ 10:23, 24

ስለዚ: ብሕጂውን ንሕልናኻ ኣሰልጥኖ: ሰናይ ሕልና ድማ ይሃሉኻ። ውሳነ ኽትገብር ከለኻ: መምርሒ ኣምላኽ ድለ። (ያእቆብ 1:5) መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ግበር: ስርዓታቱ ንልብኻን ነተሓሳስባኻን ንኪቐርጾ ድማ ፍቐደሉ። (ምሳሌ 2:3-5) ከቢድ ጕዳያት ምስ ዚለዓል: ግቡእ ምርዳእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘሎካ ንምርግጋጽ ንዝበሰሉ ክርስትያናት ኣማኽር። (ምሳሌ 12:15፣ ሮሜ 14:1፣ ገላትያ 6:5) እቲ እትገብሮ ውሳነ ንሕልናኻን ንሕልና ኻልኦትን: ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለካ ርክብ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ሕሰብ።—1 ጢሞቴዎስ 1:5, 18, 19

ሕልናና ኻብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኣምላኽ እተዋህበና ኣዝዩ ብሉጽ ውህበት እዩ። ምስቲ ፍቓድ ወሃቢና ተሰማሚዕና እንተደኣ ተጠቒምናሉ: ናብ ፈጣሪና ኽንቀርብ ኢና። ኣብ እንገብሮ ዅሉ “ሰናይ ሕሊና” ንኺህልወና ንጽዕር እንተደኣ ዀንና: ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጠርና ብዝያዳ እናነጸረ ይኸይድ።—1 ጴጥሮስ 3:16-17፣ ቈሎሴ 3:10

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ኣብዚ ሕልና ተባሂላ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ብስነ-ምግባር ናይ ምምዝዛን ክእለት” (ዘ ኣናሊትካል ግሪክ ሌክሲኮን ሪቫይዝድ ብሃሮልድ ኬይ.  ሙልተን): ወይ ከኣ “ብስነ-ምግባር ቅኑዕን ጌጋን ምፍላይ” ተባሂላ ተተርጕማ ኣላ።—ግሪክ-ኢንግሊሽ ለክሲኮን ብጆሴፍ ሄንሪ ቴየር

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሕልናኻ: ኣብ ክንዲ ንኪዅንነካ ንኺመርሓካ ዝሰልጠነ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብዚግባእ ዝሰልጠነ ሕልና: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምፍላጥን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዩ ዚርከብ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ሕልናኻ ዚህበካ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ኣይትበሎ