ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧

ንህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧

ንህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧

ማንም ሰብ ከቢድ ሕማም ኪሓምም ወይ ሓደጋ ኼጋጥሞ ኣይደልን እዩ። ሓደ ጥበበኛ ሰብ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድኣት ንምምላጥ: ነቲ ሓደጋ ይመጽእ ከም ዘሎ ዚሕብር ምልክታት ኣለልዩ ኣድላዪ ስጕምቲ ይወስድ። የሱስ ክርስቶስ እውን ከነለልዮ ዚግብኣና ምልክት ሂቡና እዩ። እቲ ንሱ ዝሃቦ ምልክት ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ደቅሰብ ዚትንክፍ እዩ። እዚ ድማ ንዓኻን ንስድራቤትካን የጠቓልል።

የሱስ ብዛዕባ እታ ንእከይ ኣወጊዳ ንምድሪ ናብ ገነት እትልውጥ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛረበ። ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ መዓስ ከም እትመጽእ ንምፍላጥ ተሃንጥዮም ነበሩ። “ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW] መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ከኣ ሓተትዎ።—ማቴዎስ 24:3

የሱስ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን: ኣብ ሰማይ መሲሓዊ ንግስነት ክሳዕ ዚቕበል ብዙሕ ዘመናት ከም ዚሓልፍ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንግስነቱ ኪቕበል ከሎ ብዓይኒ ኺርአ ስለ ዘይክእል: ሰዓብቱ ‘ህላወኡን’ “መወዳእታ ዓለምን” ወይ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዝን ንኼለልዩ ዜኽእሎም ትእምርቲ ወይ ምልክት ሃቦም። እቲ ምልክት እተፈላለየ መዳያት ዝሓቘፈ ዀይኑ: ነቲ የሱስ ብስልጣኑ ምሳና ዚህልወሉ እዋን ይሕብር።

እቶም ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ ዚበሃሉ ጸሓፍቲ ወንጌላት: ነቲ የሱስ ሽዑ ዝሃቦ መልሲ ብጥንቃቐ መዝጊቦምዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን፣ ማርቆስ ምዕራፍ 13፣ ሉቃስ ምዕራፍ 21) ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ እቲ ምልክት ተወሳኺ ዝርዝራት ጽሒፎም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4፣ ራእይ 6:1-8፣ 11:18) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዅሉ እቲ መዳያት ንምምርማር ቦታ ስለ ዘይኣኽለና: ነተን ሓሙሽተ ቐንዲ መዳያት እቲ ምልክት ክንምርምረን ኢና። እዚ ኣገዳስን ንዓኻ ብውልቅኻ ዚምልከተካን ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።—ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዚርከብ ሳጹን ርአ።

“ፈላም ሓድሽ መዋእል”

“ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ።” (ማቴዎስ 24:7) ኣብ ጀርመን እትሕተም ደር ሽፒግል ዘርእስታ መጽሔት: ቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ እዋን ሰባት “ዝያዳ ናጽነትን ምዕባለን ብልጽግናን ዚህልወሉ ጽቡቕ ግዜ ኸም ዚመጽእ ትጽቢት ነበሮም” ትብል። ጸኒሑ ግን ኵሉ ነገር ተቐየረ። ጌኦ እትበሃል መጽሔት “እቲ ኣብ ነሓሰ 1914 ተጀሚሩ ኣብ ሕዳር 1918 እተዛዘመ ውግእ ዜሰምብድ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣረጊት ካብቲ ሓድሽ ዝፈለየ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ” በለት። ካብ ሓሙሽተ ኽፍላተ-ዓለም ልዕሊ 60 ሚልዮን ዝዀኑ ወተሃደራት ኣብቲ ዜስካሕክሕ ግጭት ተኻፈሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም 6,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ተቐቲሎም እዮም። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ጸሓፍቲ ታሪኽን ፖለቲከኛታትን “ነቲ ኻብ 1914 ክሳዕ 1918 ዝነበረ ዓመታት ፈላም ሓድሽ መዋእል” ገይሮም እዮም ዚወስድዎ።

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ማሕበረሰብ ደቅሰብ ፈጺሙ ኪቕየር ዘይክእል ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ወድሰብ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ኣገባብ እዚ ኺነብር ጀመረ። መበል 20 ዘመን ክሳዕ ዚውዳእ ውግኣት: ግጭታት: ከምኡውን ግብረ-ሽበራ እናገደደ እዩ ኸይዱ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን እውን እተመሓየሸ ነገር የልቦን። ብዘይካ ውግእ ካልእ መዳያት እቲ ምልክት ይፍጸም እዩ ዘሎ።

ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ

“ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:7) ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ኣብ ኣውሮጳ ጥሜት ኣጋጢሙ ነበረ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: ጥሜት ንወድሰብ የጥቅዖ እዩ ዘሎ። ጸሓፍ ታሪኽ ኣላን ቡለክ: ብ1933 ኣብ ሩስያን ዩክረይንን “ብጥሜት ዝማሰኑ ብዙሓት ሰባት: ኣብ ገጠራት ኰለል ይብሉ ነይሮም . . . ኣብ ደረት መገድታት ድማ ሬሳታት ተዀሚሩ ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። ቴዶር ሃሮልድ ዋይት ዚበሃል ጋዜጠኛ ነቲ ብ1943 ኣብ ሓንቲ ኻብ ኣውራጃታት ቻይና ዝዀነት ሄናን ዘጋጠመ ጥሜት ርእይዎ እዩ። “ኣብ እዋን ጥሜት ዘይብላዕ ነገር የለን። ተጣሒኑ ይብላዕ: ካብኡ ኣካላት ወድሰብ ናብ ጉልበት ቀይሩ ይጥቀመሉ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ኣብ ኣፍ ሞት ምስ በጽሐ ጥራይ እዩ ነቲ ዘይብላዕ ዚመስል ነገር ኪበልዕ ዚጅምር” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ዜሕዝን ግን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ጥሜት ልሙድ ነገር እዩ ዀይኑ ዘሎ። ዋላኳ ምድሪ ንዅሉ ሰብ ዚኣክል ምግቢ ተፍሪ እንተላ: ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ምግብን ሕርሻን ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ መላእ ዓለም ብግምት 840 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣዝዩ ሒደት ምግቢ ጥራይ እዮም ዚምገቡ።

“ኣብ በቦታኡ ድማ . . . ፌራ . . . ኪኸውን እዩ።” (ሉቃስ 21:11) ሱትዶይቸ ዘይቱንግ ዘርእስታ ጋዜጣ “ኣብ 1918 ብሰንኪ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ኻብ 20 ሚልዮን ክሳዕ 50 ሚልዮን ዚበጽሑ ሰባት ሞይቶም እዮም። እዚ ኸኣ ካብቶም ብውግእ ዝሞቱ ይበዝሕ” ብምባል ጸብጸበት። ካብኡ ንነጀው ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ብኸም ዓሶ: በዲዶ: ቲቢ: ፖልዮ: ከምኡውን ሸሮኽ ዝኣመሰሉ ሕማማት ተጠቒዖም እዮም። እቲ እናስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ለበዳ ሕማም አይድስ ንዓለም ኣሰንቢድዋ እዩ። እቲ ዜገርም ነገር ከኣ ዋላኳ ዜደንቕ ምዕባለ ሕክምና ይሃሉ: ሕማም ኪጠፍእ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ እዋን ንነብር ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር።

“ምንቅጥቃጥ ምድሪ።” (ማቴዎስ 24:7) ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይቶም እዮም። ብመሰረት ሓደ ምንጪ: ካብ 1914 ንነጀው ህንጻታት ዜዕኑን መሬት ዚስንጥቕን ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ኣብ ዓመት ብገምጋም 18 ሳዕ ኣጋጢሙ እዩ። ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ኬዕኑ ዚኽእል ምንቅጥቃጥ ድማ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኣጋጢሙ እዩ። ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት እናሃለወ ኽነሱ: ቍጽሪ ህዝበን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኸተማታት ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝበዝሖ ቦታ ስለ ዚርከባ: ብዙሓት ሰባት እዮም ዚሞቱ።

ዜሐጕስ ዜና!

መብዛሕትኡ መዳይ ትእምርቲ ዳሕሮት መዓልትታት ኣዝዩ ዜጨንቕ እዩ። ኰይኑ ግን: የሱስ ዜሐጕስ ዜና እውን ጠቒሱ ነይሩ።

“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።” (ማቴዎስ 24:14) እቲ የሱስ ባዕሉ ዝጀመሮ ዕዮ ማለት ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ እዩ ኺበጽሕ። እዚ ኸኣ ናይ ብሓቂ ይፍጸም እዩ ዘሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰብኩ: ፍቓደኛታት ንዝዀኑ ሰባት ከኣ ነቲ ዝፈለጥዎ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ይምህሩ እዮም። ሎሚ: ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 235 ሃገራት ካብ 400 ብዚዛይድ ቋንቋታት ይሰብኩ ኣለዉ።

የሱስ ብሰንኪ እቲ ዜጨንቕ ኵነታት ዓለም: ኵሉ ንጥፈታት ደው ኪብል እዩ ኸም ዘይበለ ኣስተብህል። ብዘላ ዓለም ብሓደ መዳይ እቲ ምልክት ጥራይ ከም እትጽሎ እውን ኣይተዛረበን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ዓለም ኴንካ ኸተለልዮ እትኽእል ብዙሕ ፍጻመታት ብሓባር ዝጠርነፈ ምልክት ከም ዚኸውን ተነበየ።

ኣብ ክንዲ ኣብ እተወሰነ ፍጻመታት ጥራይ እተተኵር: ነቲ እተፈላለየ መዳያት ዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧ እቲ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ንዓኻን ንስድራቤትካን ዚትንክፍ እዩ። ‘ስለምንታይ ግን እዩ ሒደት ሰባት ጥራይ ነዚ ዜለልይዎ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

ንብሕታዊ ድሌት ቀዳምነት ምሃብ

‘ምሕንባስ እተኸልከለ እዩ!:’ ‘ሓደገኛ ኤለክትሪክ!:’ ‘ፍጥነት ነኪ።’ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክታትን መጠንቀቕታታትን ወትሩ እንርእዮ ዀይኑ: መብዛሕትኡ እዋን ግን ሸለል እዩ ዚበሃል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንዓና ጽቡቕ ዚመስለና ጥራይ ኢና ኽንገብር እንደሊ። ንኣብነት: ሕጊ ኻብ ዜፍቅዶ ፍጥነት ንላዕሊ ኽንዝውር ንደሊ ንኸውን ወይ ከኣ ምሕንባስ ኣብ ዘይፍቀደሉ ቦታ ንምሕንባስ ሓያል ድሌት ይሓድረና ይኸውን። ይኹን እምበር: ምልክታት ሸለል ምባል ዘይጥበባዊ እዩ።

ንኣብነት: ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣልፓዊ ኣኽራን ኦስትርያ: ፈረንሳ: ኢጣልያ: ከምኡውን ስዊዘርላንድ ዜጋጥም መደራጋሕ በረድ: ነቲ ኣብ ዘየስግእ ከባቢ ጥራይ ኪንሻተቱ ዚወሃብ መጠንቀቕታ ሸለል ዚብሉ በጻሕቲ ይሞቱ። ብመሰረት ሱትዶይቸ ዘይቱንግ ነዚ ኸምዚ ዓይነት መጠንቀቕታት ሸለል ዚብሉ በጻሕቲ ‘ሓደ ነገር ሓደጋ እንተ ዘይሃልይዎ ባህ ኣየብልን እዩ’ ዚብል ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ኰይኑ ግን: መጠንቀቕታት ዕሽሽ ምባል መወዳእታኡ ዜሕዝን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ስለምንታይ እዮም ግን ሰባት ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት ሸለል ዚብልዎ፧ ምናልባት በቲ ሃብቲ ንምርካብ ዘለዎም ባህጊ ዓዊሮም: ዘይግዱሳት ብምዃኖም ደንዚዞም: ምውሳን ብዘይምኽኣሎም: ብመዓልታዊ ናብራኦም ተዋጢሮም: ወይ ድማ ክብረቶም ምእንቲ ኸይስእኑ ኢሎም ነቲ ምልክት ሸለል ይብልዎ ይዀኑ። ንስኻኸ ሓደ ኻብዚ እተጠቕሰ ምኽንያት: ነቲ ህላወ የሱስ ዚሕብር ምልክት ሸለል ንኽትብል ገይሩካዶ ይኸውን፧ ነቲ ምልክት ኣለሊኻ ኣድላዪ ስጕምቲ ምውሳድ ጥበባዊዶ ኸይኰነ፧

ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚህሉ ህይወት

ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸዱ ሰባት ነቲ የሱስ ሓይሊ መንግስቱ ሒዙ ምህላዉ ዚሕብር ምልክት ኣቓልቦ ይህብዎ ኣለዉ። ክሪስቲያን ዚበሃል ኣብ ጀርመን ዚነብር ምርዑው ብዓል ሓዳር መንእሰይ “እዚ ግዜ እዚ ዜጨንቕ እዩ። ብዘይ ጥርጥር ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ኢና እንነብር ዘሎና” ኢሉ ጸሓፈ። ንሱን ሰበይቱን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ምንጋር ብዙሕ ግዜ የሕልፉ እዮም። ፍራንክ እውን ኣብ ጀርመን እዩ ዚነብር። ንሱን ሰበይቱን ድማ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ገይሮም ንሰባት የጸናንዑ። “ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ይጭነቑ እዮም። ስለዚ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ዚዛረብ ትንቢታት ጌርና ኸነጸናንዖም ንፍትን” ከኣ በለ። ክሪስቲያንን ፍራንክን ነቲ ሓደ መዳይ እቲ ምልክት ዝዀነ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም እጃሞም የበርክቱ ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:14

የሱስ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ናይ መወዳእታ ጠርዘን ምስ በጽሓ: ነዚ ኣረጊት ኣገባብ እዝን ነቶም ደገፍቱን ኬጥፍኦም እዩ። ካብኡ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ነታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኸተመሓድራ እያ። ወድሰብ ካብ ሕማምን ሞትን ናጻ ኪኸውን እዩ: ምውታት ድማ ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም። እዚ ባህ ዜብል ትጽቢታት ነቶም ንምልክት ዘመናት ዜለልዩ ሰባት እተዳለወ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምልክት እዚ ዝያዳ ኽንፈልጥን ካብ ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ ንምድሓን እንታይ ከም ዜድሊ ኽንመሃርንሲ ጥበብዶ ኸይኰነ፧ ብርግጽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህጹጽ ስጕምቲ ምውሳዱ ኣድላዪ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ዓለም ኴንካ ኸተለልዮ እትኽእል ብዙሕ ፍጻመታት ብሓባር ዝጠርነፈ ምልክት ተነበየ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ነቲ እተፈላለየ መዳያት ዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምልክት ተለልዮ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚልለያሉ ምልክታት

ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውግእ።—ማቴዎስ 24:7፣ ራእይ 6:4

ጥሜት።—ማቴዎስ 24:7፣ ራእይ 6:5, 6, 8

ፌራ።—ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:8

ምብዛሕ ዓመጻ።—ማቴዎስ 24:12

ምንቅጥቃጥ ምድሪ።—ማቴዎስ 24:7

ክፉእ ዘመን።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

ክቱር ፍቕሪ ገንዘብ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

ንወለዲ ዘይምእዛዝ።—2 ጢሞቴዎስ 3:2

ፍቕሪ ንስድራቤት ዘይምህላው።—2 ጢሞቴዎስ 3:3

ካብ ንኣምላኽ ኣዕዚዝካ ተድላ ምፍታው።—2 ጢሞቴዎስ 3:4

ገዛእ ርእሲ ዘይምግታእ።—2 ጢሞቴዎስ 3:3 ትርጕም 1990

ሰናይ ዘይምፍታው።—2 ጢሞቴዎስ 3:3

ነቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ ዘይምቕላብ።—ማቴዎስ 24:39

መላገጽቲ ነቲ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት መረጋገጺ ይነጽግዎ።—2 ጴጥሮስ 3:3, 4

ዓለምለኻዊ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ።—ማቴዎስ 24:14

[ምንጪ ስእሊ]

WWI soldiers: From the book The World War—A Pictorial History, 1919; poor family: AP Photo/Aijaz Rahi; polio victim: © WHO/P. Virot