ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብነት ወለደይ ኣበርትዓኒ

ኣብነት ወለደይ ኣበርትዓኒ

ታሪኽ ህይወት

ኣብነት ወለደይ ኣበርትዓኒ

ያነዝ ረከል ዘዘንተዎ

እዋኑ 1958 እዩ ነይሩ። ኣነን ሰበይተይ ስታንካን ናብቲ ኣብ ዶብ ዩጎስላቭ-ኦስትርያ ዚርከብ ኣኽራን ካራዋንኬን በጻሕና። ሽዑ ናብ ኦስትርያ ኢና ንሃድም ኔርና። ዕጡቓት ሓለውቲ ዩጎስላቭ: ማንም ሰብ ነቲ ዶብ ከይሰግር ይሕልዉ ብምንባሮም: እዚ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ጕዕዞና ምስ ቀጸልና ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ በጻሕና። ኣነን ስታንካን ቅድሚኡ ንኣኽራን ኦስትርያ ርኢናዮ ኣይንፈልጥን ነበርና። ጕዕዞና ንምብራቕ ገጽና ምስ ቀጸልና ኸውሕን ጸጸርን ዝመልኦ ቝልቍለት ኣጓነፈና። በቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ቴንዳ ተጠቕሊልና ንታሕቲ ገጽና ሸታሕታሕ እናበልና ወረድና። ቀጺሉ እንታይ ከም ዜጋጥመና ግን ኣይንፈልጥን ነበርና።

ኣብዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ከም ዝኣተናን ኣብነት ወለደይ ኣብ ጽንኩር እዋን ንየሆዋ እሙን ኰይነ ንኽጸንዕ ብኸመይ ከም ዘበርትዓንን ክነግረኩም።

ኣብታ ሎሚ ኣብ ኣውሮጳ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ስሎቨንያ እየ ዓብየ። ስሎቨንያ ኣብ ኣኽራን ኣውሮጳ እትርከብ ኰይና ብሰሜን ምስ ኦስትርያ: ብምዕራብ ምስ ኢጣልያ: ብደቡብ ምስ ክሮአሽያ: ብምብራቕ ከኣ ምስ ሃንጋሪ ትዳወብ። ፍራንጽ ረከልን ሮዛሊያ ረከልን ዚበሃሉ ወለደይ ኣብ እተወልዱሉ እዋን ግን ስሎቨንያ ኽፍሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ኦስትርያ-ሃንጋሪ እያ ነይራ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ እተዛዘመሉ እዋን ስሎቨንያ ኽፍሊ ሓድሽ መንግስቲ ሰርብ: ክሮኣት: ከምኡውን ስሎቨንያውያን ኰነት። ብ1929 ስማ ናብ ዩጎስላቭያ ተቐየረ: ቃል ብቓሉ “ደቡብ ስላቭያ” ማለት እዩ። ኣነ ድማ ኣብታ ዓመት እቲኣ ብ9 ጥሪ: ኣብታ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዝዩ ዚምስጥ ቀላይ ብለድ እትርከብ ቍሸት ፖድሆም ተወለድኩ።

ኣደይ ኣብ ውፉያት ካቶሊክ ስድራቤት እያ ዓብያ። ሓደ ኻብ ሓወቦታታ ኻህን: ሰለስተ ኣሞታታ ድማ ደናግል ነበራ። ኣደይ መጽሓፍ ቅዱስ ሃልይዋ ንኸተንብቦን ንኽትርድኦን ሓያል ባህጊ ነበራ። ኣቦይ ግን እቲ ሃይማኖት ኣብቲ ኻብ 1914-18 እተገብረ ዓብዪ ውግእ ዝነበሮ ተሳትፎ ስለ ዜሕርቖ: ንሃይማኖት ጽቡቕ ኣረኣእያ ኣይነበሮን።

ነታ ሓቂ ምፍላጥ

እቲ ውግእ ድሕሪ ምዝዛሙ ያነዝ ብራየስ ዚበሃል ዘመድ ኣደይን ሰበይቱ ኣንኽካን ኣባላት እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሮ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ኣብ ኦስትርያ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ካብ 1936 ኣትሒዛ ኣንኽካ ነደይ ክትበጽሓ ትመጽእ ነበረት። መጽሓፍ ቅዱስን ብስሎቨንኛ እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋትን ነደይ ሃበታ። ኣደይ ድማ ቀልጢፋ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበታ። ብ1938 ሂትለር ንኦስትርያ ስለ እተቘጻጸራ ያነዝን ኣንኽካን ናብ ስሎቨንያ ተመልሱ። እተማህሩን መስተውዓልትን ንየሆዋ ድማ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ምስ ኣደይ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ወትሩ ይዘራረቡ ነበሩ። እዚ ድማ ህይወታ ንየሆዋ ኽትውፊ ደረኻ። ብ1938 ከኣ ተጠምቀት።

ኣደይ ከም በዓል ልደት ምብዓልን ደም ዘለዎ ግዕዝም ምብላዕን ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ምስ ገደፈት: ብፍላይ ከኣ ነቲ ዝነበራ ምስልታት ኣውጺኣ ምስ ኣንደደት: እዚ ኣብ ከባቢና መዘራረቢ ዀነ። ነዊሕ ከይጸነሐ ድማ ተቓውሞ ተላዕለ። እተን ደናግል ኣሞታታ ናብ ማርያምን ናብ ቤተ-ክርስትያንን ክትምለስ ብደብዳበ ኼእምንኣ ፈተና። ንሳ ድማ ንእተወሰነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ኪምልሳላ ሓተተተን: መልሲ ግን ኣይረኸበትን። ኣባሓጎይ እውን ኣምሪሩ ተቓወማ። ዋላኳ ብባህሪኡ ኽፉእ ሰብ እንተ ዘይነበረ: ኣዝማዱን እቲ ማሕበረሰብን ሓያል ጸቕጢ ይገብሩሉ ነበሩ። ካብዚ እተላዕለ ድማ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋታ ኣጥፍኣላ: ንመጽሓፍ ቅዱሳ ግን ተንክዩላ ኣይፈልጥን። ብብርኩ ተንበርኪኹ ናብ ቤተ-ክርስትያን ክትምለስ ለመና። ኣረ ብኻራ ኽሳዕ ምፍርራህ እውን በጺሑ ነይሩ። ካብኡ ግን ኣቦይ ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ስቕ ኢሉ ኸም ዘይሓልፎ ሕርሕራይ ገይሩ ነገሮ።

ኣቦይ ነቲ ኣደይ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ዝደለየቶ እምነት ክትሕዝን ዘለዋ መሰል ይድግፎ ነበረ። ስለዚ: ብ1946 ንሱውን ተጠምቀ። የሆዋ ነደይ ተቓውሞ እናሃለወ ኽነሱ ኣብ ሓቂ ብዘይ ገለ ፍርሂ ንኽትለግብ ብኸመይ ከም ዝሓገዛን ከም ዝባረኻን ምርኣየይ: ኣነውን ብብሕተይ ምስ ኣምላኽ ዝምድና ንኽምስርት ደረኸኒ። እቲ ኣደይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋትን እተንብበለይ ዝነበረ ነገራት እውን ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ።

ኣደይ ምስ ማሪያ ረፐ እትበሃል ሓብታ ነዊሕ ተመያየጠት። ካብኡ ኣብ መፋርቕ ሓምለ 1942 ኣነን ሓትኖይ ማሪያን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተጠመቕና። ሓደ ሓው ናብ ገዛና መጺኡ ሓጺር መደረ ድሕሪ ምሃቡ: ካብ ዕንጸይቲ ኣብ እተሰርሐ ጋብላ ተጠመቕና።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ሸቕሊ

ብ1942 ካልኣይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ: ጀርመንን ኢጣልያን ንስሎቨንያ ወረራኣ: ኻብኡ ምስ ሃንጋሪ ዀይነን ተመቓቒለን ኪገዝኣኣ ጀመራ። ወለደይ ኣባላት ቮልክስቡንት ዚበሃል ማሕበር ናዚ ምዃን ኣበዩ። ኣነ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ “ሃይል ሂትለር” ምባል ስለ ዝኣበኹ: መምህረይ ነቶም ሰበ-ስልጣን ነገሮም።

ኣብ ጥቓ ቝሸት ሁትነባኽ: ባቫሪያ ናብ ዚርከብ ግምቢ ብባቡር ተወሰድና። እዚ ቕድሚኡ ናይ ሸቕሊ ደምበ ነበረ። ኣቦይ ምስ ሓደ ሰንካቲ ባንን ስድራቤቱን እናሰራሕኩ ኽነብር ምድላዋት ገበረለይ። ኣብቲ እዋን እቲ ባኒ ምስንካት ተማሃርኩ: እዚ ድማ ደሓር ብዙሕ ጠቐመኒ። ድሕሪ ግዜ: ኵሎም ኣባላት ስድራቤተይ (ሓትኖይ ማሪያን ስድራቤታን ሓዊስካ) ኣብ ጉንዘንሃውዘን ናብ ዚርከብ ደምበ ተወስዱ።

እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ: ምስ ሓንቲ ጕጅለ ሰባት ኰይነ ናብቲ ወለደይ ዝነበርዎ ቦታ ክኸይድ ወሰንኩ። ቅድሚ እታ ዝነቕለላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ግን ኣቦይ ናብቲ ኣነ ዝነበርክዎ ቦታ መጸ። ምስታ ጕጅለ እንተ ዝኸይድ ነይረ እንታይ ከም ዘጋጥመኒ ኣይፈልጥን እየ: ከመይሲ ዚእመኑ ሰባት ኣይነበሩን። የሆዋ ወለደይ ከም ዜማዕቝቡንን ዜሰልጡኑንን ብምግባር ሓልዮቱ ኣርኣየኒ። ነቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤትና ንምርካብ ምስ ኣቦይ ሰለስተ መዓልቲ ብእግርና ተጓዓዝና። ኣብ ሰነ 1945 ከኣ ኵላትና ብሓባር ናብ ገዛና ተመለስና።

ድሕሪ እቲ ውግእ ብፕረዚደንት ዮሲፕ ብሮዝ ቲቶ ዚምራሕ ኮምዩኒስታዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ዩጎስላቭያ ስልጣን ሓዘ። ሕጂውን እቲ ዅነታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕማቕ ነበረ።

ኣብ 1948 ሓደ ኻብ ኦስትርያ ዝመጸ ሓው ኣብ ገዛና ተዓደመ። ፖሊስ ነቲ ሓው ዝኣተዎ ገዛውቲ ድሕሪ ምክትታል: ነቶም ኣሕዋት ኣሰርዎም። ኣቦይ እውን ኣብ ገዛኡ ስለ ዝኣንገዶን ናብ ፖሊስ ስለ ዘየሕለፎን ንኽልተ ዓመት ተኣስረ። እዚ እዋን እዚ ነደይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ከምዚ ዝዀነ: ኣቦይ ብዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣነን ምንኣሰይ ሓወይን እውን ነዊሕ ከይጸናሕና ናይ ገለልትነት ፈተና ኼጋጥመና ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት እዩ።

ኣብ ማሰዶንያ ተኣሰርኩ

ኣብ ሕዳር 1949 ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸዋዕኩ። ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ንኽህብ ሕልናይ ከም ዘይፈቕደለይ ከረድኦም ፈተንኩ። ኰይኑ ግን: ኪሰምዑኒ ኣይደለዩን። ምስቶም ካልኦት እተኸትቡ ብሓባር: ኣብ ጫፍ ዩጎስላቭያ ናብ እትርከብ ማሰዶንያ ብባቡር ሰደዱኒ።

ንሰለስተ ዓመት ምስ ስድራይ ኰነ ምስ ኣሕዋት ዝነበረኒ ርክብ ተቛረጸ። ጽሑፋት ይኹን መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይነበረንን። ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን ነበረ። ኣብ የሆዋን ኣብቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝገደፎ ኣብነትን ምስትንታነይ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። ኣብነት ወለደይ እውን ኣበርቲዑኒ እዩ። ብተወሳኺውን ሓይሊ ንኽረክብ ኣዘውቲረ ምጽላየይ: ተስፋ ንኸይቘርጽ ገይሩኒ እዩ።

ድሕሪ ገለ እዋን ኣብ ጥቓ ስኮፕየ ናብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ኢድሪዞቮ ተወሰድኩ። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት እተፈላለየ ዕዮ ይወሃቦም ነበረ። ኣነ ድማ መጀመርያ ኸም ኣጸራራይን ተለኣኣኽን ኰይነ እዓዪ ነበርኩ። ዋላኳ ሓደ ኣባል ምስጢራዊ ፖሊስ ዝነበረ እሱር የጕባዕብዓለይ እንተ ነበረ: ምስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ሓለውትን እሱራትን ምስቲ ኣመሓዳሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከብ ፋብሪካን ጽቡቕ ርክብ ነበረኒ።

ጸኒሑ ኣብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከብ መሰንከቲ ባኒ: ሰንካቲ ኸም ዚድለ ፈለጥኩ። ድሕሪ እተወሰነ መዓልቲ እቲ ኣመሓዳሪ ስማት ኪጽውዕ መጸ። ካብኡ ፊት ንፊተይ ደው ብምባል: “ንስኻ ሰንካቲ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ “እወ” በልኩ። “ጽባሕ ንግሆ ናብቲ መሰንከቲ ባኒ ምጻእ” በለኒ። እቲ ዜጋፍዓኒ ዝነበረ እሱር ብጥቓ እቲ ባኒ ዚስንከተሉ ይሓልፍ እኳ እንተ ነበረ: ምንም ኪገብር ግን ኣይከኣለን። ኣብኡ ኸኣ ኻብ ለካቲት ክሳዕ ሓምለ 1950 ሰራሕኩ።

ካብኡ ኣብ ደቡባዊ ማሰዶንያ: ጥቓ ቐላይ ፕረስፓ ናብ ዚርከብ ቮልኮደሪ ዚበሃል ደምበ ተወሰድኩ። ኦቴሶቮ ኻብ እትበሃል ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረት ከተማ ናብ ገዛና ደብዳበ ኽልእኽ እኽእል ነበርኩ። ዋላኳ መገዲ ኣብ ምስራሕ እውን እሳተፍ እንተ ነበርኩ: መብዛሕትኡ እዋን ግን ኣብቲ መሰንከቲ ባኒ ምስራሐይ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። ኣብ ሕዳር 1952 ድማ ተፈታሕኩ።

ኣብቲ ኣነ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ እዋን ኣብ ፖድሆም ጉባኤ ቘመት። እታ ጉባኤ መጀመርያ ስፖድንየ ጎርየ ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ እያ እትእከብ ነይራ። ካብኡ ኣቦይ ኣብ ገዛና ንመአከቢ ዚኸውን ክፍሊ ኣዳለወ። ካብ ማሰዶንያ ምስ ተመለስኩ ምስኦም ክእከብ ብምኽኣለይ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ምስታ ኸይተኣሰርኩ ኸለኹ እተፋለጥክዋ ስታንካ ዝነበረኒ ርክብ እውን ተሓደሰ። ብ24 ሚያዝያ 1954 ከኣ ተመርዓና። እንተዀነ ግን: ናጽነተይ ነዊሕ ኣይጸንሐን።

ኣብ ማሪቦር ተኣሰርኩ

ኣብ መስከረም 1954 ካልእ መጸዋዕታ መጸኒ። ኣብ ምዕራባዊ ጫፍ ስሎቨንያ ኣብ እትርከብ ማሪቦር ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ክእሰር ተፈርደኒ። ቀልጢፈ ወረቐትን ርሳስን ዓዲገ ነቲ ወረቐት ከም መጽሓፍ ገይረ ብምጥራዝ ዝዝክሮ ዘበለ ጥቕስታት: ካብ ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን እተወስደ ሓሳባት ጸሓፍኩ። ነዚ አንብቦ: ካልእ ነገር ትዝ ምስ ዝብለኒ ድማ እውስኸሉ ነበርኩ። ኣብ መወዳእታ ማእሰርተይ እታ መጽሓፍ ብጽሑፍ መልአት: እዚ ድማ ኣብ ሓቂ ንኽጸንዕን ብመንፈስ ንኸይደክምን ገይሩኒ እዩ። ጸሎትን ምስትንታን ብመንፈስ ንኽብርትዕ: ንኻልኦት ሰባት ድማ ነቲ ሓቂ ንምክፋል ዝያዳ ድፍረት ንኽረክብን ሓጊዙኒ እዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ደብዳበ ኽመጸንን ን15 ደቒቕ ድማ ሰብ ክበጽሓኒ ይፍቀደለይ ነበረ። ስታንካ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ ኣንጊሃ ንምብጻሕ ምሉእ ለይቲ ብባቡር ተጓዒዛ ድሕሪ ምምጻእ: ሽዑ መዓልቲ ድማ ተመሊሳ ትኸይድ ነበረት። እዚ ምብጻሕ እዚ ብዙሕ እዩ ኣበርቲዑኒ። ካብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኽበሉ መገዲ ኽሓስብ ጀመርኩ። ሓደ እዋን ኣነን ስታንካን ሓደ ሓላዊ እናሓለወና ፊት ንፊት ኮፍ ኢልና ነበርና። እቲ ሓላዊ ናብ ካልእ ኪጥምት ከሎ: ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ኣብ ቦርሳኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኽትመጽእ እትሓትት ደብዳበ ኣብ ቦርሳኣ ኣእተኹላ።

ስንታካን ወለደይን ግን እዚ ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሰቡ። ስለዚ: ካብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እተወሰነ ገጻት ኣብ ውሽጢ ባኒ ኣእተውዎ። በዚ ኸምዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብኩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ብኢድ ስታንካ እተጻሕፈ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ይበጽሓኒ ነበረ። ምስ በጽሓኒ ቐልጢፈ ብኢደይ እግልብጦ: ካብኡ ምናልባት እንተ ተረኽበ እኳ ኻበይ ከም ዝመጸ ምእንቲ ኸይፍለጥ: ነቲ ናይ መጀመርያ ቕዳሕ አጥፍኦ ነበርኩ።

ኣዘውቲረ እሰብኽ ስለ ዝነበርኩ: እቶም መተኣስርተይ ኣብ ሽግር ከም ዝኣቱ ርግጸኛታት ነበሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ሓደ እሱር ውዕዉዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምምይጥ ንገብር ነበርና። ካብኡ ማዕጾ ተኸፊቱ ሓደ ሓላዊ ኣተወ። ንበይነይ ንኺሕብሰኒ ዝመጸ ድማ መሰለኒ። ኰይኑ ግን: እቲ ሓላዊ ኸምኡ ኣይገበረን: ኣብ ክንዳኡ ነቲ እንገብሮ ዝነበርና ምምይጥ ሰሚዑ ንሱውን ምሳና ኺጽምበር እዩ ደልዩ። ነቲ ዝሓተቶ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ድሕሪ ምርካቡ ተመሊሱ ወጸ።

ኣብታ ንኽእሰር እተፈርደኒ ናይ መወዳእታ ወርሒ: እቲ ንእሱራት ከም ዚእረሙ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ዘለዎ ብዓል ስልጣን: ስለቲ ንሓቂ ዘሎኒ ጽኑዕ ኣቕዋም ነኣደኒ። እዚ ድማ: ስም የሆዋ ንኻልኦት ንምፍላጥ ንዝገበርክዎ ጻዕሪ ዘምጽኦ ጽቡቕ ዓስቢ ነበረ። ኣብ ግንቦት 1958 እንደገና ተፈታሕኩ።

መጀመርያ ናብ ኦስትርያ: ካብኡ ናብ ኣውስትራልያ ሃደምኩ

ኣደይ ንእተወሰነ እዋን ሓሚማ: ኣብ ነሓሰ 1958 ሞተት። ኣብ መስከረም 1958 ሳልሳይ መጸዋዕታ መጸኒ። ሽዑ ምሸት ኣነን ስታንካን ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስክዎ ዶብ ክንሰግር ወሰንና። ንማንም ሰብ ከይነገርና ኽልተ ዚሕዘል ቦርሳን ቴንዳን ሒዝና: ብመስኮት ወጺእና: ናብቲ ብምዕራባዊ ሸነኽ ከረን ስቶል ዚርከብ ዶብ ኦስትርያ ገጽና ኸድና። የሆዋ እፎይታ ኸም ዜድልየና ርእዩ መገድና ጸረገልና።

ሰበ-ስልጣን ኦስትርያ ኣብ ጥቓ ሶልዝበርግ ናብ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ሰደዱና። ኣብቲ ኣብኡ ዝጸናሕናሉ ሹዱሽተ ወርሒ: ግዜና ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ እነሕልፎ: ኣብቲ ሰፈር ብዙሕ ኣይንርከብን ነበርና። ኣብቲ ሰፈር ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት ከመይ ኢልና ቐልጢፍና ኣዕሩኽ ክንገብር ከም ዝኸኣልና ገረሞም። ሽዑ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ተኣከብና: ከምኡውን ካብ ቤት ናብ ቤት ብናጽነት ክንሰብኽ ከኣልና። እንኸደሉ እዋን ምስ ኣኸለ: ካብቶም ፍቑራት ኣሕዋትና ምፍላይ ከበደና።

ሰበ-ስልጣን ኦስትርያ ናብ ኣውስትራልያ ኽንግዕዝ ሓተቱና። ክንድዚ ርሒቕና ኽንከይድ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን ነበርና። መጀመርያ ብባቡር ናብ ጄኖኣ: ኢጣልያ ኸድና: ካብኡ ብመርከብ ናብ ኣውስትራልያ ተጓዓዝና። ኣብ መወዳእታ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ዎሎንጎንግ እትበሃል ከተማ ኽንቅመጥ ጀመርና። ብ30 መጋቢት 1965 ወድና ፊሊፕ ተወልደ።

ኣብ ኣውስትራልያ ምንባርና ኻብ ዩጎስላቭያ ነበር ንዝመጹ ስደተኛታት ምስባኽ ሓዊስካ ኣብ ኣገልግሎትና ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዩ ኸፊቱልና። የሆዋ ስለ ዝባርኸና ብዙሕ ኢና እነመስግኖ። ከም ስድራቤት መጠን ብሓባር ንዕኡ ምግልጋልና ሓደ ኻብቲ በረኸት እዩ። ፊሊፕን ሰበይቱ ሱዚን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግሉ ኣለዉ። ኣብ ስሎቨንያ ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እውን ንኽልተ ዓመት ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም።

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ዋላኳ ብሰንኪ ምድፋእ ዕድመን ጥዕና ምስኣንን ጸገማት ይሃልወና: ንየሆዋ ምግልጋልና ግን ኣየቋረጽናን። ወለደይ ጽቡቕ ኣብነት ስለ ዝገደፉለይ ብዙሕ እየ ዘማስወሉ። ከመይሲ: እቲ ኣብነቶም ኣበርቲዑንን ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ብተስፋ ተሐጐሱ: ብጸበባ ተዐገሱ: ጸሎት ኣዘውትሩ” ዝበሎ ንኽገብር ሓጊዙንን እዩ።—ሮሜ 12:12

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መወዳእታ 1920ታት ወለደይ እተሳእልዎ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣደይ: ብየማናይ ጫፍ: ምስታ ሓቂ ዝመሃረታ ኣንኽካ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሰበይተይ ስታንካ ድሕሪ መርዓና እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ 1955 ኣብ እንዳ ስድራይ እትእከብ ዝነበረት ጉባኤ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሰበይተይን ወድና ፊሊፕን ሰበይቱ ሱዚን እተሰኣልክዎ