ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ ኢኹም እትደልይዎም፧

ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ ኢኹም እትደልይዎም፧

ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ ኢኹም እትደልይዎም፧

“ኣጕባዝን ጐራዙትን: . . . ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።”መዝሙር 148:12, 13

1. ወለዲ ብዛዕባ ውሉዳቶም እንታይ እዩ ዜጨንቖም፧

 ብዛዕባ ውሉዳቶም ዘይጭነቑ ወለዲ እሞ መን እዮም፧ ወለዲ: ካብታ ዕሸል እተወልደላ ግዜ ኣትሒዞም: አረ ቕድሚ ምውላዱ እውን ከይተረፈ: ብዛዕባኡ ይጭነቑ እዮም። ‘ጥዕና ደዀን ይህልዎ ይኸውን፧ ብጽቡቕ ደዀን ይዓቢ ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ። እቲ ቘልዓ እናዓበየ ምስ ከደ: ተወሳኺ ዜጨንቖም ነገራት ኣሎ። ብሓፈሻኡ: ወለዲ ንውሉዶም ዘዝበለጸ ጥራይ እዮም ዚምነዩሉ።—1 ሳሙኤል 1:11, 27, 28፣ መዝሙር 127:3-5

2. ሎሚ ብዙሓት ወለዲ: ውሉዳቶም ምስ ዓበዩ ጽቡቕ ህይወት ኪመርሑ ኸም ዜድልዮም ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ግን ወለዲ ንውሉዳቶም ዘዝበለጸ ኺህቡ የጸግሞም እዩ። ብዙሓት ወለዲ እተፈላለየ ሽግራት ኣሕሊፎም እዮም። ገለ ኻብኡ ውግእ: ፖለቲካዊ ናዕቢ: ቍጠባዊ ጸገም: ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ማህሰይቲ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ስለዚ: ወለዲ ንውሉዳቶም ብተመሳሳሊ ጸገማት ከይሓልፉ ልባዊ ትምኒት ምሕዳሮም ባህርያዊ ነገር እዩ። እቶም ኣብ ዝበልጸጋ ሃገራት ዚነብሩ ወለዲ: ደቂ ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ኣብ ሞያኦም ውሕሉላት ብምዃን ዕዉት ናብራ ኺነብሩ ይርእዩ እዮም። ስለዚ ድማ ውሉዳቶም ምስ ዓበዩ ብተመሳሳሊ ምሾትን ህድኣትን ዘለዎ ጽቡቕ ህይወት ምእንቲ ኺመርሑ: ዚከኣሎም ዘበለ ኺገብሩሎም ከም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም።—መክብብ 3:13

ጽቡቕ ህይወት ምምራጽ

3. ክርስትያናት እንታይ እዮም መሪጾም፧

3 ክርስትያናት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝዀኑ: ህይወቶም ንየሆዋ ኺውፍዩ እዮም መሪጾም። ነተን “ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ: ነፍሱ ይቕበጽ: መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ” ዚብላ ቓላት የሱስ ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምወን እዮም። (ሉቃስ 9:23፣ 14:27) እወ: ናብራ ክርስትና ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዚሓትት እዩ። እንተዀነ ግን: ብድኽነትን ብጸበባን ክትነብር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ምሃብ ስለ ዜጠቓልል: የሱስ ድማ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ስለ ዝበለ: ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት—እወ: ጽቡቕ ህይወት—እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

4. የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ህይወቶም እንታይ ኪስዕቡ እዩ እተማሕጸኖም፧

4 ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እቲ ንናብራኦም ዜድልዮም ነገራት ምምላእ: ነቲ ሕማቕ ኣገዛዝኣ ሮማውያንን ጭቈና ዝመልኦ ጾር እቶም ወግዒ ዜብዝሑ ሃይማኖታውያንን ኪጾሩ ነበሮም። (ማቴዎስ 23:2-4) ኰይኑ ግን: ብዙሓት ብዛዕባ የሱስ ዝሰምዑ ሰባት ብሕታዊ ዋኒኖም: አረ መናበሪኦም እውን ከይተረፈ ሓዲጎም ሰዓብቱ ዀይኖም እዮም። (ማቴዎስ 4:18-22፣ 9:9፣ ቈሎሴ 4:14) እዞም ደቀ መዛሙርቲ እዚኣቶም ንመጻኢኦም ኣብ ሓደጋ ድዮም ዜእትዉ ነይሮም፧ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተዛረቦ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ:- “ስለ ስመይ ኢሉ: ኣባይቲ ዀነ: ወይስ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ: ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።” (ማቴዎስ 19:29) የሱስ ንሰዓብቱ: እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዜድልዮም ነገራት ከም ዚፈልጥ ኣረጋገጸሎም። ስለዚ ድማ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” በሎም።—ማቴዎስ 6:31-33

5. ገሊኦም ወለዲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኸም ዚሓልየሎም ብዚምልከት የሱስ ዝሃቦ መረጋገጺ ኸመይ ይስምዖም፧

5 ሎሚውን እዚ ዅነታት ብዙሕ ኣይተቐየረን። የሆዋ ዜድልየና ይፈልጥ እዩ: እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ዚህቡ: ብፍላይ እቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚጽመዱ: ንሱ ኸም ዚሓልየሎም መረጋገጺ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ሚልክያስ 3:6, 16፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ገሊኦም ወለዲ ግን ኣብዚ መዳይ እዚ ምጥርጣራት ኣለዎም። በቲ ሓደ ሸነኽ: ውሉዶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕቤት ኪገብር: ምናልባት እውን ድሕሪ ግዜ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪኣቱ ይደልዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ንቝጠባን ኵነታት ስራሕን እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ግምት ብምእታው: ደቆም ጽቡቕ ስራሕ ምእንቲ ኺረኽቡ ወይ እንተ ወሓደ መጸግዒ ዚዀኖም ምእንቲ ኺረኽቡ: ጽቡቕ ትምህርቲ ኺረኽቡ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ: ጽቡቕ ትምህርቲ ኺበሃል ከሎ ዝለዓለ ትምህርቲ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።

ንመጻኢ ምድላው

6. እታ “ዝለዓለ ትምህርቲ” እትብል ስያመ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንምንታይ እያ እተመልክት፧

6 ስርዓተ-ትምህርቲ ኻብ ሃገር ናብ ሃገር እተፈላለየ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ህዝባዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ን12 ዓመት መሰረታዊ ትምህርቲ ይህብ። ድሕሪኡ: ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንኣርባዕተ ወይ ካብኡ ንዚዛይድ ዓመታት ኪካፈሉ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብ ሕክምና: ሕጊ: ምህንድስና: ወይ ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሞያ ናይ ባችለር ዲግሪ ንኺረኽቡ ወይ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ ንኺመሃሩ የኽእሎም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ “ዝለዓለ ትምህርቲ” ኽንብል ከለና: ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኢና እንዛረብ ዘለና። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ዚህባ ኣብያተ-ትምህርቲ ተክኒክን ኢደ ጥበብን ኣለዋ። እዚኣተን ድማ ኣብ መወዳእታ ብሓደ ዓይነት ኢደ ጥበብ ወይ ኣገልግሎት: ወረቐት ምስክር ወይ ዲፕሎማ ይህባ።

7. ተመሃሮ ኻልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ እንታይ ዓይነት ጸቕጥታት እተቓልዑ እዮም፧

7 ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ኻልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ንተመሃሮአን: ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ኼዳልዋ እየን ዚጽዕራ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ከኣ: መብዛሕትአን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብቲ ንተመሃሮአን ንስራሕ ዜድልዮም ትምህርትታት ኣብ ክንዲ ምትኳር: ኣብቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ መርመራ ጽቡቕ ነጥቢ ኼምጽኡ ዜኽእሎም ዓይነት ትምህርቲ እየን ዜተኵራ። ተመሃሮ ኻልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኻብ መምህራኖምን ኣማኸርቶምን መማህርቶምን ኣብቲ ዲግሪ ረኺቦም ናብ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ኪመርሖም ተስፋ ዚገብሩሉ ብሉጽ ዩኒቨርሲቲታት ንኺኣትዉ ሸቶ ኺገብሩ ብዙሕ ጸቕጢ እዩ ዚግበረሎም።

8. ክርስትያናት ወለዲ እንታይ ምርጫታት እዩ ቐሪቡሎም ዘሎ፧

8 ክርስትያን ወለዲ ደኣ እሞ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ ልክዕ እዩ: ውሉዶም ኣብ ትምህርቲ ንፉዕ ኪኸውንን ኣብ መጻኢ ርእሱ ኽኢሉ ንኺነብር ዜድልዮ ኽእለት ኪመሃርን እዮም ዚደልዩ። (ምሳሌ 22:29) እንተዀነ ግን: ውሉዶም በቲ ንስጋዊ ብልጽግናን ኣሳልጦን ዚግበር ናይ ውድድር መንፈስ ኪጽሎ ስቕ ኢሎም ኪርእዩዶ ይግባእ፧ ብቓሎም ኰነ ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣብነት ንደቆም እንታይ ዓይነት ሸቶ እዮም ዜንብሩሎም፧ ገሊኦም ወለዲ ግዜ ምስ ኣኸለ ንደቆም ናብቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ትካላት ንኼእትዉ ኢሎም ኣበርቲዖም ይዓዩ: ገንዘብ ከኣ የዋህልሉ። ገሊኦም ከኣ ምእንቲ እዚ ዕላማ እዚ ኢሎም ኣብ ዕዳ ኺኣትዉ ፍቓደኛታት እዮም። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ እትኸፍሎ ዋጋ ግን: ብገንዘብ ጥራይ ዚልካዕ ኣይኰነን። ኣብዚ ግዜና ዝለዓለ ትምህርቲ ንምስዓብ እንታይ ዋጋ እዩ ዚኽፈሎ፧—ሉቃስ 14:28-33

ዝለዓለ ትምህርቲ ንምርካብ ዚኽፈል ዋጋ

9. ኣብዚ ግዜና ዝለዓለ ትምህርቲ ንምርካብ ብገንዘብ ብዛዕባ ዚኽፈል ዋጋ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

9 ብዛዕባ ዚኽፈል ዋጋ ኽንሓስብ ከለና: መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ገንዘባዊ ወጻኢታት ኢና እንሓስብ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ዝለዓለ ትምህርቲ ብመንግስቲ ዚምወል ስለ ዝዀነ: ብቕዓት ዘለዎም ተመሃሮ ገንዘብ ኪኸፍሉ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ግን ዝለዓለ ትምህርቲ ኽቡር ኪኸውን ከሎ: ብሕጂውን እናኸበረ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ሓንቲ ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ እተሓትመት ዓንቀጽ “ዝለዓለ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት ከም ዚኸፍት ጌርካ ይርአ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ መንጎ እቶም ሃብታማትን ሃብታማት ዘይኰኑን ዘሎ ጋግ እዩ ዜርኢ ዘሎ” በለት። ብኻልእ ኣበሃህላ: ዝለዓለ ትምህርቲ እቶም ንደቆም ኣብዚ ኣገባብ እዚ ኸማታቶም ሃብታማትን ጽልዋ ዘለዎምን ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ዚጽዕሩ ወለዲ ዚቈጻጸርዎ ዓንኬል ይኸውን ኣሎ። ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ከምዚ ዝኣመሰለ ሸቶ ኺመርጹስ ግቡእ ድዩ፧—ፊልጲ 3:7, 8፣ ያእቆብ 4:4

10. ዝለዓለ ትምህርቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ምስ ምድንፋዕ ብኸመይ እዩ ኣጸቢቑ ዚተሓሓዝ፧

10 ኣብቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ብዘይ ክፍሊት ዚወሃበሉ ሃገራት እውን እንተዀነ: ምስኡ ተተሓሒዙ ዚመጽእ ሓላፍነት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያ እትርከብ ሃገር: እቲ መንግስቲ “ኸም ፒራሚድ ዝኣመሰለ ኣመሃህራ ይጥቀም: ነቶም ብሉጻት ከኣ ኰነ ኢሉ ናብ ላዕሊ የውጽኦም” ትብል። እቲ “ላዕሊ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብቲ ኻብ ዓለም ብሉጽ ዚበሃል ትካላት ትምህርቲ—ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ኦክስፎርድን ካምብሪጅን: ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣይቪ ሊግ—ምእታው እዩ። እቲ መንግስቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶ ዘለዎ መደብ ዘተኣታተወ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ጸብጻብ “ነቲ ሃገራዊ ቝጠባ ንምብርባር እዩ” ይብል። እቲ ትምህርቲ ብዘይ ክፍሊት ዚርከብ ኪኸውን ይኽእል እዩ: እቶም ተመሃሮ ዚኸፍልዎ ዋጋ ግን ኣብቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ዜደንፍዕ ህይወት ምጥሓል እዩ። ዓለም ነዚ ኸምዚ ዘኣመሰለ ናብራ ትደልዮ እኳ እንተዀነት: ክርስትያን ወለዲ ግን ንደቆም ከምዚ ድዮም ዚምነዩሎም፧—ዮሃንስ 15:19፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17

11. ብዛዕባ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዚርአ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ጾታዊ ርኽሰትን ጸብጻባት እንታይ ይሕብር፧

11 ብዘይካዚውን እቲ ሃዋሁ ኺርሳዕ የብሉን። ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ብሕማቕ ጠባያት ዕሉላት እየን። ገለ ኻብኡ ሓሽሽ ምውሳድ: ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ: ርኽሰት ምፍጻም: ምትላል: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት: ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ እስከ ንውሰድ። ኒው ሳይንቲስት ዘርእስታ መጽሔት ብዛዕባ እቶም ንኺሰኽሩ ኢሎም ዚሰትዩ ኽትገልጽ ከላ: “ዳርጋ 44 ሚእታዊት [ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ] ኣብቲ ተራ እዋን እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳእ ኪሰኽሩ ኢሎም ይሰትዩ” በለት። እዚ ጸገም እዚ ኣብቶም ኣብ ኣውስትራልያ: ብሪጣንያ: ሩስያ: ከምኡውን ኣብቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዚርከቡ መንእሰያት ልሙድ እዩ። ንጾታዊ ርኽሰት ብዚምልከት ከኣ: ኣብ ተመሃሮ መዘራረቢ ዀይኑ ዘሎ ጕዳይ: ከምቲ መጽሔት ኒውስዊክ ዝገለጸቶ “ኣብ መንጎ ኽልተ ድሕሪ ሕጂ ንኺዘራረቡ እውን መደብ ዘይብሎም ሰባት ዚግበር ካብ ምስዕዓም ኣትሒዙ ኽሳዕ ጾታዊ ርክብ ዚበጽሕ ንሓንሳእ ዚግበር ጾታዊ ንጥፈት” እዩ ዀይኑ ዘሎ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ: ካብ 60 ክሳዕ 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ተመሃሮ: ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈት ይሳተፉ እዮም። ሓንቲ ተመራማሪት “ተመሃራይ ኮለጅ እንተ ዄንካ: ነዚ ትገብሮ ኢኻ” በለት።—1 ቈረንቶስ 5:11፣ 6:9, 10

12. ተመሃሮ ኮለጅ ንምንታይ ጸቕጥታት እተቓልዑ እዮም፧

12 ኣብ ርእሲ እቲ ሕማቕ ሃዋሁ: ዕዮ ትምህርትን መርመራታትን ጸቕጢ ይገብር እዩ። ተመሃሮ መርመራታት ምእንቲ ኺሓልፉ: ኬጽንዑን ዕዮ ገዛ ኺዓዩን ግቡእ እዩ። ገሊኦም እናተማህሩ እንተ ወሓደ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ኪሰርሑ ይግደዱ እዮም። እዚ ዅሉ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ይሓትት። እሞ ደኣ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት እንታይ እዩ ዚተርፈካ፧ ጸቕጥታት ኪበዝሕ ከሎ: ኣየናዩ እዩ ዚንከ፧ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ነገራት ቀዳምነት ይወሃቦ ድዩ: ወይስ ዕሽሽ እዩ ዚበሃል፧ (ማቴዎስ 6:33) መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት: “ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ኢሉ እዩ ዚምሕጸኖም። (ኤፌሶን 5:15, 16) ገሊኦም ግዜኦምን ጕልበቶምን ኣብ ትምህርቲ ብምውፋዮም ወይ ኣብ ኮለጅ ኣብቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይሰማማዕ ተግባር ብምጥሓሎም: ንእምነቶም ምሕዳጎምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!

13. ክርስትያን ወለዲ ነየናይ ሕቶታት እዮም ኪሓስቡሉ ዚግባእ፧

13 ልክዕ እዩ: ጾታዊ ርኽሰትን ሕማቕ ጠባይን ጸቕጥታትን: ኣብ ኮለጃት ወይ ዩኒቨርስቲታት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ብዙሓት መንእሰያት ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክፍሊ ትምህርቶም ገይሮም ይርእይዎ: ንቡር ከም ዝዀነ ገይሮም እውን ይወስድዎ። እንተዀነ ግን: ክርስትያን ወለዲ እናፈለጡ ንደቆም ንኣርባዕተ ወይ ካብኡ ንዚዛይድ ዓመታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁ ኼቃልዕዎም ግቡእ ድዩ፧ (ምሳሌ 22:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:22) ንምዃኑ እቲ እዚ ዜምጽኦ ሓደጋ: ምስቲ እቲ መንእሰይ ዚረኽቦ ዝዀነ ይኹን ረብሓ ብምንጽጻር ሚዛናዊ ኺበሃል ይከኣል ድዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: እቶም መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ኪህብዎ ዘለዎም ነገራት እንታይ እዮም ዚመሃሩ ዘለዉ፧ a (ፊልጲ 1:10፣ 1 ተሰሎንቄ 5:21) ወለዲ ነዚ ሕቶታት እዚ ኸምኡውን ንደቆም ንትምህርቲ ናብ ካልእ ከተማ ወይ ሃገር ምልኣኽ ዜምጽኦ ሓደጋ ብጸሎት ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም።

እንታይ ኣማራጺታት ኣሎ፧

14, 15. (ሀ) እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣረኣእያ ብዘየገድስ: እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ እዩ ሎሚ እውን ዚዓዪ፧ (ለ) መንእሰያት ንርእሶም እንታይ ሕቶታት እዮም ኪሓቱ ዚኽእሉ፧

14 ኣብዚ ግዜና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣረኣእያ: መንእሰያት ዕዉታት ኪዀኑ እንተ ዀይኖም ኣብ ዩኒቨርስቲ ምእታው እንኮ ኣማራጺ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚቐርብ። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ነቲ ልሙድ ዝዀነ ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ ምስዓብ: “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ እዮም ዚስዕቡ። (ሮሜ 12:2) ኣብዚ መወዳእታ ግዜ ዚጽንቀቐሉ ዘሎ እዋን ፍቓድ ኣምላኽ ንንኣሽቱ ዀነ ንዓበይቲ ዝዀኑ ህዝቡ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ብዅሉ ተጠንቀቕ: መከራ ጽገብ: ግብሪ ወንጌላዊ ግበር: ኣገልግሎትካ መልእ” ኢሉ ተላበዎ። እዘን ቃላት እዚኣተን ብርግጽ ነዚ ግዜና እውን ዚምልከታ እየን።—2 ጢሞቴዎስ 4:5

15 ብስጋዊ ኣረኣእያ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ እንወሓጥ: ኵላትና ‘ክንጥንቀቕ:’ ማለት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከነተኵር ኣሎና። መንእሰይ እንተ ዄንካ: ‘“ኣገልግሎተይ ንኽምልእ” ወይ ብቑዕ ኣገልጋሊ ቓል ኣምላኽ ንክኸውን ዝከኣለኒ ዘበለ እገብርዶ ኣለኹ፧ ኣገልግሎተይ “ንኽምልእ” እንታይ መደባት እየ ገይረ፧ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክስዕብ ሓሲበሉ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ብፍላይ ካልኦት መንእሰያት ደድሕሪ እቲ ናብ ብሩህ መጻኢ ይመርሕ እዩ ዚብልዎ ስስዐ ዝመልኦ “ዓብዪ ነገር” ኪስዕቡ ኽትርኢ ኸለኻ: እዘን ሕቶታት እዚኣተን ከበድቲ ኪዀና ይኽእላ እየን። (ኤርምያስ 45:5) ስለዚ: ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ጽቡቕ ዓይነት መንፈሳዊ ሃዋሁን ስልጠናን ከም ዚረኽቡ ኺገብሩ ይግባእ።—ምሳሌ 22:6፣ መክብብ 12:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15

16. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ጽቡቕ መንፈሳዊ ሃዋሁ ኸም ዚረኽቡ ኺገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ሓንቲ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ዘገልገለት ኣደ: ሰለስተ ኣወዳት ኣለውዋ። እቲ በዅሪ ብዛዕባ ኣዲኡ ኺዛረብ ከሎ: “ኣደይ ንዕርክነትና ተጠንቂቓ እያ እትከታተሎ ነይራ። ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ዘለዎም ጥራይ ደኣ እምበር: ምስ መማህርትና ኣይተቐራረብናን። ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ ሚስዮናውያን: ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ቤትኤላውያን: ፓይነራት ከኣ ወትሩ እያ እትዕድሞም ነይራ። ተመክሮኦምን ሓጐሶምን ምስማዕና: ኣብ ኣልባብና ባህጊ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣስሪጹልና” በለ። ሎሚ ሓደ ኣብ ቤትኤል ብምግልጋል: ሓደ ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ብምክፋል: ሓደ ኸኣ ፓይነር ብምዃን: ሰለስቲኦም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጽማዶምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

17. ወለዲ ንውሉዳቶም ዓይነት ትምህርቲ ወይ ኢደ ጥበብ ኪመርጹ ኸለዉ እንታይ መምርሒ ኺህብዎም ይኽእሉ፧ (ኣብ ገጽ 29 ዚርከብ ሳጹን ርአ።)

17 ወለዲ ኣብ ርእሲ እቲ ዚፈጥርዎ መንፈሳዊ ሃዋሁ: ንደቆም ብእተኻእሎም መጠን ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም: ኣብቲ ዚመርጽዎ ዓይነት ትምህርትን ኢደ ጥበብን ግቡእ መምርሒ ኺህብዎም ኣለዎም። ሕጂ ኣብ ቤትኤል ዜገልግል ዘሎ ኻልእ መንእሰይ: “ክልቲኦም ወለደይ ቅድሚ ምምርዓዎምን ድሕሪኡን ፓይነራት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም: ነቲ ናይ ፓይነር መንፈስ ናብ ምልእቲ ስድራቤት ንኼመሓላልፍዎ እውን ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ እንመሃሮ ዓይነት ትምህርቲ ኽንመርጽ ከለና ወይ ንመጻኢና ዚጸሉ ውሳነታት ክንገብር ከለና: ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ እናሰራሕና ፓይነራት ንኽንከውን ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና ምርጫታት ክንገብር እዮም ወትሩ ዜተባብዑና ነይሮም” በለ። ወለድን ውሉዳትን ነቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኼእቱ እተዳለወ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዚመርጹ: ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ንምስዓብ ጠቓሚ ዝዀነ መገድታት ኬናድዩ ኣለዎም። b

18. መንእሰያት እንታይ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧

18 ሓያሎ ሃገራት ናይ ዩኒቨርሲቲ ምሩቓት ዘይኰነስ: ኣብ ኢደ ጥበብን ኣብ ኣገልግሎትን ዚዓዩ ሰባት ከም ዜድልይወን መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። ዩኤስኤ ቱደይ ዚበሃል መጽሔት “ኣብ ዚመጽእ ዓመታት 70% ሰራሕተኛታት ኣርባዕተ ዓመት ዚወስድ ዲግሪ ዘይኰነስ: ክልተ ዓመት ዚወስድ ዲፕሎማ ወይ ብእተወሰነ ዓይነት ተክኒክ ዚወሃብ ወረቐት ምስክር እዩ ዜድልዮም” ኢላ ጸብጸበት። መብዛሕትኡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትካላት ትምህርቲ: ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት: ጽገና ማኪና: ጽገና ኮምፕዩተር: ስራሓት ቡምባ: ምምሻጥ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ኢደ ጥበባት ሕጽር ዝበለ ኮርስ ይህባ እየን። እዝስ ተበሃጊ ስራሕ ድዩ፧ ብርግጽ እዩ! ምናልባት ከምቲ ገሊኦም ዚሓስብዎ ኽብ ዝበለ ኣይከውንን: እንተዀነ ግን: ነቶም ናይ ሓቂ ሞያኦም ኣገልግሎት የሆዋ ዝዀነ ሰባት ተዓጻጻፊ መነባብሮ ይዀኖም እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:8

19. ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ዜኽእል እተረጋገጸ መገዲ እንታይ እዩ፧

19 መጽሓፍ ቅዱስ “ኣጕባዝን ጐራዙትን . . . ስሙ በይኑ ልዑል እዩ: ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ” ኢሉ ይምሕጸን። (መዝሙር 148:12, 13) ንየሆዋ ብምሉእ ግዜኻ ምግልጋል: ምስቲ ዓለም እተቕርቦ ደረጃን ዓስብን ኪወዳደር ከሎ: ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ዜኽእል እተረጋገጸ መገዲ እዩ። ነቲ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መረጋገጺ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ።—ምሳሌ 10:22

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ንላዕሊ ንቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ኣኽቢሮም ዝረኣዩ ሰባት ዚገልጽ ተመክሮታት: ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1982 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-6፣ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1979 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 5-10፣ ኣብ ናይ 8 ሰነ 1978 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 15፣ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1974 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-7 ተወከስ።

b ኣብ ናይ 8 ጥቅምቲ 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 4-6 ዝወጸት “ጽቡቕ ናብራ ንምንባር ዚግበር ጻዕሪ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ከምኡውን ኣብ ናይ 8 ግንቦት 1989 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 12-14 ዝወጸት “እንታይ ዓይነት ሞያ ኽመርጽ ኣሎኒ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ክርስትያናት መጻኢኦም ዜተኣማምን ንኪኸውን ኣብ ምንታይ እዮም ዚውከሉ፧

• ክርስትያን ወለዲ ብዛዕባ መጻኢ ውሉዳቶም ብዚምልከት እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዜጋጥሞም፧

• ዝለዓለ ትምህርቲ ንምርካብ ዚኽፈል ዋጋ ኺጽብጸብ ከሎ: እንታይ እዩ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ፧

• ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ስርሐይ ኢሎም ንኺጽመዱ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ዝለዓለ ትምህርቲ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

መብዛሕትኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዚኣትዉ ሰባት ዲግሪ ኺረኽቡ እሞ: እዚ ድማ ጽቡቕ ደሞዝ ዘለዎ ቐዋሚ ስራሕ ንምርካብ ኪሕግዞም እዮም ትጽቢት ዚገብሩ። እንተዀነ ግን: መንግስቲ ኣመሪካ ዝሃቦ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ሓደ ርብዒ ኻብቶም ናብ ኮለጅ ዚኣትዉ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ዲግሪ ዚረኽቡ። እዚ ድማ ዜሕዝን እዩ። ድሕርዚውን እንተዀነ: እቲ ዲግሪ ጽቡቕ ስራሕ ንኽትረክብ ውሕስነት ዚኸውን ድዩ፧ እዋናዊ ምርምራትን መጽናዕትታትን ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል እስከ ኣስተብህል።

“ናብ [ዩኒቨርስቲ] ሃርቫርድ ወይ ዱክ ምእታው: ብኡንብኡ ዝሓሸ ስራሕን ዝያዳ ደሞዝን ክትረክብ ኣየኽእልን እዩ። . . . ኩባንያታት ብዛዕባ እቶም ስራሕ ዚቝጸሩ መንእሰያት ብዙሕ ኣይፈልጣን እየን። ብሉጽ ወረቐት (ናይ ኣይቪ ሊግ ዲግሪ) ዚምስጥ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸኒሑ ግን ሰባት ኪገብርዎ ዚኽእሉ ወይ ዘይኽእሉ ነገር እዩ ዝያዳ ዜገድስ።”—ኒውስዊክ: 1 ሕዳር 1999

“ሎሚ ዘሎ ስራሕ ካብ ናይ ቀደም ዝያዳ ኽእለት ዚሓትት እኳ እንተዀነ . . .: እቲ ነዚ ስራሕ እዚ ዜድሊ ኽእለታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዚርከብ ክእለታት: ማለት ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ እትመሃሮ ሕሳብን ምንባብን ምጽሓፍን . . . ደኣ እምበር: ኣብ ኮለጅ እትመሃሮ ኽእለታት ኣይኰነን። . . . ተመሃሮ ጽቡቕ ስራሕ ንኺረኽቡ: ናብ ኮለጅ ኪኣትዉ ኣየድልዮምን እዩ: የግዳስ ነቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዚመሃርዎ ኽእለታት ኪመልክዎ ኣለዎም።”—ኣመሪካን ኤጁኬተር: ጽድያ 2004

“መብዛሕትኡ ኮለጃት ንተመሃሮ ምስ ተመረቑ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ድሉዋት ብምግባር ዝመጸ: ካብ ናይ ሓቂ ዓለም ኣጸቢቑ ወጺኡ እዩ ዘሎ። . . . ኢደ ጥበብ ዚምህር ኣብያተ-ትምህርቲ ዝያዳ ተፈታውነት ይረክብ ኣሎ። ኣብኡ ዚኣትዉ ሰባት ካብ 1996 ክሳዕ 2000 ኣብ ዘሎ ዓመታት ብ48% ወሲኹ። . . . እዚ ኸምዚ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኽቡርን ብዙሕ ግዜ ዚወስድን ናይ ኮለጅ ዲፕሎማ: ኣገዳስነቱ ኣጸቢቑ ነክዩ ኣሎ።”—ታይም: 24 ጥሪ 2005

“ክፍሊ ሸቃሎ ሕ.መ.ኣ. ብዛዕባ ዓመት 2005 ኣቐዲሙ ኣብ ዝገበሮ ግምት: እንተ ወሓደ ሓደ ሲሶ ኻብ ኵሎም ናይ ኣርባዕተ ዓመት ምሩቓት ኮለጅ: ምስ ዲግሪኦም ዚመጣጠን ስራሕ ከም ዘይረኽቡ ዚሕብር ዜፍርህ ሓበሬታ ሂቡ።”—ዘ ፍዩቸሪስት: ሓምለ/ነሓሰ 2000

ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው: ሎሚ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መምህራን ነቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎ ረብሓ ኣብ ጥርጣረ ኣእትዮምዎ እዮም። ዘ ፍዩቸሪስት “ንሰባት ናብ ግጉይ መጻኢ ዚመርሕ ነገራት ኢና እንምህሮም” ኢላ ጸብጸበት። ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”—ኢሳይያስ 48:17, 18

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ንብሕታዊ ዋኒኖም ሓዲጎም ንየሱስ ሰዓብዎ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ሓያል መንፈሳዊ ሃዋሁ ኸም ዚረኽቡ ይገብሩ