ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ: “ንቕሑ”

እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ: “ንቕሑ”

እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ: “ንቕሑ”

ኣብዚ ዚጽናዕ ዓንቀጽ ዘሎ ትምህርቲ: ኣብታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብ2004/05 ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እተገብረ ናይ ኣውራጃ ኣኼባታት ዝወጸት ብሮሹር እተመርኰሰ እዩ።

“ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።”ማቴዎስ 24:42

1, 2. የሱስ ዚመጸሉ መገዲ ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧

 ኣብ ገዛውትኻ ሰላሕ እናበለ ዚሰርቕ ሰራቒ ኸም ዘሎ እንተ ትፈልጥ እንታይ ምገበርካ፧ ንእተፍቅሮም ሰብካን ንንብረትካን ንምሕላው: ነቒሕካ ምተኸታተልካ። ከመይሲ: እቲ ሰራቒ ኸም ዚመጽእ እትገልጽ ደብዳበ ኣይልእኸልካን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ሰላሕ እናበለ ኸይተጸበኻዮ እዩ ዚመጽእ።

2 የሱስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነቲ ሰራቒ ዚጥቀመሉ መገዲ ኸም ምሳሌ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (ሉቃስ 10:30፣ ዮሃንስ 10:10) ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ግዜ ዜጋጥም እሞ ናብቲ ንሱ መጺኡ ፍርዲ ዚፍጽመሉ ግዜ ዚመርሕ ፍጻመታት ኪገልጽ ከሎ ኸኣ: “ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፤ ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ: ምነቕሔ: ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን” በለ። (ማቴዎስ 24:42, 43) ስለዚ: የሱስ ዚመጸሉ መገዲ: ምስቲ ኸይተጸበኻዮ ዚመጽእ ሰራቒ እዩ ኣመሳሲልዎ።

3, 4. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ምምጻኡ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምስዓብ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧

3 የሱስ ዚመጸላ መዓልቲ ብልክዕ ስለ ዘይትፍለጥ: ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ትንቢት እቲ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን” ኢሉ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:36) ስለዚ ድማ “እተዳሎኹም ኩኑ” በለ። (ማቴዎስ 24:44) እቶም ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዜቕልቡ: ፈጻሚ ፍርዲ የሆዋ ዀይኑ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ይምጻእ ብዘየገድስ: ብቕኑዕ ኣካይዳ እናተመላለሱ ድሉዋት ይዀኑ እዮም።

4 እንተዀነ ግን: እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ይለዓል እዩ:- የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ጥራይ ድዩ: ወይስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ‘ኪነቕሑ’ የድልዮም እዩ፧ ብህጹጽ ‘ነቒሕና’ ኽንከታተል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧

እቲ መጠንቀቕታ ንመን እዩ፧

5. እቲ “ንቕሑ” ዚብል መጠንቀቕታ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧

5 ጐይታ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጥፍኣት ንዚወሃቦም መጠንቀቕታ ጸማም እዝኒ ዚህብዎ ሰባት ከም ሰራቒ ዀይኑ ኸም ዚመጾም ፍሉጥ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:3-7) እንተዀነ ግን: እዚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ: ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:2) “መዓልቲ ጐይታ . . . ኸም እትመጽእ” ዘይንጠራጠር እኳ እንተ ዀንና: እዚ ግን ነቒሕና ንኸይንጸንሕ ምኽንያት ይዀነና ድዩ፧ የሱስ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ” ዝበሎም ንደቀ መዛሙርቱ ምዃኑ ነስተብህል። (ማቴዎስ 24:44) ኣቐድም ኣቢሉ እውን ኵሉ ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ ኺላበዎም ከሎ: “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ሉቃስ 12:31, 40) ስለዚ: የሱስ “ንቕሑ” ዝበለ ንደቀ መዛሙርቱ ምንባሩስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧

6. ‘ነቒሕና’ ኽንጸንሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ‘ክንነቅሕን’ ‘እተዳሎና ኽንከውንን’ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ክልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም: እቲ ሓደ ኺውሰድ: እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን: ሓንቲ ኽትውሰድ: ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።” (ማቴዎስ 24:40, 41) እቶም እዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ክትጠፍእ ከላ ‘ዚውሰዱ’ ወይ ዚድሕኑ: እቶም ድሉዋት ኰይኖም ዚጸንሑ እዮም። ካልኦት ግን ነቲ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ብስስዐ ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም ብምስዓቦም ንጥፍኣት ‘ኪሕደጉ’ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ሓቂ ፈሊጦም ኬብቅዑ ነቒሖም ዘይጸንሑ ሰባት የመልክቱ።

7. መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ብልክዕ ዘይምፍላጥና: እንታይ ክንገብር እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና፧

7 መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ብልክዕ ኣበየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ዘይምፍላጥና: ንየሆዋ ኻብ ንጹህ ድራኸ ተላዒልና ኸም እነገልግሎ ንኸነርኢ እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና። ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ኺበሃል ዚከኣል፧ መወዳእታ ኣዝዩ ዝነውሐ ኺመስል ይኽእል እዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣ: ገሊኣቶም ብሰንክዚ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝነበሮም ቅንኢ ዝሒሉ እዩ። እንተዀነ ግን: ርእስና ኽንውፊ ኸለና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸነገልግሎ ኢና ቓል ኣቲናሉ። እቶም ንየሆዋ ዚፈልጥዎ ሰባት ስቕ ኢልካ ጸኒሕካ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ቅንኢ ምርኣይ ንዕኡ ኸም ዘየሐጕሶ ይግንዘቡ እዮም። የሆዋ ልቢ እዩ ዚርኢ።—1 ሳሙኤል 16:7

8. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነቒሕና ንኽንጽበ እትድርኸና ብኸመይ እያ፧

8 ንየሆዋ ብሓቂ ስለ እነፍቅሮ: ፍቓዱ ምግባር ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። (መዝሙር 40:8፣ ማቴዎስ 26:39) ንየሆዋ ንዘለኣለም ኢና ኸነገልግሎ እንደሊ። እዚ ተስፋ እዚ ዋላኳ ኻብቲ እተጸበናዮ ግዜ ደንጕዩ ዚመጽእ እንተ መሰለና: መማዝንቲ ዘይብሉ ምዃኑ ግን ክንርስዕ የብልናን። ልዕሊ ዅሉ ነቒሕና እንጽበየሉ ምኽንያት ከኣ: ኣብ መዓልቲ የሆዋ ዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ንኽንርኢ ዓብዪ ሃረርታ ስለ ዘሎና እዩ። ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወትና ኣብ ግብሪ እናኣውዓልና ንመንግስቱ ኣብ ናብራ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ ንዕኡ ብዜሐጕሶ መገዲ ኽንመላለስ ልባዊ ባህጊ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:33፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ነቒሕና ምጽባይና: ነቲ እንገብሮ ውሳነታትን ንመዓልታዊ ናብራናን ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚግባእ እስከ ንርአ።

ህይወትካ ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

9. ህዝቢ ዓለም ነቲ እዚ ግዜና ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብህጹጽ ኬስተውዕልዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

9 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ከበድቲ ጸገማትን ዜሰንብድ ፍጻመታትን ልሙድ ኰይኑ ኸም ዘሎ ይርድኦም እዩ። ህይወቶም እትምርሓሉ ዘላ መገዲ እውን የጕህዮም ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ከባቢኦም ዚፍጸም ዘሎ ነገራት እንታይ ትርጕም ሒዙ ኸም ዘሎ ይርድኦም ድዩ፧ ኣብቲ “መወዳእታ ዓለም” ዚበሃል እዋን ከም ዘለና ይግንዘቡ ድዮም፧ (ማቴዎስ 24:3) እዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስስዐን ዓመጻን እከይን “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ምህላውና ዚሕብር ምልክት ምዃኑ ይፈልጡ ድዮም፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብህጹጽ ነቲ እዚ ፍጻመታት እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ኬስተውዕሉን ህይወቶም እተምርሓሉ ዘላ ኣንፈት ኪሓስቡሉን ኣለዎም።

10. ነቒሕና ኸም ዘለና ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

10 ንሕናኸ፧ መዓልታዊ ንስራሕናን ጥዕናናን ስድራቤትናን ኣምልኾናን ዚትንክፍ ውሳነታት የጋጥመና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ንፈልጥ ኢና: ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸኣ ንጽዕር ኢና። ይኹን እምበር: ‘ሓልዮት ናብራ ኻብ መገደይ ኬስሕተኒ አፍቅደሉ ድየ፧ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ዓለም: ንውሳነታተይ ኪጸልዎ አፍቅደሉ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። (ሉቃስ 21:34-36፣ ቈሎሴ 2:8) ‘ብምሉእ ልብና ብየሆዋ ኸም እንእመን: ኣብ ልቦናና ኸኣ ከም ዘይንጽጋዕ’ ከነርኢ ኼድልየና እዩ። (ምሳሌ 3:5) በዚ ኸምዚ ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት:” ማለት ነታ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም እትርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት: ‘ጽቡቕ መሰረት ንስርት።’—1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19

11-13. (ሀ) ካብቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ: (ለ) ካብቲ ብግዜ ሎጥ ዘጋጠመ: እንታይ ትምህርቲ ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንነቅሕ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓያሎ ንመጠንቀቕታ ዚኸውን ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ እሞ ንርአ። ኣምላኽ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ኸም ዚወሃብ ገበረ። እንተዀነ ግን: ብዘይካ ኖህን ስድራቤቱን: ካልኦት ሰባት ኣየቕለቡን። (2 ጴጥሮስ 2:5) ብዛዕባ እዚ የሱስ ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:37-39) ካብዚ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ንሕና እውን ስጋዊ ነገራት: ከምኡውን እቲ ልሙድ ዝዀነ መዓልታዊ ንጥፈታትና እኳ ኸይተረፈ: ነቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ክንህቦ እተላበወና መንፈሳዊ ነገራት ግዜ ኽሳዕ እንስእነሉ ንኼጻብበልና እነፍቅደሉ እንተደኣ ዄንና: ብዛዕባ ዅነታትና ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኼድልየና እዩ።—ሮሜ 14:17

12 ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሎጥ ዘጋጠመ እውን ንርአ። እታ ሎጥ ምስ ስድራቤቱ ዚነብረላ ዝነበረት ከተማ ሶዶም: ብስጋዊ መገዲ ብልጽግቲ: ብጾታዊ ርኽሰት ግን ዕልልቲ እያ ነይራ። የሆዋ ነታ ኸተማ ኼጥፍእዋ መላእኽቱ ለኣኸ። እቶም መላእኽቲ ነታ ኸተማ ቕድሚ ምጥፋኦም ንሎጥን ስድራቤቱን ካብታ ኸተማ ወጺኦም ኪሃድሙ: ንድሕሪት ገጾም ከኣ ቍሊሕ ከይብሉ ተላበውዎም። ሎጥን ስድራቤቱን ብመላእኽቲ ተደፋፊኦም ካብታ ኸተማ ወጹ። ሰበይቲ ሎጥ ግና ልባ በቲ ኣብ ሶዶም ዝነበረ ስጋዊ ናብራ ተሃንዚሉ ነበረ። ንድሕሪት ግልጽ ከይትብል ንእተዋህባ ትእዛዝ ኣፍረሰት። ህይወታ ኸኣ ኣጥፍአት። (ዘፍጥረት 19:15-26) የሱስ “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ዚብል መጠንቀቕታ ሃበ። ንሕናኸ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ነቕልበሉዶ ኣሎና፧—ሉቃስ 17:32

13 እቶም ንመለኮታዊ መጠንቀቕታ ዘቕለብሉ ሰባት ድሒኖም እዮም። እዚ ኣብ ኖህን ስድራቤቱን ከምኡውን ኣብ ሎጥን ኣዋልዱን ተራእዩ እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:9) ነቲ ኣብዚ ጸብጻባት እዚ እተዋህበ መጠንቀቕታታት ከነቕልበሉ ኸለና: በቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዚርከብ ንኣፍቀርቲ ጽድቂ እተዳለወሎም ብስራት: ንተባባዕ ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ብምትእምማን ከም እንጽበዮ ዚገብረና እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

“እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ”

14, 15. (ሀ) እታ ኣምላኽ ዚፈርደላ “ጊዜ” እንታይ እያ እተጠቓልል፧ (ለ) ‘ንኣምላኽ ምፍራህን ክብሪ ምሃብን’ ኪበሃል ከሎ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧

14 ነቒሕና ኽንከታተል ከለና: እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ብተኸታታሊ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ትነግረና እያ። እተዳሎና ኽንከውን እንተ ዄንና: በቲ እተባህለልና መሰረት ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብቲ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ሰማይ ዝነገሰሉ ግዜ ኣትሒዙ “ብመዓልቲ ጐይታ” ብዛዕባ ዜጋጥም ነገራት ኣነጺሩ እዩ ዚነግረና። (ራእይ 1:10) ራእይ ዮሃንስ ናብ ሓደ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ዝሓዘ መልኣኽ ከም እነተኵር ትገብረና እያ። እቲ መልኣኽ ብብርቱዕ ድምጺ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ” በለ። (ራእይ 14:6, 7) እታ ዚፍረደላ “ጊዜ:” ነቲ ኣብቲ ትንቢት ብንጹር ተገሊጹ ዘሎ ፍርዲ ዚእወጀሉን ዚፍጸመሉን ሓጺር እዋን እተመልክት እያ። ሎሚ ኣብቲ እዋን እቲ ኢና እንነብር ዘሎና።

15 ሎሚ: እታ ኣምላኽ ዚፈርደላ ግዜ ቕድሚ ምዝዛማ “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ንኣምላኽ ዘሎና ቕኑዕ ፍርሃት: ካብ ክፍኣት ንኽንርሕቕ ኪድርኸና ኣለዎ። (ምሳሌ 8:13) ንኣምላኽ ነኽብሮ እንተደኣ ዄንና: ብዓሚቝ ኣኽብሮት ኢና እንሰምዖ። ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ንምንባብ ግዜ ኣይክንስእንን ኢና። ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ እተዋህበና ምኽሪ ኣቕሊልና ኣይክንርእዮን ኢና። (እብራውያን 10:24, 25) እቲ ብኣምላኽ እተቐብአ መሲሓዊ ንጉስ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ብቕንኢ ንምእዋጅ ተዋሂቡና ዘሎ ኽቡር መሰል ተሓጒስና ኽንፍጽሞ ኢና። ኵሉ ግዜ: ብምሉእ ልብና ብየሆዋ ንውከል ኢና። (መዝሙር 62:8) ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ጐይታ ምዃኑ ስለ እንግንዘብ: ነገዛዝኣኡ ኣብ ህይወትና ብፍታው ብምቕባል ነኽብሮ ኢና። በዚ ኸምዚ ብሓቂዶ ንኣምላኽ ትፈርሆ ኽብሪውን ትህቦ ኢኻ፧

16. እቲ ኣብ ራእይ 14:8 ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ተጠቒሱ ዘሎ ፍርዲ ድሮ ተፈጺሙ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

16 ራእይ ምዕራፍ 14 ኣብታ ኣምላኽ ዚፈርደላ ግዜ: ካልእ ሓያሎ ኣገዳሲ ነገራት ከም ዚፍጸም ትነግረና። ፈለማ: እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ተጠቕሰት እሞ: “ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፤ . . . ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ” በለ። (ራእይ 14:8) እወ: ብዓይኒ ኣምላኽ ዓባይ ባቢሎን ድሮ ወዲቓ እያ። ብ1919 እቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብቲ ንህዝብታትን ነህዛብን ንዘመናት ዓብሊሉ ዝጸንሐ ሰረተ-እምነታትን ልምድታትን ባቢሎን ሓራ ዀኑ። (ራእይ 17:1, 15) ድሕርዚ: ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኼስፋሕፍሑ ገዛእ ርእሶም ኪውፍዩ ኸኣሉ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪፍጸም ጀመረ።—ማቴዎስ 24:14

17. ካብ ዓባይ ባቢሎን ምውጻእ እንታይ የጠቓልል፧

17 እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዜውርዶ ፍርዲ ግን ኣብዚ ዜብቅዕ ኣይኰነን። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ኪመጻ እዩ። (ራእይ 18:21) ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት “ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ . . . ካብኣ ውጹ” ብምባል ዚምሕጸን። (ራእይ 18:4) ካብ ዓባይ ባቢሎን ብኸመይ ኢና እንወጽእ፧ እዚ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘሎና ርክባት ምብታኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ጽልዋ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ሓያሎ ህቡብ በዓላትን ልምድታትን ኣብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ጾታዊ ጕዳያት ዘለዋ ኣመለኻኽታን ኣብቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ ምዝንጋዕን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ነገራትን ተዘርጊሑ ኣሎ። ነቒሕና ንኽንመላለስ: ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራ ህይወትና ኻብ ዓባይ ባቢሎን ብሓቂ ኸም እተፈለና ብግብርና ይኹን ብትምኒትና ኸነርኢ ይግብኣና።

18. ንቑሓት ክርስትያናት ነቲ ኣብ ራእይ 14:9, 10 ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው: ካብ ምንታይ እዮም ዚርሕቁ፧

18 ራእይ 14:9, 10 ካልእ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ “ዚፈርደላ ግዜ” ዚምልከት ነገር ትገልጸልና። ካልእ መልኣኽ “ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ: ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተሙ እንተ ተቐበለ: ንሱ ድማ ካብቲ . . . ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ” በለ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ‘እቲ ኣራዊትን ምስሉን’ ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ዘይህብ ኣገዛዝኣ ወድሰብ እዩ ዜመልክት። ንቑሓት ክርስትያናት በመለኻኽታኦም ይኹን ብግብሮም ነቶም ንልዑላውነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣፍልጦ ዘይህቡ ሰባት የገልግሉ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ዝዀነ ይኹን ጽልዋ ኸይሓድሮም ወይ ምልክት ከይገብሩ ይጥንቀቑ እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ድሮ ኣብ ሰማይ ከም ዝቘመት እሞ ንዅሉ ግዝኣት ደቅሰብ ኣጥፊኣ: ንዘለኣለም ከም እትቐውም ይፈልጡ እዮም።—ዳንኤል 2:44

ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣይተጥፍእ

19, 20. (ሀ) ናብ ምጽንቃቕ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ክንቀርብ ከለና: ሰይጣን እንታይ ኪገብር ከም ዚፍትን ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧

19 ዳሕሮት መዓልትታት ናብ ምጽንቃቕ ገጸን ኪኸዳ ኸለዋ: ጸቕጥታትን ፈተናታትን እውን እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ንነብር ብምህላውናን ብሰንኪ ዘይፍጽምናናን እተፈላለየ ነገራት የጥቅዓና እዩ። ሕማም: እርጋን: ሞት እነፍቅሮ ሰብ: ስምዒታዊ ማህሰይቲ: ሰባት ቃል ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና ዘርእይዎ ዘይምግዳስ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ተስፋ ኸም እንቘርጽ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ሰይጣን ነቲ ዜጋጥመና ጸቕጥታት ብምምዝማዝ: ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ወይ ብስርዓታት ኣምላኽ ካብ ምምልላስ ከም እንሕለል ኪገብረና ኸም ዚጽዕር ኣይንረስዕ። (ኤፌሶን 6:11-13) ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ እቲ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከነጥፍእ የብልናን!

20 የሱስ ንኽንሕለል ብዙሕ ጸቕጢ ኸም ዚወርደና ይፈልጥ ነይሩ እዩ: ስለዚ ኸኣ እዩ “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ኢሉ ዝመዓደና። (ማቴዎስ 24:42) እምበኣር: ነቲ ዘለናሉ እዋን ወትሩ ብንቕሓት ንከታተል። ካብቲ ኼዛሕትለና ወይ ደው ኬብለና ዚኽእል ውዲት ሰይጣን ንጠንቀቕ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ቕንኣትን ፍናንን ንኽንሰብኽ ቈራጽነት ንግበር። ብእተኻእለና መጠን: ነቲ “ንቕሑ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኽንስዕብ ከለና ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይሃልወና። ከምዚ ምግባርና: ንየሆዋ ኽብሪ ኸነምጽኣሉ: ካብቶም ዘለኣለማዊ በረኸት ኪረኽቡ ዚኽእሉ እውን ክንከውን ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ የሱስ ብዛዕባ ‘ምንቃሕ’ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧

• ‘ነቒሕና’ ንኽንጸንሕ ኪሕግዘና ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እንታይ ንመጠንቀቕታ ዚኸውን ኣብነታት እዩ፧

• እታ ኣምላኽ ዚፈርደላ ግዜ እንታይ እያ፧ ቅድሚ ምዝዛማኸ እንታይ ክንገብር እዩ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ከም ሰራቒ ዀይኑ ኸም ዚመጽእ ገለጸ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ቀሪቡ እዩ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብዝያዳ ቕንኣትን ፍናንን ንኽንሰብኽ ቈራጽነት ንግበር