ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ዜና መዋእል ዚጐልሕ ነጥብታት

ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም ናብ ዓዶም ካብ ዚምለሱ 77 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። እታ በቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ዘሩባቤል እንደገና እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ድማ 55 ዓመት ኣሕሊፋ ነበረት። ኣይሁድ ካብ ምርኮ ናብ ዓዶም እተመልሱሉ ቐንዲ ምኽንያት: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ኣብ የሩሳሌም ንምቛም እዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ ንኣምልኾ የሆዋ ዝነበሮም ቅንኣት ግን ዝሒሉ ነበረ። ስለዚ: ምትብባዕ ኣድለዮም: ቀዳማይ ዜና መዋእል ከኣ ከምዚ ዝበለ ምትብባዕ እያ እትህብ።

ቀዳማይ ዜና መዋእል ኣብ ርእሲ እቲ መዝገብ ናይ መስመር ወለዶ: ካብቲ ንጉስ ሳኦል ዝሞተሉ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ንጉስ ዳዊት ዝሞተሉ ዘሎ 40 ዓመት እውን ትሽፍን እያ። ካህን እዝራ ብ460 ቅ.ክ. ከም ዝጸሓፋ ድማ እዩ ዚእመን። ቀዳማይ ዜና መዋእል: ብዛዕባ እቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚካየድ ዝነበረ ኣምልኾ ኸምኡውን ብዛዕባ ወለዶ እቲ መሲሕ እትዝርዝር መጽሓፍ ብምዃና ተገድሰና እያ። ክፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ከም ምዃና መጠን: እቲ ኣብኡ ዚርከብ መልእኽቲ ንእምነትና የደልድሎ: ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለና ምርዳእ ድማ የስፍሖ።—እብራውያን 4:12

ሓደ ኣገዳሲ መዝገብ ስማት

(1 ዜና መዋእል 1:1–9:44)

እቲ እዝራ ዝመዝገቦ ዝርዝር መስመር ወለዶ: ብሰለስተ ምኽንያት ኣድላዪ ነበረ። ቀዳማይ: ካህናት ኰይኖም ኬገልግሉ ዘለዎም እቶም እተመዘዙ ጥራይ ምዃኖም ንምርግጋጽ፣ ካልኣይ: እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኻብ ዓሌቶም ኪረኽብዎ ዚግብኦም ውርሲ ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላይ፣ ሳልሳይ ድማ ንመስመር ወለዶ እቲ መሲሕ ንምዕቃብ እዩ። እቲ መዝገብ ንኣይሁዳውያን ምስቲ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ ዜተኣሳስሮም። ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ ዓሰርተ ወለዶ: ካብ ኖህ ክሳዕ ኣብርሃም ድማ ካልእ ዓሰርተ ወለዶ ተጠቒሱ ኣሎ። ንደቂ እቲ እስማኤልን ንደቂ እታ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ወሰን ኣብርሃምን ንደቂ ኤሳውን ምስ ዘርዘረ: ቀጺሉ ኣብቶም 12 ደቂ እስራኤል እዩ ዜተኵር።—1 ዜና መዋእል 2:1

ዘርኢ ይሁዳ ኣብ መስመር ንግስና ንጉስ ዳዊት ስለ ዚርከቡ: ስፍሕ ዝበለ ቦታ እዮም ሒዞም ዚርከቡ። ካብ ኣብርሃም ጀሚርካ ኽሳዕ ዳዊት 14 ወለዶ: ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ኣብ ዘሎ ድማ 14 ወለዶ ኣለዉ። (1 ዜና መዋእል 1:27, 34፣ 2:1-15፣ 3:1-17፣ ማቴዎስ 1:17) እዝራ ቐጺሉ ነቶም ብምብራቓዊ ሸነኽ ሩባ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገዳት ይዝርዝር: ስዒቡ ድማ ንወለዶ ደቂ ሌዊ ይዝርዝር። (1 ዜና መዋእል 5:1-24፣ 6:1) ብድሕርዚ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ንወለዶ እቶም ብሸነኽ ምዕራብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገዳትን ወለዶ ብንያምን ይዝርዝር። (1 ዜና መዋእል 8:1) ስማት እቶም ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ኣብ የሩሳሌም ንመጀመርታ ግዜ ዝሰፈሩ እውን ተዘርዚሩ ኣሎ።—1 ዜና መዋእል 9:1-16

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:18—ኣቦ ሻላሕ (ሳላ): ቃይናን ድዩ ወይስ ኣርፋክሳድ፧ (ሉቃስ 3:35, 36) ኣቦ ሻላሕ: ኣርፋክሳድ እዩ። (ዘፍጥረት 10:24፣ 11:12) እታ ኣብ ሉቃስ 3:36 ዘላ “ቃይናን” እትብል ስያመ: ነታ “ከለዳውያን” እትብል ስያመ ብጌጋ ተተኪኣ ኣትያ ኽትከውን ትኽእል እያ። ከምዚ እንተደኣ ዀይኑ: እታ በዅሪ ስያመ “ወዲ እቲ ከለዳዊ ኣርፋክሳድ” ተባሂላ እያ ትንበብ ማለት እዩ። ወይ ድማ እተን ቃይናንን ኣርፋክሳድን ዚብላ ስማት ንሓደ ሰብ ዜመልክታ ኪዀና ይኽእላ እየን። ካልእ ኪርሳዕ ዘይብሉ ነገር ከኣ እታ “ወዲ ቃይናን” እትብል ስያመ ኣብ ሓድሓደ ኢደ-ጽሑፋት ዘይትርከብ ምዃና እዩ።—ሉቃስ 3:36 NW እግረ-ጽሑፍ

2:15—ዳዊት ካብቶም ደቂ እሰይ መበል ሻውዓይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። እሰይ ሸሞንተ ደቂ እዮም ነይሮምዎ: ዳዊት ድማ ሕሳስ-ልደ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 16:10, 11፣ 17:12) ሓደ ኻብ ደቂ እሰይ ውሉዳት ክሳዕ ዚወልድ ብህይወት ኣይጸንሐን ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ወዲ እቲ ኣብቲ መስመር ወለዶ ኣገዳስነት ስለ ዘይነበሮ: እዝራ ንስሙ ኣይጠቐሶን።

3:17ሉቃስ 3:27 ነቲ ወዲ የኮንያ ዝዀነ ሰኣልቲኤል (ሰላትኤል): ወዲ ኔሪ ኸም ዝዀነ ገይራ እትገልጾ ስለምንታይ እያ፧ የኮንያ: ኣቦ ሰኣልትኤል እዩ። ይኹን እምበር: ኔሪ ሰበይቱ ምእንቲ ኽትኰኖ ኢሉ ጓሉ ንሰኣልትኤል ሂብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ሉቃስ: ልክዕ ከምቲ ንዮሴፍ ወዲ እቲ ኣቦ ማርያም ዝነበረ ኤሊ ኢሉ ዝጸውዖ: ኣብዚውን ንሰኣልትኤል ከም ወዲ ኔሪ ገይሩ እዩ ጠቒስዎ ዘሎ።—ሉቃስ 3:23

3:17-19—ዘሩባቤልን ፈዳያን ሰኣልቲኤልን ብኸመይ እዮም ዚዛመዱ፧ ዘሩባቤል ወዲ ፈዳያ እዩ: ሰኣልቲኤል ድማ ሓዉ ፈዳያ እዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሓደ ግዜ ንዘሩባቤል ከም ወዲ ሰኣልቲኤል ገይሩ ይጠቕሶ እዩ። (ማቴዎስ 1:12፣ ሉቃስ 3:27) እዚ ድማ ፈዳያ ብሙማቱ: ሰኣልቲኤል ንዘሩባቤል ከም ወዱ ገይሩ ኣዕብይዎ ኪኸውን ስለ ዚኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሰኣልቲኤል ውላድ ከይወለደ ብሙማቱ: ፈዳያ ንሰበይቲ ሓዉ ብምውራስ: በዅሪ ውላዱ ዘሩባቤል ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘዳግም 25:5-10

5:1, 2—መሰል ብዅርነት ምርካብ ንዮሴፍ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ ዮሴፍ ካብቲ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ዚረኽቦ ውርሲ ዕጽፊ እዩ ዚረክብ ማለት እዩ። (ዘዳግም 21:17) ስለዚ: ኣቦ እቶም ኤፍሬምን ምናሴን ዚበሃሉ ኽልተ ነገዳት ኰነ። እቶም ካልኦት ደቂ እስራኤል ግን ኣቦታት ሓደ ነገድ ጥራይ እዮም ኰይኖም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:1–9:44 እቲ ብዛዕባ እቶም ብሓቂ ዝነበሩ ሰባት ዚገልጽ ወለዶ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ፈጠራ ዘይኰነስ ኣብ እተረጋገጸ ነገር እተመርኰሰ ምዃኑ ዜርኢ ሓደ መርትዖ እዩ።

4:9, 10 የሆዋ እቲ ያዕቤጽ ብሰላማዊ መገዲ ዶባቱ ንኺሰፍሕ: ነዚ ተጠቒሙ ድማ ነቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ዚኸውን ጥጡሕ ቦታ ንኺረክብ ዘቕረቦ ጸሎት መሊስሉ እዩ። ንሕና ድማ ኣብቲ ብቕንኣት እንገብሮ ደቀ-መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ: ወሰኽ ምእንቲ ኽንረክብ ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ይግብኣና።

5:10, 18-22 ብዘመን ንጉስ ሳኦል እቶም ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገድ: ምስቶም ዝያዳ ዕጽፎም ዝነበሩ ሃግራውያን ተዋጊኦም ሰዓርዎም። እዚ ዓወት እዚ ኺርከብ ዝኸኣለ: እቶም ካብቶም ነገዳት እተዋጽኡ ጀጋኑ ኣብ የሆዋ ብምውካሎምን ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ብምቕራቦምን እዩ። ንሕና ድማ ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ውግእ ዋላኳ ጸላእትና ብቝጽሪ ብዙሓት እንተዀኑ: ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ይሃልወና።—ኤፌሶን 6:10-17

9:26, 27 እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ: ሓደ ዓብዪ መዝነት እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ። ኣብታ ቤተ መቕደስ ናብ ዚርከብ ቅዱስ ቦታታት ዜእቱ ደገታት ናይ ምኽፋት ስራሕ ነበሮም። ንግሆ ንግሆ ነቲ ደገ ብምኽፋት ዝመጸ እሙናት ነበሩ። ንሕናውን ናብቶም ኣብ ዞባና ዚርከቡ ሰባት ኬድና: ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኺመጹ ንኽንሕግዞም ሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ። በዚ መዳይ እዚ: ከምቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ: ትውክልቲ ዚግበረልናን እሙናትን ደይኰንናን ክንከውን ዚግብኣና፧

ዳዊት ንጉስ ኰይኑ ገዝአ

(1 ዜና መዋእል 10:1-29:30)

እቲ ታሪኽ: ንጉስ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ምስ ፍልስጥኤማውያን እናተዋግኡ ኸለዉ ኸም ዝሞቱ ብምንጋር እዩ ዚጅምር። ብድሕርዚ: ዳዊት ወዲ እሰይ ኣብ ልዕሊ ነገድ ይሁዳ ንጉስ ኰነ። ካብ ካልኦት ነገዳት ዝመጹ ሰብኡት: ናብ ሔብሮን መጺኦም ኣብ ልዕሊ ዅላ እስራኤል ኣንገስዎ። (1 ዜና መዋእል 11:1-3) ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ንየሩሳሌም ሓዛ። ብድሕሪኡ: እስራኤላውያን ነቲ ታቦት ኪዳን “ብእልልታን ብቓና መለኸትን . . . ብመሰንቆን ብበገናን እናድመቑ” ናብ የሩሳሌም ኣደየብዎ።—1 ዜና መዋእል 15:28

ዳዊት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺሰርሕ ዘለዎ ድሌት ገለጸ። የሆዋ ነዚ መሰል እዚ ንሰሎሞን ብምሃብ: ምስ ዳዊት ንመንግስቲ ብዚምልከት ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ኣንጻር ጸላእቲ እስራኤል ይገብሮ ኣብ ዝነበረ ውግእ ድማ ዓወት ይህቦ ነበረ። ብድሕርዚ: ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ናይ ህዝቢ ቘጸራ 70,000 ዝዀኑ ሰባት ሞቱ። ሓደ መልኣኽ መጺኡ: ዳዊት ንየሆዋ ዚኸውን መሰውኢ ኬቝመሉ ምስ ኣዘዞ: ካብ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ መሬት ዓደገ። ቀጺሉ: ነታ “ስምይትን ንእድትን” እትኸውን ቤት የሆዋ ንምህናጽ ዚኸውን “ብዙሕ ኣዳለወ።” (1 ዜና መዋእል 22:5) ዳዊት ካብ ኣብ ካልእ ጽሑፋት ንላዕሊ ኣብ ቀዳማይ ዜና መዋእል ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ዚርከብ እቶም ሌዋውያን ዜቕርብዎ ኣገልግሎት እውን ሰሪዑ እዩ። እቲ ንጉስን እቶም ህዝብን ድማ መስርሒ እታ ቤተ መቕደስ ዚኸውን ዓብዪ ወፈያ ገበሩ። ኣብ መወዳእታ: ዳዊት ን40 ዓመት ድሕሪ ምግዛእ “ዕድመን ሃብትን ክብረትን ጸጊቡ” ሞተ: “ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።”—1 ዜና መዋእል 29:28

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

11:11—ቍጽሪ እቶም እተቐትሉ ሰባት ልክዕ ከምቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 23:8 ዘሎ 800 ዘይኰነስ 300 ተባሂሉ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ያሾበዓም ወይ ከኣ ዮሼብ-ባሸቤት ርእሲ እቶም ሰለስተ ብሉጻት ጀጋኑ ዳዊት ዝነበሩ እዩ። እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣልኣዛርን ሻማን ይበሃሉ። (2 ሳሙኤል 23:8-11) ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ፍልልይ ኪህሉ ዝኸኣለ: ምናልባት ብሓደ ሰብ እተፈጸመ ግን እተፈላለየ ተግባራት ኪኸውን ስለ ዚኽእል እዩ።

11:20, 21—ኣቢሻይ ምስቶም ካልኦት ሰለስተ ጀጋኑ ኺነጻጸር ከሎ: እንታይ ቦታ እዩ ነይርዎ፧ ኣቢሻይ ካብቶም ንዳዊት ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰለስተ ብሉጻት ጀጋኑ ሰብኡት ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ከምቲ 2 ሳሙኤል 23:18, 19 (ትርጕም 1990) ዚብሎ ርእሲ እቶም 30 ነበረ: ኣብ መንጎኦም ድማ ስሙይ ነበረ። ልክዕ ከምቲ ያሾበዓም ዝገብሮ ናይ ጅግንነት ተግባር ብምፍጻሙ ኸምቶም ሰለስተ ቐዳሞት ጀጋኑ ዝና ኺረክብ ከኣለ።

12:8እቶም ጋዳውያን ገጾም “ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ” እተባህሉ ስለምንታይ እዮም፧ እዞም ጀጋኑ እዚኣቶም: ዳዊት ኣብ ምድረ-በዳ ኸሎ ምስኡ ነበሩ። ጸጕሮም ድማ ነዊሑ ነበረ። ስለዚ ድማ እዩ ገጾም ከም ገጽ ኣናብስ ዚመስል ዝነበረ።

13:5—“ሲሖር ግብጺ” እንታይ እዩ፧ “ሲሖር” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ብመሰረቱ “ርባ” ተባሂላ ስለ እትትርጐም: ገሊኦም እዚ መግለጺ እዚ ንሓደ ኻብ ጨንፈራት ፈለግ ኒል ዜመልክት ይመስሎም። ኣብ ዘሁልቍ 34:5 “ርባ ግብጺ” ኺበሃል ከሎ እውን: ብዛዕባ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ “ርባ” ኸም ዚዛረብ ዘሎ ጌርካ እዩ ዚውሰድ። ይኹን እምበር: ኣብ ዘሁልቍ 34:5 እትርከብ ናይ እብራይስጢ ቓል ንስንጭሮ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ስለዚ: “ሲሖር ግብጺ” ብሓፈሻኡ ነቲ ኣብ ደቡብ ምዕራብ እታ ምድሪ ተስፋ ዚርከብ ነዊሕ ስንጭሮ ኸም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ።—ዘሁልቍ 34:2, 5፣ ዘፍጥረት 15:18

16:30ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ኣንቀጥቅጡ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ እብራይስጢ እታ ኣብዚ “ኣንቀጥቅጡ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል: ቃል ብቓሉ “ኣመና ተሳቐዩ” እትብል ኰይና ብምሳልያዊ መገዲ እያ ኣትያ ዘላ: ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምርኣይ ማለት ድማ እያ።

16:1, 37-40፣ 21:29, 30፣ 22:19—እቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ካብ ዚመጽእ ጀሚሩ: ክሳዕ እታ ቤተ መቕደስ እተሃንጸትሉ ግዜ እንታይ ኣምልኾ እዩ ዚግበር ዝነበረ፧ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ኣምጺኡ: ኣብቲ ዝሰርሖ ድንኳን ኬንብሮ ኸሎ: እቲ ታቦት ኣብቲ ማሕደር ካብ ዘይቅመጥ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ስለዚ: ናብ የሩሳሌም ምስ ገዓዘ እውን እንተዀነ ኣብቲ ድንኳን እዩ ነይሩ። እቲ ማሕደር ግን ኣብ ጊብዖን ነበረ፣ ኣብኡ ድማ ጻዶቅ እቲ ሊቀ-ኻህናትን ኣሕዋቱን ከምቲ እቲ ሕጊ ዚእዝዞ መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። እዚ ድማ ክሳዕ እታ ቤተ መቕደስ ተሃኒጻ እትውዳእ ቀጸለ። ተሃኒጻ ምስ ተወድአት ግን እቲ ማሕደር ካብ ጊብዖን ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ: ነቲ ታቦት ድማ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣብ ዚርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣንበርዎ።—1 ነገስት 8:4, 6

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

13:11 እቲ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኺፈሽል ከሎ: ኣብ ክንዲ እንሓርቕን ንየሆዋ እንወቕሶን: ነቲ ጕዳይ ብእተፈላለየ ጐድኑ ኽንርእዮን ምኽንያት እቲ ፍሽለት እንታይ ምዃኑ ድማ ክንምርምርን ይግብኣና። ዳዊት ብዘይጥርጥር ከምዚ እዩ ገይሩ። ካብ ጌጋኡ ተማህረ: እዚ ድማ ነቲ ታቦት ብግቡእ ናብ የሩሳሌም ንኼደይቦ ኣኽኣሎ። a

14:10, 13-16፣ 22:17-19 ንመንፈሳውነትና ዚትንክፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ቅድሚ ምግባርና: ኵሉ ግዜ ናብ የሆዋ ብጸሎት ክንቀርብን መምርሒኡ ኽንደልን ኣሎና።

16:23-29 ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺሕዝ ኣለዎ።

18:3 የሆዋ መብጽዓታቱ ዚፍጽም ኣምላኽ እዩ። እቲ ንዘርኢ ኣብርሃም ብምልእታ ምድሪ ከንኣን ከም ዚህቦም ዝኣተዎ መብጽዓ ብዳዊት ኣቢሉ ፈጸሞ፣ ስፍሓት እታ መሬት ድማ “ካብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ: እቲ ርባ ኤፍራጥስ” ነበረ።—ዘፍጥረት 15:18፣ 1 ዜና መዋእል 13:5

21:13-15 የሆዋ ስቓይ ህዝቡ ስለ ዚስምዖ: ነቲ መልኣኽ ነቲ መቕዘፍቲ ደው ንኼብሎ ኣዘዞ። ብርግጽ “ምሕረቱ ብዙሕ ዓብዪ እዩ።” b

22:5, 9፣ 29:3-5, 14-16 ዋላኳ ዳዊት ነታ ቤተ መቕደስ ንኺሰርሓ እንተ ዘይተመዘዘ: ናይ ለጋስነት መንፈስ ግን ኣርእዩ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዅሉ እቲ ዘጥረዮ ብበረኸት የሆዋ ዝመጸ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈስ: ንዓናውን ለጋሳት ንኽንከውን ኪደፋፍኣና ኣለዎ።

24:7-18 መልኣኽ የሆዋ ንዘካርያስ ኣቦ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ እተራእዮን ዮሃንስ ከም ዚውለድ ኣብ ዝነገረሉን እዋን: እቲ ዳዊት ዘቘሞ ኣብ 24 እተኸፋፈለ ኣገልግሎት ክህነት ይዕየየሉ ነበረ። ዘካርያስ “ካብ ክፍሊ ኣብያ” ብምንባሩ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኬገልግል ግዲኡ ነበረ። (ሉቃስ 1:5, 8, 9) ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብታሪኽ ፍሉጣት ኣብ ዝዀኑ ሰባት ደኣ እምበር: ኣብ ጽውጽዋያት እተመስረተ ኣይኰነን። ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ብግቡእ እተመሓደረ ኣምልኾ የሆዋ ተኣሳሲሩ ዘሎ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብተኣማንነት ንተሓባበር እንተደኣ ዄንና: ክንባረኽ ኢና።—ማቴዎስ 24:45

ንየሆዋ ‘ብፍታው ነፍሲ’ ኣገልግሎ

ቀዳማይ ዜና መዋእል: ወለዶ ጥራይ ኣይኰነትን እትዝርዝር። ዳዊት ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ከም ዘምጸኦ: ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ዓወታት: ነታ ቤተ መቕደስ ንምህናጽ ዜድሊ ነገራት ከም ዘዳለወ: ናይ ሌዋውያን ስርዓት ኣገልግሎት ክህነት ከም ዝሰርዐ እውን ትትርኽ እያ። ኵሉ እቲ እዝራ ዝጸሓፎ ነገራት: እስራኤላውያን ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ኣምልኾ ዝነበሮም ቅንኣት ብምጕህሃር ዝመጸ ጠቒምዎም እዩ።

ዳዊት ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ብምሃብ ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ኣብ ክንዲ ፍልይ ዝበለ መሰላት ንኺረክብ ዚህቅን: ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር እዩ ዚጽዕር ነይሩ። ንሕና ድማ ነቲ ንየሆዋ “ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ተግባራዊ ኽንገብር ተበራቲዕና ኣለና።—1 ዜና መዋእል 28:9

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም ንምውሳድ ብዛዕባ ዝገበሮ ጻዕሪ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2005 ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-19 ተወከስ።

b ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ዘይሕጋዊ ቘጸራ ህዝቢ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2005 ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-19 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

4026 ቅ.ክ.ኣዳም ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ ዝነበረ ወለዶ

ኖህ (1,056 ዓመት)

130 ዓመት ⇩

ሴት

105 ⇩

ኤኖሽ

90 ⇩

ቀይናን

70 ⇩

ማሃላልኤል

65 ⇩

ያሬድ

162 ⇩

ሄኖክ

65 ⇩

ማቱሳላ

187 ⇩

ላሜክ

182 ⇩

2970 ቅ.ክ.ኖህ ኖህ ብ2970 ቅ.ክ. ተወልደ

ካብ ኖህ ክሳዕ ኣብርሃም ዝነበረ ወለዶ

502 ዓመት ⇩ (952 ዓመት)

ሴም

ማይ ኣይሂ ብ2930 ቅ.ክ. ዘነመ

100 ⇩

ኣርፋክሳድ

35 ⇩

ሻላሕ

30 ⇩

ዔበር

34 ⇩

ፋሌግ

30 ⇩

ራጉ

32 ⇩

ሰሩግ

30 ⇩

ናሆር

29 ⇩

ታራ

130 ⇩

2018 ቅ.ክ.ኣብርሃም ኣብርሃም ብ2018 ቅ.ክ. ተወልደ

ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት:-

100 ዓመት 14 ወለዶ (911 ዓመት)

ይስሃቅ

60 ⇩

ያእቆብ

ከባቢ 88

ይሁዳ

ፋሬስ

ሔጽሮን

ራም

ኣሚናዳብ

ነኣሶን

ሳልማ

ቦኣዝ

ዖቤድ

እሴይ

ዳዊት ብ1107 ቅ.ክ. ተወልደ