ቃል የሆዋ ኣብታ “ምድሪ ንስሪ” ተሓምበበ
ቃል የሆዋ ኣብታ “ምድሪ ንስሪ” ተሓምበበ
ኣልባንያውያን ብቛንቋኦም: ንሃገሮም “ምድሪ ንስሪ” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ። እዛ ምስ ባሕሪ ኣድርያ እትዳወብ ሃገር: ኣብ መንጎ ግሪኽን ዩጎስላቭያ ነበርን እያ እትርከብ። ብዛዕባ መበቈል ኣልባንያውያን ብዙሕ ዚበሃል እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ ካብቶም ጥንታዎት ኢሊርያውያን ዝመነጩ ምዃኖም ይሰማምዑሉ እዮም። ብመሰረት ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸኣ ባህሊ እዞም ጥንታዎት ህዝቢ እዚኣቶም ካብ 2000 ቅ.ክ. ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ።
ኣልባንያ ኣብ ሰሜን በላሕቲ ኣኽራን ኪህልዋ ኸሎ: ኣብ ደቡብ ድማ ሑጻ ዝመልኦ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ኣድርያ ኣለዋ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝበለጸ ጽባቐኣ ግን: ህዝባ እዮም። ፈቃራት: ተቐበልቲ ጋሻ: ሕጉሳት: ሕዉሳት: ቀልጢፎም ዚመሃሩ: ከምኡውን ሓሳቦም ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ዚገልጹ እዮም።
ሓደ ፍሉጥ ሚስዮናዊ ዝገበሮ ምብጻሕ
እቲ ማራኺ ባህርያት ሰባትን ጽባቐ እቲ ኣቀማምጣ ምድርን ነቓልቦ ሓደ ሓያሎ ዘመናት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ፍሉይ ተጓዓዛይ ስሒብዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብ56 ድ.ክ. ኣቢሉ እቲ ነዊሕ ጕዕዞ ገይሩ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ክሳዕ ኢሊሪኮ . . . ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 15:19) ደቡባዊ ኽፋል ኢሊሪኮ: ሕጂ ኣብ ማእከላይን ሰሜናውን ኣልባንያ እዩ ዚርከብ። ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ደቡብ ኢሊሪኮ እትርከብ ቈረንቶስ: ግሪኽ ኰይኑ ኸኣ እዩ ዚጽሕፍ ነይሩ። “ክሳዕ ኢሊሪኮ” ብምሉእ ከም ዝሰበኸ ምዝራቡ: ክሳዕ እቲ ዶብ ወይ ክሳዕ ውሽጢ እቲ ዞባ ኸም ዝኸደ እዩ ዚሕብር ነይሩ። በዚ ዀነ በቲ: ኣብዚ ሕጂ ደቡባዊ ኽፋል ኣልባንያ ሰቢኹ ነይሩ ማለት እዩ። ስለዚ: እቲ ኣብ ኣልባንያ ብዛዕባ እተገብረ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚፍለጥ ናይ መጀመርታ ንጥፈት: ምስ ጳውሎስ እዩ ዚተሓሓዝ።
ድሕርዚ ሓያሎ ዘመናት ሓለፈ። ሃጸያዊ ግዝኣታት ተንስአ: ወደቐ። ብ1912 ኣልባንያ ናጻ መንግስቲ ኽሳዕ እትኸውን ድማ: ነዛ ኣውሮጳዊት ሃገር ባዕዳውያን ሓይልታት ተበራረዩላ። ኣብ መጀመርታ 1920ታት: ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ዚገልጽ ቃል ኣብ ኣልባንያ እንደገና ተሰምዐ።
ዜሐጕስ ዘመናዊ ጅመራ
ኣብ 1920ታት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተሰዲዶም ዝነበሩ እሞ: ኣባላት እቶም ኣህጉራውያን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሒደት ኣልባንያውያን: ነቲ እተማህርዎ ንኺነግሩ ኢሎም ናብ ኣልባንያ ተመልሱ። ሓደ ኻብዚኣቶም ናሾ ኢድሪዚ ይበሃል። ገሊኦም ሰባት ነቲ መልእኽቲ ተቐበልዎ። ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ተገዳስነት ንምዅስኳስ: ብ1924 ኣብ ሩማንያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣብ ኣልባንያ ዚግበር ዕዮ ስብከት ኬመሓድር ተመደበ።
ታናስ ዱሊ (ኣታና ዱሊስ) ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ዝፈለጡ ሰባት እዩ ነይሩ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ብ1925 ኣብ ኣልባንያ ሰለስተ እተወደባ ጉባኤታት ነበራ: እተወሰኑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተገደስትን ከኣ ኣብዝን ኣብትን ፋሕ ኢሎም ይርከቡ ነበሩ። ኣብ መንጎኦም ዝነበረት ፍቕሪ ኻብቶም . . . ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝቢ ኣጸቢቓ ትፈልዮም ነበረት!” a
ጽቡቕ መገድታት ስለ ዘይነበረ: ጕዕዞ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ። እቶም ቀናኣት ኣስፋሕቲ ግን በዚ ኸቢድ ጸገም እዚ ኣይተዓግቱን። ንኣብነት: ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ገማግም እትርከብ ከተማ ቭሎረ: ብ1928 ኣረቲ ፒና ጓል 18 ኸላ ተጠምቀት። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነቲ ኣኽራን እናደየበትን ካብኡ እናወረደትን ሰበኸት። ኣብ መጀመርታ 1930ታት ኣባል እታ ኣብ ቭሎረ ዝነበረት ድልድልቲ ጉባኤ እያ ነይራ።
ብ1930 እቲ ኣብ ኣልባንያ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት: በቲ ኣብ ኣቴንስ: ግሪኽ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እዩ ዚመሓደር ነይሩ። ብ1932 ሓደ ኻብ ግሪኽ
እተላእከ ገያሺ ተዓዛቢ ነቶም ኣሕዋት ንኼተባብዕን ንኼበራትዕን ኢሉ ናብ ኣልባንያ ኸደ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተመሃሩ: ሰማያዊ ተስፋ እዩ ነይርዎም። ንጹሃትን ቅኑዓትን ሰባት ምዃኖም: ኣብ ኵሉ ሰብ ዓብዪ ኣኽብሮት ከም ዚረኽቡ ገበሮም። እቲ እዞም እሙናት ኣሕዋት ዝዓየይዎ ዕዮ: ብዙሕ ፍረ እዩ ኣፍርዩ። 1935 ከምኡውን 1936: ኣብ ነፍሲ ወከፈን 6,500 ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ኣልባንያ ተዓደለ።ሓደ መዓልቲ: ናሾ ኢድሪዚ ኣብ ማእከል ቭሎረ ነቲ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ዝሃቦ ዝርርብ ብግራሞፎን ወልዖ። ሰባት ደድኳናቶም ዓጽዮም: ሓው ኢድሪዚ ናብ ኣልባንያኛ ኺትርጕሞ ኸሎ ኺሰምዑ መጹ። እቲ ነዞም ዘይሕለሉ ቐዳሞት መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ቅንኣት በረኸት ኣምጺኡ እዩ። ብ1940 ኣብ ኣልባንያ 50 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ።
ኢዝሄራዊት ሃገር
ብ1936 ኢጣልያውያን ፋሺሽት ነታ ሃገር ተቘጻጸርዋ። ድሕርዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ኣይነበሮምን: ዕዮ ስብከቶም ድማ ተኣገደ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ወተሃደራት ጀርመን ነታ ሃገር ወረርዋ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ: ኤንቬር ሆቻ ዚበሃል ጽልዋ ዘለዎ ወተሃደራዊ መራሒ ተቐልቀለ። እቲ ንሱ ዚመርሖ ኮምዩኒስታዊ ሰልፊ: ኣብቲ ብ1946 እተገብረ ምርጫ ተዓወተ: ንሱውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኰነ። ድሕሪኡ ዝነበራ ዓመታት እዋን ሓርነት ተባሂለን ዚጽውዓ እኳ እንተዀና: ንህዝቢ የሆዋ ግን ብኣንጻሩ እየን ነይረን።
በብቝሩብ እቲ መንግስቲ ንሃይማኖታት ኪጸልእ ጀመረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ብምስምማዕ: ኣጽዋር ምሓዝን ኣብ ፖለቲካ ምእታውን ኣበዩ። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ ዮሃንስ 15:17-19) ብዙሓት ብዘይ ምግቢ ወይ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ከይተማልኣሎም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ። መብዛሕትኡ እዋን: እተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘይተዳጐና መንፈሳውያን ኣሓቶም ክዳውንቶም ይሓጽባሎም: ምግቢ እውን የዳልዋሎም ነበራ።
መስጐጕቲ እኳ እንተ መጸ: ድምብርጽ ዘይብሎም
ኣብ መጀመርታ 1940ታት እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጥቓ ፐርመት እትርከብ ቍሸት እትነብር ፍሮሲና ቼካህ እትበሃል ጐርዞ: ምዕባያ ኣሕዋታ ኻብቲ ናሾ ዶሪ ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሰራሕ ጫማ ዚመሃርዎ ዝነበሩ ሰምዐት። b እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሪር ስጕምትታት ኪወስዱ ይጅምሩ ነበሩ፣ እንተዀነ ግን: ወለዳ እኳ እንተ ዘይተሓጐሱ: ፍሮሲና ብእምነት እናደልደለት ከደት። ነቲ ሽዑ ዜጋጥማ ዝነበረ ድማ ከምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንተ ኸይደ: ሳእነይ ይሓብኡለይን ይወቕዑንን ነበሩ። ንሓደ ዘይኣማኒ ኽምርዖ ድማ ኣማጽኡለይ። ምስ ኣበኽዎም: ካብ ቤት ሰጐጉኒ። በታ መዓልቲ እቲኣ ውርጪ ይወርድ ነበረ። ናሾ ዶሪ ነቲ ኣብ ጊሮካስተር ዚነብር ዝነበረ ሓው ጎሌ ፍሎኮ ኺሕግዘኒ ሓተቶ። ምስ ስድራቤቱ ኽነብር ምድላዋት ገበሩለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣሕዋተይ ብሰንኪ ገለልትነቶም ንኽልተ ዓመት ተኣሲሮም ነበሩ። ምስ ተፈትሑ: ምሳታቶም ክነብር ናብ ቭሎረ ገዓዝኩ።
“ፖሊስ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ንኽሳተፍ ኬገድዱኒ
ፈተኑ። ኣነ ግን ኣበኹ። ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ድሕሪ ምእታው: ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኣእተዉኒ: ኣብኡ ድማ ከበቡኒ። ሓደ ኻባታቶም ‘እንታይ ክንገብረኪ ኸም እንኽእል ትፈልጢዶ፧’ ኢሉ ኣጕባዕብዓለይ። ‘የሆዋ ኽትገብሩኒ ዝፈቐደልኩም ጥራይ ኢኹም ክትገብሩ እትኽእሉ’ ኢለ መለስኩሉ። ‘ጽልልቲ ኢኺ መስለኒ! ውጺ!’ በለኒ።”ኣብ ኵለን እተን ዓመታት እቲኣተን: እቶም ኣብ ኣልባንያ ዝነበሩ ኣሕዋት ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተኣማንነት መንፈስ ነበሮም። ብ1957 ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ 75 በጽሐ። ኣብ መጀመርታ 1960ታት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ማርክስ ዚበሃል ኣልባንያዊ: ናብ ቲራነ ኸይዱ ነቲ ክርስትያናዊ ዕዮ ኣብ ምውዳብ ኪሕግዝ ምድላዋት ገበረ። c ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: ሉቺ ቼካህ: ሚሃል ስቬዚ: ሌዮኒዳ ፖፔ: ከምኡውን ካልኦት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ናብ ናይ ሸቕሊ ደምበታት ተላእኩ።
ጩራ ተስፋ
ክሳዕ 1967 ኵለን ኣብ ኣልባንያ ዝነበራ ሃይማኖታት ብጽቡቕ ዓይኒ ኣይኰነን ዚረኣያ ነይረን። ድሕሪኡ ግን ስቕ ኢልካ ኣይተገድፋን። መራሒ እምነት ካቶሊክ ኰነ: ኦርቶዶክስ ኰነ: እስላም: ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ኪፍጽም ኣይፍቀደሉን ነበረ። ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ተዓጽወ: ወይ ድማ ናብ ጅምናዝዩም: ቤተ-መዘክር: ወይ ዕዳጋ ተቐየረ። ዋላ ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕዝ ኣይፍቀደሉን ነበረ። ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዚብልዎ ሓሳብ ከይዝረበሉ ተኸልከለ።
ስብከትን ኣኼባን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር በብውልቆም ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣሎም ዘበለ ገበሩ። ካብ 1960ታት ክሳዕ 1980ታት ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ነከየ። እንተዀነ ግን: ብመንፈስ ድልዱላት ነበሩ።
ኣብ መወዳእታ 1980ታት: በብቝሩብ ፖለቲካዊ ለውጥታት ኪርአ ጀመረ። ሕጽረት ምግብን ክዳንን ነበረ። ሰባት ሕጉሳት ኣይነበሩን። እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝነበረ ለውጥታት: ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ኣልባንያ በጽሐ። ን45 ዓመት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ድሕሪ ምጽናሕ: ሓድሽ መንግስቲ ኸም ብሓድሽ ሓርነት ኣምልኾ ሃበ።
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት: ኣብ ኦስትርያን ግሪኽን ዚርከባ ጨንፈራት ኣብያተ-ጽሕፈት ነቶም ኣብ ኣልባንያ ዚርከቡ ኣሕዋት ኪረኽባኦም ጻዕሪ ገበራ። ኣልባንያኛ ዚፈልጡ ግሪኻውያን ኣሕዋት: ሓድሽ እተተርጐመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ናብ ቲራነን በራትን ሒዞምዎ መጹ። እቶም ኣቐዲሞም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣሕዋት: ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ምስቶም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኣሕዋት ምስ ተራኸቡ ብሓጐስ ተመልኡ።
ቀናኣት ወጻእተኛታት ፓይነራት ነቲ ዕዮ መርሕዎ
ኣብ መጀመርታ 1992: ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ኣልባንያውያን ዝመበቈሎም ማይክል ዲግረጎሪዮን ሊንዳ ዲግረጎሪዮን ዚበሃሉ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር: ናብ ኣልባንያ ለኣኾም። ንሳቶም ድማ ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ተራኸቡ: ክፍሊ እታ ኣህጉራዊት መንፈሳዊት ስድራቤት ንምዃን ኪሓብሩ ኸኣ ሓገዝዎም። ዓሰርተው ሽዱሽተ ጻዕራማት ኢጣልያውያን ፍሉያት ፓይነራት (ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን) ዚርከቡዋ ሓንቲ ጕጅለ: ምስ ኣርባዕተ ግሪኻውያን ፓይነራት ኣብ ሕዳር ናብቲ ዓዲ ኣተወት። እቶም ፓይነራት ቋንቋ እቲ ዓዲ ምእንቲ ኺፈልጡ: ናይ ቋንቋ ኮርስ ተዳለወሎም።
ነዞም ወጻእተኛታት ፓይነራት መዓልታዊ ናብራ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ኤለክትሪክ ብተደጋጋሚ ይቋረጽ ነበረ። እቲ ኣብ ሓጋይ ዚህሉ ቘራሪ ወርሓት ድማ ብርቱዕ ቍሪ ነበሮ። ሰባት ምግብን ካልእ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራትን ንምርካብ ንነዊሕ ሰዓታት ሪጋ ይጽበዩ ነበሩ።
እንተዀነ ግን: ነቶም ኣሕዋት ዘጋጠሞም ዝዓበየ ጸገም: ነቶም ንሓቂ ዚቕበሉ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ዚኸውን መአከቢ ህንጻታት ብኸመይ ከም ዚረኽቡ እዩ።ኣልባንያኛ ኺዛረቡ ዚጽዕሩ ፓይነራት: ነቲ ቛንቋ ኺመልክዎ ኸም ዘየድልዮም ተረድኡ። ሓንቲ ተመክሮ ዘለዋ መምህር መጽሓፍ ቅዱስ: “ጽቡቕ ፍሽኽታ ንምርኣይ ወይ ነሕዋትና ንምሕቋፍ: ረባሕታ ግስታት ብዚግባእ ክንፈልጥ ኣየድልየናን እዩ። ኣልባንያውያን ነቲ ፍጹም ሕጊ ሰዋስው ዘይኰነስ: ነቲ ኻብ ልብኹም ዚምንጭ ፍቕርኹም እዮም ምላሽ ዚህቡ። ኣይትጨነቑ: ኪርድኡልኩም እዮም” በለቶም።
ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ቋንቋ ኮርስ: እቶም ፓይነራት ኣብ ሽኮደር: በራት: ቭሎረ: ቲራነ: ዱረስ: ከምኡውን: ጊሮካስተር ኬገልግሉ ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብዘን ከተማታት እዚኣተን ጉባኤታት ቈማ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ዝነበረት ኣረቲ ፒና: ናይ ጥዕና ጸገም ነበራ: ክሳዕ ሽዑውን ኣብ ቭሎረ እያ ነይራ። ክልተ ፍሉያት ፓይነራት ምስ ኣረቲ ዀይኖም ኪሰብኩ ናብታ ኸተማ ተላእኩ። ሰባት እቶም ወጻእተኛታት ኣልባንያኛ ኺዛረቡ ምስ ረኣይዎም ገረሞም። “ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሚስያናውያን: ዝዀነ ይኹን ነገር ክንመሃር እንተ ደሊና: እንግሊዝኛ ወይ ጣልያንኛ ንኽንመሃር የገድዱና። ንስኻትኩም ግን ኣልባንያኛ ስለ እተመሃርኩም: ብሓቂ ተፍቅሩናን ኣገዳሲ ነገር ክትነግሩና እትደልዩን ክትኰኑ ኣለኩም!” በልዎም። ኣብ ጥሪ 1994 ኣረቲ እምንቲ ዀይና ምድራዊ ህይወታ ወድአት: ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ወርሒ ድማ ኣብ ስብከት ንጥፍቲ ነበረት። እቲ ንሳን እቶም ፓይነራትን ዘርኣይዎ ቕንኣት ፍረ ኣፍረየ። ብ1995 ኣብ ቭሎረ ሓንቲ ጉባኤ እንደገና ቘመት። ሎሚ: ኣብታ ወደባዊት ከተማ እቲኣ ሰለስተ እናሰሰና ዚኸዳ ጉባኤታት ኣለዋ።
ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር: ሰባት ብመንፈሳዊ ጠምዮም ነበሩ: ብዙሕ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ድማ ኣይነበሮምን። ንዅሉ እቲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸብዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብሃንቀውታ የንብብዎ ነበሩ። ሓያሎ መንእሰያት ኬጽንዑን ቅልጡፍ ዕቤት ኪገብሩን ጀመሩ።
ልዕሊ 90 ጉባኤታትን ጕጅለታትን “ብእምነት ይጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ” ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:5) እቶም ኣብ ኣልባንያ ዚርከቡ 3,513 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣለዎም። ኣብ መጋቢት 2005: 10,144 ዝዀኑ ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኣኪቦም ነይሮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ ተቐበልቲ ጋሻ ዝዀኑ ሰባት ምይይጥ ብምግባሮም: ልዕሊ 6,000 ዚኣክል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ኣሎ። ካብቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብኣልባንያኛ ዝወጸ ትርጕም ሓዳስ ዓለም በሽሓት ዚቝጸሩ ኸም ዚጥቀሙ ንጹር እዩ። እወ: ቃል የሆዋ ኣብታ “ምድሪ ንስሪ” ይሕምበብ: ንየሆዋ ድማ ውዳሰ የምጽኣሉ ኣሎ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ናታስ ዱሊ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1968 ግምቢ ዘብዐኛ ተወከስ።
b ታሪኽ ህይወት ናሾ ዶሪ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ተወከስ።
c ታሪኽ ህይወት እታ ሄለን እትበሃል ሰበይቲ ጆን ማርክስ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ኮሶቮ ዓሌታዊ ግጭት ሃሰሰ
ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ ኮሶቮ ብሰንኪ መሬትን ሱር ዝሰደደ ዓሌታዊ ጽልእን ውግእ ተላዒሉ: ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድማ ጣልቃ ኣትዩ ብምንባሩ: ኮሶቮ ብተደጋጋሚ ትጥቀስ ነበረት።
ኣብ ባልካን ውግእ ኣብ ዚግበረሉ ዝነበረ እዋን: ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኪሃድሙ ነበሮም። እቲ ውግእ ምስ ሃድአ: ሒደት ካባታቶም ንስብከት ተዳልዮም ናብ ኮሶቮ ተመልሱ። ኣልባንያውያንን ኢጣልያውያንን ፍሉያት ፓይነራት ኣብቲ 2,350,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ኮሶቮ ኺሕግዙ ጻውዒት ቀረበሎም። ብድምር 130 ኣስፋሕቲ ዘለዉወን ኣርባዕተ ጉባኤታትን ሽዱሽተ ንጡፋት ጕጅለታትን: ኣብዚ ዞባ እዚ ንየሆዋ የገልግላ ኣለዋ።
ኣብቲ ኣብ ጽድያ 2003: ኣብ ፕሪሽቲና እተገብረ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ: 252 ተኣከብቲ ተረኺቦም ነይሮም። ካባታቶም ከኣ ሰርብያውያን: ኢጣልያውያን: ኣልባንያውያን: ጀርመናውያን: ከምኡውን: ጂፕሲ መበቈል ዘለዎም ነይሮምዎም። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ጥምቀት ዝርርብ: እቲ ተዛራባይ ክልተ ሕቶታት ሓተተ። ሰለስተ ውልቀ-ሰባት ከኣ ደው ኢሎም ብኣወንታ መለሱሉ። እታ ሓንቲ ሰርብያዊት ዝመበቈላ: እቲ ኻልኣይ ኣልባንያዊ ዝመበቈሉ: እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ጂፕሲ ዝመበቈላ እያ ነይራ።
እቶም ተኣከብቲ ነቲ እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት “ቫ!” “ዳ!” “ፖ!” ዚብል ኣወንታ ዚገልጽ መልሲ ብሓባር ምስ ሰምዑ: ድሙቕ ጣቕዒት ኣጣቕዑ። እቶም ሰለስተ ናይ ጥምቀት ሕጹያት ንሓድሕዶም ተሓቛቘፉ። ነቲ ንዓዶም ኣብ ሽግር ዘእተዋ ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ዓሌታዊ ጸገም: ፍታሕ ረኺቦምሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ባሕሪ መዲተራነያን
ኢጣልያ
ኣልባንያ
ግሪኽ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቕንኣት እቶም ዓበይቲ ይቐድሑ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣረቲ ፒና ኻብ 1928 ክሳዕ እታ ብ1994 ዝሞተትላ ዕለት እምንቲ ዀይና ኣገልገለት
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ናይ ቋንቋ ኮርስ ዝወሰዱ ናይ መጀመርታ ጕጅለ ወጻእተኛታት ፓይነራት
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Eagle: © Brian K. Wheeler/VIREO