ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል

ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል

ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል

“ንትሑታት ተድኅኖም።”2 ሳሙኤል 22:28 ትርጕም 1990

1, 2. ንመብዛሕትኦም ገዛእቲ ዓለም ዜመሳስሎም ነገር እንታይ እዩ፧

 ኣብ ግብጺ ዚርከብ ፒራሚዳት: ኣብ ሓደ እዋን ነታ ሃገር መን ይገዝኣ ኸም ዝነበረ ዚገልጽ እዩ። ካልኦት ከም እኒ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር: ኣሌክሳንደር ዓብዪ ንጉስ ግሪኽ: ከምኡውን ጁልየስ ቄሳር ሮሜ ዝኣመሰሉ ገዛእቲ እውን ኣብ ታሪኽ ፍሉጣት እዮም። ነዞም ኣብዚ እተጠቕሱ ገዛእቲ እዚኣቶም ሓደ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ። ኵሎም ብሓቂ ትሑታት ኣይነበሩን።—ማቴዎስ 20:25, 26

2 ዋላ ሓደ ኻብዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ገዛእቲ: ኣብ ግዝኣቱ ንዚርከቡ ምጽንናዕ ንዜድልዮም ጥቑዓት ተገዛእቱ ንምርካብ ዜናዲዶ ይመስለካ፧ ኣይፋሉን። ነቶም ትሑት ናብራ ዘለዎም ድቑሳት ዜጋታት ንምጽንናዕ ኢሉ እውን: ናብቲ ዘለውዎ ቦታ ኣይከይድን እዩ። እዚ እዞም ገዛእቲ ንጥቑዓት ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ ኻብቲ ልዑል ገዛኢ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ።

ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣብነት ትሕትና

3. እቲ ልዑል ገዛኢ: ንተገዛእቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧

3 የሆዋ ዕቤቱ ዘይተመርማሪ ኽነሱ ‘ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቱ ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።’ (2 ዜና መዋእል 16:9) የሆዋ: እሙናት ኣምለኽቱ ብሰንኪ እተፈላለየ ፈተናታት መንፈሶም ኪድቈስ ከሎ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ‘ንመንፈስ ትሑታት ህያው ኪገብሮ: ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ኪገብሮስ:’ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እዩ ‘ዚነብር።’ (ኢሳይያስ 57:15) ስለዚ: ኣምለኽቱ ተሓጕሶም የገልግልዎ። ኣምላኽሲ ኸመይ ዝበለት ትሕትና ዀን እዩ ዜንጸባርቕ!

4, 5. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) ኣምላኽ “ንመስኪን” ንምሕጋዝ “ኣንቈልቊሉ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ከምቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ንምሕጋዝ ኢሉ ርእሱ ዘትሓቶ ገይሩ ማንም ርእሱ ዜትሕት የልቦን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ: ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጠ: ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኣንቈልቊሉ ዚጥምት: እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመስል መን እዩ፧ . . . ንመስኪን ካብ ሓመድ የተንስኦ: ንድኻውን ካብ ድዅዒ የልዕሎ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 113:4-7

5 የሆዋ ንጹህን ቅዱሱን ስለ ዝዀነ: “ትዕቢት” የብሉን። (ማርቆስ 7:22, 23 ትርጕም 1990) እታ “ኣንቈልቈለ” እትብል ቃል ትሕት ምባል ወይ ዝነኣሰ ደረጃ ምስ ዘለዎም ሰባት ርክብ ንምምስራት ኢልካ ኻብቲ ዝነበረካ ደረጃ ምውራድ ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ካብዚ እተላዕለ ድማ ኣብ ገለ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ መዝሙር 113:6 ኣምላኽ ርእሱ ኣትሓተ ብምባል ተተርጕማ ኣላ። እዚ ነቲ ንዘይፍጹማት ኣምለኽቱ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ብፍቕሪ ዚሓልየሎም ትሑት ኣምላኽና ብትኽክል እዩ ዚገልጾ።—2 ሳሙኤል 22:36

የሱስ ስለምንታይ ትሑት ከም ዝነበረ

6. እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ትሕትና የሆዋ እንታይ እዩ፧

6 ኣምላኽ ሰባት ንኺድሕኑ ኢሉ ነቲ ዜፍቕሮ በዅሪ ወዱ ኣብ ምድሪ ሰብ ኰይኑ ተወሊዱ ኸም ዚዓቢ ምግባሩ: እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ትሕትናን ፍቕርን እዩ። (ዮሃንስ 3:16) የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኡ እቲ ሓቂ ምሂሩና እዩ። ‘ሓጢኣት ዓለም ኬርሕቕ’ ከኣ ፍጽምቲ ህይወቱ ሃበ። (ዮሃንስ 1:29፣ 18:37) ምሉእ ብምሉእ ባህርያት ኣቦኡ: እንተላይ ትሕትና: ብምንጽብራቕ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዅሉ ንምግባር ፍቓደኛ ነበረ። እዚ ድማ ካብ ኵሎም ፍጥረታት ኣምላኽ ብዝበለጸ መገዲ እተንጸባረቐ ትሕትናን ፍቕርን ነበረ። ኵሉ ኣይኰነን ግን ንትሕትና የሱስ ኣኽቢሩ ርእይዎ: አረ ጸላእቱ እሞ ኸኣ “ኻብ ሰብ ዚንእስ” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። (ዳንኤል 4:17) ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ብጾቱ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብ ንየሱስ ኪመስልዎ እሞ ትሑታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ተገንዚቡ ነበረ።—1 ቈረንቶስ 11:1፣ ፊልጲ 2:3, 4

7, 8. (ሀ) የሱስ ትሕትና እተማህረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ዚዀኑ እንታይ ምሕጽንታ እዩ ኣቕሪቡ፧

7 ጳውሎስ ነቲ ብሉጽ ኣብነት የሱስ ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።”—ፊልጲ 2:5-8

8 ገለ ሰባት ‘ብኸመይ እዩ የሱስ ትሑት ምዃን እተማህረ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ማእለያ ንዘይብሉ ዓመታት ናይ ቀረባ ዕርክነት ስለ ዝነበሮ እዩ ትሕትና ተማሂሩ። ኣብቲ እዋን እቲ እዩ ኸኣ ንዅሉ ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር ወሓለ “ሰራሕተኛ” ኣምላኽ ዝነበረ። (ምሳሌ 8:30) ድሕሪ እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት: እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ነቲ ኣቦኡ ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ዝሓዘሉ ኣገባብ ኪርኢ ኽኢሉ ነበረ። ስለዚ: ኣብ ምድሪ ኸሎ: ንሱውን ንትሕትና ኣቦኡ ኣንጸባረቐ። “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: . . . እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ብምባል ምሕጽንታ ኣቕረበ።—ማቴዎስ 11:29፣ ዮሃንስ 14:9

9. (ሀ) የሱስ ንምንታይ እዩ ንቘልዑ ዚፈትዎም ዝነበረ፧ (ለ) የሱስ ብሓደ ቘልዓ ገይሩ እንታይ ትምህርቲ እዩ ምሂሩ፧

9 የሱስ ናይ ብሓቂ ትሑት ብምንባሩ ሕጻናት ኣይፈርህዎን ነበሩ። ኣብ ክንዳኡ ይቐርብዎ ነበሩ። ንሱውን ንቘልዑ ይፈትዎምን ይግደሰሎምን ነበረ። (ማርቆስ 10:13-16) ስለምንታይ እዩ ግን የሱስ ንቘልዑ ዚፈትዎም ዝነበረ፧ ምኽንያቱ እቶም ዓበይቲ ደቀ መዛሙርቱ ወትሩ ዘየንጸባርቕዎ ዝነበረ ተደላዪ ባህርያት: ኣብ ቈልዑ ይርኢ ስለ ዝነበረ እዩ። ሓቂ እዩ ቘልዑ: ዓበይቲ ኻብኣቶም ከም ዚበልጹ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ኸኣ እዮም ብዙሕ ሕቶታት ዚሓቱ። ምስ ዓበይቲ ኸነነጻጽሮም ከለና: ቈልዑ ዝያዳ ትምህርቲ ይቕበሉ ኸምኡውን ኣይዕበዩን እዮም። ኣብ ሓደ እዋን የሱስ ንሓደ ቘልዓ ኣብ ማእከል ሰዓብቱ ደው ኣቢሉ: “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። ቀጺሉ ድማ “እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት: ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ” በሎም። (ማቴዎስ 18:3, 4) ካብኡ ነቲ “ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ: እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ” ዚብል መምርሒ ነገሮም።—ሉቃስ 14:11፣ 18:14፣ ማቴዎስ 23:12

10. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

10 እዚ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብና ብእተወሰነ ደረጃ ትሕትና ኣብ ምንጽብራቕና እተመርኰሰ ዀይኑ ኼብቅዕ: ስለምንታይ ደኣ እዮም እሞ ሓድሓደ ግዜ ክርስትያናት ትሑታት ምዃን ዚኸብዶም፧ ምስሕሓብ ምስ ዚፍጠር: ከይተዓበና ነቲ ጸገም ብትሕትና ኽንፈትሖ ዜጸግመና ስለምንታይ እዩ፧ ትሕትና ምእንቲ ኸነማዕብል እንታይ ይሕግዘና፧—ያእቆብ 4:6, 10

ትሑት ምዃን ስለምንታይ ከም ዜጸግመና

11. ትሑታት ንምዃን ዜጸግመና ምዃኑ ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

11 ትሑት ምዃን ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ: ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን ከምዚ ዓይነት ሽግር ዘሎካ። ኣብ 1920 እተሓትመት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላይነት ትሕትና ኣመልኪቱ ዚህቦ ማዕዳ ኽትገልጽ ከላ “ጐይታ ንትሕትና ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእያ ምፍላጥና: ንዅሎም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ መዓልታዊ ትሕትና ንኼንጸባርቑ ኺድርኾም ኣለዎ” በለት። ብምቕጻል “ሽሕኳ ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳታት ይሃሉ: ብሰንኪ ዘይፍጽምና እቶም ህዝቢ ጐይታ ዝዀኑን በዚ መገዲ እዚ ኪቕጽሉ ዚደልዩን: ካብ ካልእ ባህርያት ንላዕሊ ትሕትና ምንጽብራቕ ዝያዳ የጸግሞም” በለት። እዚ ስለምንታይ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ትሑታት ምዃን ከም ዜጸግሞም የብርህ። እቲ ሓጥእ ባህሪ ደቅሰብ ዘይግቡእ ክብሪ እዩ ዚምነ። እዚ ዝዀነ ድማ ዘርኢ እቶም ብስስዐ ተደሪኾም እተታለሉ ሓጥኣን ሰብ ሓዳር ኣዳም ሄዋንን ስለ ዝዀንና እዩ።—ሮሜ 5:12

12, 13. (ሀ) ዓለም ክርስትያናዊት ትሕትና ኣብ ምንጽብራቕ ዕንቅፋት እትኸውን ብኸመይ እያ፧ (ለ) ትሕትና ንምምዕባል ዝያዳ ኣጸጋሚ ዚገብሮ መን እዩ፧

12 ትሕትና ንምርኣይ ከቢድ ዚዀነሉ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ: ኣብታ ሰባት ካብ ካልኦት ዝበለጹ ንኪዀኑ እተተባብዕ ዓለም ንነብር ምህላውና እዩ። ሓደ ኻብቲ ልሙድ ሸቶታት እዛ ዓለም እዚኣ ድማ “ፍትወት [ሓጥእ] ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ንምምላእ ዚግበር እዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ክንዲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ትምኒት ዚጽለዉ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እተተኵር ጥዕይቲ ዓይኒ ኽትህልዎም ይግባእ።—ማቴዎስ 6:22-24, 31-33፣ 1 ዮሃንስ 2:17

13 ትሕትና ምምዕባል ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ: እቲ ምንጪ ትዕቢት ዝዀነ ሰይጣን ዲያብሎስ ነዛ ዓለም እዚኣ ይገዝኣ ብምህላዉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:6) ሰይጣን ነቲ ኽፉእ ባህርያቱ እዩ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ። ንኣብነት: ንዕኡ እንተ ኣምሊኽዎ: “መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ከም ዚህቦ ንየሱስ ቃል ኣተወሉ። እቲ ወትሩ ትሑት ዝዀነ የሱስ ግን ነቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ዕድመ ብቐጥታ ነጸጎ። (ማቴዎስ 4:8, 10) ብተመሳሳሊውን ሰይጣን ንክርስትያናት: ንርእሶም ክብሪ ንኺደልዩ ኼታልሎም እዩ ዚፍትን። ኰይኑ ግን: ትሑታት ክርስትያናት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ውዳሰን ክብርን ንኣምላኽ ኪህቡ እዮም ዚጽዕሩ።—ማርቆስ 10:17, 18

ናይ ሓቂ ትሕትና ምምዕባልን ምንጽብራቕን

14. ‘ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና’ እንታይ እዩ፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈሎሴ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ንኻልኦት ሰባት ንምምሳጥ ኢሎም ላዕለ ላዕሊ ጥራይ ትሕትና ኸየርእዩ ኣጠንቂቕዎም እዩ። ነዚ ድማ “ትሕትና ብዚመስል” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ሓቂ ብዘይብሉ ትሕትና” ኢልዎ ኣሎ። ትሑታት ከም ዝዀኑ ዜምስሉ ሰባት መንፈሳውያን ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡ ብትዕቢት ‘እተነፍሑ’ ኸም ዝዀኑ እዮም ዜርእዩ። (ቈሎሴ 2:18, 23) የሱስ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓሶት ትሕትና ዜንጸባርቑ ሰባት ጠቒሱ ነይሩ። ፈሪሳውያን ናይ ርኣዩለይ ጸሎት ብምጽላዮምን ኪጾሙ ኸለዉ ድማ ጸዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ገጾም ስለ ዘጸምለዉ ዀነኖም። ብኣንጻሩ ግን: ብብሕትና እንገብሮ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብትሕትና ኸነቕርቦ ኣሎና።—ማቴዎስ 6:5, 6, 16

15. (ሀ) ትሕትና ምንጽብራቕ ንኽንቅጽል እንታይ ይሕግዘና፧ (ለ) ትሑት ብምዃን ዝመጸ ናይ መነመን ጽቡቕ ኣብነታት ኣሎና፧

15 ክርስትያናት ኣብቲ ብሉጽ ኣብነት የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብምትኳር ናይ ሓቂ ትሕትና ምንጽብራቖም ኪቕጽሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚዳሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ኣዘውቲርካ ምጽናዕ የጠቓልል። (ማቴዎስ 24:45) ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ንክርስትያን ሽማግለታት ‘ልቦም ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ምእንቲ ኸይልዓል’ ኣዝዩ ኣድላይ እዩ። (ዘዳግም 17:19, 20፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-3) ብዛዕባ እተን ትሑታት ብምዃነን እተባረኻ እኒ ሩት: ሃና: ኤልሳቤጥ: ከምኡውን ካልኦት ብዙሓት ኣስተንትን። (ሩት 1:16, 17፣ 1 ሳሙኤል 1:11, 20፣ ሉቃስ 1:41-43) ብዛዕባ ኸም እኒ ዳዊት: ዮስያስ: ዮሃንስ መጥምቕ: ከምኡውን ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ጕሉሕ ቦታ ዝነበሮም ግን ከኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑታት ዝነበሩ ሰባት እውን ሕሰብ። (2 ዜና መዋእል 34:1, 2, 19, 26-28፣ መዝሙር 131:1፣ ዮሃንስ 1:26, 27፣ 3:26-30፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:20-26፣ 1 ቈረንቶስ 15:9) ብዛዕባ እቶም ሎሚ ኣብ ክርስትያን ጉባኤ ዚርከቡ ብዙሓት ኣብነታት ትሕትናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብነታት ምስትንታኖም: ንሓድሕዶም “ትሕትና” ኼርእዩ ይሕግዞም።—1 ጴጥሮስ 5:5

16. ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ትሑታት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 ወትሩ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምክፋል እውን ትሕትና ንምንጽብራቕ ይሕግዘና እዩ። ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዘይንፈልጦም ሰባት ክንረክብ ከለና: ትሕትና እንተ ኣልያትና: ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኸነዘራርቦም ተኽእለና። እዚ ብሕልፊ እቲ ብዓል ገዛ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይተገዳስነት ምስ ዜርኢ ወይ ድማ ብዘይእሩም መገዲ ምስ ዚምልሰልና: ናይ ብሓቂ እዩ ዚዓዪ። ብዛዕባ እምነትና ዅሉ ሳዕ ሕቶ ስለ ዜጋጥመና: “ብዓቕልን ብፍርሃትን [“ብኽብርን:” ትርጕም 1990]” ንምምላስ ትሕትና ተድልየና እያ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ትሑታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እተፈላለየ ባህልን መነባብሮን ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ናብ ሓደስቲ ዞባታት ግዒዞም እዮም። እዞም ትሑታት ኣገልገልቲ: ዋላኳ ኣጸጋሚ ይኹን: ነቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝነግርዎም ሰባት ዝያዳ ንምሕጋዝ ኢሎም ሓድሽ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። እዝስ ከመይ ዚድነቕ ተግባር ኰን እዩ!—ማቴዎስ 28:19, 20

17. እንታይ ክርስትያናዊ ሓላፍነታት ንምስካም እዩ ትሕትና ዜድሊ፧

17 ብዙሓት ጥቕሚ ኻልኦት ካብ ርእሶም ብምቕዳም: ክርስትያናዊ ሓላፍነቶም ብትሕትና ተዋጺኦምሉ እዮም። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ኣቦ ንደቁ ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ: ብሕታዊ ጕዳያቱ ገዲፉ ግዜ መዲቡ ኣቐዲሙ ምድላዉ: ትሕትና ኸም ዘለዎ የርኢ። ቈልዑ እውን ነቶም ዘይፍጹማት ወለዶም ንኺእዘዙ ትሑታት ኪዀኑ የድልዮም። (ኤፌሶን 6:1-4) ዘይኣምኑ ሰብኡት ዘለውወን ኣንስቲ ‘ብንጽህና ብምንባርን ኣኽብሮት ብምርኣይን’ ሰብኡተን ሓቂ ኸም ዚቕበሉ ንምግባር: ትሑታት ኪዀና ኣለወን። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ትርጕም 1990) ንዝሓመሙን ብዕድመ ንዝደፍኡን ወለድና ብፍቕሪ ንምእላይ: ትሕትናን ጥቕሚ ርእሲ እትስውእ ፍቕርን ኪህልወና የድሊ።—1 ጢሞቴዎስ 5:4

ትሕትና ጸገማት ትፈትሕ

18. ትሕትና ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ብኸመይ እያ እትሕግዘና፧

18 ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘይፍጹማት እዮም። (ያእቆብ 3:2) ሓድሓደ ግዜ: ኣብ መንጎ ኽልተ ክርስትያናት ምስሕሓብ ወይ ዘይምርድዳእ ኪፍጠር ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝኸሰሉ እኹል ምኽንያት ይህልዎ ይኸውን። መብዛሕትኡ እዋን ከምዚ ዓይነት ጸገም: ነቲ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ:” NW] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” ዚብል ማዕዳ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪፍታሕ ይከኣል እዩ። (ቈሎሴ 3:13) ሓቂ እዩ: ነዚ ማዕዳ ምስዓብ ንሓደ ሰብ የጸግሞ ይኸውን፣ ኰይኑ ግን: ትሕትና ነዚ ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ ኽትሕግዞ ትኽእል እያ።

19. ንዝበደለና ሰብ ቀሪብና ኸነዘራርቦ ኸለና: እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

19 ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ክርስትያን እቲ እተበደሎ በደል ከቢድ ብምዃኑ ስቕ ኢሉ ኺሓልፎ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። ትሕትና: ናብቲ ዝበደሎ ሰብ ከይዱ ሰላም ንምፍጣር ንኺጽዕር ትሕግዞ። (ማቴዎስ 18:15) ምናልባት እቲ ሓደ ወይ ክልቲኦም ካብ ኵርዓት እተላዕለ ጌጋኦም ስለ ዘይተኣመኑ: ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዚፍጠር ጸገም ንነዊሕ እዋን ይቕጽል ይኸውን። ወይ ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ተበግሶ ወሲዱ ዜዘራርበሉ መገዲ ንርእሱ ብምምጽዳቕን ነቲ ሓደ ግን ብምንቃፍን ይኸውን። ብኣንጻሩ ግን: ናይ ሓቂ ትሕትና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ጸገማት ኪፈትሕ ይኽእል እዩ።

20, 21. እቲ ትሑታት ንምዃን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዚሕግዝና እንታይ እዩ፧

20 ትሕትና ንምምዕባል ዜኽእለና ቐንዲ ረቛሒ: ኪሕግዘናን መንፈሱ ኺህበናን ናብ ኣምላኽ ምጽላይ እዩ። “ኣምላኽ . . .: ንትሑታት . . . ጸጋ [እንተላይ መንፈስ ቅዱስ] ይህቦም” ምዃኑ ዘክር። (ያእቆብ 4:6) ስለዚ: ምስ ሓደ ክርስትያን ሓው ምስሕሓብ እንተ ኣጋጢሙካ: ጌጋኻ ይንኣስ ይብዛሕ ብዘየገድስ ብትሕትና ንኽትእመነሉ ኺሕግዘካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ተጐዲእካ እንተ ዀንካ እሞ እቲ ዝጐድኣካ ሰብ ካብ ልቡ ‘ይቕረታ’ እንተ ሓቲቱካ: ብትሕትና ይቕረ በለሉ። ከምዚ ምግባር እንተ ኣጸጊሙካ: ካብ ልብኻ ትዕቢት ንምውጋድ ኪሕግዘካ ናብ የሆዋ ጸሊ።

21 ትሕትና እተምጽኦ ረብሓታት ምርዳእና: ነዛ ኣዝያ ኽብርቲ ዝዀነት ባህሪ እዚኣ ኸነማዕብላን ክንዕቅባን ኪድርኸና ኣለዎ። ከምዚ ንምግባር ዚሕግዘና ድማ ኣብነት የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣሎና። ነቲ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ዚብል ኣምላኽ ዝሃቦ መረጋገጺ ኣይንረስዕ።—ምሳሌ 22:4

ንምስትንታን ዚኸውን ነጥብታት

• ትሕትና ብምንጽብራቕ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዚዀኑና እንመን እዮም፧

• ትሕትና ምንጽብራቕ ኣጸጋሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

• ትሑታት ንምዃን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ትሑት ምዃን ክሳዕ ክንድዚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናይ ብሓቂ ትሑት ነበረ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ዓለም: ሰባት ካብ ካልኦት ዝበለጹ ንኪዀኑ ኺጽዕሩ እያ እተተባብዕ

[ምንጪ ስእሊ]

WHO photo by L. Almasi/K. Hemzǒ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ትሕትና ኣብ ኣገልግሎትና ንዘይንፈልጦም ሰባት ከነዘራርብ ትሕግዘና

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ምስሕሓብ እንተ ተፈጢሩ: እቲ ጸገም ካብ ትሕትና ተላዒልና ብፍቕሪ ብምኽዳን ኪፍታሕ ይከኣል

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ኣብ ብዙሕ መዳያት ትሕትና ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም