ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣስፋሕፍሐ

ክርስትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣስፋሕፍሐ

ክርስትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣስፋሕፍሐ

ብ49 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ የሩሳሌም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተኻየደ። ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ “ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ” እተባህሉ ዮሃንስ: ጴጥሮስ: ከምኡውን ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስን ብጻዩ በርናባስን እውን ኣብኡ ነበሩ። እቲ ዛዕባ ኸኣ እቲ ዕዮ ስብከት ዚካየደሉ ኣዝዩ ሰፊሕ ዞባ ብኸመይ ከም ዚመቓቐል ነበረ። ጳውሎስ “ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ: ንሳቶም ግና ናብ ግዙራት: ምናዳ ንኣይን ንበርናባስን ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ሀቡና” ብምባል ገለጸ።—ገላትያ 2:1, 9 a

ነዚ ሽዑ እተገብረ ስምምዕ ግን ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚስበኸሉ ዞባ ኣይሁድን ጵሮሴሊታት ዚርከብዎ በቲ ሓደ ሸነኽ: ኣህዛብ ዚርከብዎ ኸኣ በቲ ኻልእ ብዚብል ድዩ ተኸፋፊሉ ነይሩ፧ ወይስ ብጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፧ ነዚ ብቑዕ መልሲ ንምርካብ ብዛዕባ እቶም ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ተበታቲኖም ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ዚገልጽ ታሪኻዊ ሓበሬታ ኽንረክብ ኣሎና።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ

ኣብ ቀዳመይ ዘመን: ክንደይ ዝዀኑ ኣይሁድ እዮም ኣብ ካልእ ዓድታት ተሰዲዶም ዚነብሩ ነይሮም፧ ኣትላስ ኦቭ ጂዊሽ ዎርልድ ዘርእስታ ጽሕፍቲ “ነቲ ቝጽሪ ብልክዕ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ኰይኑ ግን: ቅድሚ 70 ድ.ክ. ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ኣይሁድ ኣብ ይሁዳ: ካብ ኣርባዕተ ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ኣይሁድ ከኣ ኣብ እተፈላለየ ግዝኣት ሮሜ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ይግመት። . . . ካብቶም ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ: 10 ሚእታዊት ኣይሁድ ነበሩ። ኣብቲ ብብዝሒ ዚርከብዎ ዝነበሩ ምብራቓዊ ግዝኣት ከኣ ካብቶም ነበርቲ ርብዒ እቲ ህዝቢ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣይሁድ ነበሩ” በለት። ብዙሓት ምሁራት እውን ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም።

ሶርያ: ንእሽቶ እስያ: ባቢሎን: ከምኡውን ግብጺ እተን ቀንዲ ኣይሁድ ዚነብሩለን ዝነበሩ ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከባ ቦታታት እየን። ኣብ ኣውሮጳ እውን ሒደት ኣይሁድ ይነብሩ ነበሩ። ገለ ኻብቶም ፍሉጣት ኣይሁድ ክርስትያናት: ካብ እስራኤል ወጻኢ እዮም ዚነብሩ ዝነበሩ። ንኣብነት: በርናባስ ኣብ ቆጵሮስ: ኣኪላስን ጵርስኪላን መጀመርያ ኣብ ጶንጦስ ደሓር ከኣ ኣብ ሮሜ: ኣጵሎስ ኣብ እስክንድርያ: ከምኡውን ጳውሎስ ኣብ ጠርሴስ ይነብሩ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:36፣ 18:2, 24፣ 22:3

እቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ ምስቶም ኣብ ዓዶም ዝነበሩ ምትእስሳር ነበሮም። ሓደ ኻብዚ ድማ እቲ ኣብ የሩሳሌም ናብ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ዚሰድዎ ዝነበረ ዓመታዊ ግብሪ እዩ። በዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣምልኾን ኣገልግሎትን ይሳተፉ ነበሩ። ነዚ ኣመልኪቱ ጆን ባርክለይ ዚበሃል ሓደ ምሁር: “እቶም ኣብ ካልእ ዓድታት ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ተወሳኺ ወፈያታት ተጠንቂቖም ይእክቡ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እኹል መርትዖ ኣሎ” በለ።

እቲ ዝነበሮም ካልእ ምትእስሳር ድማ በሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ በዓላት ንምብዓል ዓመት ዓመት ናብ የሩሳሌም ይመጹ ምንባሮም እዩ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:9-11 ዚርከብ ብዛዕባ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ድ.ክ. እተጻሕፈ ጸብጻብ ነዚ ዜብርህ እዩ። ሽዑ ነቲ በዓል ንምብዓል ካብ ጴርቴ: ሜዶን: ኤላም: መሶጶታምያ: ቀጶዶቅያ: ጶንጦስ: እስያ: ፍርግያ: ጰምፊልያ: ግብጺ: ሊብያ: ሮሜ: ቅሬጥስ: ከምኡውን ካብ ምድሪ ዓረብ እዮም መጺኦም።

እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ምምሕዳር ቤተ መቕደስ: ምስቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ተበታቲኖም ዝነበሩ ኣይሁድ ብደብዳበ ይራኸብ ነበረ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:34 ተጠቒሱ ዚርከብ መምህር ሕጊ ዝነበረ ገማልኤል: ናብ ባቢሎንን ካልእ ክፋላት ዓለምን ደብዳበ ኸም ዝሰደደ ዚፍለጥ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 59 ድ.ክ. እሱር ኰይኑ ናብ ሮሜ ምስ ተወስደ: እቶም “ኣውራታት ኣይሁድ:” “ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን: ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን” በልዎ። እዚ ኻብ የሩሳሌም ናብ ሮሜ: ደብዳበታትን ጸብጻባትን ብተደጋጋሚ ይስደድ ከም ዝነበረ ዜርኢ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:17, 21

እቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ በቲ ሰፕቱጀንት ተባሂሉ ዚፍለጥ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ናይ እብራይስጢ ቕዱሳት ጽሑፋት እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “እቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣይሁድ ንትርጕም LXX [ሰፕቱጀንት] ከም ቅዱሳት ጽሑፋት ገይሮም የንብብዎን ይቕበልዎን ነይሮም እዮም ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ይመስል” በለ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ኣብ ኣኼባታቶም በዚ ትርጕም እዚ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም።

ኣባላት እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ክርስትያናት: ነዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነበሩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ሶርያን ኣብ ደማስቆን ኣብ ኣንጾክያን ዝነበሩ ኣይሁድ በጺሕዎም ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:19, 20፣ 11:19፣ 15:23, 41፣ ገላትያ 1:21) እቶም ኣብቲ ኣብ 49 ድ.ክ. እተገብረ ኣኼባ ተረኺቦም ዝነበሩ: ነቲ ኣብ መጻኢ ዚግበር ተወሳኺ ዕዮ እዮም መደብ ዜውጽኡ ነይሮም። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዕዮ ኣብ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ብኸመይ ከም ዝሰፍሐ ዚህቦ ጸብጻብ እስከ ንመርምር።

ጕዕዞታት ጳውሎስን እቶም ተበቲኖም ዝነበሩ ኣይሁድን

ሃዋርያ ጳውሎስ: ፈለማ “ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን [ስም የሱስ ክርስቶስ ኪጸውር]” እዩ ተመዚዙ። b (ግብሪ ሃዋርያት 9:15) ድሕሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ: ነቶም ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዚረኽቦም ዝነበረ ኣይሁድ ይሰብከሎም ነበረ። (ነቲ ኣብ ገጽ 14 ዚርከብ ሳጹን ርአ።) እዚ ኸኣ እቲ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ኣብ ምውዳብ እተገብረ ስምምዕ: ኣብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ እተመስረተ ኸም ዝዀነ ይሕብር። ጳውሎስን ባርናባስን ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሮሜ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቶም ቀጸሉ: እቶም ካልኦት ከኣ ኣብ እስራኤልን ኣብቲ ኣይሁድ ዚነብሩሉ ዝነበረ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮሜን የገልግሉ ነበሩ።

ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ካብ ኣንጾክያ: ሶርያ ጀሚሮም ብንእሽቶ እስያ ገይሮም ናብ ምዕራብ ገጾም ክሳዕ ጥሮኣስ ከዱ። ካብኡ ‘ወንጌል [ንመቄዶናውያን] ክሰብኩሎም ኣምላኽ ስለ ዝጸወዖም:’ ናብ መቄዶንያ ኸዱ። ጸኒሑ ኣብ ኣቴናን ቈረንቶስን ከምኡውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣውሮጳ ጉባኤታት ቈማ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:40, 41፣ 16:6-10፣ 17:1-18:18

ኣብ 56 ድ.ክ. ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ: ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ኣኼባ እተመደበሉ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ዚርከብ ዞባ ኸደ። “ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ” ከምኡውን “ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ: ናባኻትኩም ክመጽእ እየ” ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:15፣ 15:24, 28) ብዛዕባ እቲ ኣይሁዳውያን ብብዝሒ ዚርከብዎ ዝነበሩ ምብራቓዊ ግዝኣትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

ኣብ ምብራቕ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣይሁድ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.: ኣብ ግብጺ ብሕልፊ ኸኣ ኣብታ ርእሰ ኸተማ እስክንድርያ ብዙሓት ኣይሁድ ይነብሩ ነበሩ። ኣብዛ ማእከል ንግድን ባህልን ዝነበረት ከተማ በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ ይነብርዋ ነበሩ። ኣብ ብምልእታ እታ ኸተማ ኸኣ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ነበረ። ፊሎ ብዓል እስክንድርያ: ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ግብጺ ብዉሑዱ ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ገለጸ። ካልኦት ብዙሓት ኣይሁድ ከኣ ኣብ ቀሬኔ: ሊብያን ኣብ ከባቢኡን ፋሕ ኢሎም ነበሩ።

ገለ ኻብቶም ክርስትና እተቐበሉ ኣይሁድ ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዚነብሩ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዝነበረት ጉባኤ ዜገልግል ዝነበረ “ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔ:” “ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄሬኔን:” ከምኡውን “ኣጵሎስ ብዓል እስክንድርያ” ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:10፣ 11:19, 20፣ 13:1፣ 18:24) መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይካ እቲ ክርስትያን ወንጌላዊ ፊሊጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ዝመስከረሉ ኣጋጣሚ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብጽን ኣብ ከባቢኣን ዝነበረ ክርስትያናዊ ዕዮ ዚገልጾ የብሉን።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39

ኣብ ባቢሎን: ጴርቴን: ሜዶን: ኤላም እውን ብዙሓት ኣይሁድ ነበሩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ “ኣብ ጐላጕል ጢግሪስን ኤፍራጥስን: ካብ ኣርመንያ ኽሳዕ ወሽመጥ ፋርስ: ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ክሳዕ ባሕሪ ካስፕያ: ከምኡውን ብሸነኽ ምብራቕ ክሳዕ ሜዶን: ብዙሓት ኣይሁዳውያን ይነብሩ ነበሩ” ብምባል ጸሓፈ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ብዝገመቶ መሰረት ከኣ ቍጽሮም 800,000 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነበረ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝበሎ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ: ዓመታዊ በዓል ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።

ገለ ኻብቶም ካብ ባቢሎን ዝመጹ ኣይሁድ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ድ.ክ. ተጠሚቖም ድዮም፧ ብዛዕባ እዚ እንፈልጦ የብልናን: ኰይኑ ግን ካብ መንጎ እቶም ሃዋርያ ጴጥሮስ ኪዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎ: ካብ ኣብ መንጎ ኽልተ ርባ ወይ መሶጶታምያ ዝመጹ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:9) ካብ 62-64 ድ.ክ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ: ምናልባት ነታ ኻልአይቲ እውን: ኣብኡ እዩ ጽሒፉዋ ኪኸውን ዚኽእል። (1 ጴጥሮስ 5:13) ኣብቲ ነቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ ኣመልኪቱ ናብ ሰብ ገላትያ እተጻሕፈ መልእኽቲ ኸም እተገለጸ: ጴጥሮስ: ዮሃንስ: ከምኡውን ያእቆብ እዮም ኣብታ ብዙሓት ኣይሁድ ዝነበርዋ ባቢሎን ኬገልግሉ ተመዲቦም ዝነበሩ።

ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤን እቶም ተበቲኖም ዝነበሩ ኣይሁድን

እቲ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ዝነበረ ያእቆብ: ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ሽማግሌ ዀይኑ የገልግል ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:12, 17፣ 15:13፣ ገላትያ 1:18, 19) ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እቶም ካብ እተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ኣይሁድ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢሎም ኪጥመቑ ኸለዉ ርእዩ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:14፣ 2:1, 41

ብድሕሪኡ እውን ብዙሓት ኣይሁድ ዓመታዊ በዓላት ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነይሮም እዮም። እታ ኸተማ ብሰባት ትመልእ ብምንባራ: እቶም በጻሕቲ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበራ ኣቝሻት ወይ ኣብ ድንኳናት ይሓድሩ ነበሩ። ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ: ምስ ፈተውቶም ይራኸቡ ኸምኡውን ኣምልኾኦም ኪፍጽሙን መስዋእቲ ኬቕርቡን ቶራህ ኬጽንዑን ናብቲ ቤተ መቕደስ ይኣትዉ ኸም ዝነበሩ ትገልጽ።

ያእቆብን ካልኦት ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም ካብ ካልእ ቦታ ዝመጹ ኣይሁድ ምስክርነት ንምሃብ ከም እተጠቕሙሉ ኣየጠራጥርን እዩ። እስጢፋኖስ ምስ ተቐትለ እሞ: “ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጕ” ምስ ኰነ እውን: ሃዋርያት ብጥንቃቐ ይሰብኩ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 8:1) እዚ ቕድሚ ምዃኑን ድሕሪኡን: እቶም ክርስትያናት ብቕንኣት ይሰብኩ ብምንባሮም: ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።—ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 8:4፣ 9:31

ካብዚ እንታይ ንመሃር፧

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ናብቲ ኣይሁድ ዚነብሩሉ ዝነበረ ቦታታት ንምብጻሕ ልባዊ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ጳውሎስን እቶም ካልኦትን ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ እውን መስኪሮምሎም እዮም። ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ “ንዅሎም ኣህዛብ” ደቀ መዛሙርቲ ኺገብርዎም ዝሃቦም ትእዛዝ ሓልዮም እዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20

ንሕናውን የሆዋ ብመንፈሱ ንኺሕግዘና: ዕዮ ስብከትና ብስርዓት ብእተወደበ ኣገባብ ክንፍጽም ከም ዜድልየና ኻብ ኣብነቶም ክንመሃር ንኽእል ኢና። ብፍላይ ነቶም ኣብቲ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዘለውዎ ቦታታት ዚነብሩ ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ምብጻሕ ዘለዎ ረብሓ እውን ካብዚ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ንጉባኤኹም ኣብ እተዋህበ ዞባ ዚርከብ እተወሰነ ኸባቢ ኻብቲ ኻልእ ዝሓሸ ፍረ ዚርከቦ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ንዕኡ ደጋጊምካ ምሽፋኑ ጥቕሚ ኣለዎ። ናይ እግረ-መገዲ ዀነ ናይ መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዚኸፍት ህዝባዊ በዓላት ኣሎ ድዩ፧

ብዛዕባ ቐዳሞት ክርስትያናት ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ካብ ምንባብ ሓሊፍና ታሪኻውን ጂኦግራፍያውን ዝርዝራቱ ምፍላጥ እውን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። በዚ መዳይ እዚ ነታ ካርታታትን ስእልታትን ዝሓዘት “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ብሮሹር ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ኣኼባ እዚ: ኣብቲ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ንግዝረት ብዚምልከት ምይይጥ ዝገበረሉ እዋን ተገይሩ ወይ ከኣ ምስኡ እተተሓሓዘ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:6-29

b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብቲ ጳውሎስ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ዝዀነሉ ዘይኰነስ: ኣብቲ ንኣይሁድ ዝሰበኸሉ ንጥፈታት እያ እተተኵር።—ሮሜ 11:13-14

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሰሌዳ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ተበቲኖም ዝነበሩ ኣይሁድ ዝሃቦ ምስክርነት

ቅድሚ እቲ ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ

ግብሪ ሃዋርያት 9:19, 20 ደማስቆ — “ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም . . . ሰበኸ”

ግብሪ ሃዋርያት 9:29 የሩሳሌም — “ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ . . . ይዛረብ . . . ነበረ”

ግብሪ ሃዋርያት 13:5 ሰላሚስ: ቆጵሮስ — “ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ”

ግብሪ ሃዋርያት 13:14 ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ — “ናብ ቤት ጸሎት [ኣተወ]”

ግብሪ ሃዋርያት 14:1 ኢቆንዩም — “ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ [ኣተወ]”

ድሕሪ እቲ ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ

ግብሪ ሃዋርያት 16:14 ፊሊጲ — “ልድያ እትብሀል: ንኣምላኽ እትፈርህ”

ግብሪ ሃዋርያት 17:1 ተሰሎንቄ — “ቤት ጸሎት ኣይሁድ”

ግብሪ ሃዋርያት 17:10 ቤርያ — “ቤት ጸሎት ኣይሁድ”

ግብሪ ሃዋርያት 17:17 ኣቴና — “ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድ . . . ይዛራረብ ነበረ”

ግብሪ ሃዋርያት 18:4 ቈረንቶስ — “ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ . . . ነበረ”

ግብሪ ሃዋርያት 18:19 ኤፌሶን — “ናብ ቤት ጸሎት አትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ”

ግብሪ ሃዋርያት 19:8 ኤፌሶን — “ኣብ ቤት ጸሎት ኣአትዩ: . . . ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ”

ግብሪ ሃዋርያት 28:17 ሮሜ — “ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ አከቦም”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዑ ኣይሁድ: ካብ እተፈላለየ ኸባቢታት ዝመጹ ነበሩ

ኢሊሪኮን

ኢጣልያ

ሮሜ

መቄዶንያ

ግሪኽ

ኣቴና

ቅሬጥስ

ቀሬኔ

ሊብያ

ቢቲንያ

ገላትያ

እስያ

ፍርግያ

ጰምፊልያ

ቆጵሮስ

ግብጺ

ኢትዮጵያ

ጶንጦስ

ቀጶዶቅያ

ቂልቅያ

መሶጶታምያ

ሶርያ

ሰማርያ

የሩሳሌም

ይሁዳ

ሜዶን

ባቢሎን

ኤላም

ዓረብ

ጴርቴ

[ማያት]

ባሕሪ መዲተራነያን

ጸሊም ባሕሪ

ቀይሕ ባሕሪ

ወሽመጥ ፋርስ