ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕቡይ ልቢ ኸይተማዕብል ተጠንቀቕ

ዕቡይ ልቢ ኸይተማዕብል ተጠንቀቕ

ዕቡይ ልቢ ኸይተማዕብል ተጠንቀቕ

“ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም።”—ያእቆብ 4:6

1. ሓበን ኪስምዓና ጌጋ ዘይኰነሉ እዋን ኣሎዶ፧

 ሓበን ከም ዚስምዓካ ዚገብር ኵነታትዶ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ፧ መብዛሕትና ኣጋጢሙና ይፈልጥ እዩ። ብእተወሰነ መጠን ሓበን ወይ ኵርዓት ኪስምዓና ጌጋ የብሉን። ንኣብነት: ክርስትያን ሰብ ሓዳር ጓሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ብጽቡቕ ጠባያን ንፍዕቲ ብምዃናን እንተ ተመስጊና: ሓበን ይስምዖም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን እውን ኣብታ ንኽትቀውም ዝሓገዝዋ ሓዳስ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት: ኣብ እዋን ስደት ብተኣማንነት ብምጽናዖም: ሓበን ተሰሚዕዎም እዩ።—1 ተሰሎንቄ 1:1, 6፣ 2:19, 20፣ 2 ተሰሎንቄ 1:1, 4

2. ስለምንታይ እዩ መብዛሕትኡ እዋን ኵርዓት ግቡእ ዘይከውን፧

2 እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነት: ብግብርና ወይ ብእንውንኖ ነገር ሓበን ወይ ኵርዓት ኪስምዓና ኸም ዚኽእል እዩ ዜርኢ። መብዛሕትኡ እዋን ግን: ኵርዓት ግቡእ ንዘይኰነ ርእሰ-ተኣማንነት እያ እተመልክት። ብተወሳኺ: ሓደ ሰብ ብዘለዎ ኽእለት: መልክዕ: ሃብቲ: ወይ ደረጃ: ካብ ካልኦት ብልጫ ዘለዎ ዀይኑ ኺስምዖ ኸሎ እውን: ኵርዓት እዩ ዜንጸባርቕ። መብዛሕትኡ እዋን ዕቡያት ሰባት እዮም ኵርዓት ዚስምዖም። ስለዚ: ከም ክርስትያናት መጠን ካብ ከምዚ ዓይነት ኵርዓት ወይ ዘይግቡእ ሓበን ክንርሕቕ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጥና ኻብ ኣቦና ኣዳም ዝወረስናዮ ናይ ስስዐ ባህሪ ኣሎና። (ዘፍጥረት 8:21) ካብዚ እተላዕለ ድማ ልብና ግቡእ ብዘይኰነ ነገራት ከም እንዀርዕ ይገብረና። ንኣብነት: ክርስትያናት ዘርኦም: ሃብቶም: ደረጃ ትምህርቶም: ክእለቶም: ወይ ኣብ ስራሕ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ምስ ናይ ካልኦት እናነጻጸሩ ኪዀርዑ የብሎምን። ከመይሲ: በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምዅራዕ ዘይግቡእን ንየሆዋ ድማ ዘየሐጕስን እዩ።—ኤርምያስ 9:23፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ 1 ቈረንቶስ 4:7፣ ገላትያ 5:26፣ 6:3, 4

3. ትዕቢት እንታይ እዩ፧ የሱስከ ብዛዕባኡ እንታይ በለ፧

3 ግቡእ ካብ ዘይኰነ ዅርዓት እንርሕቀሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ከምዚ ዓይነት ኵርዓት ኣብ ልብና ማዕቢሉ ዕቡያት ኪገብረና ይኽእል እዩ። ትዕቢት እንታይ እዩ፧ ዕቡይ ሰብ ካብ ካልኦት ዚበልጽ ኰይኑ ይስምዖ: ከምኡውን ነቶም ትሑታት ገይሩ ዚርእዮም ሰባት የስተናዕቖም። (ሉቃስ 18:9፣ ዮሃንስ 7:47-49) የሱስ “ኵርዓት” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ትዕቢት” ምስቲ “ኻብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ” ዚወጽእ “ንሰብ ዜርክሶ” ኽፉእ ነገራት መዲብዎ ኣሎ። (ማርቆስ 7:20-23) ስለዚ: ክርስትያናት ዕቡይ ልቢ ንኸየማዕብሉ ምጥንቃቕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺግንዘቡ ኣለዎም።

4. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንትዕቢት ብዚምልከት እተጠቕሰ ኣብነታት ምምርማር ብኸመይ ይሕግዘና፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ዕቡያት ሰባት ዚገልጽ ጸብጻብ ምምርማር: ትዕቢት ንኸተወግድ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ምናልባት ኣብ ውሽጥኻ ዘይግቡእ ኵርዓት እንተ ሃልዩ: ወይ ድሕሪ ግዜ ኺምዕብል ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ እንተልዩ ንኽትፈልጥ ይገብረካ። ዕቡይ ልቢ ኸም እተማዕብል ዚገብር ሓሳባት ወይ ስምዒታት ንኸተወግድ ይሕግዘካ። እቲ ኣምላኽ “ኣነ ነቶም ኵሩዓት ካብ ማእከልኩም ከውፅኦም እየ፥ ንስኻትኩም ድማ ድኅሪ ደጊም ኣብቲ ቕዱስ ከረነይ ካባይ ኣይክትዓልዉን ኢኹም” ዝበሎ ድማ ብኣሉታዊ መገዲ ኣይኪትንክፈካን እዩ።—ጸፎንያስ 3:11 ትርጕም 1990

ኣምላኽ ንዕቡያት ይቐጽዖም

5, 6. ፈርኦን ዕቡይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እንታይከ ኣስዓበሉ፧

5 እቲ የሆዋ ንኸም ፈርኦን ዝኣመሰሉ ሓያላት ገዛእቲ ዝሓዘሉ ኣገባብ: ንትዕቢት ዘለዎ ኣረኣእያ የንጸባርቕ። ፈርኦን ዕቡይ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንርእሱ ኺምለኽ ዚግብኦ ኣምላኽ ገይሩ ይርእያ ስለ ዝነበረ: ነቶም ባሮቱ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣዝዩ ይንዕቆም ነበረ። እስራኤላውያን ንየሆዋ ኣብ በረኻ “በዓል ኪገብሩ” ንኪኸዱ ኺፈቕደሎም ሕቶ ምስ ቀረበሉ: “እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ: እግዚኣብሄር መን እዩ፧” ኢሉ ብትዕቢት መለሰ።—ዘጸኣት 5:1, 2

6 የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ግብጺ ገዛኢ ዝነበረ ፈርኦን ሽዱሽተ መዓት ድሕሪ ምውራድ: ብሙሴ ኣቢሉ: “ከይትሐድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ዘጸኣት 9:17) ካብኡ ሙሴ ነታ ምድሪ ዜባድም ሻውዓይ መዓት: እዚ ድማ ብርቱዕ በረድ: ከም ዚወርድ ገለጸ። ፈርኦን ድሕሪ እቲ ዓስራይ መዓት ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ሓደጐም። እንተዀነ ግን: ሓሳቡ ቐይሩ ንኺመልሶም ደድሕሪኦም ሰዓበ። ኣብ መወዳእታ: ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ማእከል ቀይሕ ባሕሪ ኣትዮም መውጽኢ ሰኣኑ። እቲ ማይ ኣብ ልዕሊኦም ኪምለስ ከሎ እንታይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕሰብ። ትዕቢት ፈርኦን እንታይ ኣስዓበ፧ እቶም ብሉጻት ሰራዊቱ “እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ አሎ እሞ: ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም” በሉ።—ዘጸኣት 14:25

7. ነገስታት ባቢሎን ብኸመይ እዮም እተዓበዩ፧

7 የሆዋ ንኻልኦት ዕቡያት ገዛእቲ እውን ኣዋሪድዎም እዩ። ሓደ ኻብዚኣቶም እቲ ንጉስ ኣሶር ዝነበረ ሰናክሬብ እዩ። (ኢሳይያስ 36:1-4, 20፣ 37:36-38) ኣብ መወዳእታ ኣሶር ብባቢሎን ተሳዕረት። ክልተ ነገስታት ባቢሎን እውን ተዋሪዶም እዮም። ነቲ ንጉስ ቤልሻጽርን መኳንንቱን ካብ መቕደስ የሆዋ ብእተወስደ ኣቓሑ ገይሮም ወይኒ እናሰተዩ: ነማልኽቲ ባቢሎን ዘወደሱሉ ድግስ እሞ ዘክሮ። ሃንደበት ኢድ ሰብ ወጺኣ ኣብ መንደቕ ጸሓፈት። ነብዪ ዳንኤል ንትርጕም እታ ጽሕፈት ንቤልሻጽር ኪነግሮ ኸሎ “እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ነቡካድነጻር መንግስ[ቲ] . . . ሀቦ። ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ: . . . ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደ: ክብረቱውን ተወስዶ። ኣታ ቤልሻጽር ወዱ: ምንም እኳ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስኻስ: ልብኻ ኣየትሐትካን” በለ። (ዳንኤል 5:3, 18, 20, 22) በታ ለይቲ እቲኣ ሰራዊት ሜዶንን ፋርስን ንባቢሎን ሰዓርዋ: ቤልሻጽር ድማ ተቐትለ።—ዳንኤል 5:30, 31

8. የሆዋ ኣብ ዕቡያት ሰባት እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧

8 ብዛዕባ እቲ ጐልያድ ዚበሃል ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ: ናይ ፋርስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሃማን: ከምኡውን ንይሁዳ ዚገዝእ ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ዝኣመሰሉ ንህዝቢ የሆዋ ዝነዓቑ ዕቡያት ሰባት እውን ሕሰብ። ኣምላኽ ነዞም ሰለስተ ዕቡያት ሰባት እዚኣቶም ተዋሪዶም ከም ዚሞቱ ገይርዎም እዩ። (1 ሳሙኤል 17:42-51፣ ኣስቴር 3:5, 6፣ 7:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 12:1-3, 21-23) እቲ የሆዋ ኣብዞም ዕቡያት ሰባት ዝወሰዶ ስጕምቲ: ነቲ “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ዚብል ሓቂ ዜረጋግጽ እዩ። (ምሳሌ 16:18) ብርግጽ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም” እዩ።—ያእቆብ 4:6

9. ነገስታት ጢሮስ ጠለምቲ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

9 ካብቶም ዕቡያት ዝነበሩ ገዛእቲ ግብጺ: ኣሶር: ከምኡውን ባቢሎን ብእተፈልየ መገዲ ንጉስ ጢሮስ ንህዝቢ ኣምላኽ ይድግፍ ነበረ። ንጉስ ዳዊትን ሰሎሞንን ኣብ ዝገዝእሉ ዝነበረ እዋን ቤተ መንግስትን ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ኪስራሕ ከሎ: ክኢላታት ጸረብትን እተፈላለየ ንዋትን ሰደደ። (2 ሳሙኤል 5:11፣ 2 ዜና መዋእል 2:11-16) እቲ ዜሕዝን ግን ድሕሪ ግዜ ጢሮሳውያን ኣንጻር ህዝቢ የሆዋ ኪኸዱ ጀመሩ። ስለምንታይ ግን እዮም ከምኡ ዝገበሩ፧—መዝሙር 83:3-7፣ ዮኤል 3:4-6፣ ኣሞጽ 1:9, 10

“ልብኻ ተዓበየ”

10, 11. (ሀ) ምስ ነገስታት ጢሮስ ዚመሳሳል መን እዩ፧ (ለ) ጢሮሳውያን ንእስራኤል ዝነበሮም ኣረኣእያ ስለምንታይ እዩ ተቐይሩ፧

10 የሆዋ ብነብዪ ህዝቅኤል ኣቢሉ ንስርወ-ንግስነት ጢሮስ ኰነኖ። እቲ “ንንጉስ ጢሮስ“ እተነግረ መልእኽቲ: ንስርወ-ንግስነት ጢሮስ ኰነ ነቲ ‘ኣብ ሓቂ ዘይጸንዐ’ ናይ መጀመርያ ጠላሚ ሰይጣን እውን ዜመልክት እዩ። (ህዝቅኤል 28:12፣ ዮሃንስ 8:44) ኣብ ሓደ እዋን ሰይጣን ኣብ ሰማያዊ ማሕበር ደቂ የሆዋ እሙን መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ይነብር ነበረ። የሆዋ ኣምላኽ ብህዝቅኤል ገይሩ ስርወ-ንግስነት ጢሮስን ሰይጣንን ዝዓለዉሉ ምኽንያት ከምዚ ብምባል ገለጸ:-

11 “ንስኻ ኣብ ኤድን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ . . . ተኸዲንካ ነበርካ። . . . ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ: . . . ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኽበካ ጊዜ ብመገድኻ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ: ኣታ እተጽልል ኪሩብ . . . ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ: ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣበላሾኻ።” (ህዝቅኤል 28:13-17) እወ: ነገስታት ጢሮስ ብሰንኪ ትዕቢት ንህዝቢ የሆዋ ተጻረሩ። ጢሮስ ማእከል ንግዲ ስለ ዝነበረት ሃብቲማን በቲ ጽቡቕ ፍርያታ ኸኣ ፍልጥቲ ዀይናን ነበረት። (ኢሳይያስ 23:8, 9) ነገስታት ጢሮስ በዚ ስለ እተዓበዩ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪጭቍኑ ጀመሩ።

12. ንሰይጣን ናብ ክሕደት ዝመርሖ እንታይ እዩ፧ እንታይ ምግባርከ እዩ ቐጺሉ፧

12 ብተመሳሳሊውን እቲ መንፈሳዊ ፍጡር ዝነበረ ሰይጣን: ኣብ ሓደ እዋን ኣምላኽ ዝሃቦ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ንምፍጻም ዜኽእል ጥበብ ነበሮ። ነዚ ኣብ ክንዲ ዜማስወሉ ግን: ብትዕቢት “ተነፊሑ” ነገዛዝኣ ኣምላኽ ኬስተናዕቕ ጀመረ። (1 ጢሞቴዎስ 3:6) ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ ስለ ዝረኣያ ኸኣ ኣዳምን ሄዋንን ኬምልኽዎ ተመነየ። እዛ ሕማቕ ትምኒት እዚኣ ድማ ጠኒሳ ሓጢኣት ወለደት። (ያእቆብ 1:14, 15) ካብኡ ሰይጣን ንሄዋን ኣታሊሉ ኻብታ ኣምላኽ ዝኸልከሎም ፍረ ኸም እትበልዕ ገበራ። ንኣዳም እውን ብሄዋን ተጠቒሙ ኻብታ ፍረ ኸም ዚበልዕ ገበሮ። (ዘፍጥረት 3:1-6) በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: ነቲ ኣምላኽ ንኺገዝኦም ዘለዎ መሰል ነጺጎም ኣምለኽቲ ሰይጣን ኰኑ። ትዕቢት ሰይጣን ደረት የብሉን። ከመይሲ: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንዚርከቡ መስተውዓልቲ ፍጡራት: እንተላይ ንየሱስ ክርስቶስ: ንልዑላውነት የሆዋ ነጺጎም ንዕኡ ኼምልኹ ኺሓባብሎም ፈተነ።—ማቴዎስ 4:8-10፣ ራእይ 12:3, 4, 9

13. ፍረ ትዕቢት እንታይ እዩ፧

13 ስለዚ እምበኣር ትዕቢት ካብ ሰይጣን እዩ ዚምንጭ። ብሰሪ ትዕቢቱ እዩ ኸኣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሓጢኣት: ስቓይ: ከምኡውን ብልሽውና ዝመጸ። ሰይጣን ከም “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” መጠን ዘይግቡእ ኵርዓትን ትዕቢትን ኬስፋሕፍሕ እዩ ዚጽዕር። (2 ቈረንቶስ 4:4) ሓጺር እዋን ጥራይ ከም ዝተረፎ ስለ ዚፈልጥ: ምስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ውግእ ከፊቱ ኣሎ። ዕላማኡ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ፈተውቲ ርእሶምን ተጀሃርትን ዕቡያት ኪዀኑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዚበዝሕ ተነብዩ ነይሩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2፣ ራእይ 12:12, 17

14. የሆዋ ምስቶም መስተውዓልቲ ፍጥረታቱ ዘለዎ ርክብ ኣበየናይ ሕጊ እተመስረተ እዩ፧

14 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትዕቢት ሰይጣን ዜስዓቦ ሕማቕ ሳዕቤን ብድፍረት ኣቃሊዕዎ እዩ። እቶም ተመጻደቕቲ ጸላእቱ ኣብ እተረኽቡሉ ሰለስተ ኣጋጣሚታት: ነቲ የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብ እተመስረተሉ ሕጊ: “ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ: ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ” ብምባል ገለጾ።—ሉቃስ 14:11፣ 18:14፣ ማቴዎስ 23:12

ልብኻ ኸይዕበ ተጠንቀቕ

15, 16. ኣጋር ስለምንታይ እያ እተዓበየት፧

15 እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ዕቡያት ዘበሉ ጕሉሕ ቦታ ዝነበሮም ከም ዝዀኑ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። እዚ ግን ተራ ሰባት ኣይዕበዩን እዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ንኣብነት: ኣብ ስድራቤት ኣብርሃም ዘጋጠመ ዅነታት እስከ ተመልከት። ንኣብርሃም ዚወርሶ ውሉድ ኣይነበሮን። ሳራ ኸኣ ካብቲ ውሉድ ምውላድ እትኽእለሉ ዕድመ ሓሊፋ ነበረት። ኣብቲ ኣብርሃም ዝነበረሉ እዋን ቈልዑ ንምፍራይ ብዚብል ካልአይቲ ሰበይቲ ምእታው ልሙድ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ስርዓት መርዓ እንደገና ዜቝመሉ ግዜ ስለ ዘይኣኸለ: ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኣብዚ መዳይ እዚ ዕሽሽ ይብሎም ነበረ።—ማቴዎስ 19:3-9

16 ኣብርሃም ዘረባ ሰበይቱ ብምስማዕ: ካብታ ኣጋር እትበሃል ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ ወራሲ ኼፍሪ ተሰማምዐ። እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኣብርሃም ዝዀነት ኣጋር ድማ ጠነሰት። ነዚ ዝረኸበቶ ኽብረት ኣብ ክንዲ እተማስወሉ: ተዓበየት። መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት: ንእመቤታ ኣቃለለታ” ይብል። እዚ ድማ ኣብታ ስድራቤት ባእሲ ስለ ዘለዓዓለ: ሳራ ንኣጋር ኣባረረታ። ኰይኑ ግን: ነቲ ጸገም ፍታሕ ነበሮ። መልኣኽ ኣምላኽ ንኣጋር “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ: ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸኣ ትሕት በሊ” ኢሉ መዓዳ። (ዘፍጥረት 16:4, 9) ንሳ ድማ ነዚ ማዕዳ እዚ ስዒባ ንሳራ ዝነበራ ኣረኣእያ ስለ ዘዐረየት: ኣደ ብዙሓት ህዝብታት ኰነት።

17, 18. ስለምንታይ ኢና ዅላትና ኸይንዕበ ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

17 እዚ ናይ ኣጋር ኣብነት: ሓደ ሰብ ካብቲ ዝነበሮ ዝሓሸ ነገር እንተ ረኺቡ ኺዕበ ኸም ዚኽእል እዩ ዜርኢ። ንኣምላኽ ብጽሩይ ልቢ ዜገልግል ዝነበረ ክርስትያን እውን ከይተረፈ ሃብቲ ወይ ስልጣን ምስ ረኸበ: ኪዕበ ኸም ዚኽእል: ካብዚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል። ካልኦት ሰባት በቲ ዝረኸቦ ኣሳልጦ: ጥበቡ: ወይ ክእለቱ ምስ ዜወድስዎ እውን ከምኡ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ክርስትያን ትዕቢት ኣብ ልቡ ኸይምዕብል ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ብሕልፊ ኸኣ ኣሳልጦ ወይ ተወሳኺ ሓላፍነት እንተ ረኺቡ: ዝያዳ ኺጥንቀቕ ይግብኦ።

18 እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ንትዕቢት ከነወግዶ ዚድርኸና ምኽንያት: እቲ ኣምላኽ ነዚ ባህሪ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። ቃሉ “ኵሩዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ: ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ” ይብል። (ምሳሌ 21:4) እቲ ዜገርም ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ነቶም “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት” ክርስትያናት “ከይዕበዩ” የጠንቅቖም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17፣ ዘዳግም 8:11-17) እቶም ሃብታማት ዘይኰኑ ክርስትያናት ከኣ ‘ኪቐንኡ’ የብሎምን። ድኻ ይኹን ሃብታም ብዘየገድስ: ኵሉ ሰብ ኣብ ውሽጡ ትዕቢት ኬማዕብል ከም ዚኽእል ኪዝክሩ ኣለዎም።—ማርቆስ 7:21-23፣ ያእቆብ 4:5

19. ዑዝያ ነቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ዘበላሸዎ ብኸመይ እዩ፧

19 ትዕቢትን ካልእ ሕማቕ ባህርያትን: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ንጉስ ዑዝያ ኣብ ፈለማ ናይ ንግስነቱ ዘመን: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። . . . ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ኸሎ ድማ: ኣምላኽ የቃንዓሉ ነበረ።” (2 ዜና መዋእል 26:4,  5) እቲ ዜሕዝን ግን: ንጉስ ዑዝያ “ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ:” በዚ ኸኣ ነቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ኣበላሸዎ። ኣመና ኻብ ምዕባዩ እተላዕለ ድማ: ናብቲ መቕደስ ዕጣን ኪዓጥን ኣተወ። እቶም ካህናት ነዚ ናይ ትዕቢት ተግባር እዚ ኸይፍጽም ምስ ተቓወምዎ: “ዑዝያ ዀረየ።” የሆዋ ድማ ብለምጺ ቐጽዖ: ክሳዕ ዚመውት ከኣ ሞገስ ኣምላኽ ኣይረኸበን።—2 ዜና መዋእል 26:16-21

20. (ሀ) እቲ ንጉስ ህዝቅያስ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ኪበላሾ ቐሪቡ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 ነዚ ምስ ኣብነት ንጉስ ህዝቅያስ ኣነጻጽሮ። ህዝቅያስ ኣብ ሓደ እዋን ‘ልቡ ስለ ተዓበየ’ እቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ናብ ምብልሻው ገጹ ይኸይድ ነበረ። እቲ ዜሐጕስ ግን ‘ልቡ ብምዕባዩ ርእሱ ኣትሐተ’ በዚ ድማ ሞገስ ኣምላኽ ረኸበ። (2 ዜና መዋእል 32:25, 26) ህዝቅያስ ንትዕቢቱ ብትሕትና ኸም ዘሰነፎ ኣስተብህል። እወ: ትሕትና ኣንጻር ትዕቢት እያ። ስለዚ: ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክርስትያናዊት ትሕትና ብኸመይ ከም እነማዕብልን ብኸመይ ወትሩ ብትሕትና ኽንመላለስ ከም እንኽእልን ክንምርምር ኢና።

21. ትሑታት ክርስትያናት ነየናይ ግዜ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ፧

21 ነቲ ብሰሪ ትዕቢት ዝመጸ ሕማቕ ሳዕቤናት ኣይንረስዓዮ። ‘ኣምላኽ ንዕቡያት ስለ ዚጻረሮም:’ ግቡእ ዘይኰነ ዅርዓት ወይ ሓበን ኣይነንጸባርቕ። ትሑታት ክርስትያናት ምዃንና ምስ እንቕጽል: ካብታ ዕቡያትን ፍሪኦምን ዚጠፍኡላ ዓባይ መዓልቲ ኣምላኽ ክንድሕን ንኽእል ኢና። ሽዑ “ትዕቢት ሰብ ኪዋረድ: ኵርዓት ሰባት ድማ ኪሐስር እዩ: በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።”—ኢሳይያስ 2:17

ንምስትንታን ዚኸውን ነጥብታት

• ንዕቡይ ሰብ ብኸመይ ትገልጾ፧

• ትዕቢት ካበይ እዩ ምንጩ፧

• ንሓደ ሰብ ከም ዚዕበ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧

• ንኸይንዕበ ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ፈርኦን ብሰንኪ ትዕቢቱ ተዋረደ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣጋር ክብረት ብምርካባ ተዓበየት

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቅያስ ርእሱ ብምትሓቱ ሞገስ ኣምላኽ ረኸበ