ዕዉት ዚገብረካ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እዩ፧
ዕዉት ዚገብረካ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እዩ፧
ጸገማት ልክዕ ከም ሓያል ውሕጅ ኰይኑ ኣጋፊዑካዶ ይፈልጥ፧ ምስዚ ጸገማት እዚ እናተቓለስካ ኸለኻ ብገለ እንተደኣ ስሒትካ: ኪስዕብ ዚኽእል ስቓይ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ንሽግራት ናይ ምፍታሕን ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ውሳነ ናይ ምግባርን ክእለት ሒዙ እተወልደ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ስለዚ ድማ እዩ ትምህርቲ ዜድሊ። ኣብ ህይወትካ ንዜጋጥመካ ጸገማት ንምግጣም ኬዳልወካ ዚኽእል ትምህርቲ ኻበይ ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል፧
ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዓብዪ ግምት እዮም ዚህብዎ። ገሊኦም ክኢላታት “ናይ ኮለጅ ዲግሪ እንተደኣ ዘይብልካ ዀይኑ: [ጽቡቕ] ስራሕ ከቶ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብሉ። ይኹን እምበር: ሰባት ስጋዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ዜድልዮም። ንኣብነት: ዝለዓለ ትምህርቲ ምርካብ: ፈቃር ኣቦ: ብዓል ሓዳር: ወይ ፈታዊ ንኽትከውን ይሕግዘካ ድዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ እሞ እቶም ብትምህርቲ በላሕቲ ተባሂሎም ዚንኣዱ ሰባት እውን እንተዀነ: ዘይድለ ባህርያት የማዕብሉ: ብናብራ ስድራቤቶም ዝመጸ ኸይተዓወቱ ይተርፉ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ርእሰ-ቕትለት ይፍጽሙ።
ሓድሓደ ሰባት ንሃይማኖት ከም ሓደ ምንጪ ትምህርቲ ብምውሳድ ካብኡ መምርሒ ኺረኽቡ ይጽዕሩ። ኰይኑ ግን: ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ዜኽእሎም ግብራዊ ሓገዝ ስለ ዘይረኽቡሉ: ኣዝዮም እዮም ዚሓዝኑ። ንኣብነት: ሓንቲ ኤሚልያ a እትበሃል ኣብ ሜክሲኮ እትነብር ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ቅድሚ 15 ዓመት ኣነን ሰብኣየይን ብሓደ ኽንነብር ከም ዘይንኽእል ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ኵሉ ሳዕ ንቋየቝ ነበርና። ሰብኣየይ መስተ ኸም ዜቋርጽ ክገብሮ ኣይከኣልኩን። ብዙሕ ሳዕ ነቶም ንኣሽቱ ውሉዳትና ኣብ ገዛ ገዲፈ: ንዕኡ ኽደሊ እኸይድ ነበርኩ። ስምዒተይ ኣዝዩ ተጐድአ። መፍትሒ እንተ ረኸብኩ ኢለ: እተወሰነ ግዜ ናብ ቤተ-ክርስትያን ከይደ እየ። ዋላኳ ሓሓሊፉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነበብ እምበር: ምስቲ ጸገመይ ዚተሓሓዝ ዋላ ሓንቲ ምኽሪ ግን ኣይረኸብኩን፣ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ክነግረኒ ዝመጸ ሰብ እውን ኣይነበረን። ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ኮፍ ኢልካ ጸሎት ምድጋም ዋላ ሓንቲ ኼዕግበኒ ኣይከኣለን።” ሓድሓደ ሰባት: ናብራ መራሕቲ ሃይማኖቶም ኣብነታዊ ኸም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ: ዚገብርዎ እዩ ዚጠፍኦም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓያሎ ሰባት ኣብቲ ዕዉት ንምዃን ከም ምንጪ ስልጠና ወይ ትምህርቲ ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ሃይማኖት ዝነበሮም ምትእምማን የጥፍኡ።
ስለዚ: ንርእስኻ ‘ህይወተይ ዕውትቲ እትኸውን እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እንተ ተመሃርኩ እዩ፧’ ኢልካ ኽትሓታ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ መልሲ ይህብ ድዩ፧ እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ስማት ተቐዪሩ እዩ።