ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሓንቲ ኻብተን ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክወን ብሉጻት መዓልትታት”

“ሓንቲ ኻብተን ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክወን ብሉጻት መዓልትታት”

“ሓንቲ ኻብተን ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክወን ብሉጻት መዓልትታት”

ሓደ ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ብመንግስቲ ዚምወል ቢዮንድብሉ ዚበሃል ትካል: “ናይ መንፈስ ጭንቀት ሓደ ኻብቲ ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ነገር እዩ፣ ብሕልፊ ምስ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ብዚተሓሓዝ ድማ ኣመና ዜተሓሳስብ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን” ብምባል ገለጸ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት: ከባቢ 100,000 ዝዀኑ መንእሰያት ደቂ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ናይ መንፈስ ጭንቀት ከም ዚሳቐዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ክርስትያን መንእሰያት እውን ካብ ናይ መንፈስ ጭንቀት ናጻ እዮም ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብ የሆዋ ዘላቶም እምነት: ንዜጋጥሞም ኣሉታዊ ስምዒታት ንኺዋጽኡሉን ንንእስነቶም ድማ ዕዉት ንኺገብርዎን ተኽእሎም። ከምዚ ብምግባሮም ኣብ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ጦብላሕታ እዮም ዜሕድሩ። ብኸመይ፧

ሓንቲ ክሌር እትበሃል ጓል 18 ዓመት ዘጋጠማ ተመክሮ እሞ ንርአ። ንሳን ኣዲኣን ኣብቲ ኣብ ሜልቦርን ዚርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን ዚካፈላ። ኣቦኣ ነታ ስድራቤት ጠንጢንዋ ምስ ከደ: ክሌር ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣሕደረት። ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ዝዀነ የሆዋ ዝነበራ እምነት ግን ድልዱል ነበረ። ሓደ መዓልቲ: እታ ሊድያ ዝስማ ናይቲ ስድራቤት ሓኪም ኵነታት እታ ሓሚማ ዝነበረት ኣደ ክሌር ንኽትፈልጥ መጸት። ብድሕርዚ: ናብቲ ማእከል ዕዳጋ ንኪኸዳ ሓተተታ። እናኸዳ ኸለዋ ድማ ሊድያ ንክሌር ዓርኪ እንተልይዋ ሓተተታ። ክሌር ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃና መጠን: ንኽትሕጐስ ጥራይ ኢላ ዓርኪ ኸም ዘይትሕዝ ነገረታ። እታ ሓኪም ኣዝያ ተገረመት። ክሌር: መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ንኽትገብር ከም ዝሓገዛ እውን ገለጸትላ። ኣብ መወዳእታ: ሓንቲ ዝጠቐመታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሳ እተዳለወት ጽሕፍቲ ንኸተምጽኣላ ተሰማምዓ። እታ መጽሓፍ: መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን እትበሃል እያ ነይራ።

ሊድያ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ኣደ ክሌር ደዊላ: ነታ መጽሓፍ ኣዝያ ኸም ዝፈተወታ ገለጸትላ። ብድሕርዚ: ነቶም መሳርሕታ ዚኸውን ሽዱሽተ ተወሳኺ ቕዳሓት ክትረክብ ትኽእል እንተ ዀይና ሓተተት። ክሌር ነቲ መጻሕፍቲ ኸተብጽሕ ምስ ከደት: እታ ሓኪም በቲ ክሌር ዘለዋ እምነት ኣዝያ ኸም እተተንከፈት ነገረታ። ክሌር ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብራ ኸም ዚኽእላ ሓበረታ: እታ ሓኪም ከኣ በዚ ተሰማምዐት።

ክሌር ንሓያሎ ኣዋርሕ ዚኸውን ነቲ መጽናዕቲ ኣብቲ እታ ሓኪም ናይ ምሳሕ ዕረፍታ እትገብረሉ ሰዓት ትመርሖ ነበረት። ብድሕርዚ ሊድያ: ኣብቲ ንጭንቀት መንእሰያት ኣመልኪቱ ዚግበር ሰሚናር መደረ ኸተስምዕ ትኽእል እንተ ዀይና ንክሌር ሓተተታ። መጀመርታ እኳ እንተ ፈርሀት: ደሓር ግን ተሰማምዐት። ልዕሊ 60 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ሰሚናር ተረኺቦም ነበሩ። ኣርባዕተ ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና: በብተራ መደረ ኣቕረቡ። ተራ ክሌር ድማ በጽሐ። መንእሰያት ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪህልዎም ኣድላዪ ምዃኑ ኣረድአት። የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ መንእሰያት ከም ዚግደስን ነቶም ሓገዝን ምጽንናዕን ደልዮም ናብኡ ዚቐርቡ ኸም ዚሕግዞምን እውን ገለጸት። ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ዓይነት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማም ከም ዜልግሶ ዘለዋ እምነት ገለጸት። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) ካብዚ ጽቡቕ ምስክርነት እዚ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧

ክሌር ከምዚ በለት:- “ድሕሪ እቲ ሰሚናር ናባይ ብምምጻእ: ሓንቲ መንእሰይ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትዛረብ ምስማዖም ከም ዝተንከፎም ነገሩኒ። ዕስራን ሰለስተን ቅዳሓት እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ ኣበርከትኩ። ካብቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት: ሰለስተ ኣዋልድ ቍጽሪ ተሌፎነን ሃባኒ። ካብ መንጎአን እታ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ኣላ። ሓንቲ ኻብተን ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክወን ብሉጻት መዓልትታት እያ ነይራ።”