ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧

ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧

ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧

‘ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና ተመላለስ።’ሚክያስ 6:8

1, 2. እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ስምዒት ምስ ሓደ ንውላዱ ዜታቲ ወላዲ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

 ሓደ እግሪ ተኽሊ ሕጻን ነተን እተዘርግሓ ኣእዳው ወለዱ ሒዙ ታተ ምባል ይጅምር። እዚ ምናልባት ንእሽቶ ነገር ይመስለካ ይኸውን: ነዲኡን ነቦኡን ግን ባህ ዜብል ተስፋ ዚህብ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። እቶም ወለዲ ኣብ መጻኢ ምስ ውላዶም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም: ኪኸዱ ሃረር እዮም ዚብሉ። ብብዙሕ መገዲ ነቲ ቘልዓ ኺመርሕዎን ኪድግፍዎን እዮም ዚደልዩ።

2 የሆዋ ኣምላኽ እውን ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ደቁ ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘለዎ። ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ እቶም ህዝቡ ዝዀኑ እስራኤል ወይ ኤፍሬም: “ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ . . . ኣነ ብገመድ ሰብ: ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም” በለ። (ሆሴእ 11:3, 4) ኣብዚ የሆዋ ንርእሱ ምስ ሓደ ንውላዱ ዜታቲ እሞ እቲ ውላዱ ኺወድቕ ኪብል ከሎ ብኢዱ ዚሓቍፍ ፈቃር ወላዲ እዩ ኣመሳሲልዋ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ወላዲ ዝዀነ የሆዋ ታተ ኼብለና ሃንቀው እዩ ዚብል። ዕቤት ንኽንገብር ብምሕጋዝ ከኣ ይሕጐስ። እታ ቐንዲ ጥቕሲ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እትሕብሮ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ንኽእል ኢና። (ሚክያስ 6:8) ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት እዩ፧ ስለምንታይከ ኢና ምስኡ ኽንመላለስ ዘሎና፧ ብኸመይ ኢና ምስኡ ኽንመላለስ እንኽእል፧ እንታይ በረኸትከ ኢና እንረክብ፧ ነዘን ኣርባዕተ ሕቶታት እዚኣተን በብሓደ እስከ ንመርምረን።

ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3, 4. (ሀ) እቲ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ዚብል መግለጺ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3 ሓቂ እዩ ስጋን ደምን ዝለበሰ ሰብ ምስቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ ቓል ብቓሉ ብኣካል ኪመላለስ ኣይክእልን እዩ። (ዘጸኣት 33:20፣ ዮሃንስ 4:24) ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ምስ ኣምላኽ ከም ዚመላለሱ ኺገልጽ ከሎ: ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ ዚጥቀም ዘሎ። ብሃገራውን ባህላውን ዘይቅየድ: ግዜ ፈጺሙ ዘይሓልፎ ዜደንቕ ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ። ከመይሲ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘመን ዚነብር ሰብ: ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ብሓደ ኺመላለስ ከም ዚኽእል ይርድኦ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ምውቕ ምቅርራብ ከም ዘሎ ዚሕብርዶ ኸይኰነ፧ እዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እንታይ ማለት ምዃኑ ብእተወሰነ መጠን ይገልጸልና። እንተዀነ ግን: ዝያዳ እስከ ንመርምር።

4 ነቶም እሙናት ዝዀኑ ሄኖክን ኖህን ዘክር። ምስ ኣምላኽ ከም እተመላለሱ እተገልጸ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍጥረት 5:24፣ 6:9) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ምምልላስ” እትብል ቃል ሓደ መገዲ ምስዓብ ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ሄኖክን ኖህን ከኣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ እዮም ህይወቶም ዚመርሑ ነይሮም። ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት ዘይኰነስ: ካብ የሆዋ መምርሒታት ተቐቢሎምን ብእኡ ተመሪሖምን እዮም። ኣብኡ ተኣሚኖም እዮም። እዚ ማለት ግን ውሳነታቶም የሆዋ ይውስነሎም ነይሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ: ‘ኣእምሮና’ ኽንጥቀመሉ ኸኣ ይደልየና እዩ። (ሮሜ 12:1) ኰይኑ ግን: ውሳነታት ክንገብር ከለና: ኣእምሮና በቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ሓሳብ ኣምላኽ ንኺጽሎ ኢና እንፈቅድ። (ምሳሌ 3:5, 6፣ ኢሳይያስ 55:8, 9) ስለዚ: ብህይወት ክሳዕ ዘለና ምስ የሆዋ ኢና እንመላለስ።

5. ስለምንታይ እዩ የሱስ ኣብ ዕምሪ: ሓንቲ እመት ብዛዕባ ምውሳኽ እተዛረበ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ምስ ጕዕዞ እዩ ዜመሳስሎ። ነዚ ምምስሳል ድማ ኣብ ገሊኡ ብቐጥታ: ኣብ ገሊኡ ኸኣ ብተዘዋዋሪ መገዲ እዩ ነዚ ዚገበሮ። ንኣብነት: የሱስ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ [“ዕምሩ:”NW] ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧” በለ። (ማቴዎስ 6:27) እዘን ቃላት እዚኣተን ምርዳአን የጸግማኻ ይዀና። ከመይሲ: “እመት” ናይ ርሕቀት መለክዒ ኽነሱ: ስለምንታይ እዩ የሱስ ነቲ ብግዜ ዚዕቀን “ዕምሪ” ወድሰብ ንምልካዕ ተጠቒሙሉ፧ a የሱስ ንህይወት ምስ ጕዕዞ እዩ ኣመሳሲልዎ። ጭንቀት ኣብ ጕዕዞ ህይወትካ ሓንቲ ስጕምቲ እኳ ንኽትውስኽ ከም ዘይሕግዘካ እዩ ምሂሩ። ኰይኑ ግን: ንንውሓት እቲ ምስ ኣምላኽ እንመላለሰሉ እዋን ብዚምልከት ምንም ክንገብሮ እንኽእል ነገር የልቦን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ነታ ‘ስለምንታይ ኢና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ዘሎና፧’ እትብል ሕቶ እስከ ንመርምር።

ስለምንታይ ኢና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ዘሎና፧

6, 7. ዘይፍጹማት ሰባት እንታይ እዩ ናይ ግድን ዜድልዮም፧ ነዚ ዜድልየና ነገር ንምምላእ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዚግብኣናኸ ስለምንታይ ኢና፧

6 እቲ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ዜድልየና ሓደ ምኽንያት: ኣብ ኤርምያስ 10:23 “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ: ሰባት ዘበልና ንህይወትና ብዝደለናዮ መገዲ ንምምራሕ: ክእለት ኰነ መሰል የብልናን። መምርሒ ናይ ግድን የድልየና እዩ። ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም መገዲ ኪኸዱ ዚደልዩ ሰባት: ልክዕ ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝፈጸምዎ ዓይነት ጌጋ እዮም ዚፍጽሙ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ጽቡቕን ክፉእን ባዕሎም ኪውስኑ ዚኽእሉ መሰሎም። (ዘፍጥረት 3:1-6) እዚ መሰል እዚ ግን ‘ካብ ርእስና ኣይኰነን:’ ማለት ንዓና ዚግባእ ኣይኰነን።

7 ኣብ ጕዕዞ ህይወትካ መምርሒ ኸም ዜድልየካ ይስምዓካዶ ኸይኰነ፧ መዓልቲ መዓልቲ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ውሳነታት ንገብር ኢና። ገለ ኻብዚ ንዓና ዀነ ንእንፈትዎም ሰባት ኣጸጋምን ንመጻኢና እውን ዚትንክፍን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ካባና ኣጸቢቑ ዚዓብን ዝያዳ ጥበበኛ ዝዀነን ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክንገብር ከለና: ፍቕራዊ መምርሒ ተሓጒሱ ኸም ዚህበና እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ዜሕዝን ግን ብዙሓት ሰባት ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባ ኺምርሑ እዮም ዚመርጹ። ነቲ ኣብ ምሳሌ 28:26 ዚርከብ “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ: ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ” ዚብል ሓቂ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። የሆዋ በቲ ጐራሕ ዝዀነ ልብና ተኣማሚንና ኣብ ሽግር ክንኣቱ ኣይደልን እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ኣብ ክንዳኡስ: ብጥበብ ክንመላለስን ንዕኡ ኸኣ ከም ጥበበኛ መራሒናን መምህርናን ጌርና ኽንውከሎ እዩ ዚደሊ። ከምኡ እንተ ጌርና: ህይወትና ህድኣት ዘለዎን ዜዕግብን ዜሐጕስን ይኸውን።

8. ዓስቢ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን እንታይ እዩ፧ የሆዋ ግን እንታይ ክንረክብ እዩ ዚደሊ፧

8 ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ዜድልየና ኻልእ ምኽንያት: ንንውሓት እቲ ምስኡ ኽንመላለሰሉ እንደልዮ እዋን የጠቓልል። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ይገልጽ። ኵሎም ዘይፍጹማት ደቅሰብ ናብ ሓደ ኣንፈት እዮም ዚጐዓዙ ዘለዉ። መክብብ 12:5 “ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ: መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ” ብምባል ነቲ እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤን ትገልጽ። ‘ናይ ዘለኣለም ማሕደር’ እንታይ እዩ፧ እቲ ዓስቢ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዝዀነ ሞት እዩ። (ሮሜ 6:23) ይኹን እምበር: የሆዋ ተወሊድና ንሓጺር እዋን ጥራይ ብሓሳር ክንመላለስ ኣይኰነን ዚደሊ። (እዮብ 14:1) ምስ ኣምላኽ እንመላለስ እንተ ዄንና ጥራይ ኢና: ከምቲ ንሱ ዝዓለሞ ንዘለኣለም ንኽንመላለስ ተስፋ ዚህልወና። ንስኻውን ከምኡ ደይኰንካን እትደሊ፧ ስለዚ እምበኣር: ምስ ኣቦኻ ምምልላስካ ኣይተቋርጽ።

ብኸመይ ኢና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንኽእል፧

9. የሆዋ ኻብ ህዝቡ ተሰዊሩ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ኢሳይያስ 30:20 ግን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡ፧

9 ነታ ሳልሰይቲ ሕቶ ተጠንቂቕና ኽንምርምራ ኣሎና። እዚኣ ኸኣ ‘ብኸመይ ኢና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ እንኽእል፧’ እትብል እያ። ኢሳይያስ 30:20, 21 (ትርጕም 1990) “ንሱ ባዕሉ ኺምህረኩም እዩ እሞ፥ ደጊምሲ መምህርኩም ኣይኪሥወረኩምን እዩ። ካብታ መገዲ ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣልገስኩም፥ ብድኅሬኹም ኮይኑ ‘እታ መገዲ እዚኣ እያ ብእኣ ተመላለሱ’ ኺብለኩም ከሎ ኽትሰምዕዎ ኢኹም” ብምባል መልሳ ትህበና። እዘን የሆዋ ኣብ ቍጽሪ 20 ንህዝቡ እተዛረበን ቃላት: ኣብቲ ዓልዮምሉ ዝነበረ እዋን ካብኣቶም ተሰዊሩ ምንባሩ ኣዘኻኺረናኦም ኪዀና ኣለወን። (ኢሳይያስ 1:15፣ 59:2) ኣብዚ ግን የሆዋ ኸም እተሰወረ ዘይኰነስ: ኣብ ቅድሚ እሙናት ህዝቡ ደው ከም ዝበለ ጌርካ እዩ ተገሊጹ። ከምቲ ሓደ መምህር ኣብ ፊት ተማሃሮኡ ደው ኢሉ ዚምህሮም ጌርና ኽንሓስቦ ንኽእል ኢና።

10. ካብቲ ዓብዪ መምህርካ ዚመጽእ ቃል ‘ብድሕሬኻ’ ኸም ዝመጸ ጌርካ ኺግለጽ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧’

10 ኣብ ቍጽሪ 21 ከኣ እተፈልየ መግለጺ እዩ ዚርከብ። የሆዋ ብድሕሪ ህዝቡ ዀይኑ በታ ቕንዕቲ መገዲ ኺመላለሱ ይመርሖም ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ተገሊጹ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራን: እዚ መግለጺ እዚ ምስቲ ሓደ ጓሳ ነባጊዑ ብድሕሪት ኰይኑ ብጌጋ ኣንፈት ከይከዳ ዚመርሓሉ መገዲ ዚመሳሳል ምዃኑ ይገልጹ እዮም። እዚ ኣባና ብኸመይ እዩ ዚውዕል፧ መምርሒ ንምርካብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምስ እንውከስ: ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ ቓላት ኢና እነንብብ። እቲ ቓላት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እተጻሕፈ ብምዃኑ ኸኣ ካብ ድሕሬና እዩ ዚመጽእ። ኰይኑ ግን: ልክዕ ከምቲ ኺጸሓፍ ከሎ ዝነበረ: ሕጂውን ጠቓሚ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ መዓልታዊ ኣብ እንገብሮ ውሳነ ይመርሓና: ከምኡውን ንመጻኢ መደብ ክንገብር ይሕግዘና። (መዝሙር 119:105) ከምዚ ዝኣመሰለ ማዕዳ ኻብ ልብና ኣናዲና ምስ እንስዕቦ የሆዋ መራሒና ይኸውን። ንሕናውን ምስኡ ንመላለስ ኣሎና ኺበሃል ይከኣል።

11. ብመሰረት ኤርምያስ 6:16 የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ባህ ዜብል ዘረባ እዩ ተዛሪብዎም፧ ንሳቶም ግን ብኸመይ መለሱ፧

11 ናይ ብሓቂ ዲና ብቓል ኣምላኽ እንምራሕ፧ ሓድሓደ ግዜ ደው ኢልና ንርእስና ብቕንዕና ምምርማርና ኣድላዪ እዩ። ነዚ ንምግባር እትሕግዘና ጥቕሲ እስከ ንርአ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ: ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ: እቲ ጥንታዊ መገድታት: እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ: ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ኤርምያስ 6:16) እዘን ቃላት እዚኣተን ንሓደ ኣብ መራኸቢ ጐደና ደው ኢሉ ኣንፈት ዚሓትት ሰብ የዘኻኽራና ይዀና። ብመንፈሳዊ መዳይ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ዓለወኛታት ህዝቢ የሆዋ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪገብሩ ነበሮም። ናብቲ “ጥንታዊ መገድታት” ኪምለሱ ነበሮም። እቲ “ጽቡቕ ጐደና” ተባሂሉ ዘሎ እቶም እሙናት ኣቦታቶም እተመላለስሉ: ንሳቶም ግን ብዕሽነት ዝገደፍዎ መገዲ እዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣ: እስራኤል ብድርቅና ነዚ ፍቕራዊ መዘኻኸሪ የሆዋ ዕሽሽ በልዎ። እታ ጥቕሲ ቐጺላ: “ንሳቶም ግና፤ ኣይንመላለሰሉን ኢና: ኢሎም መለሱ” ትብል። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ግን ነዚ ማዕዳ እዚ ተቐቢሎምዎ እዮም።

12, 13. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ኤርምያስ 6:16 ዚርከብ ማዕዳ ብኸመይ ተቐበልዎ፧ (ለ) ነቲ ሎሚ እንመላለሰሉ ዘለና ኣገባብ ብኸመይ ክንምርምሮ ንኽእል፧

12 ካብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ኣትሒዞም እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ: ነቲ ኣብ ኤርምያስ 6:16 ዚርከብ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ እዮም። ብደረጃ ጕጅለ ናብቲ “ጥንታዊ መገድታት” ካብ ልቦም ተመሊሶም እዮም። ከምታ ኸሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ዘይኰነስ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመስረቶን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ እሙናት ሰዓብቱ እተቐበልዎን ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ እዮም ብተኣማንነት ዚስዕቡ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ክሳዕ ሎሚ እቶም ቅቡኣት ኣብ ንሓድሕዶምን ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ብጾቶምን በቲ ህዝበ-ክርስትያን ዝነጸገቶ ጥዑይን ዜሐጕስን ናብራ ምንባሮም ንኪቕጽሉ ይተሓጋገዙ ኣለዉ።—ዮሃንስ 10:16

13 እቲ እሙን ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ በብጊዜኡ ብምሃብ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ “ጥንታዊ መገድታት” ረኺቦም ምስ ኣምላኽ ንኺመላለሱ ሓጊዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ንስኻኸ ኻብ መንጎ እዞም ሚልዮናት ዲኻ፧ እንተ ዄንካ: ካብዚ መገዲ እዚ ንኸይትወጽእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ በብግዜኡ ነቲ እትመላለሰሉ ኣገባብ ምምርማር ጥበብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ተንብብ: ኣብቲ እቶም ቅቡኣት ዘዳለውዎ መምርሒታት ዚወሃበሉ ኣኼባታት ከኣ ትርከብ እንተ ዄንካ: ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ስልጠና ትወስድ ኣለኻ ማለት እዩ። ነቲ እትረኽቦ ማዕዳ ብትሕትና ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተደኣ ዄንካ ኸኣ: ብርግጽ በቲ “ጥንታዊ መገድታት” ምስ ኣምላኽ ትመላለስ ኣለኻ ማለት እዩ።

‘ነቲ ዘይርኤ ኸም እትርእዮ’ ጌርካ ተመላለስ

14. የሆዋ ንዓና ጋህዲ ኸም ዝዀነ ኣብቲ እንገብሮ ብሕታዊ ውሳነ ብኸመይ ነርኢ፧

14 ምስ የሆዋ ኽንመላለስ እንተ ዄንና: ጋህዲ ኪዀነልና ኣለዎ። የሆዋ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንዝነበሩ እሙናት ሰባት: ካብኣቶም ከም ዘይስወር ኣረጋጊጹሎም እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ነቶም ከም መምህሮም ገይሮም ዚርእይዎ ህዝቡ ገዛእ ርእሱ ይገልጸሎም እዩ። የሆዋ ልክዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሉ ኸም ዚምህረካ ዘሎ ጋህዲ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ ከምዚኣ ዝበለት እምነት እያ እተድልየና። ሙሴ ኸምዚኣ ዓይነት እምነት እያ ነይራቶ: ከመይሲ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ” እዩ። (እብራውያን 11:27) የሆዋ ጋህዲ እንተ ዀይኑልና: ውሳነ ኣብ እንገብረሉ እዋን ንስምዒታቱ ኣብ ግምት ነእትዎ ኢና። ንኣብነት: ጌጋ ዝዀነ ነገር ፈጺምና ኸነብቅዕ ሓጢኣትና ኻብ ክርስትያን ሽማግለታት ኰነ ኻብ ኣባላት ስድራቤትና ኽንሓብእ ኣይንፍትንን ኢና። የግዳስ: ሰብ ኣብ ዘይርእየና እዋን እውን እንተዀነ ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ኢና እንጽዕር። ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት “ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ አሎኹ” ዝበሎ ኽንገብር ንጽዓር።—መዝሙር 101:2

15. ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምቅርራብና ንየሆዋ ጋህዲ ዚገብረልና ብኸመይ እዩ፧

15 የሆዋ ዘይፍጹማት ስጋዊ ፍጥረታት ምዃንና: ከምኡውን ሓድሓደ ዘይርኤ ነገር ምእማን ከም ዚኸብደና ይርድኦ እዩ። (መዝሙር 103:14) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ድኽመት ከነዐርዮ ድማ ይሕግዘና። ንኣብነት: ካብ ኵሎም ዓሌት ምድሪ “ንስሙ ህዝቢ” ኣኪቡ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ብሓድነት ምስ እነገልግል: ኣብ ንሓድሕድና ንበራታዕ ኢና። የሆዋ ንሓደ መንፈሳዊ ሓውና ወይ ሓብትና ነቲ ዝነበሮም ድኽመት ኬሰንፉ ወይ ፈተና ንኺጻወሩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክንሰምዕ ከለና: ኣምላኽና ዝያዳ ጋህዲ ይዀነልና።—1 ጴጥሮስ 5:9

16. ብዛዕባ የሱስ ምፍላጥና ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

16 ካብ ኵሉ ንላዕሊ ድማ የሆዋ ንወዱ ኣብነት ገይሩ ሂቡና እዩ። የሱስ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን ምምርማር የሆዋ ዝያዳ ጋህዲ ንኪዀነልና ዚገብር እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ኵሉ እቲ የሱስ እተዛረቦ ዀነ ዝፈጸሞ ነገራት ንባህርያትን መገድታትን ሰማያዊ ኣቦኡ ዜንጸባርቕ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ውሳነ ኣብ እንገብረሉ እዋን: ‘የሱስ እንተ ዚኸውን እንታይ ምገበረ ነይሩ፧’ ኢልና ኽንሓስብ ኣሎና። ውሳነታትና ብጥንቃቐን ብጸሎትን እተገብረ እንተ ዀይኑ: ኣስኣሰር የሱስ ከም እንስዕብ የርኢ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ንመላለስ።

እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

17. ብመገዲ የሆዋ እንተ ተመላሊስና: ንነፍስና እንታይ “ዕረፍቲ” ኢና እንረክብ፧

17 ምስ ኣምላኽ ምምልላስ እተባረኸ ህይወት ንኽንመርሕ የኽእለና። የሆዋ ንህዝቡ በቲ “ጽቡቕ ጐደና” እንተ ተመላሊሶም: “ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ኸም እተመባጽዐ ዘክር። (ኤርምያስ 6:16) “ዕረፍቲ” እንታይ ማለት እዩ፧ ብተድላን ብምቾትን እተመልአ ህይወት ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። የሆዋ ኻብዚ ዝሓሸ: እቶም ሃብታማት ዚበሃሉ እኳ ዘይረኽብዎ ነገር እዩ ኣዳልዩ። ንነፍስኻ ዕረፍቲ ምርካብ ማለት ውሽጣዊ ሰላም: ሓጐስ: ዕግበት: ከምኡውን መንፈሳዊ ዕግበት ምርካብ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዕረፍቲ እንተ ረኺብካ: እቲ ዝበለጸ መገዲ ኸም ዝመረጽካ ኣይትጠራጠር። ኣብዛ ብሽግር እተመልአት ዓለም እዚኣ ኸምዚ ዝበለ ናይ ኣእምሮ ሰላም ሳሕቲ እዩ ዚርከብ።

18. የሆዋ እንታይ በረኸት እዩ ኺህበካ ዚደሊ፧ ንስኻኸ እንታይ እዩ ቘራጽነትካ፧

18 ሓቂ እዩ: ህይወት ሓጻር እውን ትኹን ካብ ኵሉ እትበልጽ በረኸት እያ። ይኹን እምበር: ዕላማ የሆዋ ኻብ ንእስነት ጀሚርካ ኽሳዕ እርጋን ንእተወሰነ እዋን ጸኒሕካ ኽትመውት ኣይነበረን። የሆዋ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ በረኸት እዩ ኺህበካ ዚደሊ። እዚ ኸኣ ምስኡ ንዘለኣለም ክትመላለስ እዩ። እዚ ኣብ ሚክያስ 4:5 ጽቡቕ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ:- “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።” ነዚ በረኸት እዚ ኽትረክብ ትደሊ ዲኻ፧ ነቲ የሆዋ ዚህበካ “ናይ ሓቂ ህይወት” ትደልዮ ዲኻ፧ (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ስለዚ እምበኣር: ሎሚ ዀነ ጽባሕ: ከምኡውን ንዘለኣለም ምስ የሆዋ ንምምልላስ ቈሪጽካ ተለዓል!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገለ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እታ “እመት” እትብል “ሓደ እዋን” (ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት) ወይ “ሓንቲ ደቒቕ” (ኤ ትራንስሌሽን ኢን ዘ ላንጔጅ ኦቭ ዘ ፒፕል ብቻርለስ ቢ. ዊልያምስ) ብዚብል ናይ ግዜ መለክዒ ተቐይራ ኣላ። ይኹን እምበር: እታ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እትርከብ ቃል ንሓደ እመት: ማለት ን45 ሳንቲ ሜተር እያ እተመልክት።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

• ምስ ኣምላኽ ንኽትመላለስ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

• እቶም ምስ ኣምላኽ ዚመላለሱ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና: የሆዋ ኣብ ድሕሬና “እታ መገዲ እዚኣ እያ” ኺብለና ኸሎ ንሰምዕ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣኼባታት መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ንረክብ