ነቲ ‘ልበይ ዚደልዮ’ ረኸብኩ
ታሪኽ ህይወት
ነቲ ‘ልበይ ዚደልዮ’ ረኸብኩ
ዶሚኒክ ሞርጉ ዘዘንተወቶ
ኣብ ታሕሳስ 1998 ናብ ኣፍሪቃ ብምኻደይ ነቲ ኻብ ንእስነተይ ዝምነዮ ዝነበርኩ ነገር ረኸብኩ። ነቲ ሰፊሕ ጐላጕል ኣፍሪቃን ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ዜደንቑ እንስሳ ዘገዳምን ንምርኣይ ወትሩ እየ ዝህንጠ ነይረ። ሕጂ ግን ባዕለይ ኣብኡ ኣለኹ። ካልእ ሕልመይ እውን ጋህዲ ዀነለይ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። እዚ ንብዙሓት ሰባት ዘይከኣል ይመስሎም ነይሩ ይኸውን። ናይ ምርኣይ ክእለተይ ውሱን ስለ ዝነበረ: በታ ንመገድታት ኣውሮጳ ዝሰልጠነት ከልቢ እናተመራሕኩ: ኣብቲ ሑጻ ዝመልኦ መገድታት ኣቝሻት ኣፍሪቃ እኸይድ ነበርኩ። ብኸመይ ኣብ ኣፍሪቃ ኸገልግል ከም ዝኸኣልኩን የሆዋ ነቲ ‘ልበይ ዚደልዮ’ ብኸመይ ከም ዝሃበንን እስከ ኸዘንትወልኩም።—መዝሙር 37:4
ብ9 ሰነ 1966 ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ፈረንሳ ተወለድኩ። ሕሳስ-ልደ እቶም ክልተ ኣወዳትን ሓሙሽተ ኣዋልድን ዝዀንና ሸውዓተ ውሉዳት እየ ነይረ። ወለድና ብፍቕሪ እናተኸናኸኑ እዮም ኣዕብዮምና። ኰይኑ ግን: መንእሰይ ከለኹ ሓደ ዜሕዝን ነገር ኣጋጠመኒ። ልክዕ ከም ዓባየይን ኣደይን ሓንቲ ሓብተይን: ኣነውን ቀስ ብቐስ ዜዕውር ሕማም ወሪሰ ነበርኩ።
ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ ዕድመ ኣደዳ ዓሌታዊ ምፍልላይን ጽልእን ግብዝናን ብምንባረይ ኣንጻር እቲ ማሕበረሰብ ዓለኹ። ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ኢና ኤኾ ናብ ዚበሃል ከባቢ ዝገዓዝና። ኣብኡ ድማ ሓደ ባህ ዜብል ኣጋጣሚ ተፈጥረ።
ሓደ ሰንበት ንግሆ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛና መጻ። ኣደይ ትፈልጠን ስለ ዝነበረት ኣእተወተን። ሓንቲ ኻብተን ኣንስቲ ነደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገላትያ 2:14
ንኽትጅምር ቃል ኣትያ ኸም ዝነበረት ትዝክር እንተ ዀይና ሓተተታ። ኣደይ ከኣ ትዝ ስለ ዝበላ “እሞ መዓስ ንጀምር፧” ኢላ ሓተተታ። ሰንበት ሰንበት ንኺራኸባ መደብ ገበራ: በዚ ኸኣ ኣደይ ነቲ “ሓቂ ወንጌል” ክትመሃር ጀመረት።—ምስትውዓል ረኸብኩ
ኣደይ ነቲ እትመሃሮ ነገር ንምርዳእን ንምዝካርን ብዙሕ ጻዕሪ ትገብር ነበረት። ዓይነ-ስዉር ብምዃና ነቲ እተማህረቶ ዅሉ ኽትዝክሮ ነበራ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብትዕግስቲ እየን ዚሕዛኣ ነይረን። ኣነ ግን እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝመጻሉ እዋን ኣብ ክፍለይ እሕባእ: ምስ ከዳ ኸኣ እወጽእ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ ግን እታ ዩጂኒ እትበሃል ሓብቲ ረኺባ ኣዘራረበትኒ። መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ግብዝና: ጽልኢ: ከምኡውን ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ ከም እተወግድ ነገረትኒ። “ኣምላኽ ጥራይ እዩ መፍትሒ ኼምጽእ ዚኽእል” በለትኒ። ዝያዳ ንኽፈልጥ ድሌት እንተለኒ ኸኣ ሓተተትኒ። ንጽብሒቱ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ።
ኵሉ እቲ ትምህርትታት ንዓይ ሓድሽ ነበረ። ኣምላኽ እከይ ኣብ ምድሪ ንግዚኡ ንኪቕጽል ዘፍቀደሉ እኹል ምኽንያት ከም ዘለዎ ተረድኣኒ። (ዘፍጥረት 3:15፣ ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 9:17) የሆዋ ብዘይ ተስፋ ኸም ዘይሓድገና እውን ፈለጥኩ። ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና ተመባጺዑልና እዩ። (መዝሙር 37:29፣ 96:11, 12፣ ኢሳይያስ 35:1, 2፣ 45:18) ኣብታ ገነት እቲኣ ነቲ ቐስ ብቐስ ዝስእኖ ዝነበርኩ ናይ ምርኣይ ክእለተይ ክረክብ እየ።—ኢሳይያስ 35:5
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ
ብ12 ታሕሳስ 1985 ርእሰይ ንየሆዋ ምውፋየይ ብጥምቀት ኣርኣኹ። ማሪ-ክሌር ሓብተይ ቅድመይ ተጠሚቓ ነበረት። ዣን-ፕየር ሓወይን እታ ፍትውቲ ኣደይን ከኣ ሰዓቡ።
ኣብታ ዝእከበላ ዝነበርኩ ጉባኤ ብዙሓት ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ነበሩ። በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮም ሓጐስን ውዕዉዕ ስምዒትን ተበራታዕኩ። እታ ናይ ምርኣይ ክእለታ ውሱን: ኣብ ሓንቲ እግራ ኸኣ ጸገም ዝነበራ ሓብተይ ማሪ-ክሌር እውን ከይተረፈት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰነት። እቲ ናታ ኣብነት ክሳዕ ሎሚ መንፈሳዊ ምትብባዕ ይህበኒ እዩ። ኣብ ጉባኤይን ኣብ ስድራቤተይን ብፓይነራት ተኸቢበ ምንባረይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽጅምር ሓያል ባህጊ ኣሕደረለይ። ስለዚ: ኣብ ሕዳር 1990 ኣብ ከተማ በዝዬ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።—መዝሙር 94:17-19
ምስ ተስፋ ምቝራጽ ምቅላስ
ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ፓይነራት ይከናኸኑኒ ነበሩ። ይኹን እምበር: ዓቕመይ ድሩት ብምዃኑን ከምቲ ዝደልዮ ኽገብር ብዘይ ምኽኣለይን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተስፋ እናቘረጽኩ ኸድኩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ንኽዋጽኣሉ የሆዋ ሓገዘኒ። ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ ታሪኽ ህይወት ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ፓይነራት ደለኹ። ናይ ብዙሓት ተመክሮ ብምርካበይ ድማ ኣዝየ ተደነቕኩ። እቲ ግብራውን ዜተባብዕን ተመክሮኦም: ነቲ ዘሎኒ ኸማስወሉን ጸገመይ ተቐቢለ ንኽነብርን ምሂሩኒ እዩ።
ብስጋ ዜድልየኒ ንምምላእ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ኣብ ዓበይቲ ናይ ዕዳጋ ቦታታት አጸራሪ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ እተን መሳርሕተይ ነቲ ኣነ ዘጽረኽዎ ቦታ እንደገና ኼጽርያኦ ኸለዋ ረኣኹ። ብዙሕ ዝሓለፍክዎ ርስሓት ነይሩ። ካብኡ ነታ ሓላፊት ጕጅለና ዝዀነት ቫሌሪ እትበሃል ፓይነር ሓብቲ: ኣብ ስራሕ ዕንቅፋት ዝፈጥረለን እንተ ዀይነ ብግልጺ ንኽትነግረኒ ሓተትኩዋ። ንሳ ግን ነቲ ዕዮ ናይ ምቍራጽ ውሳነ ንዓይ ገደፈቶ። ኣብ መጋቢት 1994 ከኣ ነቲ ስራሕ ኣቋረጽክዎ።
ኣብቲ እዋን እቲ ምንም ዘይጠቅም ኰይኑ ተሰምዓኒ። ኣበርቲዐ ናብ የሆዋ ጸለኹ: ከመይሲ ኸም ዚሰምዓኒ እፈልጥ እየ። መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ምጽናዐይ እውን ሓገዘኒ። ናይ ምርኣይ ክእለተይ መመሊሱ እናደኸመ ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝነበረኒ ባህጊ ግን እናወሰኸ ኸደ። እንታይ እየ ኽገብር ዝኽእል፧
መጀመርያ ተጸበኹ: ካብኡ ቐልጢፈ ወሰንኩ
ኣብቲ ኣብ ኒም ዚርከብ ንዓይነ-ስውራንን ድኹም ናይ ምርኣይ ክእለት ንዘለዎምን ሰባት ዚሕግዝ ማእከል ንኽስልጥን ተመዝገብኩ: ንሰለስተ ወርሒ ድማ ተቐበሉኒ። ኣብኡ ጽቡቕ ስልጠና ረኸብኩ። ነቲ ዘሎኒ ጸገም ዝያዳ ኽርድኦን: ብኸመይ ክዋጽኣሉ ኸም ዝኽእልን ተመሃርኩ። ምስ እተፈላለየ ዓይነት ጸገማት ዘለዎም ሰባት ምፍላጠይ ነቲ ክርስትያናዊ ተስፋይ ከም ዘድንቕ ገበረኒ። ከመይሲ: ኣነ ሸቶ ኣሎኒ: ፍረ ዘለዎ ነገር ክገብር ድማ እኽእል እየ። ብተወሳኺውን ናይ ፈረንሳይኛ ብረይል ምንባብ ተመሃርኩ።
ናብ ገዛ ኣብ እተመለስኩሉ እዋን ስድራቤተይ እቲ ስልጠና ኸመይ ከም ዝጠቐመኒ ኽርእዩ ኸኣሉ። ኰይኑ ግን: ነቲ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ጻዕዳ በትሪ ኣይፈተኽዎን። ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ሓገዝ ክረክብ: ምናልባት ከኣ ዝመርሓኒ ኸልቢ ኺህልወኒ ደለኹ።
ከልቢ ንኺወሃበኒ ነቲ ዚምልከቶ ትካል ምስ ሓተትኩ: ቅድመይ ብዙሓት ሰባት ስለ እተመዝገቡ ኽጽበ ኸም ዘሎኒ ተነግረኒ። እቲ ትካል ዜጻርዮ ነገራት እውን ነበሮ። ምኽንያቱ ዚመርሕ ከልቢ ስቕ ኢልካ ንዝሓተተ ዅሉ ኣይወሃብን እዩ። ንዓይነ-ስውራን ኣብ ዚሕግዝ ማሕበር እትሰርሕ ሓንቲ ሰበይቲ: ኣብ ከባቢና ዚርከብ ናይ ተኒስ ክለብ ንዓይነ-ስውር ወይ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ውሱን ዝዀነ ሰብ: ዚመርሕ ከልቢ ብወፈያ መልክዕ ኪህብ ከም ዚደሊ ነገረትኒ። እደሊ እንተ ዀይነ ኸኣ ሓተተትኒ። እቲ ነገር ኢድ የሆዋ ኸም ዘለዎ ብምርዳእ: ተሰማማዕኩ። ኰይኑ ግን: እቲ ኸልቢ ኽሳዕ ዚመጽእ ክጽበ ነበረኒ።
ድሕርዚ እውን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ምሕሳብ
ነቲ ኸልቢ እናተጸበኹ ትዅረተይ ናብ ካልእ ጕዳይ ገበርኩ። ኣቐዲመ ኸም ዝገለጽክዎ ኻብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ናብ ኣፍሪቃ ክኸይድ ሓያል ባህጊ ነበረኒ። ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ተገዳስነት ከም ዘለዎም ምስ ፈለጥኩ: ናይ ምርኣይ ክእለተይ ዝያዳ እናነከየ
ኽነሱ: ንክኸይድ ተሃንጠኹ። ገለ እዋን ይገብር ንቫሌሪ ናብ ኣፍሪቃ ክኸይድ ከም ዝደሊ ብወዝቢ ነጊረያ ነይረ። ምሳይ ክትከይድ ትደሊ እንተ ዀይና ኸኣ ሓተትኩዋ። ፍቓደኛ ስለ ዝዀነት ድማ: ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ዘለዋ ፈረንሳይኛ ዚጥቀማ ጨንፈራት ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደብዳበ ጸሓፍና።ካብ ቶጎ መልሲ መጸና። ንቫሌሪ ኸተንብበለይ ሓተትኩዋ። እቲ ደብዳበ ዜተባብዕ ነበረ: ካብኡ ቫሌሪ “እሞ እንታይ ደኣ ንጽበ ንኺድ እምበር” በለት። ኣብቲ ጨንፈር ምስ ዚርከቡ ኣሕዋት ድሕሪ ምጽሕሓፍ: ንሓንቲ ኣብታ ርእሰ-ኸተማ ዝዀነት ሎሜ እትርከብ ሳንድራ እትበሃል ሓብቲ ኽጽሕፈላ ተነግረኒ። ብ1 ታሕሳስ 1998 ክንነቅል ወሰንና።
ኣብኡ ኣዝዩ እተፈልየ ዅነታት እዩ ኣጋጢሙና: ኰይኑ ግን ዜሐጕስ ነበረ። ኣብ ሎሜ በጺሕና ኻብታ ነፋሪት ውርድ ምስ በልና: ሙቐት ኣፍሪቃ ልክዕ ከም ኮበርታ ኼጐልብበና ኸሎ ተሰምዓና። ንሳንድራ ምስ ረኸብናያ: ቅድሚኡ ዘይንፋለጥ እኳ እንተ ነበርና: ነዊሕ እዋን ዝገበርና መሓዙት ኰይኑ ተሰምዓና። ንሕና ቐቅድሚ ምምጻእና ሳንድራን መገላግልታ ክሪስቲንን ታብሊግቦ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ: ፍሉያት ፓይነራት ኰይነን ኬገልግላ ተመዲበን ነበራ። ስለዚ: ንሕናውን ኣብቲ ሓድሽ ምድበን ምስአን ኴንና ኸነገልግል ተመደብና። ኣብኡ ኽልተ ወርሒ ጸኒሕና ኽንምለስ ከለና: ተመሊሰ ኸም ዝመጽእ ርግጸኛ ነበርኩ።
ብምምላሰይ ተሓጐስኩ
ኣብ ፈረንሳ ዀይነ ነቲ ናብ ቶጎ ዚገብሮ ኻልኣይ ጕዕዞ ኽቀራረብ ጀመርኩ። ሳላ ሓገዝ ስድራቤተይ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ንኽጸንሕ ዜክእለኒ ምድላዋት ገበርኩ። ኣብ መስከረም 1999 ናብ ቶጎ ብነፋሪት ተጓዓዝኩ። ሽዑ ግን በይነይ ነበርኩ። ስድራቤተይ ስንክልቲ ኽነሰይ በይነይ ክጓዓዝ ክርእዩኒ ኸለዉ ኸመይ ከም እተሰምዖም ገምቱ። እንተዀነ ግን: ምንም ዜጨንቕ ነገር ኣይነበረን። እተን ኣብ ሎሜ ዘለዋ ልክዕ ከም ቤተሰበይ ዝዀና መሓዙተይ ከም ዚቕበላኒ ንወለደይ ነገርክዎም።
ናብቲ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዜርእዩሉ ኸባቢ ምምላስ: ኣዝዩ ባህ ዜብል ኣጋጣሚ ነበረ። ሰባት ኣብ መገዲ ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ኣብ ታብሊግቦ ሰባት ምስኦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ንኽትገብር ባዕሎም እዮም ዚጽዉዑኻ። ምስ ክልተ ፍሉያት ፓይነራት ብሓንሳብ እነብር ነበርኩ፣ ናብራና ድማ ቀሊል ነበረ። ካልእ ባህልን ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ምርኣይን ተመሃርኩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምድንፋዕ ኣብ ህይወቶም እቲ ቐዳምነት ዚህብዎ ነገር ምዃኑ ፈለጥኩ። ንኣብነት: ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺበጽሑ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ኪጓዓዙ እኳ እንተለዎም: ካብ ኣኼባታት ተሪፎም ኣይፈልጡን እዮም። ፈቃራትን ተቐበልቲ ጋሻን ብምዃኖም ካብኣቶም ብዙሕ እየ ተማሂረ።
ሓደ መዓልቲ ኻብ ወፍሪ ኣገልግሎት ምስ ተመለስና ንሳንድራ ናብ ፈረንሳ ተመሊስካ ምኻድ ከም ዘፍርሃኒ ነገርክዋ። ናይ ምርኣይ ክእለተይ ዝገደደ ደኸመ። ብዛዕባ እቲ ሰብ ዚበዝሖን ጫውጫው ዘለዎን
ጐደናታት በዝዬ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መንበሪ ህንጻታት ዘሎ መደያይቦታት: ከምኡውን ብዛዕባ ዅሉ እቲ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎ ሰብ ዕንቅፋት ዚኸውን ነገራት ሓሰብኩ። ብኣንጻሩ ግን: ጐደናታት ታብሊግቦ ጽርግያ ደኣ ኣይኹን እምበር ሰብን ማካይንን ዘይበዝሖ ህድእ ዝበለ እዩ። ነዚ ለሚደ ኣብ ጐደናታት ፈረንሳ እንታይ እየ ክኸውን፧ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኣደይ ደዊላ: እቲ ንዓይነ-ስውራን ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ዚመርሑ ኣኽላባት ዜሰልጥን ቤት ትምህርቲ ይደልየኒ ኸም ዘሎ ነገረትኒ። ኦሴኣን እትበሃል ሓንቲ ኸልቢ “ኣዒንቲ” ኽትኰነኒ ተዳልያ ነበረት። ሕጂውን ዜድልየኒ ተማልኣለይ ጭንቀተይ ከኣ ተወገደለይ። ኣብ ታብሊግቦ ንሽዱሽተ ወርሒ ባህ ዜብል ኣገልግሎት ድሕሪ ምግልጋል: ምስ ኦሴኣን ንኽራኸብ ናብ ፈረንሳ ተመለስኩ።
ንእተወሰነ ኣዋርሕ ምስ ሰልጠንኩ ኦሴኣን ተዋህበትኒ። ፈለማ ቐሊል ኣይነበረን። ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ኽንፋለጥ ነበረና። ቀስ ብቐስ ግን ክሳዕ ክንደይ ከም እተድልየኒ ተረድኣኒ። ሕጂ ኽፍሊ ህይወተይ እያ። ኣብ በዝዬ ዚነብሩ ሰባት ከልቢ ሒዘ ማዕጾኦም ክዅሕኵሕ ከለኹ ብኸመይ ተቐበሉኒ፧ ብኣኽብሮትን ብሕያውነትን ይቕበሉኒ ነበሩ። ኦሴኣን ኣብቲ ኸባቢ ፍልጥቲ ዀነት። ብዙሓት ሰባት ኣካለ-ስንኩል ሰብ ኪርእዩ ኸለዉ ይስከፉ እዮም: ከልቢ ስለ ዘሎኒ ግን ባህርያዊ ብዝዀነ ኣገባብ ነቲ ዘሎኒ ጸገም ከረድኦም እኽእል ነበርኩ። እቶም ሰባት እውን ፍዅስ ኢልዎም ይሰምዑኒ: በዚ ኸኣ ኦሴኣን መበገሲ ምይይጥ ኰነት።
ምስ ኦሴኣን ኣብ ኣፍሪቃ
ንኣፍሪቃ ፈጺመ ኣይረሳዕክዋን: ሳልሳይ ጕዕዞ ኽገብር ድማ ምድላዋት ጀመርኩ። ሽዑ ንኦሴኣን ምሳይ ወሰድክዋ። ኣንቶኒን ኦሮሮን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳርን ካሮሊን መሓዛይን እውን ምሳይ ከዱ። ኵላቶም ከማይ ፓይነራት እዮም። ብ10 መስከረም 2000 ኣብ ሎሜ በጻሕና።
መጀመርያ ብዙሓት ንኦሴኣን ይፈርሁዋ ነበሩ። ኣብ ሎሜ ዚነብሩ ሰባት ከም ኦሴአን ዓይነት ገዛፍ ከልቢ ርእዮም ኣይፈልጡን ነበሩ: ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ኣብ ቶጎ ዚርከቡ ኣኽላባት ንኣሽቱ እዮም። ገሊኦም መእሰሪኣ ምስ ረኣዩ: ቀይዲ ኺግበረላ ዜድሊ ሕስምቲ ኣራዊት መሰለቶም። ኦሴኣን ከኣ ሓደ ነገር ሓደጋ ዜስዕብ እንተ መሲልዋ: ክትከላኸለለይ ትፍትን ነበረት። ኰይኑ ግን: ነቲ ሓድሽ ከባቢ ቐልጢፋ ተላመደቶ። እቲ መእሰሪ ምስ ዚግበረላ ትዓዪ ኸም ዘላ ስለ ዚርድኣ ስርዓት ገይራ ኻብ ጥቓይ ኣይትፍለን እያ። ካብቲ መእሰሪ ምስ ተፈትሐት ግን: ሓሓንሳእ ትርብሽ እኳ እንተ ዀነት: ከም ድላያ እያ እትጻወት። ምስኣ ኣዝዩ ባህ ዜብል ግዜ ነሕልፍ ኢና።
ኵላትና ምስ ሳንድራን ክሪስቲንን ኣብ ታብሊግቦ ተቐመጥና። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኦሴኣን ንኺለምድዋ: ኣገልግሎታ እንታይ ከም ዝዀነን ስለምንታይ ከም እተድልየንን ንኺርድኦም: ኣብ ገዛና ዓደምናዮም። እቶም ሽማግለታት ከኣ ንኦሴኣን ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሒዘያ ኽመጽእ ተሰማምዑ። ከምዚ ዝበለ ምድላው ኣብ ቶጎ ስለ ዘይተለምደ: ኣብ ጉባኤ ነዚ ዜብርህ ምልክታ ተነበ። ኣብ ኣገልግሎት ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝመርሓሉን እዋን: ኰታስ ብቐሊሉ ኣብ ዝርድኡኒ ሰባት ጥራይ እየ ሒዘያ ዝኸይድ ዝነበርኩ።
ኣብዚ ዞባ እዚ ምስባኽ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ። እቲ እቶም ሕያዎት ዝዀኑ ህዝቢ ዜርእዩኒ ሓልዮት ወትሩ ንልበይ ይትንክፎ ነበረ። ኮፍ መበሊ ብምሃብ ሕያውነት የርእዩኒ ነበሩ። ኣብ ጥቅምቲ 2001 ምስ ኣደይ ንራብዓይ ግዜ ናብ ቶጎ ኸድኩ። ኣደይ ንሰለስተ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሕ ብኣይ ቀሲናን ተሓጒሳን ናብ ፈረንሳ ተመልሰት።
ኣብ ቶጎ ንኸገልግል ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ንየሆዋ ዘመስግኖ። ኣብ ኣገልግሎት ብምሉእ ዓቕመይ ምስታፍ ክሳዕ ዝቐጸልኩ: የሆዋ ነቲ ‘ልበይ ዚደልዮ’ ምሃቡ ኸም ዘየቋርጽ ርግጸኛ እየ። a
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓብትና ሞርጉ ናብ ፈረንሳ ተመሊሳ ኻብኡ ንሓምሻይ ግዜ ናብ ቶጎ ኸደት: ካብ 6 ጥቅምቲ 2003 ክሳዕ 6 ለካቲት 2004 ከኣ ኣብኡ ጸንሐት። እቲ ዜሕዝን ግን ብሰንኪ ጥዕናኣ: ኣብዚ ኣገባብ እዚ: እቲ ጕዕዞ እቲ ናብ ቶጎ እትገብሮ ናይ መወዳእታ ጕዕዞ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘለዋ ሓያል ባህጊ ኣይጠፍአን።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ሰፊሕ ጐላጕል ኣፍሪቃን ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ዜደንቑ እንስሳ ዘገዳምን ንምርኣይ ወትሩ እህንጠ ነበርኩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ንኦሴኣን ሒዘያ እኸይድ ነበርኩ
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ሽማግለታት ንኦሴኣን ናብ ኣኼባታት ሒዘያ ንኽመጽእ ተሰማምዑሉ