ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስ ወፈያታት

ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስ ወፈያታት

ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስ ወፈያታት

እዚ ቐጺሉ ዘሎ ዛንታ ዜሕዝን እዩ። ንግስቲ ዓታልያ ብተንኰልን ብቕትለትን ኣቢላ ኣብ ዝፋን ይሁዳ ደየበት። ኵሎም እቶም ወረስቲ እቲ ዝፋን ዝሞቱ ስለ ዝመሰላ: ንርእሳ ንግስቲ ገበረት። ንየሆዋን ንሕጉን ኣጸቢቓ እተፍቅር ዝነበረት ልዕልቲ የሆሸባ ኸኣ: ብትብዓት ነቲ ሕጻን ዝነበረ ዮኣስ ዚበሃል ወዲ ንጉስ ሓብኣቶ። የሆሸባን እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ዮያዳ ሰብኣያን: ነቲ ወራሲ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቤተ መቕደስ ሓብእዎ።—2 ነገስት 11:1-3

ዮኣስ ወዲ ሸውዓት ዓመት ምስ ኰነ: ዮያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ነታ ብዘይግቡእ ኣብ ዝፋን ዝደየበት ንግስቲ ኺግልብጣ ተዳለወ። ነቲ ወዲ ኻብቲ ተሓቢእዎ ዝነበረ ኣውጽኦ: ነቲ መንግስቲ ኺወርስ ዚግብኦ ብምዃኑ ድማ ዘውዲ ደፍኣሉ። እቶም ሓለውቲ ንጉስ ነታ እክይቲ ንግስቲ ዓታልያ ናብ ወጻኢ እቲ ቤተ መቕደስ ኣውጺኦም ቀተልዋ: እዚ ድማ ነቶም ህዝቢ እፎይታን ሓጐስን ኣምጸኣሎም። ዮያዳን የሆሸባን በዚ ዝገበርዎ ተግባር ኣቢሎም: ኣብ ምድሪ ይሁዳ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ንኺምስረት ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ልዕሊ ዅሉ ግን: ነቲ ናብ መሲህ ዜብጽሕ መስመር ወለዶ ንግስና ዳዊት ንኪቕጽል ኣበርክቶ ገበሩ።—2 ነገስት 11:4-21

እቲ ሓድሽ ዝነገሰ ንጉስ እውን ንልቢ ኣምላኽ ዜሐጕስ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤት የሆዋ ጽገና የድልያ ነበረ። ዓታልያ በይና ገዛኢት ይሁዳ ኽትከውን ዘይተኣደነ ህርፋን ስለ ዝነበራ: ነታ ቤተ መቕደስ ዕሽሽ ኢላታ ጥራይ ዘይኰነስ: ዘሪፋታ እያ። ስለዚ: ዮኣስ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኪሃንጻን ኪጽግናን ቈረጸ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ንጽገና ቤት የሆዋ ዚኸውን ገንዘብ ንኺእከብ ኣዋጅ ኣውጽአ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኵሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚአቱ እተቐደሰ ገንዘብ: ዚተሐላለፍ ገንዘብ: ነፍሲ ወከፍ ናይ ገምጋም ነፍሲ ዚህቦ ገንዘብን እቲ ልቡ ዝደፍኦ ሰብ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዘምጽኦ ዅሉ ገንዘብን: እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ከካብ ዚፈልጥዎ ይውሰዱ እሞ ንሳቶም ነቲ ፍራሳት እታ ቤት: ኣብኣ እተረኽበ ዘበለ ዅሉ ፍራሳት ይጸግኑ።”—2 ነገስት 12:4, 5

እቲ ህዝቢ ብፍታው ወፈያ ገበረ። እቶም ካህናት ግን ነታ ቤተ መቕደስ ንኺጽግኑ እተዋህቦም ዕዮ ብምሉእ ልቦም ኣይኰኑን ዚፍጽምዎ ነይሮም። ስለዚ: እቲ ንጉስ ነቲ ነገር ባዕሉ ኺቈጻጸሮ ወሰነ: ኵሉ እቲ ወፈያታት ናብ ሓደ ፍሉይ ሳጹን ከም ዚኣቱ ድማ ገበረ። ንዮያዳ ሓላፍነት ኣሰከሞ: እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ካህን ዮያዳ ግና ሓደ ሳጹን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ: ኣብ ጥቓ መሰውኢ ነቶም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝአትዉ ሰብ ብየማኖም ኣቐመጦ። እቶም ኣብ ደገ ዚሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝአተወ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ። ኰነ ኸኣ: ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ: ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደየቡ: ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ገንዘብ ቈጺሮም ኣብ ኣኽያሽ አሰርዎ። እቲ እተመዝነ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሀቡ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ጸረብቲ ዕጨይትን ንሃነጽትን: ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እቲ ፍራሳት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን: ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዅሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ።”—2 ነገስት 12:9-12

እቶም ህዝቢ ብምሉእ ልቦም ወፈያ ሃቡ። እታ ቤት ኣምልኾ የሆዋ ተጸገነት: ኣምልኾኡ ኸኣ ብኽብሪ ቐጸለ። በዚ ኸምዚ: ኵሉ እቲ እተወፈየ ገንዘብ ኣብ ዚግብኦ መዓላ ወዓለ። ንጉስ ዮኣስ ነዚ ዚግባእ ቍጽጽር ገበረሉ።

ኣብዚ ግዜና: እታ እትርአ ማሕበር የሆዋ: ኵሉ ወፈያታት ንምድንፋዕ ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ዚግባእ መዓላ ኸም ዝወዓለ ተጠንቂቓ ትከታተል እያ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከምቶም ጥንታዎት እስራኤላውያን ብምሉእ ልቦም ወፈያ ይህቡ ኣለዉ። ምናልባት ንስኻውን ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ወፈያ ዝገበሩ ትኸውን ኢኻ። ገለ ኻብቲ ወፈያታትካ ዝወዓለሉ መዓላ እስከ ንርአ።

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስፍሕፋሕ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዘን ቃላቱ እዚኣተን ካብ ዘለዎም ተኣዛዝነት ተላዒሎም: ኣብ 235 ሃገራት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰብኩን ይምህሩን ኣለዉ። ብ413 ቋንቋታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይሓትሙን ይዝርግሑን ኣለዉ።

እወ: ሓደ ክርስትያን: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን ምእንቲ ኺመሃሩ ኺህቦ ዚኽእል ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ወፈያ: ግዜኡ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም ንምሕጋዝ ግዜኦምን ጕልበቶምን ከይበቐቑ ይውፍዩ እዮም። ገንዘቦም እውን ብልግሲ ወፍዮም እዮም፣ ኵሉ ወፈያታቶም ከኣ እንተ በዚ እንተ በቲ ንስም የሆዋን ዕላማኡን ኣብ ምሉእ ምድሪ ዜፍልጥ እዩ። የሆዋ ነቲ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባኡ ዝያዳ ንምምሃር ዚግበር ጻዕርታት ብሕጂውን ኪባርኾ ንምነ። (ምሳሌ 19:17) ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፍታው መንፈስ: ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ እዩ!—እብራውያን 13:15, 16

ሕትመት

ኣብ መላእ ዓለም ንኺጽናዕን ንኺብርከትን ተባሂሉ እዚ ዚስዕብ ጽሑፋት ተሓቲሙ:-

• መጻሕፍቲ:- 47,490,247

• ንኣሽቱ መጻሕፍቲ:- 6,834,740

• ብሮሹራት:- 167,854,462

• ዓውደ-ኣዋርሕ:- 5,405,955

• መጽሔታት:- 1,179,266,348

• ትራክትታት:- 440,995,740

• ቪድዮታት:- 3,168,611

ሕትመት ኣብ ኣፍሪቃ: ኣብ ሰሜንን ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ: ኣብ እስያ: ኣብ ኣውሮጳ: ከምኡውን ኣብተን ኣብ ፓስፊክ ዚርከባ ደሴታት ይግበር—ብድምር ኣብ 19 ሃገራት ማለት እዩ።

“ስመይ ኬትሊን መይ ይበሃል። ጓል ሸሞንተ ዓመት እየ። $28 ኣሎኒ: ንሕትመት ምእንቲ ኺሕግዘኩም ከኣ ሰዲደልኩም ኣለኹ። ንእሽቶ ሓብትኹም: ኬትሊን።”

“ብዛዕባ እተን ሓደስቲ ሓተምቲ ማካይን ብስድራቤት ተኣኪብና ተዘራሪብናሉ ኢና። ደቂ 11ን 9ን ዝዀኑ ደቅና: ካብቲ ዘዋህለልዎ ገንዘብ እጃሞም ኬበርክቱ ደለዩ። ወፈያታቶም ምስ ናትና ወሲኽና ኽንሰደልኩም ምኽኣልና ኣሐጒሱና እዩ።”

ህንጸት

ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሕግዝ ተባሂሉ እተገብረ ስርሓት ህንጸት ነዚ ዚስዕብ ይመስል:-

• ኣብተን ዓቕመን ድሩት ዝዀና ሃገራት እተሃንጸ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ:- 2,180

• ዓበይቲ ኣኼባታት ዚግበረሉ ኣደራሻት:- 15

• ጨንፈራት ኣብያተ-ጽሕፈት:- 10

• ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ ኣህጉራውያን ወለንተኛታት:- 2,342

“ኣብዚ ቐዳመ-ሰናብቲ እዚ ኣብቲ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ኣኼባ ጌርና። ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦና ንምውዳስ ብቑዕ ቦታ ብምርካብና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። ዝያዳ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ብምህናጽ ነቲ ዜድልየና ነገራት ንምምላእ ቈላሕታ ብምግባርኩም: ንየሆዋን ንዓኻትኩምን ከነመስግነኩም ንፈቱ። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንጐረባብትና ብሓቂ ዚጠቅም እዩ።”ቺለ

“ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ብማሕበር የሆዋ እተዋህበ ሓገዝ ብዙሕ እዮም ዜማስዉሉ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ምስቶም ሃነጽቲ ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ ግዜ ኢና እንዘራረብ።”—ሞልዶቫ

“ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣነን ብዓልቲ ቤተይን መበል 35 ዓመት መርዓና ኣኽቢርና። ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ንሓድሕድና እንታይ ከም እንወሃሃብ ክንሓስብ ከለና: ንየሆዋን ንማሕበሩን ሓደ ነገር ክንህቦም ወሲንና፣ ከመይሲ: ብዘይ ሓገዞም ምናልባት ኣብ ሓዳርና ዕዉታት ኣይምዀንናን። እዚ ዝለኣኽናልኩም ገንዘብ ኣብተን ድኽነት ዘለወን ሃገራት ንዚግበር ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከተውዕልዎ ኢና እንደሊ።”

“ኣብዚ ቐረባ ግዜ ውርሲ ወሪሰ፣ ‘ዝብህጎ’ ነገራት ሒደት: ‘ዜድልየኒ’ ነገራት ከኣ ካብኡ ዝወሓደ ብምዃኑ: እዚ ዝሰደልኩም ዘለኹ ገንዘብ ነቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣመና ዜድሊ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ኪሕግዝ እየ ዚደልዮ።”

ረድኤት

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ብዘይ ገለ መጠንቀቕታ ባህርያዊ ሓደጋታት የጋጥም እዩ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቶም ኣብቲ እተጠቕዐ ኸባቢታት ዚርከቡ ኣሕዋቶም ምእንቲ ኺሕገዙ ዝያዳ ወፈያ ይገብሩ እዮም። ዕንወት ኬጋጥም ከሎ ረድኤት ንኪኸውን ዚለኣኽ ወፈያታት ከም ክፍሊ ዓለምለኻዊ ዕዮ ምዃኑ ኸነዘኻኽረኩም ንፈቱ። ገለ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋታት እተጠቕዑ ዝሓገዙሉ ቦታታት እንሆ:-

• ኣፍሪቃ

• እስያ

• ከባቢ ካሪበያ

• ደሴታት ፓሲፊክ

“ኣነን ብዓል ቤተይን ነቲ ህቦብላ ዜስዓበልና ጕድኣት ዚኸውን ረድኤት ብምልኣኽኩም ከነመስግነኩም ንፈቱ። ቤትና ሓድሽ ናሕሲ ኽንገብረሉ ኽኢልና ኢና። ቀልጢፍኩም ነዚ ብምልኣኽኩም ነማስወሉ ኢና።”

“ስመይ ኮኖር ይበሃል: ወዲ 11 ዓመት እየ። ብሰንኪ ሱናሚ ዘጋጠመ ነገር ምስ ረኣኹ: ክሕግዝ ደለኹ። እዚ ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ኪሕግዞም ተስፋ እገብር።”

ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ

ሓያሎ ክርስትያናት ምሉእ ግዜኦም ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ወይ ቤትኤል የሕልፉ እዮም። ገሊኦም ናይ ምሉእ ግዜ ወለንተኛታት: ብፍታው ብዚግበር ወፈያ እዮም ዚድገፉ። ገለ ኻባታቶም ከኣ ቀጺሎም ተዘርዚሮም ኣለዉ:-

• ሚስዮናውያን:- 2,635

• ገየሽቲ ተዓዘብቲ:- 5,325

• ቤትኤላውያን:- 20,092

“ሕጂ ኣብ ቤትኤል ከገልግል ስለ ዘይክእል [ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ]: ነዚ ወፈያ እዚ ምስ ፍቕሪ ኽሰደልኩም እደሊ። ምስ ዓበኹ: ናብ ቤትኤል ኣትየ ኣበርቲዐ ኽዓዪ እየ።”

[ኣብ ገጽ 28-30 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዚብል እተጻሕፎ ናይ ውጽኢት ሳጹናት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዜገልግል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ኺስደድ ይከኣል እዩ። እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watch Tower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብሕድሪ ምስ ግምቢ ዘብዐኛ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ድማ ዜጠቓልል እዩ:-

መድሕን:- ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ኰይኑ ንግምቢ ዘብዐኛ ኺውፈ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ወፈያ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንግምቢ ዘብዐኛ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ: ወይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዚወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚፍጽምዎ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ንጥፈታት ኪሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ን“ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Faithful video: Stalin: U.S. Army photo