ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽሙማን ብስራት ኣካፊሎምዎም እዮም

ንጽሙማን ብስራት ኣካፊሎምዎም እዮም

ንጽሙማን ብስራት ኣካፊሎምዎም እዮም

ሓደ ዳይረክተር እቲ ኣብ ከተማ ማድሪድ: ስጳኛ ኣብ ናቫልካርኔሮ ዚርከብ ኣረጋውያን ዚጥወሩሉ ትካል: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ቦታ ዝገበርዎ ምብጻሕ “መንፈሳውነት እዮም ዜሕድሩልካ!” ብምባል ገለጾ። ከምዚ ኢሉ ንኺዛረብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ሓያሎ ነበርቲ ማእከል ሮሳስ ደል ካሚኖ ጽሙማን እዮም። ይኹን እምበር: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ ስጳንኛ ናይ ምልክት ቋንቋ ንኺመሃሩ ብዙሕ ጻዕሪ ብምግባሮም: ምስቶም ነበርቲ ኺረዳድኡ ኸኣሉ። እቲ ዳይረክተር: ነቶም ዜድልዮም ሰባት መንፈሳዊ ነገራት ብዘይ ክፍሊት ንምምሃር ንዝገበርዎ ጻዕሪ ኣመስገኖም። እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብቶም ነበርቲ ዘሕደሮ ጠቓሚ ጽልዋ ኺርኢ ኸኣለ። እቶም ነበርቲ: ብፍላይ ድማ እቶም ናይ ምስማዕን ናይ ምርኣይን ጸገም ዝነበሮም: ነቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሩሎም ምብጻሕ ዓብዪ ግምት ሂቦምዎ ነበሩ።

ሓደ ዩሎሂዮ ዝስሙ ኺርእን ኪሰምዕን ዘይክእል ኣብቲ ትካል ዚነብር ሰብ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ: መጽናዕቲ እናገበሩ ኸለዉ: ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ናብኦም ቅርብ ኢሉ: እቶም ነበርቲ ነቲ እተሰምዖም ሞሳ ንምግላጽ ዘዳለውዎ ግጥሚ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሃቦ። ኣርእስቲ እታ ግጥሚ “ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን” ዚብል እዩ። ብኸፊል: “ጽቡቕን ስርዓታውን ህይወት ይነብሩ: ካብ የሆዋ ድማ ጥበብ ይረኽቡ። ነባይቲ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ይገብሩ: ከመይሲ ኣብ የሆዋ እዮም ዚውከሉ” ትብል።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም ትውክልቲ እዩ ነቶም ኣብ ዓዶም ዘለዉ ጽሙማን ንምሕጋዝ ናይ ምልክት ቋንቋ ንኺመሃሩ ዚደፋፍኦም። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜበራትዕ ተስፋ ነቶም ጽሙማን የካፍልዎም።